ጸሓፊ፡ ሽመለስ ስዩም
ትርጉም፡ ተስፉ ሓጎስ
“እቲ መጽሓፍ ኣቐብለኒ! ኩሉ ብኮታትኩም መትሓዚ ስኢነሉ፡ ኣይተበርሃንን። እስኪ ኬፍ ዘለዎ ዕላል ኣምጽኡ፡ ስቕ ኢልኩም ኢቮሉሹኑ ዘይወድአ ዕላል ተዕልሉ! እንታይ ዓይነት . . .! ሃባ’ቲ መጽሓፍ!” በለ ቻርለስ ዳርዊን፡፡ ፍጻመ ሓደ እዋን’ዩ፡ ኣብ ሓደ ቦታ፡፡ ቻርለስ ዳርዊን፡ ፍረደሪክ ኒቸ፡ ስግሞን ፉሮይድን ካርል ማርክስን ኮይኖም ነዃላቶም የንኩሉ። ኣብ ሞንጎ ኣርባዕቲኦም ሓደ ንእስ ዝበለ ጠሬጴዛ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ጠሬጴዛ ድማ ሓደ መጽሓፍኣሎ። እቲ መጽሓፍ ድማ ኦሪትን ሓዱሽ ኪዳንን ዝሓዘ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።
“ያ ሓቅኻ ኢኻ ዳርዊን፡ ኬፍ ዘለዎ ዕላል እስኪ ኣምጽኡ!” ኒቸ ኣጉረምረመ። “ንምንታይ ብዛዕባ ሓራሙ ገለ ዘይነዕልል” ፉሮይድ ሓሳቡ ኣቕረበ። ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ነፍሲ-ወከፍ ኣእምሮና ሓንቲ ሓንቲ ጓል ስለ ዘላ ባቃ ብዛዕባ ጓል ነዕልል። ፉሮይድ ክዛረብ እንከሎ ብኣጻብዕቱ ርእሱ ምድህሳስ ልምዲ’ዩ ኮይኑዎ። በጃኻ ፉሮይድ እንታይ ረኺቡካታ” ማርክስ ተቆጥዐ።“ጓል!መዛረቢ ከምዝተሳእነስ ብዛዕባ ጓል ምዕላል እንታይ ይዓብስ ፡ ብዛዕባ ማሕበረሰብን ሕብረተሰብን እንተዕለልናስ እንታይ ኣለዎ” ማርክስ ብፍላይ ክቑጣዕ ከሎ ኣብኣ እንከሎ ብህየቱ ናይ ጫካ ኣንበሳ እዩ ዝመስል። “በጃኹም ኣይት. . . ስቕ ኢልኩም ትከራኸሩ፡ ድሮኡ ኣይሁድ ትባሃሉ’ኮ ሳክት ኢኹም ኣይትብርሁንን መሕረቓት!” ኒቸ ናይ ፉሮይድን ማርክስን ክርክር ደስ ስለ ዘይበሎ ንኽልቲኦም ብነገር ኮተመሎም።
“ኒቸ ንስኻ እኮ ሳይኮለጂካል ኮምፕለክስ ኣለካ፡ ንስኻ ዓለታዊ ኢኻ’’ ፉሮይድ ንኒቸ ጸረፎ። “ዓሌታዊ! ንስኻትኩም ኣይሁድ ትበሃሉ እኮብጣዕሚ ኢኹም ተጽልኡኒ ኣይፈትወኩምን፡ ንስኻ እ. . . ፍሮይድ ማርክስ ኣንስታይን ሙሴ“ … ኒቸ ብየማናይ ኢዱ ንገጹ ተደገፎ። ዳርዊን ኣብቲ ክርክር ኣይነበረን ስቕ ኢሉ ኦሪት ዘፍጥረት የንብብ። ማርክስ ግን ንኒቸ ዓጼፋ ክህብ፣“ኣየ ኒቸ! ንስኻኮ ዓለታዊ ኢኻ ። ንስኻ ብመጽሓፍ ሱፐር ማን! ሱፐር ማን! እንዳበልካ ምስ ለፍለፍካ። ሂትለር ከኣ ናትካ ፍልስፍና ወሲዱ ማስተር