ሙሉኣለም ገረዝጊሄር
ኣብ ኣጋ ንቕሓተይ’ዩ ነይሩ።ጽምእ ዝበለት ኣመና ህድእተኛ ህጻን፡ ካብ ማህጸን ኣዲኣ ተማሕዲጋ፡ኣእዳዋ ንምጽሓፍ ኣዳልያ ኣዕንታ ድማ፡ጠፈር እናፈተለ ሓሳባት ተዋህልለሉ ኣብ ዝነበረ እዋን’ዩ።
ምጽሓፋ ፍጹም ኣይተበረሀንን። “ትብሎን ተውጐዖን እንተረኺባ፡ ሓቂ ገሊሃ ዕርቃናት ኣድማስ ክትገልጽ ተኽእል’ያ” ዝብል ፍርሃት ዝመስል ደማቕ ስግኣት ሓደረኒ። ነዚ ርትዒ’ዚ ዘይቅበልን ብሰንኩ ዝዳሃል ንያትን ውቃበን ክሳብ ዝሃለውኒ ከኣ፡ ባዶነተይ ክግላህ፡ ከውለይ ክፈርስ ትብዓት ኮነ ሕሩያ የብለይን።ስለዚ “ጋእ በሊ” ዝብል ሰባኺን፡ ዘየማዕትብ ሳጥናኤልን ኣውራ ልዕሊ ካልእ እዋን ሕጂ የድልየኒ ኣሎ። ክብል ሓሲበስ ኣንደበት ግን ” ሂቕ” ዝብል ናይ ዝተሰርነቐ ድምጺ ሰብ ሰሚዐ ሰገጥ በልኩ።
” ይምሓርኪ”
ክብላ ሓሲበስ ግና፥
” መን ሰብ’ያ ምስ በለካ?”
ጥራይ ዝብል ሕልና ዘይኮነስ፡
“መንን ስለምንታይን”
ዝብል ተሪር ህጻናዊ ሕቶ ከይትድርብለይ’ሞ ኣብ ዝገደደ መዋጥር ከይኣቱስ ስቕ ምባል’የ ዝመረጽኩ።ግና እዛ ገና ካብ ከባቢ ማህጸን ኣዲኣ እምብዛ ዘይማሕደገት ዕባራ ዕሸል፡ ሰለምንታይ ተሰርኒቓ? ንምንታይ ግን ዘየምባሃቖት?
ብዝብሉ ውልቀ ሕቶታት ተሞዂአ ክመውት በልኩ።
ቅብኣ ዝኣክል ጽባቐ ይትርጒም ከም ዘለኹ ድማ፡ “ከም ሕጊ ምትርጓም ጌሩ ዝኸብድ የለን” ኢሉ ናብ ሕትመት ከም ዝጓየ ኣዝሃርያ፡ ኣብ ኣፋፌት ዋሃብቲ ሪእቶ ደው ኢለ፥
“ዝኾነ ሰብ ብናይ ገዛእ ርእሱ ዘጥረዮ ትዕዝብቲ ሃያሲ ምዃን ይኽእል’ዩ።ወረ ኣብ ገሊኡ ደረጃ ሕብረተሰብስ እቲ ተመላለሲ፡እቲ ዓርኺ ርሻናት ጥበብ ዝኾነ ሰብ’ውን ጽሓፍቲ ከማእዝን ተኽእሎታት ኣሎ።”
ክብል ኢለ’የ ዝሓሰብኩ።እንተኾነ ግዳ ኣይከም’ቲ ዝሓሰብኩዎን።ጠመተ’ታ ጽምእቲ ህጻን ብስያፋዊ ቆላሕታ ይቐጽዓኒ ነበረ።
“ኣይፋሉን! ስሚዕታትና ዝኣዘዞ ምግባርና ንምጽሓፍና ኣይጐድኦን’ዩ ዝብሃል።እቶም ዝተጐኡ ጐድንታት’ዮም ድማ ስሚዕት ዝኾኑ።ብዘይብኡ ህላወ የብልና፡፡ዝተነበ ስሚዕት ንናይ ካልኦት ሓበናት ኣለልዩ ጽላል ዝኾውንን ዝሓቁፍን ክሳብ ዝኾነስ ኮቶ ዝጽላእ ኣይኮነን።” ኢላ ነቲ ቃል ብዕትብቲ ኣዲኣ ዓትዒታ ብስእሊ ከተርኤኒ ትቃለስ ነበረት።
