ሓንቲ ካብ ብሉጻት 8 ግጥምታት ውድድር ግጥሚ ዛራ ገጠምቲ 2015
< . . . ካን!?>
“ በስ ካን ከምዛ ዝብለካ’ያ!
. . . ሽዑ፡ ድሕሪ ካምብያ ጸወታ ቀጺሉ
እንታይ እሞ
ኩዕሶ ዝሓዘ ሓሽሽ ከም ዝሓዘ ኮይኑ።
‘ኣብ ሓንቲ ሜዳ
ብክልተ ኮዓሳሱ
እናተኸራፈሱ
ዝተመዝገቡ በደላት በዲኦም ይቆጸሩ
ሰብ ናብ ሰቡ ዝብኢ ናብ ገረቡ
ንቡር እንደኣሉ
ሰብ ናብ ሰቡ ዝብኢ ናብ ሰቡ
ምስ ኮነ ነገሩ
እንታይ ይግበር ኮይኑ!”
< እንታይ ትብል ኣንታ?>
‘እወ ቲፎዞ ደንጸዎ ገለ ድማ ሰኸረ
‘ዋላ ትንፈር ጤል እያ’ ኢሉ እናጨደረ
ቀሊል ኣይነበረን ጨጓሩ ንውሽጢ ዝገበረ።
‘መዓስ እዚ ጥራይ
ፊስካን ካርድን ዳኛ እንዳተመንጠሉ
‘ዓገብ’ ኣብ ዝበሃሎ፡ ኣፉ ኣፍ-ላም ኮይኑ
ዝጅነን እናተጀነነ
ዝጅንጀን እናተጀንጀነ
መቖርጠጢ ተሳእኖ እቲ ዝተኻወነ።”
< እንታይ ትብል ኣንታ?>
“. . . ንፈውሲ ማሕላ’ባ ለባማት ኣቕሪቦም
‘. . . ከመይ ኣቢሉ ኦፍሳይት ጎል ይጸድቕ?
ናብ ሰኪዔትና ከነመዝግብ ሰለምንታይ ንቕሰብ?
ዝተበደለ ብቕላዕ መቕጻዕቲ ላሕ እንተለ
እንታይ ተኸስበ?’ ምስ በሉ፡
‘ ሽዑ ኮር ተገልበጥ ሰፈነ
መኽሕን ህሞት ኾነ።
‘‘ደሓን ዋላ ስዓሩና
ጥራይ መሓሩና
ድሮ 90 ደቓይቕ ሓሊፉ
ተወሳኺ ግዜ ከም ማይ ሃፊፉ’’
ምስ ደገሙ፡
ማዕጾ ተረጊጡ መዋጽኦ ሓርበተ
ዕጽፍታት መእተዊ ንዋጋ፡ንመውጽኢ እናተኸፍለ
ገለን ከም ጠበቕ ብመንደቕ ሓኹራ
ገለን ከመንጭዋ ብፋኛትራ ኮይኑላ ።”
<እንታይ ትብል ኣንታ?>
‘ካን እዛ ዝብለካ’ያ
ኣብ ጭርጭር ዓበደ ህደም ህደም
ዓቕሉ ዘጽበበ ኣብቲ ውሕጅ ድርግም
እነሆ ተወሲኹ ኩርንዒት ሰሃሮ
ኣባይና ይዘርዝሮ።
ንዘመዝገብኩሞ ጎላት ብይቕረ ደምስሱ’
ተባሂሉ በዓል ነጎዳ ሓዊ ተደቢሱ
ደሓር ድሕሪ ክንደይ ፊፋ ተስፋ ሂባ
ግን ትገበሮ የለን ካብ ምኹናን ሓሊፋ!. . .”
<ካን!?>
“ካን እዛ ዝብለካ እያ!”
ሳባ ኪዳነ
31/ 01/ 2015