ሬስ ገለመለ ሰብ ካብ ሰብ ይልዕል እናበለ እዚ ኩሉ ናይ ኣይሁድ ዘርኢ ጨፍጪፍዎ፡፡ እቲ ሓቂዶ ክነግረካ ኒቸ፡ ኣነ ስለ መላእ ዘርኢ ሰብ እምበር ስለ ኣይሁዳዊ ዘርአይ ሓሲበ ኣይፈልጥን” ማርክስ በቲ ኩነታት ዝሓዘነዩ ዝመስል። “ኣነ ግን ብኣይሁዳውነተይ እኾርዕ እየ” ፉሮይድ ኩርዓቱ ገለጸ። “ንሕና ኣይሁዳውያን እኮ ክሳብ ሕጂ ከመይ ጌርና መንፈሳዊ ክብርና ሓሊና ከም ንኸይድ ንፈልጥ ሰባት ኢና፡ ተረዲኡካ! ካብ ዝገርመካ ናይ ዓለም ታሪኽ ብምልኡ፡ እመን ኣይትእመን ! ናትና! ናይ ኣይሁዳውያን ውጽኢት እዩ።” ፉሮይድ ተነየተ።“ያ ኣይተጓርሩልና! እንታዩ ኸ ኣይሁድ ኣይሁድ እናበልካ ቺድ! ወረኛታት ! ዘረባ ቀይሩ ያዓኸ! ኣሰልችዩኒ፡” ዳርዊን ኣረ በጃኻ ስቅ ኢልካ ዲኻ ተንብብ ኣርእስቲ እስኪ ሃባ? ኒቸ ኣጉባዕብዐ።
“እዚ መጽሓፍዚ በጃኻትኩም! እዚ መጽሓፍዚ ኣንቢብኩሞ “ ዳርዊን ጸጥ ኢሉ ከንብብ ድሕሪ ምጽናሕ ሓተቶም። “ኣየ ዳርዊን ክንደይ ዝንበብ ከምዝሰኣንካስ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ ኣለኻ?” ማርክስ ደስ ከምዘይበሎ ገለጸ። “መጽሓፍ ቅዱስ! እወ መጽሓፍ ቅዱስ ክሎዓል ኣቦይ እዩ ትዝ ዝብለኒ” ፍሮይድ ቆዘመ። “ኣይገርመኩምን ናብ ፕሮተስታንት ዝተቐየረ ኣቦይ፡ ኣብ መበል 35 ዓመተ ልደተይ ብመልክዕ ህያብ መጽሓፍ ቅዱስ ክህበኒ ከሎ፡ ከምዚ ኢሉኒ ነይሩ፣”“ያ በጃኻ ስቕ ኢልካ ኣይትሃውትት፡ ኣሕጽር ኣሕጽር ኣቢልካ ታሪኽካ ተ. . .ተዛረብ” ኒቸ ንፉሮይድ ኣቋረጾ። ፉሮይድ ግን ብናይ ኒቸ መጠንቀቕታ ከይተሰናበደ ገንጸሎ’ሞ ታሪኹ ቀጸለ። “ኣቦይ ከምዚ እዩዝበለኒ፣ ‘ዝፈትወካ ወደይ ጌና ኣብ ሸውዓተ ዓመትካ ኢዩ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ኣብ ልዕለኻ ዝወረደ፡ እዚ ካብ ኩሉ መጻሕፍቲ ዝለዓለ መጽሓፍ ኣንብብ፡ ፍልጠትካ ከኣ ክገልጸልካዩ። ምስትውዓል ውን ከጎናጽፈካ እዩ’ ኢሉ’ዩ ኣቦይ ብመልክዕ ህያብ ዝሃበኒ፡ መጽሓፍ ቅድስ እነብብ’የ፡ባቃ እቲ ካልእ ማልእ እሞ ንግደፎ። ጽቡቕ ስነ-ምግባር’ዩ ዝምህረካ”
