ዲያቆን ዳኒኤል ክብረት
ትርጉም መኮነን ተስፋይ
ዝተፈተኻ ኣንባቢ ስለምንታይ ካብ ዘየሎ ትጅምር? ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ሓዘን ዝውስኽ፡ ተስፋ ምቑራጽ ዘብጽሕ፡ ናይ ትሕትነት ስምዒት ዘውርድ፡ ንሃተፍተፍና መሊሱ ዘግድዶ ካብ ዘየለ ምጅማር ዝብል’ዩ። እስኪ ሕስብ ነብል፡ ካብ ብዛዕባ ዘይረኽብናዮን ብዛዕባ ዘይበጻሕናዮን፡ ብዛዕባ ዝሓለፉናን ወይ ከኣ ብዛዕባ ዘይተገብሩልናን ንሓሳብ ብዛዕባ ዘሎን ዝበጻሕናዮን ዘይንሓስብ።
ኣብ ኢድና ዘሎ ዘሎ ድዩ ዝበልጽ ዋላስ እቲ ኣብ ኢድና ዘየሎ? ኣብ ኢድና ዘሎ ንእሽቶ’ዩ፡ እቲ ኣብ ኢድና ዘየሎ ግን ዓለም ብምልእታ’ዩ። ብኸመይ ደኣ እቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ካብ ኣብ ኢድና ዘየሎ ዝበልጽ? ከም እትብሉ ኣይጠራጠርን። ክትግምቶ እንከለኻ’ውን ከምኡ’ዩ።
ግደ ሓቂ ግን ካብቲ ኣብ ኢድና ዘየሎ እቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ይበልጽ። ከመይ ዝብል ለባም? ብመጀመርያ እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ናትካ’ዩ። እቲ ኣብ ኢድካ ዘየሎ ግን ናትካ ኣይኮነን። ዝወነንካ ነገር ካብቲ ዘይወነንካዮ ኣጸቢቑ ይበልጽ። ምኽንያቱ በቲ ናትካ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ፡ በቲ ዘይናትካ ግን ክትጥቀም ኣይትእኽልን። በቲ ናትካ ዝኾነ ነገር ክትእዝዝ ትኽእል፡ ኢኻ በቲ ዘይናትካ ግን ክትእዝዝ ከቶ ኣይከኣልን። ናትካ ዝኾነ ነገር ከም ዝረኽበካዮ ርግጸኛ ኢኻ፡ እቲ ናትካ ዘይኮነ ግን ከም እትረኽቦ ርግጸኻ ኣይኮንካን። በቲ ናትካ ክትውስን ትኽእል፡ በቲ ዘይናትካ ግን ክትውስን ኣይትኽእልን። ናትካ ዝኾነ ንብረት ንኻልእ ክትምጥዎ ትኽእል ፡ ናትካ ዘይኮነ ግን ብፍቓድካ ክትህብ ኣይትኽእልን። ኣብ ልዕሊ እቲ ዘለካ ደው ኢልካ ነቲ ዘይብልካ ከተማዕድዎ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይብልካ ደው ኢልካ ግን ነቲ ዘለካ ክትርእዮ ኣይከኣለካን’ዩ። ስለዚ ክትቆጽር ከለኻ ካብቲ ዘለካን ካብቲ ዝረኸብካዮን ደኣ ምቑጻር ጀምር። ካብ ብዘይረኸብካዮ ምብስጫው፡ በቲ ዘለካ ተሓጎስ። ካብ ብዘይኮንካዮ ትሓዝን ብዝኾንካዮ ተደሰት። ካብ ብዘይጨበጥካዮ ምሕራቕ ብዝሓዝካዮ ክትሰርሕ ፈትን።ካብ ብዘይኮንካ ምህትፍታፍ ብዝኾንካዮ ክትነብር ጀምር።
ክትጓዓዝ እንከለኻ እናረጋገጽካ ተጓዓዝ፡ ፈለማ ዘለካ ፍለጥ፡ ድሕሪኡ በቲ ዘለካ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተጠቐምካ ርግጸኛ ኩን። ነቲ ዘለካ ክብሪ ሃቦ። ናትካ ዝኾነ ኣኽብሮ። ሽዑ ነቲ ዘይብልካ ክትረኽቦ ኢኻ። ሓዳር ናይ ካልኦት ሰባት ሪኢኻ፡ ናቶም ተመኒኻ፡ “ኣሕ ከምኦም እንተዝኸውን ኔረ እናበልካ ነብስኻ ካብ ተምርራ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛይከ እንታይ እንታይ ጽቡቓት ነገራት ኣለው? ኣይኖት ተጠቒመሎም? ነየኖትከ ኣድኒቐዮም? ነየኖትከ ዋጋ ሂበዮም? ኢልካ ንነብስኻ ሕተታ ። ዘይብልካ ጥራሕ ትርኢ እንተኾይንካ ነቲ ዘለካ ክትርእዮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ዘይወነንካዮ ጥራሕ ትሓስብ እንተኾይንካ በቲ ዘለካ ክትጥቀም ኣይትኽእልን ኢኻ። እዛ ሕጂ ትሰርሓላ ዘለኻ ስራሕ፡ ቤት ጽሕፈት ትኹን ካላእ ዕዮ ብዝግባእ ተጠቒምካላዶ? ሰሪሕካላዶ? ካብኣ ክትረኽቦ ዝግባኣካ ኸ ረኺብካዶ ? ዋላስ ካልእ ሞያ ሃንቀው ትብል? ካልእ ስራሕ ትምነ? ኣብ ካልእ ቦታ ክትቁጸር ትደልየሉ ምኽንያት ካልኦት ጌርናዮ ክብሉ ስለዝሰማዕካ ኢኻ?
ሓያሎ ሰባት ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ከለው ዝተማህረዎ ከይሰርሕሉ ናብ ላዕሊ ይወጹ’ዮም። በቲ ቀዳማይ ዘምጽእው ዲግሪ ሓንቲ ከይሰርሑ ካልኣይ ፡ ሳልሳይ ዲግሪ እናበሉ ይውስኹ። መነባብሮኦምን ኣተሓሳስብኦምን ክትርእዮ ከለኻ ግን ልክዕ ከምቲ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ከለው ዝነበሩዎ’ዩ። ስለምንታይ ይመስለካ? በቲ ፈለማ ዝሓዝዎ ከይዓገቡን ከይተጠቐሙን፡ ዝሓዝዎ ነገር ሓንቲ ከይፈለጡ፡ ብሽም ሰብ ጌሩዎ ኢሎም ካልእ ስለዘገበሩ’ዩ።
ኣብ ገዛና እዚኣስ የበልናን እኮ ኢልና ዝገዛእናዮ ዘይንጥቀመሉ መዓት ንብረት’ዩ ዘሎ። ኣብ ኣርማድዮታትና ከምዚ ዓይነት ክዳንስ የብለይን ኢልና ዝገዛእናዮ ግን ከኣ ዘይተኸደናዮ መዓት ኣሎ። ምናልባት ግን ቅድሚ ምግዛእና እንታይ ከም ዘለና ሓሲብና ኔርና እንተንኸውን ነቲ ንገዝኦ ዝትክኣልና ኣብ ገዛ ኔሩ ይኸውን። እስኪ ንደቂ ሰባት ስምዓዮም። ነቲ ዝሰርሑሉ ቤት ጽሕፈት እናምረሩ ነቲ ሓደ ቤት ጽሕፈት የድንቑ። እቶም ትድነቐሎም ዘለኻ ቤት ጽሕፈት ከኣ ነቲ ናቶም እናኣማረሩ ነቲ ናትካ የድንቑ። ስለምንታይ ኩሎም ነቲ ዘለዎም ዘይኮነ ነቲ ዘይብሎም ስለዝርእዩ እዩ።
