Kibrom Demoz
እዛ መደብ እዚኣ ከም ኣድላይነቱ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ እናተዳለወት ትቐርብ ኮይና፡ ነቶም ኣብ ቋንቃቋ ዓስኪሮም ጥዑም ክረኽቡ ከይሓለሙ ንዕበየት ጥበብ ወፊሮም፡ ” ገጣሚ ስሙ ሰማይ ድራሩ ማይ!” ምዃኑ ኣሚኖም ነብሶም ንጥበብ ከፊሎም ኣብ ከብሕታት ግጥምታትና ተዘካሪ ኮይኑ ክነብር ዝኽእል ስራሕ ብመልክዕ መጽሓፍ ይኹን ወይ ‘ውን ብንጽል ዘበርከትሉና ዓበይትን መንእሰያትን ካብ ከብሕታቶም እናፈተሸት ከተቕርበልና ክትፍትን ‘ያ። ዝኾነ ሰብ ድማ ክሕለፍ የብሉን ዝብሎ ጦብላሕትኡ ከካፍለላ ዝኽእል መደብ ምዃና ከነዘኻኽር ንፈቱ።
ንሎሚ እምበኣር ብግጥምታቱ ኣብ ልቢ ብዙሓት ዝነብር ገጣሚ መለስ ንጉሰ ካብ ዘፍረዮም ግጥምታት ሓንቲ ከነካፍል ኢና። መለስ ኣብታ “ዘሎ ‘ዩ ዝህሉ” ዝሰመያ ቦኽሪ እኩብ ግጥምታት ዝሓዘት መጽሓፉ፡ ንኹሉ ዓይነት ኣነባብራ ሂወት ዓድና ካብ ዝገለጹ ዕውታት ገጠምቲ ከብሎ ዘኽእል ስርሓት ዘፍረየ ስነ ጥበባዊ ‘ዩ። “ኣርማድዮና” ኣብ ዝሰመያ ግጥሙ ከም ኣብነት እንተ ርኢና ኣበይ ብዘየገድስ ንኹሉ ከተማዊ ሂወት ህዝብና እትርኢ፡ ሕልፍ ክብል ንዝነበባ ውን ከይተረፈ ከም ጠነግ ለጊባ ብቐሊል ዘይለቅቕ ዝኽሪ ኮይና ትነብረሉ ግጥሚ’ያ። ነቲ ኣብ ዝኾነ ክፋል እዛ ዓለም ዘጋጥም ንዋይ ዓለም ክንግብት ንሓውና ከይረዳእና እነሕልፎ ሃርጓም ሰባዊ ባህርና ከኣ ብሓጸርትን ውሑሉላትን ቃላት ከምዚ ክብል ገሊጽዎ ይርከብ፡
ሰዶ’ባ ደኣ!
ኣያ መኮነን ጎይታ ጥሪት
ሓውኻ ይማስን ንስኻ ትምንጉድ
ረኣያ በል ዓለም ኣይትሰንብድ
ብሜትሮ ዓለባ’ያ ሰብ ትወስድ
ነቢዕካ ትኸውን ኣብቲ ቀብሪ
ቀብሪ ናይ ሬሳኻ ኣብቲ ጸብሪ
ዘይተማላእካዮ ዘጥረኻዮ
ዘይቅበር ምዃኑ ርኢኻዮ
ሰዶ እባ ደኣ ኣይትሕደጎ
ጉቦ እንተኾነካ ነባጅጎ
በሃም ዓሻ ልቡ ተነጸፎ
ተማላኣዮ እባ ደኣ ኣይትግደፎ!
