ተርጓሚ ገብረሚካኤል ፍሳሃየ ካብ People’s Biography
እቲ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ብካርል ማርክስ ዝፍለጥ ፈላስፋ፡ ካብ ዶብ ናይታ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ላክሰምበርግ ተባሂላ እትጽዋዕ ዘላ ብዙሕ ዘይርሕቕ ኣብ ምዕራብ ጀርመን ከተማ ትረየር ብ5 ግንቦት 1818 ተወልደ። ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይ 19 ክ/ዘመን፡ እዛ ከተማ ኣብ ማእከል እቲ ኣብ 18ን መጀመርታ 19ን ክ/ዘመናት ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ንግስነት ፕራሻ (ካብ 1871 ክሳብ 1918 ዝነበረ ንግስነት ጀርመን) ኣትዩ ዝነበረ ብራይንላንድ ዝፍለጥ ሰፊሕ ክፋል ጀርመን እትርከብ ከተማ ነበረት። ኣቦ ማርክስ፡ ሄይንሪክ ማርክስ ኣይሁዳዊ መበቆል ዘለዎ ጀርመናዊ ክኢላ ሕጊ ኮይኑ፡ ኣቦኡ ንዓኡ ድማ ኣይሁዳዊ መራሒ ሃይማኖት ነበረ። ናይ መጀመርያ ስሙ ሂርሸል ሌቪ’ዩ ነይሩ፡ እንተኾነ ኣብቲ ካርል ማርክስ ዝተወለደሉ ጊዜ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ መበል 19 ክ/ዘመን እናስፋሕፍሐ ዝመጸ ኣንጻር ሴማዊነት፡ ንኣይሁድነቱ ክሒዱ ናብ ሉተራዊ ክርስትና ቀየረ። ዕዉት ናይ ሕጊ ብዓል ሞያ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ እታ ስድራ ተወሳኺ ኣታዊታት እትረኽበሉ ናይ ወይኒ ግራት ነበራ። ኣደ ካርል- ሄንሬቲ፡ ካብ ሆላንዳውያን ስድራቤት እትውለድ ኮይና፡ ኣብ 1814 ምስ ሄይንሪክ ተመርዓወት። ካብታ 9 ኣባላት ዝነበርዋ ስድራ፡ ካርል መበል ሳልሳይ ውላድ ነበረ። እንተኾነ፡ ክልተ ጌና ብህጻንነቶም ከለዉ ስለዝሞቱ ካርል ምስቶም ዝተረፉ ሽዱሽተ ኣሕዋቱ ዓበየ። ስድራቤት ማርክስ ብተዛማዲ ሃብታማት ነበሩ። ጌና ህጻን ከሎ ድማ ናብቲ 10 ክፍሊ ዘለዎ ኣብ ከተማ ትረየር ዝርከብ ገዛ ገዓዙ፡ እዚ ድማ ብቑጠባዊ ደረጃ ምስቶም ላዕለዎት ደረጃ ማእከላይ ደርቢ ምዃኖም ዘመልክት ነበረ። ስድራቤት ካርል፡ ኣብቲ ብዘመነ ምንቕቓሕ ዝፍለጥ ኣብ መበል 18 ክ/ዘመን ኣብ ኤውሮጳ ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ናይ ሓሳባት ርትዓውነትን ሓርነትን እትኣምን ዕልማናዊት ስድራቤት ነበረት፡፡ ካርል ክሳብ ወዲ 12 ዓመት ዝኸውን በቲ ምሁር ኣቦኡ ኣብ ገዛ እናተማህረ ዓበየ። ብድሕሪ’ዚ ግን ናብቲ ኣብ ከተማ ትረየር ዝርከብ፡ በቲ ነዊሕ ከይጸንሐ ብሰንኪ ሱር በተኻዊ ስርዓተ-ትምህርቱ ብዙሕ ክትዕ ዘለዓዓለን ንሰበ-ስልጣን ፕራሻ ኢዶም ከእትዉን ኣብ ጂምናስቲክ ዝጥቀምሎም ዝነበሩ ኣገባባትን ዝንበቡ ዝነበሩ ጽሑፋትን ንኽቕይሩን ዝገበረ ሁው ቪትንባኽ ዝካየድ ቤ/ትምህርቲ ተላእከ። ብዘይካ’ዞም ነገራት’ዚኦም ድማ ዘመነ ቁልዕነት ማርክስ ብዙሕ ፍሉይ ፍጻመ ዘለዎ ኣይነበረን። ብንእስነቱ ከሎ ሳሕቲ ጥራይ’ዩ ኣብ ናይ ባዕሉ ጽሑፋት ዝግደስ ዝነበረ። ናይ ማርክስ ሂወትን ፖለቲካዊ ፍልስፍናን፡ በቲ ንሱ ከም ቆልዓ ዝዓበየሉ ጊዜ ኣብ ክ/ዓለም ኤውሮጳ ብፍጥነት ዝሕምበብ ዝነበረ ፍጻሜታት ዝተጸልወ ነበረ።
ኣብ ኢንግላንድ ኢንዱስትሪያዊ ሰውራ ኣብ 1770ታት’ዩ ጀሚሩ። እቶም ጀመርቲ ኢንዱስትሪ ብፍላይ ድማ እቶም ንንግዲ ኣጭርቕቲ ዝቆጻጸሩ ዝነበሩ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ብኢድ ዝዕየ ዝነበረ መስርሕ ማእለማ ዝዓያ ማሽናት እንተተኣታትዮምን ኣብ ሓደ ህንጻ ብብዝሒ እንተጌሮምን መኽሰቦም ብዕጽፍታት ከዕብዩ ከም ዝኽእሉ ከስተውዕሉ ጀመሩ፡፡ እዚ’ዩ ድማ ኣብ መወዳእታ ‘ፋብሪካ’ ተባሂሉ ዝተጸውዐ። ሽዑ ንሽዑ፡ ነቲ መስርሕ ፍርያት ዘቀላጥፋ ብሃፋ ዝዓያ ማሽናት ናብ ስራሕ ምስ ኣተዋ፡ ጠለብ ናይቲ ንዕአን ንምቅስቓስ ዘለገልግል ዝነበረ ሕመት ሰማይ ዓረገ። ኢንዱስትሪያዊ ሰውራ ድማ ብኸምዚ ጀመረ። ይኹን ድኣምበር፡ ቀልጢፉ ናብ ምሉእ ኤሮሮጳ ክዝርጋሕ ኣይከኣለን። ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ 1792ን 1815ን ዝካየድ ዝነበረ ሰውራ ፈረንሳን ኲናት ናፖልዮንን ዝሰዓበ ዘይምርግጋእን ውህሉል ድኻምን እቲ ዝተረፈ ክፋል ናይቲ ክ/ዓለም ነቲ ሓድሽ ሓሳብ ክሳብ ዝርዕሞ ጊዜ ወሰደ፡፡ እንተኾነ ካብ 1820ታት ንደሓር፡ ብዙሓት ኣብቲ ክ/ዓለም ዝርከባ ሃገራት ብቕልጡፍ ናብ መስርሕ ኢንዱስትሪያውነት ኣተዋ። ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ፈለግ ራይን ዝርከባ ሃገራት ካብተን ቀዳሞት ክኾና ከለዋ፡ ክፋላት ሰሜናዊ ፈረንሳን ምዕራብ ጀርመንን፡ ብፍላይ ድማ እተን ብሕመትን ካልእ ማዕድናትን ሃብታማት ዝነበራ ዞባታት ራይንላንድን ሩህርን ሰዓብአን። ማርክስ እምበኣር፡ ኣብቲ ካብ 1820ታት ንደሓር ሓደ ካብ ቀንዲ ማእከል ኢንዱስትሪያዊ ሰውራ ናይቲ ክ/ዓለም ዝኾነ ዞባ’ዩ ተወሊዱ ዓብዩ።
ኢንዱስትሪያዊ ሰውራ፡ ብብዙሕ መዳዩ መርዛም ጽዋእ’ዩ ነይሩ ክብሃል ይከኣል። ይኹን ድኣምበር፡ ንዘመናዊ ዓለም ዝፈጠረ ሓደ ካብ ቀንዲ ማሕበራውን ቁጠባውን ተርእዮ’ዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ቁጠባ ሃገራት ኤውሮጳን ካልኦት ከም ሕ/መ/ኣሜሪካ፡ ካናዳን ኣርጀንቲናን ዝኣመሰላ ኣብ ደቡብን ሰሜንን ኣሜሪካ ዝርከባ ሃገራት ምዕራባዊ ዓለምን፡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ታሪኻዊ ዕቤት ከርኢ ስለዝጀመረ፡ ኣብ ከም ብዓል ኢንግላንድን ጀርመንን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝነብር ህዝቢ ዝወነኖ ነገራዊ ሃብቲ፡ ዝኾነ ሕ/ሰብ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ካብ ዝረኣዮ ንላዕሊ ነበረ። ካብቶም ኣብ መበል 21 ክ/ዘመን ኣብ ሂወትና ምቾት ዝህቡናን ዝሰማምዑናን ነገራት፡ ብብዙሕ መዳዮም ውጽኢት ኢንዱስትሪያዊ ሰውራ’ዮም። ይኹን ድኣምበር፡ (ኢንዱስትሪያዊ ሰውራ) ናይ ባዕሉ ሽግራት ሒዙ’ዩ መጺኡ። ኣብ ማእከላይ ዘመንን ናይ መጀመርታ ዘመናዊ እዋንን ዝነበረ ህዝቢ መብዛእትኡ ሕርሻዊ ዕዮ ዘካይድ’ዩ ነይሩ። ኣብ ዝተወሰነ ክፋል ናይ ዓመት፡ ብፍላይ ኣብ ክረምትን ቀውዕን ኣበርቲዑ ዝሰርሕ፡ ኣብቲ ዝተረፈ ክፋል ናይቲ ዓመት ግን ብዙሕ ስራሕ ዘይብሉ’ዩ ነይሩ። ናብራ ዘየተኣማምን፡ መብዛሕትኦም ሰባት ድማ ድኻታት’ኳ እንተነበሩ፡ እቲ ጊዜ ግን ከቢድ ጻዕሪ ዝሓትት ኣይነበረን። ኢንዱስትሪያውነት ድማ ነዚ ኩሉ ክልውጦ ከኣለ። ኣብ ኣገባብ ኣሰራርሓ ሕርሻዊ ማእቶት ዝተኣታተወ ጽገናን፡ ዕቤት ቁጽሪ ህዝብን፡ ብዝሒ ዘለዎ ህዝቢ ናብተን ቅድሚ ሓደ ወይ ክልተ ወለዶ ንኣሽቱ ከተማታት ዝነበራ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ከም ብዓል ማንቸስተር፡ ሺፊልድ፡ ኒው ካስትል፡ ሌዥን ኣኸንን ዝኣመሰላ ከተማታት ከም ዝውሕዝ ጌርዎ’ዩ። እንተኾነ፡ ካብ 1830ታትን 1840ታትን ጀሚሩ ኣብ ፋብሪካታትን ናይ ዕደና ቦታታትን ወይ ድማ መገዲ ባቡር (ሓዲድ) ኣብ ምዝርጋሕን ብሃፋ ዝሰርሓ መራኽብ ኣብ ምህናጽን ንነዊሕ ሰዓታት ዝሰርሑን ትሑት ደሞዝ ዝኽፈሉን’ዮም ነይሮም። እቶም ብዕድመ ዝኣኸሉ ደቂተባዕትዮ ኣብ ሰሙን ክሳብ 70 ሰዓታት ክሰርሑ ከለዉ፡ ደቀንስትዮን ህጻናትን- ክሳብ 8 ወይ 9 ዝዕድሚኦም ህጻናት ከይተአፈ ድማ ክሳብ 55 ወይ 60 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ክሰርሑ ይግደዱ ነበሩ። እቶም ከም ብዓል ማርክስ ዝኣመሰሉ፡ ርሂጸ-በላዕ ኢሎም ዝሰምይዎም ዝነበሩ ናይ ከተማ ሰራሕተኛታት ድማ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ተጨቓጪቖም ዝነብርዎ ዝነበሩ ኩነታት፡ በቲ ኣብ መንጎ 1830ታትን 1890ታትን ኣብተን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ናይ ኤውሮጳ ከተማታት ዝተኸስተ ሓደገኛ ተላባዒ ሕማም ሸሮኽ ኣደዳ ሞት ኮኑ። ነቲ ቀጺሉ ዝሰዓበ ናይ ማርክስ ሞያዊ ዕዮ ንምፍታሽ እምበኣር፡ ነዚ ኩነታት’ዚ ኣብ ግምት ምእታው ናይ ግድን ይኸውን።