ናበይ ከምትኸይድ ከይፈለጥካ ኣይትኺድ። ናበይ ከም እትኸይድ ክትውስን ከኣ ካበይ ከም ዝተበገስካ ክትፈልጥ ግድን’ዩ። ምናልባት’ውን እቲ ዘይምኻድ ካብቲ ምኻድ ክበልጽ ይኽእል ይኸውን። ስለምንታይ ምኻድ ጥራሕ እቲ እንኮ ዕላማኻ ይኸውን። ንገለ ሰባት ምምሃር ዕላመ’ዮም። ንገለ ከኣ መርዓ። ንገለ ንግዲ። ንገለ ናብ ወጻኢ ሃገር ምኻድ። ንገለ ናብ ቤተ ክርስትያን ምኻድ። እዚኦም ግን መንገድታት ኣምበር እቶም ናይ መወዳእታ ሸቶ ኣይኮኑን። ሓደ ሰብ እናኸደ እንከሎ ንሓደ ዕብይ ዝበሉ ኣቦ ደው ኣቢሉ ፦
“ኣቦይ እዚ መንገዲ የኺደኒ ዲዩ ?” ብምባል ይሓቶም።
እቶም ኣቦ ከኣ “ናበይ ኢኻ ክትከይድ ደሊኻ?” ሓተትዎ
“ናበይ ከም ዝኸይድ ኣይፈልጥን” መለሰሎም መንእሰይ
“እንድሕሪ ናብ ትኸዶ ዘይትፈልጥ ኮይንካ ደኣ ዝኾነ መንገዲ ክወስደካ ይኽእል’ዩ እኮ” ብምባል መለሱሉ። ናበይ ከም ዝኸይድ ዘይወሰነ ሰብ ዘለዎ ቦታ ኣይፈልጦን’ዩ። ናበይ ከም እትኸይድ ክትፈልጥ፡ ካበይ ከም እተበገስካ ክትፈልጥ ናይ ግድን’ዩ። ምኻድ ጥራሕ ንበይኑ ከመይ ጌሩ ዕላማኻ ይኸውን? ንሓደ ሓደ ሰባት ምምሃር ዕላማኦም’ዩ። እንታይ? ስለምንታይ? ክሳብ ኣበይ? ካብ ኡኸ እንታይ ክትሰርሕ? ንዝብሉ ሕቶታት መልሲ የብሎምን። ናብ ዝኸዶ ብትኽክል ዘይፈልጥ ሰብ ዝኾነ እንተኾነ ኣብቲ ዘለዎ ዘይኮነ ኣብቲ ዘይብሉ ዝሰረተ’ዩ። ምናልባት ዝኸዶ ዘሎ ናብቲ ዝመጸሉ ዋላ ይኸውን። ዘለዎ ዘይፈልጥ፡ ዘይብሉ ግን ወትሩ ዝናፍቕ ሰብ ከምዚ ዓይነት’ዩ።
ሓደ ሰብ፡ ኣዚያ ዕባራ ዝኾነት በቕሊ ነበረቶ። ዕዳጋ ወሲዱ ከኣ ሸጣ። ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ናብ ዕዳጋ ምስ ከደ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ሓንቲ ጽብቕቲ በቕሊ ተወጢሖም ተዓዘበ። ሽዑ ናብቲ ሰብኣይ ጽግዕ ኢሉ
“ከምዚኣ ዓይነት በቕልስ ኣበይ ኮን ትርከብ? ከምዚ እንትዝረክብስ ምገዛእኩ ኔረ” ክብል ተዛረቦ። እቲ በዓል በቕሊ ከኣ “እዛ በቕሊ ብወዝቢ ካብ ሓደ ሰብ እየ ገዚአያ፡ ክገዝኣ እንከለኹ ዓቢራ ክትመውት’ያ ደልያ ኔራ። ከም ዝተዓዘብክዎ እቲ ዋናኣ ብዛዕባ በቕሊ ፋዓራ ኣይነበሮን። ኣነ ጠባይ በቕሊ ስለዝፈልጥ ካብኡ ገዚኤያ። ኣዚየ ተኸናኺነ ስለዝሓዝኩዋ ከኣ ኣብ ውሽጢ ዓመት ከምዚ ኮይና” በሎ።