ብምባል ፡ ጥራይ ዝባና ንዝመጻእናያ ዓለም ብሜትሮ ዓለባ ጥራይ ከም እንፋነዋ የርእየና። ኣብ ቀብሪ ‘ቲ ጸማም ውን ካብተን ኣብ ኣእሙሮ ነበብተን ሓወልቲ ኮይነን ዝነብራ ግጥምታት ኮይና፡ ከሎ ንዘይሰምዐ ምስ ሞተ ክንድኡ እንተ ተነብዐ ሰብ እንተ ተባልዐ እንታይ ፋይዳኡ ክትብል፡ ብውሕሉል ኣገላልጻ ከለኻን ከላካን ‘ዩ ሂወት ንዝብል ሓቂ ተርእየና። ብሓፈሻ ኣብታ መጽሓፍ ካብ ኣርእስታ ጀሚርካ ከም ምጽላል፡ ቃል ሰማእቲ፡ ሚለን፡ መርዓት ጓል ስውኣት፡ ሰብ ጠፊኡና፡ ዘመነ ተወልፈፍን ኮታ ብሓፈሻ ነተን 69 ግጥምታት ከይወዳእካ ነታ መጽሓፍ ከፊትካ ክትዓጽዋ ኣይትብህግን። ብልሕን ጥበብን ገጣሚ ካብ ኣራኣስቲ ጀሚሩ ሒዙካ ሸለው ይብል። “ዘሎ’ዩ ዝህሉ” ‘ዩ ዝብል። ብሓቂ ዘሎ ‘ዩ ዝህሉ! “ዝሞተ እንተሞተ ዘለና ንዛተ” ከም ዝበሃል ስለዘለና ኢና ንበሃህል ዘለና። ነዚ ከኣ ኩርናዕ ርእየት ገጣሚ ኣድኒቕካ ኣይትጸግቦን።
ንሎሚ ኣካል ናይ’ዛ መደብ ክትከውን ተሓርያ ዘላ ግጥሚ ግን ምስ ህልው ኩነታትናን ሓፈሻዊ ገጻት ስድራናን ከተሳኒ ዝተመርጸት ” ናብ ዓርከተይ ” ዝተሰምየት ግጥሚ’ያ። ዓርከት እቲ መዋሕጥቲ ጸጸር፡ ዘንፈጸ ኣንፊጽዎ ሃጽ ምስ በለ ካብ ስግር ባሕሪ ዝለኣኻ ደብዳቤ’ያ። ናብራ እቶም ክህቡ ኢዶም ዝቖርጹ ብጸሎቶም ማይ ዘዝንቡ ስድራ ድማ ብውሕልነት ሰፊሩ ንረኽቦ። ጥሪት ዓዲ ክሕሉ ክሓቁፍ፡ ብቕናቶም ይሰርሑለይ ወንጭፍ! ይብል ‘ሞ፡ ትሕት ኢሉ ድማ ናብራ እዛ ዕንቊ ዓይና ከተስርር፡ንዓኣ ሶሊኽካ ራሃዋ ንኽትፈጥር፡ ብዓይኒ መርፍእ ሕለፍ እንተ ኢሎም ተኣምር፡ ብሓንቲ ለይቲ ‘የ ናብ ፈትሊ ዝቕየር። ክብል ክብደት ናይቶም ሕልና ገሪሕዎም ኣብ ዓዲ ጾር ስድራ ተሰኪሞም ዘለው የሕዋት የዕሩኽን መሓዙትን የርኢ። ደጊምና እዚ መደብ ንኹሉ ተሳታፊ ክፉት ምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ።
ናብ ዓርከተይ
ደብዳቤኻ ኣንቢበዮ
ካብ ስግር ባሕሪ ዝሰደድካዮ
በል ሕዝ
ካብቲ ኩሉ ሓንቲ ክምልስ፣
ሕቶኻ ” ከመይ ኣለው ስድራ?”
ደብሪ ነቕኒቕካ ግዝፊ እምባሶይራ
ስድራ ዶ ኢልካ?!
እቶም ክልግሱ ኢዶም ዝቖርጹ
ኣፎም ገዲፎም ዘኾልሱ
ረጊሞም ዘብጹሑ ጸልዮም ማይ ዘፍስሱ፣
ዝለምለመን ዝመቀረን
እንቛቑሖ ኣርሕን ልግዐ ብተይን
ቅድም ንውሉደይ ዝብሉ
ንሶም ደኣ የዕብዮም ኢዶም ከይተፈድዩ
ምንባብ ደብዳቤኳ ከይከኣሉ
ገጽ ከባብን ንፋስን ኣንቢቦም ዝጾሩ
ኣለው ከይተዛረቡ ውዒሎም ይሓድሩ!
