ኣማንኤል በርሀ
“እቲ ቀዳማይ ንጓል ኣንስተይቲ ምስ ዕምባባ ዘመሳሰላ ገጣማይ’ዩ፣ እቲ ካልኣይ ከምኡ ዝገበረ ግን ኣብዲ’ዩ” ፈረንሳዊ ገጣሚ ጀራርድ ነርቫል
ብዙሕ ግዜ ናይ ትግርኛ ግጥምታት ኣብ ዘንብበሉ፡ ነታ ግጥሚ ኣቐዲመ ዝፈልጣ ኮይኑ እስመዓኒ’ሞ፡ ደጋጊመ ምስ ኣንበብክዋ ግን ከም ዘይፈልጣ እፈልጥ። ብድሕሪኡ ዝመጽእ ሕቶ፡ “ስለምንታይ ደኣ ዝፈልጣ ኮይኑ ተሰሚዑኒ?” ዝብል’ዩ። ተመሳሳሊ ዛዕባ ዘለዎም ካልኦት ግጥምታት ኣንቢበ ኔረ ከይከውን ድማ ክዝክር እፍትን። ብዙሕ ግዜ ዝረኽቦ መልሲ ግን፣ ምድጋም ወይ ምቕዳሕ ናይ ትልምታት ዘይኮነ፡ ብዙሓት ኣበሃህላታት ስለ ዝደጋገሙ’ዩ። እንደገና ተመሊሰ ነታ ግጥሚ ከንብባ ከለኹ ድማ፡ ሰኣን ቁሩብ ፋሕተርተር ብሰንኪ ክሊሸ ዝተወጽዐት ኮይና እረኽባ – ብዙሕ ግዜ። ክሊሸ ድማ ካብ’ቶም ፈጺምና ክንውግዞም ዘለና ኣሰልቸውቲ ባእታታት ድኹም ግጥሚ’ዩ።
ክሊሸ ዝብል ቃል፡ ‘kli-shay’ ካብ ዝብል ናይ ፈረንሰይኛ ቃል ዝተራዕመ ምዃኑን ንተደጋጋሚ ኣሰልቻዊ ድምጺ ከምዝገልጽን ይሕበር’ዩ። እዚ ቃል ኣብ ስነ ጽሑፍ፡ ቅብኣ፡ መደረ፡ ብሓጺሩ ኣብ ጥበብ ንዝርአ ናይ ኣበሃህላ፡ ድምጽን ትርኢትን ካብ ሕሉፍ ስርሓት ኣምጺእካ ዝግበር ምድግጋም ይገልጽ – ዋላ ደኣ መበቆላውነት ኣይሃልዎ’ምበር፡ ምቕዳሕ ወይ ምስራቕ ማለት ግን ኣይኮነን። ኣብ ግጥሚ ምስ እንመጽእ ንምድግጋም ሓረጋትን ቃላትን ይውክል። “ምድግጋም” ክበሃል ከሎ ግን፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ስራሕ ንዝግበር repitetion ንምግላጽ ዘይኮነ፣ ዘመናት ወይ ዓመታት ኣብ ጥቕሚ ንዝጸንሑ ኣበሃህላታት ምድጋም ማለት’ዩ። ኣብ ግጥሚ ድማ ሓደ ካብ’ቶም ነውርታት (don’ts) ኢዩ ዝቑጸር።
ሓንቲ ቃል ኣብ ግዜኣ ብርቂ ወይ እምብዛ ገላጺት ኮይና ትቐርብ’ሞ፣ ብኻልኦት “ጥበበኛታት” ምድግጋም ምስ በዝሓ ግን ኣመና ኣሰልቻዊት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣቖጣዒት’ውን ትቕየር። ከም’ቲ ገጣሚ ጀራርድ ዝበሎ ከኣ፡ እቶም ድሒሮም ነቲ ኣበሃህላ ዝደግሙ ሰባት፡ ጥበበኛታት ዘይኮኑስ ዓያሹ’ዮም። ኣብ ኣበሃህላታት ናይ ትግርኛ ግጥምታት፡ ኣብነታት ምስ እንርኢ “መዓንጣ ሽቦ፣ ሃሪ ጸጒሪ ርእሳ፣ ክሳድ ብርለ፣ ዓለም ጎዶሎ’ያ፣ ናፍቖትኪ ከም ማይ የጽምኣኒ፡ ከም እንጌራ የጥምየኒ. . .”ወዘተ፡ ዝብሉ መግለጺታት፡ ካብ ኣመና ምድግጋሞም፡ ጽባቐኦም ጥራይ ዘይኮነ፡ ትርጉሞም’ውን ዝሃሰሰ ይመስል። ኣብ ስርሓትካ ከም’ዚኦም ዓይነት ሓረጋትን ቃላትን እንተደሃልዮም፡ “ቅድሚ ሕጂ ሰሚዐያ ዘይፈልጥ እንተዝኸውንሲ ምተጠቐምኩላዶ?” ኢልካ ክትሓትት ኣለካ። ንክሳድ ብብርለ ምገለጽካያዶ? ንመዓንጣኸ ካልእ መመሳሰሊዶ ኣይምረከብካላን?
ዝበዝሕ ግዜ ክሊሸ ካብ ትህኪት ወይ ህርፋን ዝነቅል’ዩ። ንሓደ ሓሳብ ወይ ነገር ንዕኡ ዝውክል መግለጺ ወይ ቃል ከተናድየሉ ጻዕሪ ኣብ ክንዲ ምግባር፣ ተኸሽኖም ዝጸንሑኻ (ready made) መግለጺታት ትሰኹዓሎም። ኣንባቢ ድሮ ንዓመታት ከም ቅቡላት ወሲድዎም ስለ ዝጸንሐ ድማ፡ ናይ ኣበሃህላ ጌጋ ከይርከበካ ዘጠራጥር የብልካን። እቲ ዝኸፍአ ምስልቻው ትፈጥር ምህላውካ ግን ዘይምዝንጋዕ። ሓንቲ ከም ማስቲካ ሽኮራ ወዲኣ ዝኣረገት ሓረግ፡ ንምሉእ ጽባቐ ግጥምኻ ረሞቕ ከተብሎ ትኽእል’ያ። ስለዚ ከኣ’ዩ “ኔው በላ” ተባሂሉ ምኽሪ ዝወሃብ።
ብርህ ምስ በለኒ ካብ ደርፍታትና እናቖናጨልኩ ኣብነታት ከስዕብ’የ።