ካብዛ ዶራን ምድሪ
ናብቲ ንጹህ ሰማይ
እታ ዝሰደዱልካ ደብዳበስ ፡
በጺሓትካ’ዶ ጎይታይ ፧
እሞ’ኸ እንታይ ኣሎ ሓድሽ !
ከመይ እዩ ቲ’ኩነታት ፡
ዜና መፈጸምታ ዓለም
ደሃይ ናይ ምጾታት ፧
ነጊርካዮም ዶ’ኾን ትኸውን
ዘይነጽፍ ርህረሀኻ ሳዕሪሩ
ብኣጋ ተናሲሖም፡ ኣብ ገነትካ ንኽሰፍሩ ፧
ከምኡ እንተድኣ ኾይኑ ፡
እንተ’ተምቢህካሎም
ኣኺሉ ከምዝተርፈና እናፈለጡ
እመነኒ ጎይታይ ፡ ሰሚዖ ከምዘስቕጡ ።
ንዓኻ ዶ ጠፊኡካ እዚ ናትና ነገር
ብሓባር መታን ከይጥዕመና ፡
ሓቢርና ከምንዓውር !
ደሓር ክኣ’ሲ ፡ ናይ ጻድቃናት ዘጣይቑኻ
ኩነታት ቅዱሳን ፡
እንታይ’ኮን ከይኮኑ ፈሪሖምሎም’ዮም
እናወረሱ እታ ዙፋን ፧
ግዳ ካብቲ ዝትስፈዎ ኣነ፡ ንዓይ ዘብህገኒ
ኩነታት ናይ ሉስፈር እባ ቁሩብ ንገረኒ ።
ገለ’ዶ ኣይተጣዕሰን ፡ ንኹለና ከድሕን
ቲ’ናይ ክፍኣት ንጉስና ሓለቓ ሓጥኣን !
ወይ’ሲ ከምኣ’ይሉ ዩ’ዘሎ የዋህልል ሰራዊት
ብዓቕሙ ክረባረብ ፡ ኣብታ ናይ ዜሮ ሰዓት፧
ካልእ ክኣ’ባ ፡
ከምዛ ዝበቕዕዎ ዝኾኑ ወረስቱ
ከይጸቦም ዶ’ኾን እዮም ፡ፈሪሆም ከይጸቓቐጡ
ድሃይ ገነት ኤዶም ኣጥቢቖም ዝሓተቱ ፧
ክሓተካ እንዶ ግዳ ኣነ ምሒር ዘስግአኒ ፡
እቲ ገሃነብ-እሳት . . . . . . . .!
ኣተኣማማኒ ድዩ’ኸ ናይ ስፍሓቱ ብቕዓት ፧
ክምዚ ምስሳንና ፡ተጸፋጺፍና ክንቕሎ
ብህሉው ትዕዝብትኻ’ስ ይኣኽለና ዶ’ትብሎ ፧
እንተ ብወገንና ሓድሽ ነገር የለን ፡
እቲ ጽዕረት እናብኣሰ’ዩ ፡ሕርሲ ግን ኣበደን
ካብኡ ዝበኣሰ ግን ፡
ኣሹንካይ’ዶ ክንዳሎ ተኻፈልቲ ጸጋ ምሕተርካ
ክንከወን ፡
ካብ ምሒር ምንውሑስ ክንጠራጠር በቒዕና
ድሃይካ ከነጣይቕ ፡ደብዳበታት እናጽሓፍና !
ማይኮ ተኽለ
10/2014