“ኩሉ መልክዕ ዘለዎ ዝኾነ፡ ናይ ሎሚ ገሊጹ፡ ንናይ ጽባሕ ተፈጥሮ እንታይ ምዃኑ ግምት ዘትሕዘናን ንብርሃን ከነለሊ ዝደፍኣናን እንተኾይኑ፡ ጸገም የብሉን ጽሑፍ ኢልና ከነላልዮን ክንሰምዮን’ውን ንኽእል ኢና።”
ኢለ ናታ ህጻን ክመልካን ክደፍራን ተሃንጠኹ።
“ኣብ ገለ እዋናት ጽሑፍ ሳጥናኤል’ዩ፡ ዝብል ርዲኢት ኣለኒ።ስለምንታይ እንተልካኒ ብዘይ ጥሩምባዊ ውህደት ተጸፍዩ፡ ብዘይ ክንፊ ካብ ኣጽናፍ ናብ ጻት እናተማላለሰ ለጠቕታ ስሚዕት ዝገልህ፡ካብ ዒላ ጥበባት ኣእላፍ ቂሐ-ጽልሚ ዘማዕድን ካብ ኮነስ እወ ረታዒ’ዩ ንብሎ።እቲ ረታዒ ከኣ ሳንዱቕ ብምባል ኢና ንዛዝሞ።”
ቀደም ዘመን ሰብ ነበረ። እቲ ሰብ ከኣ ሓሳብ ኮነ፡ እቲ ሓሳብ ድማ ጽሑፍ ብምዃን ብመልክዕ ህጻን ተቐልቀለ።እቲ ህጻን ድማ ተራን ዕማምን ኮይኑ ኲርናዕ ሓሰብቲ ኣኾየጠ።እቲ ዝተኾየጠ ምሩጽ ሓሳብ መገዲ ኮይኑ ኣህዛብ ክሓልፍሉን ክስሕቁሉን ምስ በቕዑ፡ ፍጥረታት ዝብል ሓዱሽ ስያመ ተላቢስና። መን ስለምንታይ ዝብሉ ሓራቓት ሕቶታት ኣብ ምልዓል ንርከብ ኣለና።በቃ እዚኣ ከም ሓንቲ ቀጸላ ሕብርታት ምዂብላል ክንወስዳ ንኽእል ኢና። ዝብል ሓሳብ ኣብ ሽክናይ ከም ዘሎ ዘስተውዓለት እዛ ሮቓብ ዕሸል፡ ከምዚ ክትብል ነዲራ ተዛረበት።
“ሓይሊ ብዘይ ሓደ ተቖጻጻሪ ዋላ ሓደ ነገር ክኸውን ኣይክእልን’ዩ።ሓያል ንነገራት ክገልጽን ክትርጒን እንተዘይበቒዑ ተራ ህላወ’ዩ። እግዚኣብሄር ዝኣክል ሓያል፡ ኣምላኽ ዝኣክል ስምን ረቂቕን ግዙፍን መላኺን ህላወን ሩሑን ዝኾነ እናሃለወናስ፡ ንምንታይ ኢና ንድንቁር? ወረ ስለምንታይ ኢና ንግዕዝይ? እግዚኣብሄር እኮ ፍቕርን ሰላምን ስምን ህላወን’ዩ።”
ኢላ ልበይ ተንኪፋ ኣብ ፍልጠተይ ሽዋሕ በለት።ክንዮ’ቲ ትነብሮ ዘላ ማህጸናዊ ክሊ ሓሊፋ ድማ፡ሰማየ-ሰማያት ዘሎ ኣውታር ቅኒታት ኣድማስ ከተጥዕም ዝተፈጠረት ግርምቲ ጤለ-ሪሓን ኮይና ተራኣየትኒ።
“ጽሓፊ( ባዕሉ ዝጽሕፍ ሰብ የለን ኣይትበሉኒ) ግናያት’ዮም።አረ ሓንሳብስ መላኣክት’ዮም ዝቕየሩ።እቲ ባህልን ስሚዕትን ደምሮም ፍጥረት ኣብ ዘቑምሉ ህሞት፡ብዝያዳ ናብ ተማላኣኽቲ ዝብል ቅጽል ከነልብሶም ንግደድ ኢና።ጽሕፈት ፍጥረት’ዩ።ጽሓፊ ከኣ ሓሳቡን መልክዑን ኣነጺሩ ምስ ገለጾ ፈጣሪኡ ንብሎ።ሽዑ’ዩ ከኣ ነገር ሳጥናኤልነት ዝግሃድ።”
ነዊሕ ጻዕዳ ዝዓብሎሎ ቀምሽ ወለል እናበለት ክትመጽእ ዝራኣኹዋ’ሞ ከመቕጽበት ነታ ህጻን ካብ ግዳም ናብ መዳሕንታ ክትመልሳ እናተጋደለ እንከላ፥