ማርክስ፡ ኣብ ግንቦት 1835 ወዲ 17 ዓመት ምስ ኮነ፡ ናብታ ካብ ሰሜን እታ መበቆሉ ዝኾነት ከተማ ትረያ (ትረየር) ብዙሕ ዘይትርሕቕ ዩኒቨርሲቲ ቦን ንትምህርቲ ተላእከ። እቲ ዝያዳ ኣብ ፍልስፍና ዝግደስ ዝነበረ ማርክስ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ቀጻሊ እንታይ ዓይነት ዓውድታትን ሞያን ክመሃር ከም ዘለዎ ምስ ወላዲኡ ዘጋጠሞ ግጭት፡ ገለ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ንኽወስድ ተገዲዱ’ዩ። ይኹን ድኣምበር፡ ንሱ ግን ኣብኡ ዝግደስ ኣይነበረን። ብኣንጻሩ ኣብቶም ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ዝካየዱ ዝነበሩ ንጥፈታት- ከም ኣባል ማሕበር ቤት መግብን መስተን ከተማ ትረየር ምዃን ዝኣመሰሉ ዝያዳ ይግደስ ነበረ፡፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ዓመት ግን እቶም በቲ ዝኽተሎ ዝነበረ ቀይዲበተኽነት ዝሓረቑ ስድራቤቱ፡ ካርል ናብ’ቲ ዝያዳ ዝኽበርን ብሕግታቱ ዝጸንዐን ዩኒቨርሲቲ በርሊን ክሰጋገር ወሰኑ። ኣብኡ ድማ ክሳብ ናይ ቀዳማይ ዲግሪን ልዕሊኡን ዘሎ ትምህርቱ ዝዛዝም ንብዙሕ ዐመታት ተማህረ፡፡ እዘን ዓመታት’ዚአን ድማ ንሂወቱ ዝቐረጻ ዓመታት ነበራ። ኣቦኡ ኣብ 1838 ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈልየ። ዋላ’ኳ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ዘይምስምማዕ እንተነበሮ፡ ተዛማዲ ቅርበት ግን ነይርዎም’ዩ። ሞት ናይ ሄይንሪክ ሞራላውን ንዋታውን ሃጓፍ ስለዝፈጠረ፡ ሂወት ናይ’ቶም ዝተረፉ ብዙሓት ኣባላት ስድራቤት ማርክስ፡ ብፋይናንሳዊ መዳይ ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ወደቐ። ኣብቲ ጊዜ’ቲ ካርል ኣብቶም ኣብ በርሊን ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ሞያታት ክሰርሕ ፈተነ- ዋላ’ኳ ነዞም ተራ ሞያታት ቀልጢፉ እንተሓደጎም፡ ኣብ መወዳእታ 1830ታት ልብ-ወለዳዊ ጽሑፋትን ድራማን ከዳሉ ጀሚሩ ነበረ።
ኣማስያኡ፡ ማርክስ ኣብ በርሊን የጽንዓሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ፍልስፍናዊ ኣረኣእያ ጊዮርግ ዊልሄልም ፍሬደሪክ ሄግል ተመስጦ ኣሕደረ። ሄግል ቅድሚ ቁሩብ ጊዜ ኣብ 1831 ኣብ ርእሰ ከተማ ግዝኣት ፕራሻ’ኳ እንተዓረፈ፡ (ንካርል) ኣብ ዩኒቨርሲቲ በርሊን ዝፈልጥዎን ምስኡ ዝሰርሑ ዝነበሩን ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ነይሮም’ዮም። ነቲ ናይ ሄግል ዓውደ-መጽናዕቲ ድማ ኣብቲ ናይ ሽዑ ጊዜ ጽሑፋቱ ዝያዳ ከም ፋሽን ኮይኑ ከም ዝሕተም ገበሮ። ማርክስ፡ ሽዑ ንሽዑ ኣባል ናይ’ታ ንዓቃባዊ መንግስቲ ፕራሻ እትነቅፍን፡ ነቲ ‘ውልቃዊ ሓርነትን ህላዌ ክፉት ሕ/ሰብን’ ማሕበራዊ መሰላት’ዮም ዝብል ኣተሓሳስባ ሄግል እትድግፍን ብቶም ሱር በተኽ ለውጢ ዝደልዩ ዝነበሩ መንእሰያት ዝቖመት ብ ‘ሄግላውያን’ እትፍለጥ ጉጅለ ተማሃሮ ኮነ። ናይ ሄግል ሓሳብ ብምጽናዕን ምስ መንእሰያት ሄግላውያን ብምዃንን ድማ ኣብ ትሕቲ ክትትል እቲ ናይ ሄግል ተማሃራይ ዝነበረ ብሩኖ ባዌር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጀና ናይ ዶክትሬት ትምህርቱ ንምጅማር ወሰነ። ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ናይ ፍልስፍና ፍልልይ ድማ ብስም እቶም ኣብ 4ይን 3ይን ዘመን ቅ.ል.ክ. ዝነበሩ ዲሞክሪተስን ኤፒኩዩረስን ዝተባህሉ ክልተ ጥንታውያን ግሪኻውያን ፈለስፋታት፡ ነቲ ኣብ ባህርያዊ ፍልስፍና ዝነበሮም ኣረኣእያ ብምንጽጻር ዝትንትን ዲሞክሪትያን ከምኡ’ውን ኤፒክዩርያን ዝብል ስም ተዋህቦም። ዲሞክሪተስ፡ ብዛዕባ ህላዌ ኣቶማት ፈላሚ ጽንሰ-ሓሳብ ብምቕራብ ኣብ ታሪኽ ዓውዲ ፊዚክስ ካብቶም ቀዳሞት ጽልዋ ዝፈጠሩ ሰባት ክኸውን ከሎ፡ ኤፒክዩረስ ድማ ነቲ ፈላሚ ግሪኻዊ ኤፒክዩራዊ ፍልስፍናዊ ዓውዲ ዝመሃዘ ሰብ’ዩ። ማርክስ መጽናዕታዊ ወረቐቱ ኣብ 1841 ኣቕረበ።
ማርክስ፡ መጽናዕቱ ኣብ በርሊንን ጀናን ድሕሪ ምዝዛም፡ ኣካዳምያዊ ሞያኡ ንምዕባይ ሓሓሊፉ ይምህር ነበረ። ይኹን ድኣምበር፡ ኣብ ግዝኣታት ንግስነት ፕራሻ ዝነበረ ኩነታት ነዚ ዝጥዕም ስለዘይነበረ፡ መንእሰያት ሄግላውያን ሱር-በተኽ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኣለዎም ብዝብል ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቁጽጽር ሰበስልጣን ኣተዉ፡፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ፖለቲካዊ ጸሓፊ ክኸውን ወሰነ፡ እንተኾነ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ምስ ቁጽጽር ሕትመት በርሊን ኣብ ግርጭት ኣተወ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ኣብ ግዝኣት ንግስነት ፕራሻ ሓሳብካ ብነጻ ናይ ምግላጽ መሰል ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ ምስ ኣስተውዓለ፡ ኣብ ጥቅምቲ 1843 ናብ ፓሪስ ተጓዕዘ። እዚ ድማ ናይቲ ኣስታት ንሽዱሽተ ዓመታት ብዙሕ ዝተንቀሳቐሰሉ ናይ መጀመርታ እዋን ነበረ። ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳ ክልተ ዓመታት ምስ ጸንሐ፡ ንኣብነት፡ ድሕሪ’ቲ ንማርክስን ካልኦት ኣኽረርቲ ፖለቲካዊ ጸሓፍቲ ብጾቱን ብምኽንያት እቲ ንመንግስቲ ፕራሻ ዝነቅፍ ዝጽሕፈዎ ዝነበሩ ተደጋጋሚ ዓንቀጻት፡ መንግስቲ ፈረንሳ ካብ ፓሪስ ንኸውጽኦም መንግስቲ ፕራሻ ዘቕረቦ ሕቶ፡ ኣብ 1845 ካብ ፓሪስ ወጹ። እዚ ድማ ንማርክስ ናብ ርእሰ ከተማ ናይ’ታ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኤውሮጳ ሓደስቲ ነጻ ዝወጻ ሃገራት ንግስነት ቤልጀም ዝኾነት ብራስለስ ንኽጓዓዝ ደረኾ። ቤልጀም ንኣማኢት ዓመታት ኣብ ትሕቲ መግዝኣቲ ቡርጉንዳውያን (ኣብ ምብራቕ ጀርመን ዝነብሩ ዝነበሩ ጥንታውያን ዓሌታት)፡ ስጳኛውያንን ኦስትሪያውያንን ድሕሪ ምጽንሓ፡ ድሕሪ ናይ 1830 ሰውራ ቤልጀም’ያ ከም ነጻ ሃገር ክትርአ ዝጀመረት። ንዝቐጸለ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ብራስለስ ኮይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ነቲ ናዕቢ ከለዓዕል ዝኽእል ዝኾነ ስራሕ ከይሰርሕ ተዋሂብዎ ዝነበረ መጠንቀቕታ ብምጥሓሱ ካብኡ ተባረረ። ቅድሚ ኣብ 1849 ኣብ ለንደን ጠቕሊሉ ምቕማጡ፡ ኣብ ኮለን ንሓጺር ጊዜ ተቐሚጡ ነይሩ’ዩ። ማርክስ፡ ኣብቲ ከም ተንቀሳቓሲ ፖለቲካዊ ጸሓፊ ኮይኑ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ዓመተ 1843፡ ብዓል ሓዳር’ዩ ነይሩ። ብዓልቲ ቤቱ ጀኒ ፎን ቬስፋለን ካብ ስድራቤት ታሕተዎት ገዛእቲ ደርቢ ምዕራብ ጀርመን ነበረት። ካብ ካርል ብኣርባዕተ ዓመት እትዓቢ ኮይና፡ ካብ ጊዜ ቁልዕነቶምን ጉብዝናኦምን ጀሚሮም ኣብ ከተማ ትረየር ይፋለጡ ነበሩ። ዋላ’ኳ ስድራቤት (ብዓልቲ ቤቱ) ነዚ ብዓል ኮርዳድ ጭሕሚ፡ ሓሜንን ቀይዲ በተኽ ዝመስልን ፖለቲካዊ ጸሓፊ ምምርዓዋ ዕቃበታት እንተነበሮም፡ ድሒሮም ግን ሌላኦም ቀጸልዎ’ሞ ኣብ 1843 ተመርዓዉ። ከምዚ ዓይነት ዝምድና ድማ ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ካርል፡ ምስ’ቲ ኣብ 1850ታት ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፕራሻ ብምዃን ዘገልገለን ነቶም ማርክስ ዝጣበቐሎም ዝነበረ ጽሑፋት ዝጻረሩ ፖሊሲታት ዝከታተል ዝነበረን ንጀኒ ሓዋ- ፈርዲናንድ ጽቡቕ ርክብ ነበሮ። እንዳ ካርል ሸውዓተ ቆልዑ ወለዱ፡ እንተኾነ እቶም ኣርባዕተ ኣብ ጊዜ ህጻንነትን ቁልዕነትን ብሞት ተፈልዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ምዕቡል ሕክምና ዝተኣታተወሉን ሞት ህጻናት ኣዝዩ ዘንቆልቁለሉ ጊዜ ብምንባሩ፡ ሞት ደቂ ካርል ብሚእታዊት ክርአ ከሎ ኣብ ጊዜኡ ኣዝዩ ልዑል ነበረ። እተን ሰለስተ ካብ ሞት ዝተረፋ ከኣ ጀኒ፡ ሎራን ኤለናን ዝብሃላ ኣዋልድ ነበራ፡፡ ሰለስቲኤን ድማ ፖለቲካዊ ነጠፍቲ፡ ጸሓፍትን ማሕበርነታውያንን ነበራ። ሂወት ስድራቤት ማርክስ ሽግር ዝተደራረባ ነበረት፡፡ ሃብታማት ወይ’ውን ብምቾት ዝነብሩ ኣይነበሩን፡ ኣብ ለንደን ኣብ ክልተ ክፍሊ ዘለዋ ገዛ ንብዙሕ ዓመታት’ኳ እንተነበሩ፡ ካልእ ብዙሕ ዓመታት ድማ ብሰንኪ’ቲ ዝነበሮ ፖለቲካዊ ተግባራት፡ ክመጾ ካብ ዝኽእል ፖለቲካዊ ጸቕጥታት ንምኽዋል ኣብቲ ሽም እናቕያየረ ዝካረዮ ዝነበረ ገዛውቲ እናተንቀሳቐሱ ኣሕለፍዎ። ከም ኣቦ መጠን ብዙሕ ተገዳስነት ዘይብሉን ካብ ነገራዊ ሃብቲ ስድራቤቱ ንላዕሊ ንሞያዊ ጽሑፋቱ ዘቐድምን ከም ዝነበረ’ዩ ዝንገር። ይኹን ድኣምበር፡ ንስድራቤቱ ጽቡቕ ጌሮም ዝፈልጡ ብዛዕብኡ ዝጸሓፉ ካልኦት ከም ዝብልዎ ድማ፡ ኣዝዩ ፈቃርን ኣሐንቃቕን ኣቦ ከም ዘነበረ ክገልጹ ከለዉ፡ ብተወሳኺ ድማ እቲ ደቁ ድሒረን ዝወሰድኦ (ሞያዊ) ውሳነ ነቲ ኣብ ዕዮ ኣቡአን ዝነበረን ዝምባለ ዘንጸባርቕ’ዩ ይብሉ። ማርክስ፡ ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ሂወቱ ምስ ሄለና ዝተባህለት ሰራሕተኛ ገዝኡ ዝነበረት ዝምድና ከም ዝነበሮን ፍረዴሪክ ደሙጽ ዝተባህለ ወዲ ብወሰን ከም ዝወለደን ብዙሕ ዘይተረጋገጸ ወረ ይዕለል’ዩ።