“መኣስ ኢኻ ገዚእካያ?” ሰብኣይ ሓተተ
“ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ገዚኣዋ ክኸይድ እንከሎ ኣብዛ ዕዳጋ እዚኣ’የ ረኺበዮ ሽዑ ከኣ ገዚኤያ” መለሰ
ሽዑ እቲ ሰብ ርእሱ እናቕነቐ ተመለሰ። እታ በቕሊ ናቱ’ያ ኔራ። ክንድቲ ገዚኡ ዘሰብሓ ሰብኣይ ግን ዋጋ በቕሊ ይፈልጥ ኣይነበረን። ተደላይት ምርጽቲ በቕሊ ሸይጡ፡ ካልእ ምርጽቲ በቕሊ ናብ ምድላይ ኣተወ። ንሕና ከኣ ዘለውና ምሩጻት ነገራት ሼጥና ዘይብልና ምሩጻት ነገራት ሃሰስ ንብል ንኸውን። ሓደ ሓደ ግዜ ነማርር ጸገም ስለዝበጽሓና ዘይኮነ ዘለና ስለዘይንፈልጥ ኮላይ’ዩ። ሽግር ባዕሉ ሽግር ኣይኮነን። ሽግር፡ ሽግር ዝኸኖ መፍትሒ ክረክብ ንዘይክእል ሰብ’ዩ። መፍትሒ ምሃብ ንዝለመደ ሰብ ሽግር ቤት ትምህርቱ’ዩ። ሽግር እኮ ናይ ፍትሕ፡ናይ ምፍልላይ፡ ናይ ባእሲ፡ናይ ኩራ፡ ናይ ክሲ፡ ናይ መርሓሓቒ፡ ምኽንያት ዝኸውን ነቲ ዓቕሚ ዘይብሉ ሰብ’ዩ። ንሓያል ሰብ ግን ሞት ናይ ትንሳኤ መፈለምታ’ዩ።
ብዛዕባ ዘይብልካ ጥራሕ ትሓስብ እንተኾይንካ ነቲ ዘለካ’ውን ትስእኖ ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ዘለካ እንተሓሲብካ ግን ዋላ’ቲ ዘይብልካ’ውን ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። እዚ ዝስዕብ ዛንታ ሓደ ሰብ ከዕለለኩም
ሓደ በዓል ሓዳር’ዩ። ወትሩ ብዛዕባ በዓልቲ ቤቱ ምስ ኣማረረ’ዩ። ገዛ ቅድሚ ምእታው ብዛዕባ እቲ ዝበልዖ እንጀራን ጸብሕን ክሓስብ እንከሎ ኣብኡ እንከሎ ረሸሽ’ዩ ዝብሎ። “ዝወረደኒ ኸኣ ብሑቕ ተቐሪቡ ክጸንሓኒ’ዩ፡ ከም ዝሃበኒ ክኸይድ እምበር” እናበለ ናብ ገዝኡ ይኸይድ። እዚ ጉዳይ ምስ ተደጋገመ ምስ በዓልቲ ቤቱ ክፋታሕ ኣለኒ ብምባል ተፋትሐ። ናብ እንዳ ዓርኩ ገዛ ከኣ ከደ። ዓርኩ ኣብ ንጹፍ ዓራት፡ ኣብ ጽሩይ ገዛ ተቐበሎ። ኣማስይኡ ከኣ ድራር ተቐረበ። ከመይ ዝበለ ጻዕዳ ጣፍ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጻዕዳ ጣፍ ከኣ ቀይሕ ጸብሕን ኣልጫን፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ጉዕ በርበረ፡ ሕልበት፡ ትምትሞ፡ ዝኣመሰለ ዝተፈላለየ ዓይነት መግቢ ተቐረበሉ። ሽዑ “ውሕልነት ማለት ከምዚ’ዩ ኣነስ ይነብር