“ኣነ ውን ከማኻ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢበ ኣለኹ” ኒቸ ቀጸለ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ እኮ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ዝጸሓፍዎ መጽሓፍ እዩ። ብሉይ ኪዳን ደሓን ሕራይ ጽቡቕ ይሓይሽ! እቲ ሓዱሽ ኪዳን ግን ኣብዛ ዓለም ካብ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ እቲ ዝጽልኣኒ መጽሓፍ እንተል’ዩ ሓዱሽ ኪዳን እዩ” ኒቸ ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ዘለዎ ጽልኣት ገለጸ። “ኣነ ዝገረመኒ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እታ ናይ መጀመርታ ዕረፍተ ነገር እያ። ከም’ዚ እያ እትብል፣ ‘ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ’ በለሞ ዳርዊን መጀመርታ ፍጥረት ምዕራፍ ሓደ ኣንበበሎም። እዚ ዕረፍተ ነገር ምስ ረኣኹ ካልእ ውን ቀጸልኩ ፡ ንምዃኑ እስኪ እግዚኣብሄር መን እዩ? ሃይማኖት ከ እንታይ እዩ? ካብ ንጨቃጨቕ ከ ንምንታይ ብዛዕባ እዚ ዘይንዛረብ። ድርዊን ናይ እሂን ምሂን መበሊ ዛዕባ ከጽድቕሉ ሓተቶም። ኩሎም ተሰማምዑ። ነዞም ኣርባዕተ ሰብ እዚኣቶም ዘመሳስሎም ነገር እንተነይሩ ብህላወ እግዚኣብሄር ዘይምእማኖም እዩ።
“እስኪ ሕራይ ስለ ሃይማኖት ወይ ስለ እግዚኣብሄር ንዛረብ። ዳርዊን ምይይጡ ጀመረ። “እግዚኣብሄር” ፉሮይድ’ዩ ዝነበረ ጀማሪ፡“የለን! እግዚኣብሂር ዝበሃል ነገር የለን። ናይ ወዲ ሰብ ኣእምሮ ዝፈጠሮ ነገር’ዩ” ፍሮይድ ንምብራሁ ተሃንደደ “‘ዘ ፊቸር ኦፍ ኣን ኢሉዥን’ ኣብ ዝብል መጽሓፈይ ከምዝጸሓፍኩዎ፡ ወዲ ሰብ ንእግዚኣብሄር ዝፈጠሮ ስነ-ልቦናዊ ድሌቱ ንምምላእ ኢሉዩ። ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ኣእምሮ ዝሓደረሉ ምስጢር ሓይሊ ከኣ ሓይሊ ድሌታትና እዩ። ንሕንቅልሕንቅሊተይ መልሲ ምስ ሰኣነ እ ሽግር ምስተደራረቦ ወዲ ሰብ ዘከኣል ሃይማኖት ፈጠረ።”
ኒቸ የማናይ ኢዱ ኣብ ገጹ ተደጊፉ ንፉሮይድ ይሰምዕ፡ ዳርዊን ተመሰጠ፡ ማርክስ ከኣ ብኣጻብዕቲ ኢዱ ንጭሕሙእናደረዘ ጽን ኢሉ ይከታተል። “ንኣብነት ዝኣክል” ፉሮይድ ቀጸለ፣ “ንኣብነት ሓደ ህጻን ቆልዓ ኣብ ቁልዕነቱ ናይ ኣብኡ ሓለዋን ምክንኻንን እዚ ህጻን ዝኾነ ነገር ምስ ዘዕንቅፎ፡ ኣብኡ ኣጆኻ ዝወደይ እንቱፍ በል መነዲኡዩ እናበለ ዘዐንቀፎ ነገር ምስ ዝሃርመሉ ደስ እዩዝብሎ። ብተመሳሰሊ መልክዑ እዛ ‘እንቱፍ በል፡ መነዲኡ’ እትብል ወይ ድማ ንመተሓባበሊ እትሕግዝ ቃል ክሳብ እንዓቢ ምስ ባህርና ትዓቢ። በዚ ምኽንያት፡ ፍርዲ ምስ ዝጎድለና ምስ እንፈርሕ፡ መከሓሓሲ ክኾነና ኢና እግዚኣብሄር ንፈጥር። ልክዕ ከምቲ ብቁልዕነትና በቦና ደስ ዝብለና ኩሉ። ምስ ዓበና ውን ይሃሉ ኣይሃሉ እግዚኣብሄር ንፈጥር እሞ ደስ ይብለና። ባቃ ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ ከምዚ እዩ፡እዚ እግዚኣብሄር ገለመለ” ፉሮይድ ዘረባኡ ሓበረ። ኣብቲ መጀመርታን መወዳእታን ዘረባኻ ጽቡቕ እዩ፡ ኣብቲ ናይ ማእከል ዘረባኻ ግን ኣብቲ ናይቲ ቆልዓ ኣብኡ ዓዘርቆዘር ዝበልካዮ ነገር ኣይተበረሃንን። ኣብ ትንታኔ ንማልባት ከምቲ ንስኻ ትብሎ ሳኮሎጂካል ጎኑልክዑ ክሃርም ይኽእል እዩ። ፊሎሶፊካሊ ግን ፋላሲ ሰሪሕካ ኣለኻ።”
“ኣየ ኒቸ ብጣዕሚ ኢኺኮ ትገርምኒ ቀደሙ ውን እኮ ሱቕ ኢልኪ ኢኺ! ‘ሳይኮ ኣናሊሲስ’ ገለ ኣበይ ምስተረደአካዩ” ፉሮይድ ሕነኡ ክፈዲ ንኒቸ ዘለፎ። ዝኾነ ኮይኑ ኣብዚኣ’ዶ ንናይ ፍሮይድ ሓሳብ ሪኢቶይ ክህብ” ማርክስዩ። “ኣብ ትንታኔ ‘ክላስ ኣንታጎኒዝም’ ብንእሽቶ ኢኻ ተጠቂምካሉ፡ ‘ሂስቶሪካል ዳይለክቲካል ማተርያሊዝም’ ግን ጠቕሊሉ የለን እዚ ዓቢ ድኽመት’ዩ፡፡ ዳይለክቲካል ኣይዲያሊዝም ዝተጠቀምካ ከማን’ዩ ዝመስል። እዚ ከኣ ከምቲ ሄግል ዝገበሮ ንሓቂ ብርእሳ ከተኺዳ ኢኻ ፈቲንካ። እዚ ዝዓበየ ጌጋ’ዩ ተረዲኡካ፡ ኣብቲ መደመምታ ግን እሰማማዕ እየ” ማርክስ ንጭሕሙ ብኣጻብዕቲ ኢዱ ምውጣጥ ክገድፎ ዘይክእል ልምዲ’ዩ ኮይኑዎ፡ ንጭሕሙ ይውጥጠንን ይደራርዘንን።
“ኣነ ንሃይማኖት ክገልጾ እንተኾይነ፣ ንህዝቢ ዘደንቁር ነገር እዩ። ኣብ ‘ዳስ ካፒታል ዘ ኮሚኒስት’ ከምዝጸሓፍኩዎ ሃይማኖት ንባዕሉ ልክዕ ከም ስርዓተ-ካፒታሊዝም ንደቂ ሰባት ዝምዝምዝ እዩ። ሃይማኖት ማለት ድኻ ከይሰርሐ ድኽነቱ ኪኢሉ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ድኽነቱ ተላሚዱ ከምዝነብር ዝገብር ስርዓት እዩ። ሃይማኖተኛ እናወሰኸ ብዝብዝሓሉ ከኣ ድሕንነት እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ። ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ኣወዳድሮ። ብኣጠቃላሊ ንዓይ ፈጣሪ ዝበሃል የለን። ኩሉ ነገር ከምቲ ኣብ ‘ማኒፌስቶ’ ዝበልኩዎ ሃይማኖት ውጽኢት ናይ መደብ ቃልሲ እዩ። እዞም ዝተፈላለዩ ሰዓብቲ ሃይማኖት ከኣ ሱቕ ኢሎም’ዮም ዝድንቁሩ ዘለዉ” ማርክስ ውን ከም ፉሮይድ ደምደመ።