እዘን ኣብ መንጎ በርሊን፡ ፓሪስ፡ ብራስለስን ኮሎንን ካብን ናብን ጉዕዞ ዝሓለፋ ዓመታት ናይ 1840ታት፡ ኣብ ሂወት ማርክስ ካብተን ቀንዲ ውጽኢታዊ ዓመታት ክብሃላ ዝኽእላ’የን። ኣብዚ ጊዜ’ዚ ብዙሕ መጻሕፍትን ዓንቀጻትን ናብ ኣርትዖት ከብቅዕ ክኢሉ’ዩ። ይኹን ድኣምበር፡ ዳርጋ መብዛእትኡ’ቲ መጻሕፍቲ ብሰንኪ ትሕዝትኡን ንማርክስ ናይ ፕራሻ ተቖጻጸርትን ካልኦት ወጻእተኛታትን ይከታተልዎ’ዮም ዝብል ወረን ከሕትመሉ ዝኽእል ሰብ ክረክብ ኣይከኣለን። እቲ መጻሕፍቲ ብዙሕ ዓይነት ዓውድታት ዝሓዘ’ዩ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ናይ ሄግል ናይ መሰል ፍልስፍና ዝተገብረ ህየሳ፡ ኣብ ትሕዝቶ ፍልስፍናዊ ሓሳባት ሄግል ዘድሃበ ነበረ፡ ካልእ ዕዮታቱ ድማ ንፍልስፍናዊ ኣረኣእያ ኣብቲ ሽዑ ጊዜ ዝነበሩ ክልተ ፈላስፋታት- ስኮትላንዳዊ ጃምስ ሚልን ፈረንሳዊ ፔሬ-ጆሴፍ ፕሩድሆንን ዝድህስስ ነበረ፡፡ ‘ሕቶ ኣይሁዳዊ’ እትብል ንሓርነታት ኣይሁድ ኣብ ንግስነት ፕራሻ እተንጸባርቕ ዕዮ ድማ ኣብ 1844 ተሓትመት። ዋላ’ኳ ንባዕሉ ኣይሁድ እንተነበረን ኣቡኡ’ውን ብቐንዱ ብቑጠባውን ማሕበራውን ምኽንያታት ናብ ክርስትና ዝቐየረ ዕልማናዊ (ዘየኽርር) ኣይሁድ እንተነበረን፡ ኣብ ልዕሊ ማርክስ ሓድሽ ጸረ ሴማውነት ክስታት ከተለዓዕል ክኢላ’ያ። ኣብ መወዳእታ፡ ማርክስ ኣብ 1847 ብዛዕባ’ታ ድሒራ ብ ‘ክፍሊት፡ ዕዮን ርእሰማልን’ ዝብል ኣርእስቲ ዝተሓትመት መጽሓፉ ኣስተምህሮ ሃበ፡፡ ኣብዛ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ ንዋያዊ ገስጋስን፡ ኢንዱስትሪያዊነትን ምኽዕባት ርእሰማልን ከመይ ኣቢሉ’ዩ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ደርባዊ ግርጭት ክፈጥር ክኢሉ ንዝብል ሓሳቡ ከቐምጥ ከኣለ። እዚ ዓመታት’ዚ፡ ማርክስ ነቲ ምስ ፍረዴሪክ ኤንግልስ ዝነበሮ ናይ ነዊሕ ጊዜ ምሕዝነቱ ዝጀመረሉ ጊዜ ነበረ። ኤንግልስ ጀርመናዊ’ዩ። ካብ ማርክስ ብኽልተ ዓመትን ፍርቅን ዝንእስ ኮይኑ፡ ካብ ሃብታማት ስድራቤት ዝመጸ ነበረ። ኣቦኡ ፍሬደሪክ ዓብይ ናይ ኣጭርቕቲ ነጋዳይን ኣብ’ታ ኣብ ምዕራብ ጀርመን እተርከብ ከተማ ባርመንን ኣብ ሳልፎርድን ፋብሪካታት ዝውንን ነበረ። ሳልፎርድ ኣብቲ ኢንዱስትሪያዊ ዞባ እትርከብን እታ ኣብ ሰሜን ኢንግላንድ እትርከብ ማንቸስተር ኣብ ጊዜ ኢንዱስትሪያዊ ሰውራ ኣብ ኢንዱስትሪያዊ ንጥፈታታ ኣጭርቕቲ ከም ዓንዲ ሕቖ ኮይና ዘገልገለታን ከተማ ነበረት። ስድራቤት ፍረደሪክ ኣብቲ ናቶም ዋኒን ክዓዪ ይደልይዎ’ኳ እንተነበሩ፡ ወዲ ዕስራ ዓመት ምስ ኮነ ግን ብዛዕባ ሃብቲ ስድራቤቱ ነቐፌታዊ ኣረኣእያ ከማዕብል ጀመረ። (ኤንግልስ) ኣብ 1841 ኣብ ፕራሻ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክገብር ተገደደ። ማርክስ ግን ጥዕናዊ ጸገማት ኣሎኒ ብምባል ክኸይድ ኣይከኣለን። ድሒሩ ግን ኤንግልስ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ በርሊን ኣስተምህሮታት ክከታተል ጀመረን ኣብ ዕዮታት ሄግል ድማ ተገዳስነት ኣሕደረን፡፡ ኣብ መወዳእታ 1842 ምስ ማርክስ ምስ ተራኸበ ድማ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓታትን ፖለቲካዊ ኣረኣእያታትን ክሰማምዑ ከኣሉ። ዋላ’ኳ ኤንግልስ ርእሱ ዝኸኣለ ጸሓፊ እንተነበረ፡ ብሓባር ኮይኖም ድማ ብዙሓት መጻሕፍቲ ጸሓፉ፡፡ ንኹነታት ደርቢ ሸቃሎ ኢንግላንድ እትገልጽ ኣብ 1845 ዝጸሓፋ መጽሓፍ ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ መፋርቕ 19 ክ/ዘመን ኣብ እዋን ኢንዱስትሪያውነት ዝተራእየ ድኽነትን ድከትን እተንጸባርቕ ነበረት። ድሕሪ ሓያለ ዓሰርተታት ዓመታት ድማ ኤንግልስ ነቲ ቀንዲ ዕዮ ማርክስ ዝኾነ ካልኣይን ሳልሳይ ቅጺ ‘ዳስ ካፒታል’ ድሕሪ ሞት ማርክስ ኣሕተሞ። ማርክስን ኤንግልስን መጻሕፍቲ ጥራይ ኣይኮኑን ብሓባር ጽሒፎም፡ እንታይ ድኣ ኣብ ፖለቲካዊ ዕዮ’ውን መሓዙት’ዮም ነይሮም። ሓደ ካብቲ ክጥቀስ ዝከኣል ናይ መጀመርያ ስርሖም ድማ ምምስራት ናይ ርሕቀት ኮሚኒስታዊ ኮሚቴ ነበረ። እዚ ኮሚቴ’ዚ በቶም ኣብ ፖለቲካ፡ ቁጠባን ሕ/ሰብን ከም ናቶም ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ዘለዎምን፡ ኣብተን ካብ ነንሕድሕደን ብዙሕ ዘይረሓሓቓን ኣባላት ናይታ ኮሚቴ ጽሑፋቶም ብቕልጡፍ ዝቀያየሩለን ዝነበሩን ኣርባዕተ ከተማታት ምዕራብ ኤውሮጳ፡ ማለት- ብራስለስ፡ ፓሪስ፡ ለንደንን ኮለንን ዝነብሩ ዝነበሩ ውልቀሰባት ዝተመስረተ ነበረ። ‘ኮሚኒስት’ (ወይ ዴሳዊ) ዝብል ቃል ነቶም ኣብ መወዳእታ 1830ታትን 1840ታትን ኣብ ክፋላት ምዕራብን ማእከላይን ኤውሮጳ፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ናብቲ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ 1790ታት ንሰውራ ፈረንሳ ዝመርሐ ኣኽራሪ ጸጋማዊ ክንፊ ‘ጃኮቢን ክለብ’ ዝዛዘዉ ውልቀሰባት ዝገልጽ ኮይኑ፡ ከም ዘመናዊ ቅዲ ቅቡልነት ዝረኸበ’ዩ። ንነብሶም ድማ ከም ፖለቲካዊ ተደናገጽቲ ናይቶም ንቤት ማእሰርቲ ባስታይል ብምስባር፡ ነቶም ንጉሳዊ ቤተሰብ ናብ ቨርሳይል ዘግዓዙን ኣብ 1789 ኣብ ፓሪስ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝሓዝዎምን ኣብ ጊዜ ሰውራ ‘ሳን ኩሎት’ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ታሕተዎት ደርቢ ሸቃሎ ፓሪሳውያን ጌሮም ረኣይዋ። እዚ ድማ፡ ዋላ’ኳ ድሕሪ ጊዜ ነቲ ‘ኣብ ሕ/ሰብ ሓባራዊ ዋንነት ንብረት ክህሉ ዝድግፍ ሰብ’ ዝውክል’ዩ ዝብል ካልእ ትርጉም ክሕዝ እንተተገብረ፡ ብገለ ክፋሉስ መበቆል ናይቲ ‘ኮሚኒስት’ ዝብል ቃል ነበረ። እታ ናይ ርሕቀት ኮሚኒስት ኮሚቴ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ መጀመርያ ክረምቲ ናይ 1847 ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ሽዑ ንሽዑ ምስ ‘ማሕበር ፍትሒ’ ዝተባህለ ካልእ ተመሳሳሊ ጉጅለ ሕብረት ፈጠረት። እቲ ሓድሽ ዝተፈጥረ ሕብረት ድማ ‘ኮሚኒስታዊ ማሕበር’ ዝብል ስም ሓዘ።
ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ፡ ማርክስን ኤንግልስን ካብቶም ቀንዲ ኣባላት ናይ’ዛ ኮሚኒስታዊ ማሕበር ነበሩ። ኣብ መወዳእታ ሕዳርን መጀመርታ ታሕሳስን ናይ 1847 ኣብ ለንደን ዝተገብረ ናይ ኣባላት ካልኣይ ኣኼባ ድማ ተሳተፉ። ማርክስን መሳርሕቱን ነቲ ኮሚኒስታዊ ማሕበር ክበጽሖ ዝደሊ ዝነበረ ዕላማ ዝገልጽ ‘ማኒፌስቶ’ ከውጽኡ ዝወሰኑ እምበኣር ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ነበረ። እቲ ዕዮ ቅልጡፍ ገስጋስ ኣርኣየ። ኣብ ጊዜ ሓጋይ ናይ 1847፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰሙናት፡ ማርክስ ነታ ‘ኮሚኒስት ማኒፌስቶ’ እትብል ጽሑፍ ክነድፋ ከሎ ኤንግልስ ድማ ኣርትዖት ገበረላ። እቲ ጽሑፍ ብዙሕ ዘይተስተኻከለ ነገራት ስለዝነበሮ፡ ማርክስ እቲ ጉዳይ ናብ ጥሪ 1848 ከም ዝሰጋገር ገበረ። ኣማስያኡ ድማ ኣብ መጀመርያ ለካቲት ኣብ ጸሓፊት መኪና ጽሒፉ ብምውዳእ እታ ናይ ሕትመት ጉጅለ ኮሚኒስታዊ ማሕበር ቀልጢፋ ክትሓትሞ ናብ ለንደን ለኣኾ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ መወዳእታ ለያካቲት 1848 ኣብ ርእሰ ከተማ ዓዲ እንግሊዝ ንሕትመት በቕዐ። ዋላ’ኳ እቲ ጽሑፍ ንኽልቲኦም ማርክስን ኤንግልስን ኣፍልጦ ዝህብን ሓፈሻዊ ቃናን መንፈስን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ትሕዝቶ ቅድሚ ማርክስ ናብ ጽሑፍ ምስፋሩ፡ ከፊል ናይቲ ቅድሚ ፍርቂ ዕቑድ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ጸሓፍቲ ዝተገብረ ዝርርብ ዝሓቖፈ እንኾነን፡ መብዛሕትኡ ኣብ መስርሕ ምጽሓፍ ዝነበረ ምርምራት ግን ኤንግልስ ውሱን ዝኾነ ዕዮ ክህልዎ ከሎ፡ እቲ ቀንዲ ጸሓፊ ማርክስ ከም ዝነበረ’ዩ ዝንገር። እቲ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ዓለምና ዓቢ ጽልዋ ዝፈጠረ ኮሚኒስት ማኒፌስቶ ዝብል ጽሑፍ ግን ካብ ናብ መጽሓፍ ናብ መጽሄት ዝቐርብ ኣዝዩ ንእሽቶ ጽሑፍ’ዩ ዝነበረ። ብመሰረት ስምምዕ ኣርትዖት ዘመናዊ ሕትመት ክርአ ከሎ ድማ ካብ 14,000 ቃላት ዝሓልፍ ኣይነበረን። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ማርክስ፡ ታሪኽ ማለት ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ቁጠባውን ማሕበራውን ደርብታት ዘሎ ቃልሲ ዝሓዘ ዛንታ’ዩ ብዝብል ኣረኣእያኡ ክቓኒ ጀመረ። ኣብ ጥንታዊት ሮማ እንተተዓዚብና’ኳ፡ እዚ ነቲ ኣብ መንጎ ልዑላውያን ቤተሰብ፡ ተራ ህዝብን ገላዩን ዝነበረ ኩነት ዝገልጽ’ዩ። ኣብ ማእከላይ ዘመን ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ጎይቶት፡ ፈረሰኛታትን ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታት ዝዓዩ ተወፋሮን ዘመልክት’ዩ። ሽዑ’ዩ እምበኣር ማርክስ፡ ኣብ ዘመነ ኢንዱስትሪያውነት’ውን እቲ ግርጭት ኣብ መንጎ’ቶም ወነንቲ ፋብሪካታት ዝኾኑ ደርቢ ብርዥዋ፡ ሕ/ሰብ ዝመርሑ ሞያውያን ደርብታትን እቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዝነበረ ናይ ከተማ ደርቢ ሸቃሎን ምዃኑ ዘረድአ። ነቲ ኢንዱስትሪያውነት ኣብ ሕ/ሰብ ዘምጽኦ ለውጢ ድማ ‘ብርዥዋ፡ ካብ ስድራቤታዊ ስምዒት ብምርሓቕ ነቲ ስድራቤታዊ ዝምድና ናብ ውጹእ ገንዘባዊ ዝምድና ከም ዝወርድ ጌርዎ’ዩ’ ብምባል ክወቕሶ ጀመረ። እቲ ኣብ ኩሉ ቦታታት ዝተራእየ ዓብላልነት ኢንዱስትሪያዊ ሓይልን ርእሰማልን ደርቢ ብርዥዋ፡ ብኣንጻር’ቲ ዕቤት ከምጽእ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣብ ሂወት ደቂ ሰባት ስቓይ’ዩ ፈጢሩ። እቲ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ፋብሪካታትን ናይ ዕደና ቦታታትን ዝሰርሑሉ ዝነበሩ ኣገባብ ምስፍሕፍሑ ድማ ኣዝዩ ኣውቀሶ። ማርክስ እምበኣር፡ እቲ መፍትሒ ኣብ ኢድ’ታ ኮሚኒስታዊ ማሓበርን ካልኦት ንዓኣ ዝመስሉ ጉጅለታትን’ዩ ዘሎ ኢሉ ይኣምን ነበረ። ንዋንነት ውልቃዊ ንብረት (ዝድግፍ ሕጊ) ክስረዝ ኣለዎ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ፋብሪካታት፡ ናይ ዕደና ቦታታት፡ መራኽብ ዝስርሓሉን ዝጽገናሉን ቦታታት፡ ናይ ሕርሻ ቦታታትን ካልኦት ቁጠባውን ማሕበራውን ኣገልግሎታትን ኣብ ትሕቲ ሓባራዊ ሃገራዊ ዋንነት ክተሓዙ ኣለዎም ዝብል እምነት ነበሮ። እዚ እንድሕር ተጌሩ ድማ ትምህርቲ ንምስፍሕፋሕ፡ ዝተመሓየሸ ናይ ስራሕ ኩነታት ንምፍጣርን ካብ ኢንዱስትሪያዊ ዕቤትን ነገራዊ ገስጋስን ዝርከብ ረብሓ ማዕረ ብጽሒት ከም ዝህልዎ ንምግባርን ብደርቢ ሸቃሎ ሓባራዊ ውሳነ ክውሰዱ ይኽእሉ’ዮም። ማርክስ ንመጽሄቱ በታ ፍልጥቲ ጭርሖ ናይቲ ኮሚኒስታዊ ማሕበር ዝነበረት ‘ሰራሕተኛታት ዓለም፡ ስመሩ! ብዘይካ መቑሕ ድማ ዋላ ሓደ እትኸስርዎ ነገር የለን’ እትብል ጥቕሲ ዛዘማ።
ኮሚኒስት ማኒፌስቶ እምበኣር ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ካብ ዝተጻሕፋ ጽሑፋት እታ ኣዝያ ኣካታዒት ጽሕፍቲ’ያ። እዚ ግን ምስቲ ኣብቲ ጊዜ ዝነበረ ዘየካትዕ ቅቡልነታ ብምንጽጻር ከርአ ከሎ ዝገርም ነበረ። ቀንዲ ዕላምኡ ድማ ንመርሓ ፖሊሲ እቲ ሽዑ ዝነበረ ሓድሽ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዘነጽር’ዩ ነይሩ። ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ሰልፍታትን ኩሉ ጊዜ ንፖሊሲኦም ዝገልጽ ስነድ የሕትሙ’ዮም። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰውራዊ ሰነዳትን ሚሳላዊ ፖለቲካዊ መግለጺታትን ኣበር ኣልቦ ዝኾንሉ ጊዜ ድማ ሳሕቲ’ዩ። ኣብ 1640ታት ኣብ እዋን ውግእ ሓድሕድ እንግሊዝ፡ ንመላእ ኣቃውማ ሕ/ሰብ ዝውድቡ ሰፋሕቲ ሰውራዊ መደባት ኣብ ስራሕ ውዒሎም’ዮም። ሓደ ካብቲ ናይ ሽዑ ጊዜ ዝነበረ ክኢላ ፖለቲካዊ ሚሳላውነት- ጆን ሚልተን፡ ኣብ’ታ ‘ዝተኸስረት ገነት’ እትብል ዕዮኡ ዘስፈሮ ትንቢታዊ ራእይ ንማርክስ ብኸፊል ጸልይዎ ነበረ። ካብተን ኣብ መንጎ ኒው ሃምፕሻየርን ጆርጅያን ዝርከባ 13 ግዝኣታት እንግሊዝ- ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንምምስራት ዝወጸ ጽንሰ-ሓሳብ፡ እቶም መስረትቲ ኣቦታት ኣብ 1776 ክሓስብዎ ከለዉ ሱር-በትኻዊ’ዩ ነይሩ። ምናልባት እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር፡ ከምቲ ኣብ ኮሚኒስት ማኒፌስቶ ተገሊጹ ዘሎ ንኣበር-ኣልቦ ማሕበራውን ፖለቲካውን ምሕደራ ዝድግፉ ፖለቲካዊ ስምምዓት፡ ካብቲ ኣተንያዊ ፈላስፋን ክኢላ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠትን- ፕላቶ ‘ዘ ሪፕብሊክ’ ኣብ ዝብል ዕዮኡ ብዛዕባ ሚሳላዊ መንግስቲ ነዊሕ ሓተታ ዝጸሓፈሉ ጊዜ- ካብ 4ይ ክ/ዘመን ቅ.ል.ክ. ጀሚሮም ነይሮም’ዮም። ፕላቶ፡ ንኮማዊ ዋንነት ንብረት ዝድግፍ ሓሳባት ብምጽሓፍ ሞጒቱ’ዩ። ኣብ ዘመነ-ግዛኣት ንጉስ ሄነሪ 8ይ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዘገልገለ ሰር ቶማስ ሞር እውን ናይ መጀመርያ ማሕበርነታዊ ሓሳባት ኣብታ ‘ገነት’ ወይ ‘ኣበር-ኣልቦ’ እትብል ድርሳኑ ኣስፊሩ’ዩ። በዚ መሰረት ድማ እዛ መጽሓፍ ኣብ ኤውሮጳዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ሳሕቲ ዝኽሰት ፍጹም ሓድሽ ዝኾነ ሓሳባት ሒዛ ተቐልቀለት።
ማርክስ ንኮሚኒስት ማኒፌስቶ ሰኺሩ’ዩ ዝጽሕፎ ኔሩ ዝብል ወረ ይዕለል’ዩ፡፡ እዚ ድማ፡ እዛ ሓጻር ድርሳን’ዚኣ ምስቲ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ጸለውቲ ናይ ዓለምና ጽሑፋት ምዃና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንምእማኑ ዘጸግም ስግንጢር ነገር’ዩ። ሓደ ካብቲ ነዛ መጽሓፍ ኣብ ጥሪ 1848 ንኸይትውዳእ ዝተሰጋገረትሉ ምኽንያት ድማ፡ ናብ ጌንት ዝተባህለት ንእሽቶ ናይ ቤልጀም ከተማ ብምኻድ ጨንፈር ኮሚኒስታዊ ማሕበር ክምስርት ስለዝነበሮን ንሓደ ሰሙንን ፈረቓን ዝኣክል ጊዜ ኣብኡ ዝለዘሕለፈን ነበረ። ይኹን ድኣምበር፡ ቅድሚ ናብ ብራስለስ ምምላሱ፡ እቲ ዝበዝሕ ኣብዚ ዘሕለፎ ጊዜ ይሰክር ስለዝነበረ፡ ካብ ማ/ዜጽሕፈት ናይ’ቲ ማሕበር ዝነበረሉ ለንደን፡ ነታ ማኒፌስቶ ክውድኣ ከም ዘለዎ ዝገልጽ መጠንቀቕታ ይጽበዮ ነበረ። ብድሕር’ዚ ድማ ኣብተን ዝቐጸላ ሒደት መዓልታት ብተብተብ ወድኣ። ኣብቲ ጊዜ’ቲ ማርክስ ይሰቲ ከም ዝነበረ ዘተሓታትት ኣይኮነን። እቲ ዘሎ መርትዖታት ከም ዘረጋግጾ፡ ትርጉም ልዑል ውጽኢት ኣልኮላዊ መስተ ዝተረድኦ ይመስል። ጌና ኣብ ቦን ተማሃራይ ከሎ ብብዝሒ ምስታይ ጀሚሩ ከም ዝነበረን ነዚ ልምድ’ዚ ንዝቐጸለ ፍርቂ ክ/ዘመን ከም ዝቐጸሎን ድማ ይፍለጥ። እዚ ከምቲ ኣብ ቅድመ-ዘመናውነትን መጀመርታ ዘመናውነትን፡ ብፍላይ ኣብተን ዝተበከለ ማይ ካብ ምስታይ ኣልኮል ምስታይ ዝምረጸለን ዝነበራ ከተማታት ዝነበረ፡ ንኤውሮጳዊ ሂወት ዝገልጽ ልሙድን ብቐጻሊ ዝውሰድን መጠን ሃልኪ ቢራ ዘይኮነስ፡ ማርክስ ልዑል ፍትወት ነቢትን ኣልኮልን ከም ዝነበሮን ምስ እኹል ኣመጋግባን ሽጋራን ብሓንሳብ ይወስዶም ከም ዝነበረን’ዩ ዝንገር። ኣብ መወዳእታ 1840ታት፡ ዕድሚኡ ኣብ 30ታት ዝረገጸሉ ጊዜ ስለዝነበረ፡ እናዓበየ ዝመጸ- ብፍላይ ምስ ጸላም ከብዲ ዝተተሓሓዘ ናይ ጥዕና ሽግራት ነበሮ።
ዋላ’ውን ኣብቲ ኮሚኒስት ማኒፌስቶ ኣብ መወዳእታ የካቲት 1848 ኣብ ለንደን ዝተሓተመትሉ ጊዜ፡ ማዕበል ሰውራዊ ረስኒ ኣብ ምሉእ ኤውሮጳ ኣስፋሕፊሑ ነበረ። እዚ ድማ ኣብ ወርሒ ጥሪ 1848 በታ ኣብ ደሴት ሲሲሊ እትርከብ ከተማ ፓሌርሞ ጀሚሩ ብቕጽበት ናብ ምሉእ’ቲ ክ/ዓለም ኣስፋሕፈሐ። ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን፡ ኣብ ከም ብዓል ፖላንድ፡ ሃንጋሪ፡ ፈረንሳይ፡ ሰፊሕ ክፋል ጀርመን፡ ዴንማርክ፡ ኮንፈደሬሽን ስዊስን ኣየርላንድን ዝኣመሰለ ቦታታት ዓበይቲ ሰውራታት ክባራዕ ከሎ፡ ነፍስ ወከፍ እተን ካልኦት ሃገራት ድማ ዋላ’ኳ ምሉእ ሰውራ እንተዘይነበረ ግብራዊ ዝኾነ ውዕዉዕ ተቓውሞታት ኣንጸባሪቐን’የን። ሰውራ 1848፡ ወይ ድማ እቲ ብ‘እዋን ህዝባዊ ማዕበል’ ዝፍለጥ ጊዜ፡ ኣብ ከም ብዓል ፈረንሳ፡ ሃንጋርን ኢጣልያን ዝኣመሰላ ሃገራት ናብ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ለውጢ ከምርሕ ከሎ፡ ኣብ ጀርመንን ካልኦት ዞባታትን ድማ ክሳብ ናብ ምዕላው ምሉእ መንግስቲ ዝበጽሕ ስግኣታት ፈጠረ። ኣብ ድሕረ-ሰውራ ኣብ ዝነበረ ጊዜ፡ ብስም ፖለቲካዊ ኣኽራርነት ናይ ምጭፍላቕ ስጉምታት ተራእዩ’ዩ። ማርክስ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ’ቲ ክ/ዓለም ዝካየድ ዝነበረ ሰውራ ዝነበሮ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ካብ መንግስቲ ቤልጀም ጸቕጥታት ምስ መጾ፡ ሽዑ ንሽዑ ናብ ኮሎን ተመልሰ። ይኹን ድኣምበር፡ ሽዑ’ውን ብሰንኪ’ቲ ኣብ ኮሚኒስታዊ ማሕበር ዝነበሮ ተራ ካብ መንግስቲ ፕራሻ ጸቕጥታት በጽሖን ኣማስያኡ ድማ ካብቲ ንጉሳዊ ግዝኣት ምሉእ ብምሉእ ክወጽእ ተነግሮን። እዚ’ዩ እምበኣር፡ እቲ ንስድራቤት ማርክስ እንደገና ናብ ለንደን ንኽትግዕዝ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነ። ማርክስ፡ ዝተረፈ ሂወቱ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይ’ታ ኣብቲ ጊዜ’ቲ ካብ ዝኾነት ኤውሮጳዊት ሃገር ንላዕሊ ሊበራላዊ ኣረኣእያ ዝነበራ ሃገረ እንግሊዝ ኣሕለፎ። ኣብተን ካልኦት ርእሰ ከተማታት ግን ሰፋሕቲ ናይ ሕትመት ቁጽጽር ይግበር ስለዝነበረ፡ ዕዮታቱ ንምሕታም ሽግር ክገጥሞ ከም ዝኽእል ፍሉጥ ነበረ።