ኔረ ኣይበሃልን’የ” እናበለ ኣማረረ። “ዓርከይ ደኣ ተዓዲልካ እንዲኻ” እናበለ ከኣ ንዓርኩ ይምጉሶ። “ደሓን’ዩ መቸም” ናይ ዓርኩ መልሲ’ዩ። ሓዳር ምግባር ዘይተርፍ ደኣ ከምዚ’ዩ ክኸውን ዘለዎ” ነታ ወሓለ በዓልቲ ቤት ዓርኩውን ነኣዳን ኣመጎሳን። በሊዖም ወዲኦም መኣዲ ክለዓል እንከሎ ዓዳሚ ዓርኪ ኣብ ኢዱ ሒዙዋ ዝነበረት ቢኪረ ካብዛ ኢዱ ሸተት ኢላ ወዲቓ ተሓምሸሸት። ኣዚዩ ሰንበደ። በዓልቲ ቤቱ ከኣ ነቲ ድምጺ ሰሚዓ ካብ ውሻጠ መጸት።
“እንታይ’ዩ ተሰቢሩ ?” ሓተተት
“እታ ትፈትውያ ቢኬሪ ተሰቢራ።” በላ ምሽክንክን እናበለ። ሕርቓና ምቁጽጻር ዝሰኣነት በዓልቲ ቤቱ ከም ነብሪ ነዲራ ገጹ ብጽፍዒት ኣላደደቶ። እቲ ጋሻ ዓርኩ ኣዚዩ ሰንበደ።
“ከምዚ ጌርካ እናሰበርካ’ኮ ናይ ኣቦይ ህያባት ወዲእካዮ፡ ሓቕኻ ንስኻ ኣብኡ ምስ ዓርክኻ ኣውሪ” እናበለት ብዘረባ ርእሱ ኣሕመመቶ። ጠባይ በዓልቲ ቤቱ ዝፈለጠ ሰብኣይ ኣብ ዝነበሮ ኣጽቕጥ ኣበለ። ሽዑ እቲ ጋሻ ኣብ መንጎ ኣትዩ
“ዋእ ኣንታይ ንቢኬሪ ከኣ ክንድዚ፡ እዚ ጽባሕ ዝግዛእ ንብረት፡ እቲ ቀንዲ ጥዕና’ዩ” ምስ በለ ናብ ነብሪ ዝተቐየረት በዓልቲ ገዛ
“ንስኻ ኸኣ ሱቕ ኢልካ ዘረባ ኣይተብዝሕ፡ ሰበይትኻ ተኸኽ ምስ ኣበልካያ’ያ ተፋቲሓ ትኸውን” ብምባል ንዕኡ’ውን ኣላጋዓቶ። ጋሻ በቲ ተግባራት ኣዚዩ ተቖጠዐ፡ ክሃርማ’ውን ድንዕ፡ ድንዕ በለ። “በዓልቲ ቤተይስ ከማኺ . . . .” በለሞ ጀሚሩ ኣቋረጾ። ደፋር በዓልቲ ቤት ናብ ውሻጠ ኣትያ ፈልጺ ሒዛ ብምምጻእ“ እንታይ ኢልካ ? እንታይ ኢኻ ዝበልካ? እስኪ ወዳኣያ ሕጂ” ብምባል ኣፋጠጠትሉ። “ዋእ በዓልቲ ቤተይ እሞ ከማኺ ዝሳዕረራ ኣይኮነትን” ምስ በላ ነቲ ሒዛቶ ዝነበረት ፈልጺ ጨቢጣ ተጸጋዓቶ። ነዚ ዝረኣየ ዓርኩ “ ዓርከኒ ቀስ ኢልካ ህደም” በሎ። በዚ ከኣ እቲ ጋሻ ካብቲ ገዛ እንዳዓርኩ ወጽዩ ናብ እንዳሕማኡ ገስገሰ። ኣብ ገዛ ሓማቱ’የ ተቐቢለንኦ
“ናይ ደሓንካ ዲኻ ደኣ?” ሓተትኦ
“ኣደይ ካብ ናይ ለይቲ ፈልጽስ ናይ ቀትሪ ብሑቕ ይሕሸኒ’ለየ መጽየ” በለን ይበሃል።
ዝተፈተኻ ኣንባቢ ብዛዕባ ዘለካ እንተዘይሓሲብካ ኣብ ዝኸፈአ ክትወድቕ ትኽእል ኢኻ ዝበልኩ ነዚ’የ። ዘለካ ፍለጦ፡ ኣኽብሮ፡ ተማዊትካ ብዝግባእ ተጠቐመሉ፡ ንበረሉ፡ መልክዓሉ፡ ድሕሪኡ ካልእ ንኽትውንን ፈትን። ብዘለካ ዘይትዓግብ እንተኾይንካ እቲ ጉያኻ ንዝሓሸ ንምዳይ ዘይኮነ ካልእ ንምርካብ’ዩ ዝኸውን።
ካብ መጽሓፍ እኛና የመጨራሻዎቹ