“እንታይ ኢኻ ከኣ ክላስ ኣንታጎኒዝም ገለ ትብል ዘለኻ” ፉሮይድ ልቓሑ ክመልስ ከም ሓውሲ ሽምጠጣ ነገር ተዛረበ። “ ስቕ በል ኣታ ኣይርድኣካን’ዩ” ኒቸ ኮለፎ “’ክላስ ኣንታጎኒዝም’ ማለት ዓለም ገጻታ ብምሉኡ ኣብ ውሽጢ ግጭት እዩ። ናይ ዓለም እቲ ጽቡቕ ገጻ ከኣ እቲ ግጭታ’ዩ። በጃኻ ንስኻ ኣይርድኣካን እዩ። ማክያቬሊንጎ! ንስኻስ ስቕ ኢልካ ድኣ ሳይኮ ኣናላይሲስ ገለመለ ኒውሮሲስ ገለ ኣይይይ ወጭጭ! እንታይ ትፈልጥ ንስኻ” ኒቸ ንፉሮይድ ዘለፎ።
“ኣየ ኒቸ ኮምፕሌክሳም (ድርብሽቲ) ነገር ኢኺ’ኮ፡፡ እዞም ፍላስፋታት ትበሃሉ’ኮ ቃላት ኮሚርኩም ኮሚርኩም ትርጉሙ ምስ ጠፍኣኩም ንኽተዳናግሩ ዘይትግልብጥዎ እምኒ የብልኩምን። ኪዱ ኣምሰሉታት!”ፉሮይድ ሕንኡክፈዲ ፈተነ። “ሳርቫይቫል ኦፍ ዘ ፊተስት’’ ዳርዊን ብናይ ፉሮይድን ኒቸን ሓሳበ-ምልልስ ተሓጒሱ’ዩ።“ኣንፊት ዝኾነ ይሰዓር፡ ፊት ዝኾነ ይስዕር ማርክስ እንታይ ትብል ኣብዚ?” ዳርዊን፡ “‘ክላስ ኣንታጎኒዝም’ ማለት እዚዩ” ዳርዊንን ማርክስን ንፉሮይድን ኒቸን ሰሓቕዎም። “ እ እ ም ንዓይ ግዳ ስምዑኒ ዳርዊን ነቲ ኩነታት ንምዝሓል ፈተነ፡ ኮነሉ ድማ ጸጥ በሉ ኩላቶም።“ ‘ዘ ኦሪጅን ኦፍ ስፒሽስ’ ኣብ ዝብል መጽሓፈይ ብዛዕባ ዝግመተ-ለውጥን ኣማጻጽኣ ወዲ-ሰብን ብዙሕ ኢለ ኣለኹ፡ ከምቲ ዝበልኩዎ ዝኾነ ይኹን ነገር ከምዘይተፈጥረን ናይ ፈጣሪ ነገር ምህላዉ ዘረጋግጽ ዝኾነ ነገር ከምዘየለን ቡሩህ እዩ። ሙሲ ከም ዝበሎ እግዚኣብሄር ሰማይን ምድርን ኣይፈጠረን ፈጣሪ ይኹን ተፈጣሪ ዝበሃል ነገር የለን፡ ኩሉ ውጽኢት፡ዘገምታዊ ለውጢ እዩ፡ኣኸለ!” ዳርዊን ዘረባኡ ወድአ ብዙሕ ምዝራብ ውን ኣይፈቱን።
“ኣየ ዳርዊን” ኒቸ ነቐፌታ ጀመረ፡ “ኣነ ዶ ክነግረካ፣ እዛ ‘ሳርቫይቫል ኦፍ ዘ ፊተስት’ እትብላ ነገር ብጣዕሚ ኣገዳሲት’ያ፡ ንሳ ክቕበለካ’የ፡ ኣብ ብዙሕ ነገር’ያ ትውዕል። እቲ ዘገምታዊ ለውጢ ገለ ትብሎ ግን ንባዕሉ እቲ ሓሳብ ዘገምታዊ እዩ። ቀዳማይ ነገር ስለ እግዚኣብሄር ምህላውን ዘይምህላውን መረጋገጺ ክኸውን ኣይክእልን። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ሃልዩ ነገራት ኩሉ ብዘገምታዊ ለውጢ ይኹኑ ኢሉ እንተዝፈቅድ ከ እዚ ናትካ ቲኦሪ (ክልሰ-ሓሳብ) ናብ ጓሓፉ ተደርብዩ ማለትዩ። ካልኣይ ነገር ከኣ ንባዕሉ እዚ ኢቮሉሽን (ዝግመተ-ለውጢ) ሳይነስ (ስነ-ፍልጠት) ዘይኮነስ ካልእ ሃይማኖት’ዩ ዝመስል። ጌና’ኮ ቲኦሪ’ዩ ዘሎ ሳሕበይ! እቲ መርትዖታቱ ንባዕሉ ኣእማኒ ኣይኮነን፡፡ ዓሳዶ ወዓግዶ ገለመለ’ዩ፡ ተረዲኡካ?”
“ኒቸ ሕጂ ንስኺ ‘ናባይ ገጽካ ኣይትቐርብን’ ዲኺ ትብሊ ዘለኺ! ሆእ ሆእ እንታይ ተሪፉኪ!” ዳርዊን ተቆጥዐ። ኒቸ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ምስ ቀረበ እቶም ካልኦት ውን ተጸግዕዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ግንጽል ምስ ኣበሉ፡ ቀዳማይ ቆሮንጦስ ምዕራፍ ሓደ ፍቕዲ 19፡ ኣንበብዎ ከምዚ ከኣ ይብል፣ ‘ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፣ ፍልጠት ፈላጣት ከኣ ከፍርስ እየ’ እዩ ዝብል። ጥበበኛ ድኣ ኣበይ ኣሎ፧ መምህር ሕጊኸ ኣበይ ኣሎ፧ ፍላስፋ ዛ ዓለም እዚኣ ኸ ኣበይ ኣሎ፧ ኣምላኽዶ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧ “ዎ ዎ ው ው ው! በጃኻ ስኪ ንቕድሚት ገንጽል እንታይ ፈሊጥና ንሕና፡ ዘይሰማምዓና ጥቅሲ ተምጽኣልና! ገንጸሉ “ከም ናይ ክርስቶስ ትምህርቲ ዘይኮነስ ከም ሰብን ዓለማውን ወገን ከምቲ መጀመርታ ትምህርቲ ዘሎ ፍልስፍና ይሓልኹም። “እእ እ እ ዝገደደ! ኣረ በጃኻ ቀደሙ ውን እኮ ሓዱሽ ኪዳን ኣይሰማምዐንን በጃኻ ኣብቲ ብሉይ ኪዳን ገንጽለለይ” ኒቸ ኣንጸርጸረ። ተገንጸለ ከኣ መዝሙር “ ሰነፍ ብልቡ ኣምላኽ የለን ይብል።”
“ወይ ጉድ ኣፍሊጡ ይጻረፍ ኣንታ! በጃኻ በጃኻ ንቕድሚት ገንጽል” ገንጸሉ፡ “እቲ ናይ መጀመርያ ጥበብ እግዚኣብሄር ምፍራሕ እዩ” ዎ ው ው ው! በጃኻ ዕጸዎ ዕጸዎ ባቃ ዕጸዎ! ኩሉኮ ኣፈራሪሑና! እንታይ ክንገብር፡ ባቃ ዕጸዎ!” ቡዙሕ ተጨቓጨቑ ኣብ መወዳእታ ኒቸ ከምዚ በለ “ከመይ ወደይ ኪኖዚ ጽቡቕን ሕማቕን ካልእ ኣማራጺ እንተዝህሉስ ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ።”