ማርክስ ኣብ ለንደን ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፡ ዋላ’ኳ እቲ ሰውራታት ብሓፈሻ ብሓያል መድቆስቲ እንተብቅዐ፡ በቲ ኣብ 1848ን 1849ን ኣብ ምሉእ ኤውሮጳ ዘጋጠመ ፍጻሜታት ኣዝዩ ስለዝተተባብዐ፡ ብዛዕባ ሓድግታት እቲ ካልእ ዝዓበየ ኤውሮጳዊ ሰውራዊ ምንቅስቓስ- ናይ 1789 ሰውራ ፈረንሳን ኣብ 1790ታት ዝተራእየ ሳዕቤናቱን ከጽንዕን ክጽሕፍን ወሰነ። ንኹሎም ኮሚኒስታውያንን ጸጋማዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ማሕበረነታውያንን፡ ሰውራ ፈረንሳ ሓደ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ዓቢ ትርጉም ዘለዎም ፍጻሜታት’ዩ ነይሩ። ሰውራ ኣሜሪካ ብቐንዱ ብሃብታማት ከተመኛ ብርዥዋን ወነንቲ ሰፋሕቲ ሕርሻዊ ቦታታትን ዝተደረኸ ክኸውን ከሎ፡ ናይ ፈረንሳ ተቓውሞ ግን ብዓቢኡ ብደርቢ ሸቃሎ ከተማ ፓሪስ (ሳን ኩሎት) ሱር-በተኻዊ ሰውራውያንን (ጃኮቢን ክለብ) ዝተመርሐ ነበረ። ናይ ክልቲኡ ምንቅስቓሳት ዕላማ፡ ነቲ ኣብ ንጉሳዊ፡ ቤተሰባውን ቤተክርስትያንን መሰረት ዝገበረ ናይ ቀደም ኣገዛዝኣ ብምዕላው ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ዓይነት ሕ/ሰብ ምህናጽ’ዩ ነይሩ። ማርክስን ብዙሓት ካልኦትን ድማ ከምዚ ዓይነት ሰውራ ከበግሱ ባግታት ኣሕደሩ። በዚ መሰረት ድማ ካብ 1849 ክሳብ ናይ መጀመርታ 1850ታት ኣብ ዘሎ ጊዜ፡ ነቲ ኣብ 1790ታት ንሰውራ ፈረንሳ ዘጋጠሞ ፍሽለትን ናብ ንጉሳዊ ግዝኣት ናፖልዮን ቦናፓርት ከምርሕ ዝገበሮን እንታይ’ዩ ነይሩ ኣብ ዝብልን ምስቲ ድሒሩ ኣብ ጊዜ ሰውራ ናይ 1848 ከም ፕረሲደንት ኮይኑ ናብ ስልጣን ዝመጸ ንናፖልዮን ወዲ ሓፍቱ ቻርለስ ሉዊስ ቦናፓርት ብምንጽጻርን ብሰፊሑ ጸሓፈን ተንተነን። ሽዑ ንሽዑ፡ (ቻርለስ ሉዊስ) ንነብሱ ናፖልዮን ሳልሳይ ኢሉ ብምጥማቕ፡ ሓድሽ ሃጸይ ፈረንሳ ምዃኑ ኣወጀ። ማርክስ እምበኣር፡ ደርቢ ብርዥዋ ንቃልሲ ሸቃሎ ፈረንሳ ከም ዝመዝመዞን ኣብ 1899 ድማ ክሳብ ነቲ ሰውራ ጠቕሊልካ ንምግዳፍን ንቦናፓርተ ከም ቀዳማይ መራሕን ኣብ 1804 ድማ ከም ንጉስን ንኽቕበል ከም ዝቐሰቦን ተረዲእዎ ነበረ። ነቲ ናይ 1848 ሰውራ ንምድኻምን ካልእ ቦናፓርተ ናብ ስልጣን ንምምጻእን ድማ ተመሳሳሊ ኣገባብ ዝተኸተለ ነበረ።
ማርክስ ምናልባት ነቲ ኣብ መላእ’ቲ ክ/ዓለም ዝካየድ ዝነበረ ዝተፈላለየ ሰውራዊ ምንቅስቓሳት ርእይቶ ከይህበሉን ከይትንትንን ስግኣት ነይርዎ ክኸውን ስለዝኽእልን፡ ብተወሳኺ’ውን ናብ ለንደን ምስ ገዓዘ ኣብ ናይ ናብራ ሕቶ ተጸሚዱ ስለዝነበረን’ዩ። ዋላ’ኳ ንዝተፈላለዩ ብዙሓት ናይ ሕትመት ስራሓት ሓሓሊፉ ይጽሕፍ እንተነበረ፡ ከም ተወካሊ ጋዜጠኛ ናይ ‘ኒው ዮርክ ደይሊ ትሪብዩን’ ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ለንደን ብምዃን ይሰርሕ ነበረ። መብዛሕትኡ ዕዮታቱ ድማ ንፖለቲካዊ ምዕባለታት ዓዲ እንግሊዝ፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ ዌስትሚኒስተር ብባይቶ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ታሪኽ ሓጋጊ ኣካል ናይ’ታ ሃገር ኣዝዩ ጽዑቕ ስራሕ ዝነበረሉ ጊዜ ዝነበረ ምዕባለታት ብምትንታን ንኣሜሪካውያን ተዓዘብቱ ከም ዝርድኦም ምግባር ነበረ። እቲ ስራሕ ኣዝዩ ተኣፋፊ’ዩ ነይሩ፡ ማርክስ ድማ በቶም ንሕትመት ቅቡላት ዝኾኑ ዓንቀጻቱ ጥራይ ይኽፈል ስለዝነበረ፡ ምንጪ ኣታዊታቱ ዘይውሑስ ነበረ። ስድራቤት ማርክስ ኣዝያ ብድኽነት ዝተጠቕዐት’ኳ እንተዘይነበረት፡ ኣብ ለንደን ብምቾት ዝነብሩ ግን ኣይነበሩን፡፡ ካርል መጽናዕትታቱን ጽሑፋቱን ንኽቕጽል ዘድልዮ ዝነበረ ክፍሊት ካብቲ ሃብታም ስድራቤት ዝነበርዎ ኤንግልስ ፋይናንሳዊ ሓገዝ እንተዘይረክብ ነይሩ ኣብ ሽግር ምወደቐ ነይሩ።
ማርክስ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ሕቶ ጊላነት ኣድሂቡ ኣብ ሕ/መ/ኣሜሪካ ዝቕጽል ዝነበረን ድሒሩ ናብ ናይ 1861 ውግእ ሓድሕድ ኣሜሪካ ዘምርሐን ፖለቲካዊ ወጥሪ ይግደስ ነበረ፡፡ እዚ ድማ ኣብቲ ኣብ 1850ታት ዝነበረ ተነቃፊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣሜሪካን ድሕሪ ናይ 1860 ምርጫ ኣብርሃም ሊንከን ከም ፕረሲደንትን ናብ ግጭት ዘምርሐ ኩነታትን መሰረት ዝገበረ ትዕዝብታቱ ነበረ። ይኹን ድኣምበር፡ እቶም ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣድሂቦም ኣብ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ጋዜጣታት ኒው ዮርክ ደይሊ ትሪብዩንን ኣብ ቬና ዝመደበሩ ዲ ፕረሰን ካብ 1860 ክሳብ 1866 ዝሕተሙ ዝነበሩ ጽሑፋቱ፡ ነቲ ከም ቀንዲ ጠንቂ ኲናት ዝጥቀስ ኣብ መንጎ እታ ነጻ ዝኾነት ሰሜናዊ ክ/ግዝኣትን ገላዩ እትውንን ደቡባዊ ክ/ግዝኣትን ዝነበረ ቁጠባዊ ፍልልይ ሰፊሕ ናይ ትንታነ ሸፈነ ሂብዎ’ዩ። ኣብ ጊዜ ኲናት፡ ማርክስ ጽኑዕ ደጋፊ ሕብረታውያንን ዕላማ ጸረ ጊላነትን ነበረ፡፡ ድሒሩ ግን ኣብ 1863፡ ፈጻሚ ቦርድ ናይ’ታ ጋዜጣ፡ ብውሕዱ ኣብ ከም ቨርጂንያን ካሮላይናን ዝኣመሰለ ቦታታት ተኽእሎ ቀጻልነት ጊልያነት ብገለ መልክዑ ዘፍቅድ ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ሰላማዊ ፍታሕ ክመጽእ ኣለዎ ብምባል፡ ብዛዕባ’ቲ ኲናት ዘይሻራዊ መርገጺ ክሕዝ ከም ዘለዎ ምስ ወሰነ፡ ማርክስ ኣብ ኒው ዮርክ ደይሊ ትሪብዩን ዝነበሮ ናይ ምጽሓፍ ስራሕ ምሉእ ብምሉእ ከሰሮ። ምስ’ታ ጋዜጣ ዝነበሮ ምትእስሳር ብኸምዚ ብምቁራጽ ድማ ምስ ዲ ፕረስን ካልኦት ሚድያታትን ንምስራሕ ተሰማምዐ። ኣብቲ ሽዑ ጊዜ፡ ኣብ 1859 ዝተሓትመት ‘ኣበርክቶ ኣብ ህየሳ ፖለቲካዊ ቁጠባ’ እትብል ሓንቲ ካብ መጻሕፍቱ፡ ብዕድል ጽቡቕ ተሸጠትሉ’ሞ ማርክስ ድልዱል ፋናንሳዊ መሰረት ኣንጸፈ። ኣብ ኒው ዮርክ ደይሊ ትሪብዩን ዝጽሕፎ ዝነበረ ደው ምባሉን ፋይናንሳዊ ዓቕሙ ምዕባዩን፡ ንማርክስ ኣብ ዝዓበየ ስራሕ ንኸድህብ ዕድል ፈጠረሉ፡፡ እዚ ድማ ፖለቲካዊ ሓሳባቱ ዘጻርየሉ ቀንዲ ዕዮ ነበረ። ነዚ ንምጽሓፍ ድማ ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ቤት ንባብ ናይ ቤተመዘክር ዓዲ እንግሊዝ ነዊሕ ጊዜ የሕልፍ ነበረ። ገለ ክፋላት ናይቲ ሽዑ ቤት መዝገብን ቤት ንባብን ዝነበረ ድማ ኣብዚ ሕጂ ጊዜ ኣካል ቤት ንባብ ዓዲ እንግሊዝ ኮይኑ ቀጺሉ’ሎ። ኣብዚ ቦታ’ዚ ኮይኑ’ዩ እምበኣር ማርክስ ነቲ ኣማኢት ገጻት ዝሓዘ ብዛዕባ ደርባዊ ዝምድናታትን ካልእ ተመሳሰልቲ ጉዳያትን ዝምልከት ጽሑፋቱ ዝነድፎ ዝነበረ። ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ሰለስተ ቅጺ ዝሓዘ ዕዮኡ ኣብ ዝቐጸለ ዓሰርተታት ዓመታት ቀስ ብቐስ ‘ዳስ ካፒታል፡ ክሪቲክ ደ ፖለቲሽን ኦኮኖሚ’ ወይ ድማ ‘ርእሰማል፡ ህየሳ ፖለቲካዊ ቁጠባ’ ብዝብል ኣርእስቲ ተሓቲሙ ከም ዝወጽእ ተገብረ። ቀዳማይ ቅጺ ዳስ ካፒታል ኣብ 1867 ተሓትመ። እዚ ጥራይ ንባዕሉ ኣብ ዘመናዊ ሕትመት ካብ 500 ክሳብ 600 ገጻት ዝሕዝ ዓቢ ዕዮ ነበረ። ጸኒሑ ድማ ኤንግልስ ኣብቲ ናይ ማርክስ ሰፊሕ ጽሑፋትን ንድፍን መሰረት ብምግባር ንኻልኣይን ሳልሳይ ቅጽታት ድሕሪ ሞት ማርክስ ኣብ 1885፡ 1894 ብተኸታታሊ ብምሕታም ከም ዝውሰኽ ገበሮ። ነዚ ሰለስተ ቅጽታት ብሓደ ቅጺ ብዘመናዊ ሕትመት ከሕትሞ ንዝደሊ ድማ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ገጻት ዝሓዘ መጽሓፍ ክጽበ ኣለዎ። ከምዚ እንተኾይኑ ድማ፡ ብኣዝዩ ንእሽቶ ሕትመት ወይ ድማ ንቐንዲ ክፋላት ናይቲ መጽሓፍ ብምጽሟቕ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ስለዚ እምበኣር፡ እግረ-ጽሑፍ ወይ ሓባሪ ጽሑፍ ተወሲኽዎ ብኣዝዩ ዘመናዊ ሕትመት ክርአ ከሎ ካብ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ቃላት ዝሓልፍ ኣዝዩ ሰፊሕ ዕዮ ነበረ፡፡
