እቲ ቀደም እንክንዓቢ
ኣብ ‘ንዳ ጎረቤትና ኔሩ ከልቢ
ብርትዐ ውሕትኡ ዘባህርር
የጽምመና ነይሩ ፡ብድምጹ ንድንቁር!
እንተ ሎሚ
ኣይከም ናይ ዓሚ
ሽጣርኡ ፈሊጥናዮ
ወየ ምህዳም ተሪፉስ
ጀሚርና ምስኡ ክንጻወት፡
እዚ ኹሉ ታህዲድ
ብ መልሓስን ከንፈርን
ብ ሳንቡእን ጎሮሮን
‘ምበር ፡ ብስኒ መዓስ ኔሩ
በብሓደ ኣርጊፍወን ኣስናኑ
ሓቁ ባ እዩ ስጋ ክሕረም
“ጣይታ ዩ ዝፈቱ
ሃብኦ ብፍትፍቱ”
ዝብላ ኣደይ ሰንበቱ
ወዮ ንሱስ ብሽግሩ!
ደሓር ክኣ
ከም ዓባየይ
ስና ምስ ረገፈ
ዘረብኣ ዝጸየፈ
ከመይ ድኣ ዘይኮልተፈ?
ዉሕ ጥራይ ኮይና ቛንቁኡ
“ዉ” ብ ከንፈር
“ሕ” ብ ጎሮሮ
ስኒ ዘየድልዮ
ጌሩ ‘ዩ ነብስና ዘሳጸዮ
ከልቢ ንዳቦይ ንርኣዮ
ስርሑ ሎሚ ፈሊጥናዮ!!
ወሓዚት ኣብርሃም
March 2016