“ድቂ መብጽዓ ኣርባዓታት’ያ። ነቲ ክንዮ ክላላስዮን ዘሎ ስግዳን ዛዚመ ዝጠነስኩዋ ንሳ ሓንቲ ንውልቃ ርግሀይ’ያ። ክጥነስ ዘይትሕረስ፡ ክትሓስብ ከይትነብር ኢለ ድማ።ደመይ ኣንቂጸ ኣብ ማህጸነይ ንኽትበሊ ምስ ጌታይ ድፋዕ ዝዓረድኩላ መቕለይ’ያ።”
ነዛ ሰብ ገማጢለ ክነባ ፈቲነ። ኣብ ጥቓይ እናሃለውት ኣመና ዝራሓቐት’ያ፡፡ ኩሉንትናኣ ክልተ’ያ ናይቲ ኣርባዕተ ሰለስተ ግን ቀደም’ውን ኣይነበራን።ክድህስሳ ኣብ ዝፈተንኩለ ህሞት ድማ እምብዛ በሪኻትኒ።ሽዑ ሰብ ከይብላ ናይ ሰብ ተምሳል እናርኣየት ብቓንዛ ክትበልዓኒ በለት።
እታ ብታሕታይ መላጉብኣ ወላዲታ ክትወጽእ ልዕሊ ዓቐን ትቃለስ ዝነበረት ማሕቋቕ ህጻን፡ ኣብ ምዕራፍ ከብዲ ኢድ ኣዲኣ ተማእኪላ፡
“ኣብዚ ወሻጥ ቅናታዊ ዙርያ ተኸቢበ፡ ክልተ ጽንፊ ዓለም ተተርኢሰ፡ ኩሉንተናዊ መግለጺታት ክራባሕ ተዓዚበ ኣለኹ። ዓለምን ኣደይን ሓደ ኣምሳል’የን።ክልቲኤን ክልተ’የን።ግልባጥ ክልቲኣዊ ተጻራርነት ሓቚፈን ከኣ ማዕረን ውዱንን መልሰ ተግባር ይህባ። መን ኣሎ ካብ ሰብ ነዚ ዕጫ’ዚ ዝተዓደለ? ስለዚ እዚ ብመገዲ ጽሓፊ ክግለጽ ከሎ፡ ጥበብ ዘይኮነስ ምፍጣር’ዩ ክባሃል ዘለዎ። ኣብን ወልዱን ወይ ድማ ጽሓፍን ጽሑፉን ኢልና ኣብ ልዕሊ መንበስብስትና ምልክት ኣምላኽነት ክንሰቕለሎም ድማ ይግባእ።”
ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ጸድፊ ከምዚ ዝብል መልእኽቲ ክረክብ ትዝ ይብለኒ ኣሎ። “እቲ ቦዂርን ሕሳስን ዝኾነ ተፈጣሪ( ወይ ንኻሎኦት ንምንባር ኢሉ ሩሑ ዝመጠወ )ወዲን ጓልን ነበረ።ጸሊምን ጻዕዳን ሕዋስ ዘይብሉ ባዶ ሕብሪ ከኣ ነበረ።ሓንሳብ ብርሃን እንኮ ሻዕ ጸላም እናኾነ ከኣ፡ መምህር ንክልተ ጾትኡ ነበረ። ኣብ ገለ ይቕበል ኣብገሊኡ ድማ ይህብ’ሞ ሓምዂሽታይ ሕብሪ ፈጢሩ ብኣጋ ዝስወር ልምዲ”
ዝብል ኣብ ገብላዊ ቅርጺ ብጸጸር ተጻሒፉ ነበረን ርኣኹዎን ከኣ። ግደ ሓቂ ግን እዚ ናይ ምድርና ሓደን ዘይተለዋጥን ግብሪ ኣብ ስሕለትና ኣዕሪፉ ዝተኻየደ ርትዒ ኮይኑ ኣሎ።ዝረአን ዝተራጋገጸን’ዩ። ብተወሳኺ “ካብ ልክቲኡ ወጻኢ ኲነት” ኢልና ነቕርቦ ሓደ ርትዒ ኣሎ። ንሱ ከኣ፥ ካብ ብርሃንን ጸልማትን ትርፊ ዝኾነ ህላወ እዩ። እዚ ከኣ ከም ገለ ኣብ ገለ እዋናት’ዩ።