ዳስ ካፒታል ከምቲ ግዝፉ፡ ብዘይካ’ቲ ኮሚኒስት ማኒፌስቶ ዝብል ንእሽቶ ትሕዝትኡ፡ ካልእ ብዙሕ ባእታታት ዝሓቖፈ’ዩ። ነቶም ክልተ ቀንዲ ትሕዝቶታት ናይዚ ምፍላጦም ድማ ኣገዳሲ’ዩ፡፡ ዳስ ካፒታል፡ ነቲ ማርክስ ኣብ ‘ታሪኻዊ ነገራውነት’ ዘለዎ ኣረኣእያ ብንጹር ኣቐሚጥዎ’ሎ። እዚ፡ ንታሪኽ በቲ ኣብ መንጎ ዝተፋላለየ ቁጠባዊ ደርብታት ዘሎ ግርጭት ዝገልጽ ኣረኣእያ’ዩ። ኣብዚ ሎሚ ጊዜ፡ ከም ሓድሽ ሓሳብ ክርአ ዝኽእል ኣይኮነን፡ ኣብ መፋርቕ ናይ 19 ክ/ዘመን ግን ፈላሚ ሓሳብ’ዩ ነይሩ። ክሳብ’ዚ ጊዜ’ዚ ብዙሓት ተመራመቲ ታሪኽ፡ ወይ’ውን ታሪኻዊ ምጉት ዘቕረቡ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ወድሰብ ንምጽናዕ ኣብ ዝገበርዎ ዕዮ፡ ናብቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኤትኒካዊ ጉጅለታት፡ ግዝኣታት፡ ንግስነታትን ሃገረ-መንግስታትን ዘሎ ግርጭት ዝዘምበለ’ዩ። ናይ መበል 19 ክ/ዘመን ታሪኽ ኤውሮጳ ዝነግር መጽሓፍ እንተልዒልካ፡ ኣብቲ ምዕራፋት ብዘይኣፈላላይ፡ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኢንግላንድን ፈረንሳን፡ ንግስነት ጀርመንን ጵጵስናን፡ ስፓኛን ፖርቱጋልን ዝገልጽ ግጭት’ዩ ዝቕበለካ። (ኣብዚ ገጻት)፡ ንጉስ፡ ንግስቲ፡ ጎይቶትን ጳጳሳትን ብብዝሒ ክንጸባረቑ ከለዉ፡ ሃይማኖትን ግዝኣታዊ ስልጣንን ድማ ካብቶም ቀንዲ ደረኽቲ’ቲ ግርጭት ምንባሮም ይግለጽ። ብኣንጻሩ ብዛዕባ እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ናይዘን ሃገራት እንታይ ከም ዝገበረን እንታይ ደረኽቲ ነገራት ከም ዝነበሩን ዝገልጽ ኣዝዩ ሒደት’ዩ። ማርክስ እምበኣር ከም ግብረመልሲ ናይዚ’ዩ ዝጸሓፈ። ንሱ፡ ታሪኽ ማለት ብመሰረቱ ኣብ መንጎ ሃገረ-መንግስታት ዘይኮነስ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ቁጠባዊ ደርብታት ዘሎ ረጽሚ’ዩ ብምባል ይምጉት።
ኣብዚ ዳግመ-ምህዞ ታሪኽ ምዕራብ ኤውሮጳ ዝተራእየሉ ጥርዚ ማእከላይ ዘመን ንኣብነት፡ ንግስነት እንግሊዝን ፈረንሳን ኣብ ነንሓድሕዶም ኲናት ከም ዘካየዱ ዝነግር ዛንታ የለን፡፡ ብኣንጻሩ፡ ናይ ፈረንሳን እንግሊዝን ልዑላን ነቲ መስፍናዊ ዓዃይ ብዓይኒ’ብለይ ስኒ’ብለይ ይጭፍልቕዎ ነበሩ። ድሕሪ ጊዜ፡ ዝተፈላለዩ ቴክኖሎጅያዊ ምህዞታት ንኣገባብ ማእቶት መግብን ንብረትን (ናብ ዝለዓለ ደረጃ) ስለዘሰጋገርዎ፡ እቲ ኣብ መንጎ ቁጠባዊ ደርብታት ዝነበረ ዝምድናታት ተቐየረ። በዚ መሰረት፡ ናይ ቀረባ ታሪኽ ኤውሮጳ ናዕቢ ዝመልኦ ስለዝነበረ፡ ደርባዊ ቃልሲ ወለደ፡ እዚ ብግዲኡ ነቲ ናይ ቀረባ ምህዞ ኢንዱስትሪያዊ ሰውራ ፈጠረ። እቲ ቅድሚ ሓያለ ዘመናት ነቲ ዝጸንሐ መስፍናዊ ልዕልና ዝሰዓረ ደርቢ ብርዥዋ’ውን ኣንጻር ኢንዱስትሪያዊ ደርቢ ሸቃሎ ኣብ ምትዃብ ኣተወ። ብኣረኣእያ ማርክስ፡ ‘ታሪኻዊ ነገራውነት’ ማለት ዳርጋ ንኹሉ ኣገባባት ታሪኻዊ ምዕባለ ዝገልጽ ኩነት’ዩ። በቲ ማርክስ ነዚ ክልሰ-ሓሳብ’ዚ ሓደ መልክዕ ንምትሓዝ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ፖለቲካዊ ውጽኢት ወይ’ውን ከም ቀንዲ ቀላሲ መሳርሒ ናይ ኩሎም ታሪኻዊ ፍጻሜታት፡ ኣመና ኣብ ነገራዊ ጉዳያት ምጽቃጡ፡ ብብዙሓት ተቐባልነት ኣይረኸበን። ይኹን ድኣምበር፡ ነቲ ቁጠባዊ ምዕባለን ደርባዊ ግርጭትን ከመይ ኢሎም’ዮም ኣገዳስነቶም ከም ሃገራውነት ክኾኑ ክኢሎም ወይ’ውን ንመራሕትን ፖለቲከኛታትን ክመርሑ ዝኽእሉ ተግባራት ኮይኖም፡ ንዝብል ብምጉላሕ ንመሰረታዊ ዳግመ-ግምገማ ታሪኻዊ ኣገባብ ዓቢ ኣበርክቶ ምግባሩ ዝከሓድ ኣይኮነን።
ጽንሰ-ሓሳብ ታሪኻዊ ነገራውነት፡ ምስ ሓደ ካብቲ ኣብ ዳስ ካፒታል ቀሪቡ ዘሎ ቀንዲ ክፋል ማርክሳዊ ኣተሓሳስባ ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘለዎ’ዩ። እዚ ድማ እቲ ማርክሳዊ ስነ-መጎት ወይ ድማ ‘ስነ-መጎታዊ ነገራውነት’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ’ዩ። ነዚ መልክዕ ንምትሓዝ፡ ማርክስ ነቶም ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ብሄግል ዝተላዕሉ ስነ-መጎታዊ ኣገባባት ብምድጋፍ ይምልስ። ስነ-መጎት ሄግል፡ ነቲ ‘ሓሳባት’ ኩሉ ጊዜ ኣብ ሓድሕዳዊ መሰረታዊ ግጭት ምስ ተጸምዱ’ዮም፡ ይኹን ድኣምበር፡ እዚ ውጥረት’ዚ ድማ ዝያዳ ዝበለጸ ውጽኢት ዝህብ’ዩ ዝብል ምጉት ዘቕርብ’ዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ሓደ ፍልስፍናዊ ጉዳይ፡ ሓሳባት ወይ ጽንሰ-ሓሳብ ከቕርብ ይኽእል’ዩ። ካልእ ሰብ ወይ ጉጅለ ድማ ተጻራሪ ምጉት ወይ ጸረ-ጽንሰ-ሓሳብ ከቕርብ ይኽእል’ዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት፡ ካብ ክልቲኡ ምሉእ ብምሉእ ልክዕ ዝኾነሉ የለን፡ እንተኾነ እቲ ኣብ መንጎ’ዞም ክልተ ምጉታት ዘሎ መሰረታዊ ውጥረት ናብ ሓድሽ ጽማረ ይምዕብል’ሞ ካብ ክልቲኦም- ጽንሰ-ሓሳብን ጸረ-ጽንሰ-ሓሳብን ብምውሳድ ‘ጽማረኣዊ ሓሰብ’ ይፈጥር። ሄግልያዊ ጽንሰ-ሓሳብ ብቐንዱ ኣብ ፍልስፍናዊ ኣገባባት ፕላቶ መሰረት ዝገበረ’ዩ። ማርክስ እምበኣር፡ ነዚ ስነ-መጎታዊ ኣገባብ’ዚ ብምልቃሕን ብምቕያርን ብዛዕባ ፖለቲካዊ ቁጠባን ባህርያዊ ህላዌ ሓቅን ፍልጠትን (ሜታፊዚክስ) ዝምልከቱ ሓሳባት ወሰኸሉ። እቲ ቀንዲ መጎቱ ድማ ሕ/ሰብን ባህርይን ካብቲ ደቂ ሰባት ኣብ ኣእምሮኦም ዝቐርጽዎም ንላዕሊ ግኡዛዊ ህላዌ ዘለዎም’ዮም፡ ስለዚ ድማ ኣተሓሳስባ ናይ ነፍስ ወከፍ ሕ/ሰብ ብተናጸል ምጽንዑ ኣገዳሲ’ዩ ይብል። ኣብዚ መዳይ’ዚ ነቲ ናይ ሄግልን ናይ ካልኦት ኤውሮጳውያን ፍላስፋታት ናይ ነዊሕ ጊዜ ኣተሓሳስባን፡ ክሳብ’ቲ ኣብ መፋርቕ 17 ክ/ዘመን ንካርተዝያዊ ዓውደ-ፍልጠት ሜታፊዚክስ ዝመስረተ ሬነ ደካርተ ንድሕሪት ብምምላስ ነጺግዎ’ዩ። ማርክስ ነቲ ኣብ ውልቀ (ኣድሂቡ ዝግበር መጽናዕቲ) ብዝተወሰነ ደረጃኡ ኣወጊድዎ’ዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ናይዚ ስነ-መጎታዊ ኣገባብ፡ ቁጠባዊ ግጅለታት፡ ዋላ’ኳ ኣብ ዝተወሰነ ጊዜ ተጋራጫዊ ወይ ንምግላጾም ዘሸግር እንተነበረ፡ ኣብ ንነሓድሕዶም ውጥረት ስለዘለዎም፡ ንግኡዛዊ ዓለም ናብ ለውጢ መሪሖሞ’ዮም፡፡ ማርክሳዊ ስነ-መጎት ሓደ ካብቲ ኣብ ዳስ ካፒታል ዝርከብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ባእታን ሓፈሻዊ ፖለቲካውን ፍልስፍናውን ትዕዝብትን’ዩ። ብተወሳኺ ድማ ካብቶም ኣዝዮም ኣካታዕቲ ጉዳያት’ዩ። ምስ ምንጻግ ናይ ሄግል ካርተዝያዊ ኣተሓሳስባን- ማርክስ ብቐንዱ ን‘ውልቀ’ ኣብ ሕ/ሰብ ዘለዎ መሰረታዊ ክብሪ ምንጻጉን ስዒቡ፡ ብዙሓት ኣብቲ ነገራዊ ዓለምን ከመይ ከም ዝሰርሕን ኣድሂቦም ሰሪሖም’ዮም። እቲ ኣገዳሲ ነገር እምበኣር፡ እዚ ስነ-መጎት ነቲ ኣብ ውልቀ ዘሎ ኣተሓሳስባ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ቁጠባዊ ደርብታት ዓለም ዘሎ ነገራዊ ዝምድናታትን ምስ ባህርይ ዘለዎ ዝምድናን ዝገልጽ’ዩ። ማርክስ ንኽብሪ ውልቀ ብመሰረቱ ዋጋ ከም ዘይብሉ’ዩ ገይርዎ። እዚ ስለምንታይ ኣካታዒ ነጥቢ ክኸውን ከም ዝከኣለ ንምርኣዩ ድማ፡ ብፍላይ እታ ኣብ 1938 ጆሴፍ ስታሊን ኣብ መፋርቕ እቲ ኣብ ልዕሊ ራሻ ዓቢ ጽጽያ ዘስዓበሉ ጊዜ ዘፍረያ ‘ስነ-መጎታውን ታሪኻውን ነገራውነት’ እትብል ጽሑፍ ኣብ ግምት እንተኣትያ ቀሊል’ዩ። እዚ ስነ-መጎት፡ ነቲ ኣብ ሕብረት ሶቬትን ካልኦት ማሕበርነታዊ ስርዓታትን ኣብ ዝቐጸለ ዕቑዳት ክስዕብ ዝኸኣለ ኣዝዩ ዝኸፍአ ነገራት ንናይ ማርክስ ስነ-መጎታዊ ምኽንያታውነት ብሓላፍነት ዘሰክም’ዩ። ኣብ ዕዮ ናይ ማርክስ፡ ማርክሳዊ ስነ-መጎት ጥራይ ኣይኮነን ኣካታዒ ክኸውን ዝኸኣለ፡ እቲ ታሪኻዊ ነገራውነት ዝብል ስነ-ሓሳቡ’ውን፡ ዋላ’ኳ ነቲ ‘ታሪኽ ማለት ኣብ መንጎ ንግስነታትን ሃገረ-መንግስታትን ዘሎ ግርጭት ዘመልክት’ዩ’ ዝብል ልምዳዊ ታሪኻዊ ኣረኣእያ ኣገዳሲ ኣራሚ ስጉምቲ እንተኾነ፡ ኣዝዩ ስለዝተጋነነ ግን ናብቲ ‘ደርባዊ ቃልሲ ቀንዲ ምኽንያት ናይ ኩሎም ታሪኻዊ ተርእዮታት’ዩ’ ዝብል ርኡይ ኣድህቦ ወጊኑ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ንሓባራዊ ዋንነትን ምሕደራን ንብረት ዝገበሮ ጥብቅና ኣብ መበል 20 ክ/ዘመን ብብዙሓት ከም ገነታዊ (ትንቢታዊ) ተቆጺሩ’ዩ። ማርክስ ዘየስተባሃለሉ ነገር እንተኔሩ ግን እዚ ስራሕ’ዚ ተኽእሎ ተፈጻምነት ዝህልዎ መላኺ ስርዓት ተጠቒምካ ጥራይ ምንባሩ’ዩ። ማርክስ ንባዕሉ ግን ብዝኾነ ይኹን ኣተሓሳስባ መላኺ ኣይነበረን። ዘይተረድኦ ነገር እንተኔሩ ግን፡ ሓሳባቱ ናብ ተግባር ንምቕያር ዝግበር ስራሕ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከም ብዓል ራሻ ዝኣመሰላ ንኣማኢት ዓመታት ውልቀ መለኺ ፖለቲካዊ ባህሊ ዘለወን ሃገራት፡ መለኽቲ ስርዓታት ክፈጥር ዝኽእል ምዃኑ’ዩ።