ብልጭ ብልጭ ምስ በለ በርቂ ጥፍኣት
ወላድ መኻን ክገብር ምስዘነበ ኣብ ቅርዓት
ህቦቡላ ፈርስ ተሰቒሉ
ተሓምበለ ክብል ተዃሉ ኣኸቲሉ
ንዓኻ ዶ ምንጋር ተደልዩ
ገጽ ስድራ ንእለት ዓሚሉ።
ኣነ ድማ፡
ገጾም ይጥመት የፍርሃኒ
ዘረባ ኮይኑ’ሎ ብቕርኒብ ዓይኒ፣
ከየተዛረብኩ የንብብዎ ገጸይ
ንንጠማመት ኣለና ዓርከተይ፡
ይምስሉ ከኣባ ረሲዐልካ፣
“ዓርከትካ ክፍለ ፍቕሪ ቅበር
ውሉድካ ክፍለ ሃብቲ ቅበር”
ናተይ ስድራ ንዓይ ቀብሮም
እንከለኹ ምስኦም።
ኣብቲ ግርማ ገጾም ሃንቀውታ ይንበብ
ኣብቲ ቅርኒብ ዓይኖም ለውሃቶም ይሰርብ።
ኣነ ድማ ፡
ብዓይኖም ኣቢለ ንላዕሊ የንቃዕርር
እናሻዕ እምህለል ከይፈልጡኒ የምስል።
ቅርኒብ ዓይም ዘዋህለሎ ሰርቢ
እንተዘኒቡ ምእባድ ከይኣቢ
ዓይኒ ምስ ዓይኒ ኣይንጋጠምን
ተስፋ ከይስእኑለይ ኣይደንን!
ንናሕሲ ህድሞና ብዓይኒ ይኸዶ
ከምዛ ዘይፈልጦ ይጥምቶ
ሓርከሙን ሰርውኡን ይፈቓቕዶ።
ከመይ ኣለው ዶ ኢልካ?
ከምዘይክወን የለን ተኻዊኖም
ነዚ እምባ ብመርፍእ የሕሊፎም
ይጥሙቱኒ ኣበሪኾም
ከይሽቑረር ብኢዶም ደጊፎም።
ጥሪት ዓዲ ክሕሉ ክሓቁፍ
ጭርናዕ ከይለግብወን ንኸናግፍ
ብቕናቶም ይሰርሑለይ ወንጭፍ።
ኣነ ድማ፡
ትርጉሙ ይኸብደኒ ብዘዘው ይዕዘም
በዓል ቀርኒ ህይወት ንሕልፈት ዝቕድም
ኣንጎልሒጡ እንከሎ ዘይሃድም ሕሰም
መዋእል ይቖጽሩ ምሉእ ተስፋ ሂቦም፣
(ንርፍራፍ ቅራፍዶ ምተረኽቦ መግደፍ
ብጨው ደፍደፍ ጠርቆም ኢልካ ምሕላፍ?)
ተጻዊሩ ከርሲ ስድራ
ኪንዮ ሕርሲ ዘሎ መከራ፡
ከም መረቕ ዝስተ ከርተት
ኣብ ገጾም ዘሎ ድርሰት፣
ስእሊ ባቡር ምስ ሓዲዱ
ውቑር መጥሓን ምስ መዲዱ
ቅርጺ ትኮም ንልቦም የማዕዱ
ሑእ ከይበሉ ስዓል ዘሰንብዱ።
ንሶም ከይቆሩ ምስኦምየ ዝመከር!
ናብራ እዛ ዑንቂ ዓይና ከትስርር
ንዓኣ ሶሊኽካ ራህዋ ንኽትፈጥር
ብዓይኒ መርፍእ ሕለፍ እንተ ኢሎም ተኣምር
ብሓንቲ ለይቲ እየ ናብ ፈትሊ ዝቕየር
እንሆ ድማ ጾር ክልተ ከራግፍ
ዓይኖም ርእየ ብዓይኖም ይሓልፍ!
በል ከምዚ ኢና ምስ ስድራ ነሕልፍ
እናተንባበብና ኣለና ኣይትሰከፍ!
(ዕውትቲ ፈስቲቫል ኤርትራ 2007)
መለስ ንጉሰ