ኮሚኒስታዊ ተልእኾ ኣብ ወረቐት ዘይኮነስ ብተግባር ንምፍታንን ንምቕጻልን፡ ዋላ’ውን ኣብ መፋርቕ 1860ታት ኣብቲ ማርክስ ነታ ቐዳመይቲ ቅጺ ዳስ ካፒታል ዝጽሕፈሉ ዝነበረ ጊዜ ይቅጽል ነይሩ’ዩ። ኣብ 1864፡ ካብ ምሉእ ኤውሮጳ ዝመጹ ማሕበርነታውያን፡ ኮሚኒስታውያንን ካልኦት ጸጋማዊ ክንፊ ደለይቲ ለውጢ ጉጅለታትን፡ ኣብ መስከረም 28 ኣብ ኣደራሽ ትያትር ኲንስ- ለንደን ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ጥምረት ፈጠሩ። ንነብሶም ድማ ኣህጉራዊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኢሎም ሰመይዋ፡ እዚ ድማ እቲ ሎሚ ኣብ ታሪኽ ኮሚኒስት ብ ‘ቀዳማይ ኣህጉራዊ’ ዝፍለጥ ፍጻመ’ዩ። ዋላ’ኳ ኣብቲ ጊዜ’ቲ ኮሚኒዝም (ዴስነት) ኣብ ካልኦት ቦታታት ዝርግሐ ዘይነበሮን ብተግባር ድማ ንኤውሮጳ ማለት እንተኾነን፡ ካብ ምሉእ ዓለም ንዝመጹ ኮሚኒስት ጉጅለታት ዝውክል ቀዳማይ ማሕበር ነበረ። (ኣብዚ ኣኼባ)፡ ካብ ክልቲኡ ኣሜሪካ (ሰሜንን ደቡብን) ዝመጹ ውሑዳት ተሓለቕቲ ብምንባሮም ድማ ከም ሓደ ዓብይ ፍሉይነት ተራእየ። ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ድማ፡ ነቲ ኣብ 1863 ኣብ ፖላንድ ኣንጻር ምሕደራ ራሻ ዝተራእየ ምልዕዓልን ኣብ መሰረታት ማሕበር ሸቃሎ ዘለዉ ውዳቤታትን፡ ከም ግዳያት መግዛእቲ ራሻ ዝኾኑ ጭቑናት ፖላንዳያውያን ዝኣመሰሉ ጉጅለታትን ኣፍልጦ ብምሃብን፡ ብኣህጉር ደረጃ እንተተወዲቦም ዓቢ ዓወት ከምጽኡ ይኽእሉ’ዮም ብዝብል ሓሳብን ነበረ። ብኸምዚ ኣገባብ ኣህጉራዊ ዶባት ከም ዝሰግር ብምግባር ድማ፡ ሓደ መዓልቲ ናይ 1848 ሰውራ ንምድጋም ጥሙሕ ከሕድሩ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ሓሳብ ነበረ። ማርክስ ኣብቲ ‘ቀዳማይ ኣህጉራዊ’ ብምልኣት ተሳተፈ። ይኹን ድኣምበር ቀዳማይ ኣህጉራዊ፡ ብፋላይ ኣብ መንጎ እቶም ብማርክስ ዝምርሑ ኣዝዮም ጽኑዓት ኮሚኒስታዊ ክንፍን በቲ ኣብ ታሪኽ ፖለቲካዊ ፋሉልነት ኣዝዩ ጸላዊ ዝኾነ ራሻዊ ሰውራዊ ሚኻይል ባኩኒን ዝምርሑ ፋሉላትን ብዙሕ ከይደንጎየ ግጭት ተላዕለ። እቲ ግርጭት ኣብቲ ኣብ 1872 ኣብ ዘ ሄግ- ሆላንድ ዝተኻየድ ጉባኤ ኣብ ጥርዚ በጽሐ’ሞ ቀዳማይ ኣህጉራዊ ንዝቐጸለ ሒደት ዓመታት ኣድማዒ ዕዮ ከይሰርሐ ቀጸለ። ካልኣይ ኣህጉራዊ ድማ ክሳብ’ቲ 1889 ድሕሪ ሞት ማርክስ ዝተኻየደሉ ጊዜ ከይተኻየደ ጸንሐ።
እቲ ኣብ ቀዳማይ ኣህጉራዊ ዘጋጠመ ምፍንጫል ብብዙሕ መዳዩ ብፍጻሜታት ናይ 1871 ዝተጓሃሃረ ነበረ። ኣብ ፍርቂ መጋቢት ናይቲ ዓመት፡ ፈረንሳ ብፍላይ ድማ ከተማ ፓሪስ፡ ኣብቲ ካብ ነውጺ እቲ ብሰንኪ ኣብ ኲናት ፍራንኮ-ፕራሻ ዘጋጠማ ቅልጡፍ ስዕረት ንምውጻእ እትፍትነሉ ዝነበረት ጊዜ፡ ኣኽረርቲ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ንርእሰ ከተማ ፈረንሳ ተቖጻጺሮማ ነበሩ። ቅድሚ’ቲ ብሳልሳይ ሪፓብሊክ ዝፍለጥ ሓድሽ መንግስቲ ደማዊ ጭፍለቓ ምውሳዱ፡ ነታ ከተማ ከባብያዊ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ፓሪስ (ፓሪስ-ኮምዩን) ንኽልተ ወርሕን ፈረቓን ተቖጻጺሮማ ነበሩ። ኣዚ ካብ 10,000 ክሳብ 20,000 ዝበጽሕ ሂወት ሰብ ዝቐዘፈ ፍጻሜ ነበረ። ኮምዩናውያን፡ ፈኲስ ፖለቲካዊ ጥምረት ስለዝነበሮም፡ ምሉእ ብምሉእ ኮሚኒስታዊ ሰውራ ኣይነበሩን፡፡ ይኹን ድኣምበር፡ ገለ ኮሚኒስታውያንን ኣኽረርቲ ማሕበርነታዊ ባእታታትን ግን ነይረሞም’ዮም። ማርክስ ኣብ ለንደን ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፡ ኣብ መጋቢት 1871 ኣብ ፓሪስ ዘጋጥም ዝነበረ ዜናታት ምስ መጾ፡ ኣብ ሸበድበድ ኣተወ። ነቲ ሽዑ ከም ግብረ መልሲ ናይዚ ዘዳለዎ ጽሑፍ ድማ፡ ‘ውግእ ሓድሕድ ፈረንሳ’ ዝብል ኣርእስቲ ሃቦ፡፡ ድሒሩ ኣብቲ ነቲ ጽሑፍ ዝወደኣሉ ጊዜ ግን እቲ ኮምዩን’ውን ድሮ ተጨፍሊቑ ስለዝነበረ፡ ኣብቲ ናይ ሽዑ ክረምቲ ንኽሕተም ብሕሉፍ ጊዜ ክስተኻኸል ናይ ግድን ኮነ። ማርክስ፡ ብዛዕባ ኮምዩን ዝነበሮ ኣረኣእያ ክሳብ ክንደይ ትስፉው ከም ዝነበረ ካብዚ ዝስዕብ ሓሳብ ክንርዳእ ንኽእል፡ ‘ኮምዩን፡ ኣብ ፓሪስ ዘምጽኦ ለውጢ ኣዝዩ ዝድነቕ’ዩ! ካብ ሕጂ ንደሓር ሓድጊ ናይቲ ምስሉይ ካልኣይ እምበራጦርያ ኣብ ፓሪስ ኣይክህሉን’ዩ! ካብ ሕጂ ንደሓር ፓሪስ መቋጸሪት ቦታ ወነንቲ መሬት እንግሊዛውያንን ኣየርላንዳውያን፡ ወነንቲ ባሮት ነበር ኣሜሪካውያን፡ ሕሱራት ሰባትን፡ ወነንቲ ተወፋሮ ነበር ራሻውያንን ልዑላን ነበር *ዎላኪያውንን ኣይክትከውንን’ያ። ካብ ሕጂ ንደሓር፡ ኣብ መዐቀቢ ሬሳ ዝቕመጥ ሬሳ የለን፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ናይ ለይቲ ስርቅን ምትእፍፋእን ኣይክሉን’ዩ። ከም ሓቂ ካብ ለካቲት 1848፡ ጎደናታት ፓሪስ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ፖሊስ ንመጀመርታ ጊዜ ነጻ ኮይኖም’ዮም’ (ዝብል ነበረ)። እቲ ኮምዩን እንታይ ዓይነት ብልጫታት ነይርዎ ብዘየገድስ፡ ኣብ መወዳእታ ጽድያ 1871 ንፓሪስ ከም ተምሳሌት ሰላምን ድሕነትን ምግባሩ የዋህነቱ ዘርኢ’ዩ። (*ዎላክያ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝነበረ ግዝኣት ኮይኑ፡ ሕጂ ክፋል ደቡብ ሮማንያ ዘሎ’ዩ)።
ኣብ መጀመርታ 1870ታት ኣብ ፈረንሳ ዝነበረ ፍጻሜታት፡ ምስ ተኽእሎ ምልዕዓል ሓድሽ ሰውራን ኣብ ዝቐጸለ ዓመታት ዝተራእየ ዘገምታዊ ውድቀት ቀዳማይ ኣህጉራውን ንማርክስ ናይ መወዳእታ ዘመናት ዓበይቲ ፖለቲካዊ ንጥፈታቱ ነበረ። ማርክስ፡ ኣብ 1878 ወዲ 60 ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ጥዕናኡ ኣዝዩ እናንቆልቆለ ከደ። ዋላ’ኳ ዝበዝሕ ጊዜኡ ኣብቶም ክልተ ምሉእ ብምሉእ ዘይወድኦምን ዘየሕተሞምን ቀዳማይን ካልኣይን ቅጺ ዳስ ካፒታል ኣብ ምዳላው ተታሒዙ እንተነበረ፡ ምጽሓፍ ኣየቋረጸን። ነዚ ድማ ኤንግልስ ድሕሪ ሞት ማርክስ ከሕትሞ ክኢሉ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ጊዜ ዘዳልዎም ዝነበረ ብዙሓት ጽሑፋት፡ ምልእኣኻትን ማእከሎት ሕትመታትን ድማ ኣቓልቦ ዝስሕቡ ኣገደስቲ ጽሑፋት ነበሩ። ንኣብነት ኣብ 1881፡ ምስ’ታ ዝተረስዐት ግን ድማ ኣብ ታሪኽ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ጸላዊት ዝኾነት ራሻዊት ኮሚኒስት ቬራ ዛሱሊች፡ ብዛዕባ ራሻ ንኮሚኒዝም ትቀበሎ’ዶ ኣይተቀበሎ ዝብል ጉዳይ ዝርርብ ኣካየደ፡፡ ልምዳዊ ማርክሳዊ ኣረኣእያ፡ ሕ/ሰብ ካብ መስፍንነት ናብ ርእሰማልነት፡ ካብ ርእሰማልነት ናብ ማሕበርነት፡ ካብ ማሕበርነት ከኣ ናብ ዴስነት ክሰጋገር ኣለዎ፣ ኢንዱስትሪያውነት ድማ ከም ኣገዳሲ መስርሕ ኣብ ምዕባለ ርእሰማልነት ናብ ማሕበርነት’ዩ ዝብል’ዩ። መጻኢ ፍጻሜታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ኣገዳሲ ዝርርብ’ዩ ነይሩ። ሽዑ ኣሽሓት ቅዳሓት ዕዮ ማርክስ ብቓንቋ ራሻ ተሓትመ። ማርክስ ንራሻ ማእከል ስሕበት ናይቲ ኮሚኒስታዊ ምንቅስቓስ ክትከውን’ያ ብምባል ዓቢ ጥሙሕ ኣሕደረን ነተን ኣብ ጎደና ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለ ዝነበራን ነቲ ሰውራ ደራኺ ዝኾነ ከተመኛ ደርቢ ሸቃላይ ዝነበረንን ከም ብዓል ኢንግላንድ፡ ጀርመን ወይ’ውን ፈረንሳ ዝኣመሰላ ሃገራት ከም መርኣያ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ክትከውን’ያ ኢሉ ገመተን።
ብዓልቲ ቤት ካርል- ጀኒ ኣብ ታሕሳስ 1881 ዓረፈት። ኣብቲ ሽዑ ጊዜ ጥዕናኡ ጽቡቕ ኣይነበረን፡ ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ርእስ’ቲ ቀደሙ’ውን ዘይነበሮ፡ መሊሱ እናንቆልቆለ ከደ። ኣብ መወዳእታ 1830ታት፡ ማርክስ ብሰንኪ ጥዕናዊ ኩነታቱ ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ፕራሻ ነጻ ተባሂሉ ነይሩ’ዩ። እንታይ ኣጋጢምዎ ከም ዝነበረ ብልክዕ ዝፍለጥ የለን፡ ምናልባት ጌና ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ ከሎ’ውን ብነድሪ ሳንቡእ ይሳቐ ነይሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ። እዚ ድማ በቲ ዓቐን ዘይብሉ ዝሰትዮ ዝነበረ ኣልኮልን ኣብ ለንደን ዝነብሮ ዝነበረ ትሑት ደረጃ መነባብሮን ዝያዳ ተጋዲዱ’ዩ። ብዓይኒ ዘመናዊ ክሕምና ክርአ ከሎ፡ ኩሉ’ቲ ድሕሪ’ዚ ጊዜ’ዚ ዝገብሮ ዝነበረ ጌጋ’ዩ ነይሩ- ነዊሕ ሰዓታት ይሰርሕ፡ ትሑት ትሕዝቶ ዘለዎ መግቢ ይምገብ፡ የትክኽን ኣብ ዳሕረዋይ ሂወቱ ሕማም ስእነት ድቃስ ምስ ኣማዕበለ ድማ ተወሳኺ ናይ ድቃስ መድሃኒት ይወስድን ነበረ። ካልእ ሽግራት’ውን ነይርዎ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ብመሰረቱ ግን፡ ብሰንኪ እኹል ክሕክምናዊ ሰነዳት ዘይምህላዉ፡ ብዛዕባ’ዚ ምዝራብ ኣሽጋሪ’ዩ። እቲ እንኮ ንጹር ዝኾነ ነገር እንተሃልዩ፡ ኣብ መጀመርታ 1882 ብግቡእ ናይ ምስትፋስ ዓቕሙ ከጉድሎ ዝኸኣለ ጉንፋዕ ኣማዕቢሉ ከም ዝነበረ’ዩ። ካብ ሽዑ ንደሓር ጥዕናኡ እናንቆልቆለ ስለዝመጸ፡ ማርክስ ብ14 መጋቢት 1883 ኣብ 64 ዕድሚኡ ኣብ ለንደን ዓረፈ። ኣብቲ ዝሞተሉ ጊዜ ዳርጋ ድኻ-መደኽደኽ ስለዝነበረ፡ ንስነ-ስርዓት ቀብሩ ዝኸውን ገንዘብ ብምውህሃድ ኣዕሩኽቱን ፖለቲካዊ መሳርሕቱን ከም ዝዋጻእ ብምግባር ኣብታ ከተማ ዝርከብ መካነ መቓብር ሃይጌት ተፈጸመ። እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ ኤንግልስን ካብ ደርዘን ዘይሓልፉ ውሑዳት ካልኦትን ዝተሳተፍዎ ዝሕልሕል ዝብል ነበረ። እዚ ድማ ነቲ ጽሑፋቱ- እንተስ ብጽቡቕ ወይ ብሕማቕ ንዘመናት ዝቐጸለን ብዙሕ ጽልዋ ዝገደፈን ሰብ ዘይምጥን ነበረ።
ዋላ ኣብቲ ማርክስ ዝሞተሉ 1883 እንተኾነ’ውን፡ እቲ ኣብ ቀዳሞት ዕቑዳት ኢንዱስትሪያውነት ዝማዕበለ፡ ኣብ መንጎ ደርብታት ሰብ ዋኒንን ሸቃሎን ዝነበረ ዝኸፍአ ባእታታት ዝምድና ኣብ ምምሕያሽ፡ ብዙሕ ገስጋስ ተራእዩ’ዩ። ኣብ 1847፡ ንሱን ኤንግልስን፡ ኮሚኒስት ማኒፌስቶ እንታይ ክመስል ከም ዘለዎ ክሓስቡ ከለዉ፡ ኣብ ትሕቲ ሎርድ ጆን ራስል ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ እንግሊዝ፡ ብልምዲ ሕጊ ዓሰርተ ሰዓታት ተባሂሉ ዝፍለጥ ‘ሕጊ ፋብሪካታት 1847’ ኣተኣታትዩ ነበረ። እዚ ድማ ነቲ ‘ደቀንስትዮን ትሕቲ ዕድመን፡ ኣብ ሰሙን ልዕሊ 63 ሰዓታት ክሰርሑ ብወነንቲ ፋብሪካታትን ኣመሓደርትን ክግደዱ የብሎምን’ ዝብል መትከል ጸኒሑ ኣብ 1848 ናብ 58 ዝጎደለ ዝለዓለ ናይ ስራሕ ሰዓታት ዘስፈረ ሕጊ ነበረ። እዚ ንባዕሉ’ውን ኣዝዩ ልዑል ቁጽሪ ሰዓታት’ዩ ነይሩ። ይኹን ድኣምበር፡ ከም ናይ መጀመርታ መስርሕ ጽገና ብምዃን ናብቲ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 19 ክ/ዘመን ንኹነታት ስራሕ ደርቢ ሸቃሎ ብቐጻሊ ከም ዝመሓየሽ ዝገበረ ፍጻሜታት ከም ዘምግርሕ ጌርዎ’ዩ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ መንግስታት ነዚ ስጉምቲ ብናይ ባዕሎም ድሌት ከተኣታትውዎ ከለዉ፡ ሰራሕተኛታት ድማ ካብ መወዳእታ ናይ’ቲ ክ/ዘመን ክሳብ 1920ታት ብመገዲ ንግዳዊ ማሕበራትን ምንቅስቓሳት ዕዮን ኣቢሎም ካብ ደርቢ ሰብ ዋኒን ዝለዓለ ሕድገታት ንምርካብ ሓባራዊ ናይ ምድርዳር ዓቕሞም ክጥቀምሉ ክኢሎም’ዮም። እቲ ጊዜ ዓበይቲ ግርጭታት ዝካየደሉ ጊዜ’ዩ ነይሩ፡ ልክዕ ክምቲ ኣብ 1892 ኣብ ፔንሲልቬንያ- ሕ/መ/ኣሜሪካ፡ ኣሜሪካዊ ወናኒ ኢንዱስትሪ ሄንሪ ክለይ ፍሪክ ምስ ሰራሕተኛታቱ ኲናት ንግምጣም ኣድማ ዝብትኑ ሒዙ ምስ መጸ፡ ኣብ ቦታ ስራሕ ዘጋጠመ ሸብሮ፡ ብጎነጻዊ ግጭታት ነገራት ዝበላሸውሉ ጊዜ’ዩ ነይሩ። ይኹን ድኣምበር፡ ድሕሪ ጊዜ- ቅድምን ድሕርን ሞት ማርክስ ኣብ ዝነበሩ ዕቑዳት ዓበይቲ ሕድገታት (ስምምዓት) ኣብ ምትእትታው ተዓዊቶም’ዮም።
ማርክስ፡ ጌና በዚኦም ክዓግብ ኣይከኣለን፡ በቲ ኣብ ኢንዱስትሪያውነት ዝነበሮ ትዕዝብቲ ድማ ኣብ ምሉእ’ቲ ስርዓተ-ዋንነት ሱር-በተኻዊ ለውጢ ከግበር ከም ዘለዎ ይኣምን ነበረ- እዚ ድማ ማሕበርነት ወይ ጽገና ዕዮ ዘይኮነስ ዴስነት (ኮሚኒዝም) ዝብል ነበረ። ብዙሓት ምስኡ ተሰማሚዖም’ዮም፡፡ (ከም ውጽኢቱ ድማ) ኣብ 1870ታት፡ 1880ታትን 1890ታትን ኣብተን ኢንዱስትሪያውያን ሃገራት ኤውሮጳ ብዙሓት ዴሳዊ ምንቅስቓሳት ተቐልቂሎም’ዮም። (ይኹን ድኣምበር) ብዙሓት ካብኣተን ‘ዴሳዊ ሰልፊ’ ዝብል ስም ኣይነበረንን፡ ብኣንጻሩ ‘ማሕበርነታዊ ሰልፊ ዕዮ’ ወይ’ውን ንዕኡ ዝመሳሰል ስም ዝሓዛ’የን ነይረን። ከምኡ ክንሰን ግን ንመብዛሕትኡ ሓሳባት ማርክስን ኤንግልስን ዝኽተላ’የን ነይረን። ሓደ ካብዚ፡ ኣብቲ ሽዑ ጊዜ ኣካል ግዝኣት ራሻ ዝነበረት ከተማ ሚንስክ ዝተመስረተ ‘ዲሞክራሲያዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ዕዮ ራሻ’ ነበረ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ናብ ቦልሸቪክን (ብዙሓን) መንሸቪክን (ውሑዳን) ዝብል ክልተ ክንፊ ተፈንጨለ። ቦልሸቪክ ድማ ነቲ ኣብ ጥቀምቲ 1917 ን‘ዴሳዊ ሕብረት ሶቬት- ማሕበርነታዊ ሪፓብሊክ’ ናብ ስልጣን ዘምጽአ ሰውራ ራሻ ዝጀመረ ሰልፊ ነበረ። ምምጻእ ናይ ሕብረት ሶቬት ንቡዙሓት ሰዓብቲ ኣለዓዒሉ’ዩ። ቀዳማይ ኲናት ዓለም ኣብ 1918 ምስ ኣብቅዐ ድማ ኣብ ከም ብዓል ሃንጋርን ብዙሓት ናይ ጀርመን ከተማታትን ንሓጺር እዋን ዝጸንሑ ዴሳዊ ስርዓታት ተመስረቱ። ብቐንዱ ግን፡ ዴስነት ከም ዓለማዊ ሓይሊ ኮይኑ ንኽመጽእ ንፋሺሽትነት ምስዓርን ናይ ድሕሪ 1945 ምምጻእ ዝሑል ኲናትን የድልዮ ነበረ። ኣብ መንጎ’ቲ ዝሑል ኲናት ኣብ ጥርዙ በጺሕሉ ዝነበረ 1960ታትን 1980ታትን፡ ዳርጋ ፍርቂ ናይ ዓለምና ሃገራት ብዴሳዊ ስርዓታት ዝፍለጣ’የን ነይረን። ከም ሓቂ፡ ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዘስካሕክሕ ገበናት ፈጺሞም’ዮም። ካብ ሕብረት ሶቬትን ናይ ማኦ ቻይናን- ኣብ መንጎ መጀመርታ 1930ታትን መፋርቕ 1960ታትን ብሰንኪ ሰብ-ሰርሖ ዓጸቦ ዓሰርተታት ሚልዮናት ዝሞቱለንን መንግስታዊ ራዕዲ ንመላእ ሕ/ሰብ ዘዕነወሉን ክልተ ሃገራት ንላዕሊ ዝዛይድ ግን የለን። እዚ ድማ፡ ኣብ ምምጻእ ኩሎም’ዞም መለኽቲ ስርዓታት ማርክስ ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ ዝብል ሕቶ ዘልዕል’ዩ። ገለ ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ፡ ማርክስ በቲ ሚሳላዊ ዝኾነ ገነታዊ ናይ ሓባር ዋንነትን ምብቃዕ መሰል ብሕታዊ ዋንነት ንብረትን ዝብል ኣተሓሳስባኡ፡ ንማሕበርነታውያን ሃገራት ናብ መለኽቲ ስርዓታት ዘውረደ ኢ-ገነታዊ ኩነታት ፈጢሩ’ዩ ብምባል ይወቕስዎ። ከም ሓቂ፡ ከም ቀንዲ ምኽንያት ንውድቀት ማርክስነትን ማሕበርነትን ዝጥቀስ ነጥቢ፡ ኣብ ህዝቢ ዘሎ መሰል ዋንነት ብሕታዊ ንብረት ሓይሊ ከይተጠቐምካ ከተጥፍኦ ፈጺምካ ዝከኣል ኣይኮነን ዝብል’ዩ። ምኽንያቱ ደቂ-ሰባት ምስ ብሕታዊ ንብረት ዘለዎም ምትእስሳር ንወለዶታት ዝተሃነጸ’ዩ፡ ፍረ-ጻምኦም ብወለንታኦም ኣሕሊፎም ከረክቡ ድማ ሳሕቲ ዘጋጥም ክስተት ጥራይ’ዩ። ብሰንኪ’ዝን መብዛሕትኦም ዴሳዊ ሰውራታት ዝተኻየዱሎም ከም ብዓል ራሻ ዝኣመሰሉ ኣብ ትሕቲ ጻር ዝነበሩ ሃገራትን ኣብ ትሕቲ መለኽቲ ስርዓታት ዝመሓደሩ ብምንባሮምን፡ ሰውራዊ ስርዓታት ምስ ተኸሉ’ውን ነቲ ዝኸፍአ ባህርይ ናይቶም ዝተክእዎም ስርዓታት ከባዝሕዎን ከጉልሕዎን’ዮም ተራእዮም። ማርክስ (ብሓደ ወገን) ብዛዕባ ብሉጽ ሂወት ናይቶም ኣብ 19 ክ/ዘመን ቅልጡፍ ኢንዱስትሪያውነት ናብ ደልሃመት ዘእተዎም ሚልዮናት ሰባትን፡ (ብኻልእ ወገን ድማ) እቲ ናቱ ሓሳባት ንነፍስ ወከፍ ኣባል ሕ/ሰብ ብምቾት ከንብሮ ዝኽእል እኹል መግብን ጸጋን ንኸቕርብ ምንባሩን ብልክዕ ሓሲብዎ’ዶ ይኸውን ዝብል ጥርጣረ ዝፈጥር’ዩ። ብርግጽ በቶም ኣብ መበል 20 ክ/ዘመን ንስነ-ሓሳቡ ዝተኸተሉ ስርዓታት ዝሰዓበ ዘስካሕክሕ ብዝሒ ምውታት ሰምቢዱ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ሕቶ እምበኣር፡ ጽሑፋቱን ሓሳባቱን ኣብ ተግባር ክውዕሉ ከለዉ ናይ ግድን መላኽነት ዝፈጥሩ ምዃኖም ርኡይ ሃጓፍ ምፍጣሩ’ዩ። ከም ሓቂ፡ ሓደ ሰብ ንታሪኽ መበል 20 ክ/ዘመን እንተተዓዚቡ፡ ምስ’ዚ ሓሳብ’ዚ ክሰማማዕ ኣሸጋሪ’ዩ። እዚ ድማ ምስቲ ‘ብመዓር ዝተሸፈነ ዕረ ምኹላስ’ ዝብል ኣበሃህላ ዝመሳሰል’ዩ፡፡
(ኣብ መወዳእታ)፡ ብዛዕባ ካርል ማርክስ እንታይ ክትሓስቡ ትኽእሉ? ነቲ ዘርዕድ ኢንዱስትሪያዊ ክፍኣት ናይ 19 ክ/ዘመን ግብረ መልሲ ዝሃበ ሓቀኛ ማሕበርነታዊ ድዩ ነይሩ፡ ወይስ ናይቲ ዝበዝሕ ስቓይ መበል 20 ክ/ዘመን ቀንዲ ሃንዳሲ’ዩ? ሕ/ሰብ ናብ ኣበር-ኣልቦ ርትዓውነትን ማዕርነትን ንምምእዛን ዝነበረ ሕልምታቱ፡ ወድሰብ ካብ ዝረኣዮም ኣባህረርቲ ዕንወታት ብምፍጣር ምዝዛሙ (ከመይ ይርአ)?
ንምክትታልኩም እናመስገንና፡ ሓሳባትኩምን ርእቶታትኩምን ከተካፍሉ ብኣኽብሮት ንሓትት።