ጭንቕዶ ይብለካ ትገብሮ ጠፍኣካ
ሕርቕ-ሕርቕዶ ትብል፥
ዝርዳእ ስኢንካ፧
ነቲ ምንባርዶ ገጹ ትጽየኖ
ህልም ይብለካ ትገብሮ ትኾኖ፧
ንምንታይ ትነብር ንምንታይ ትህሉ
ሕርብትዶ ይብለካ ትርጉም ትስእነሉ፧
ሃሊኻ ኣይሃሊኻ
ወሊድኻ ኣይወሊድካ፣
ጸጊብካ ጠሚኻ
ደቂስካ ተንሲእካ
ኩሉ ሓደ ፍልልይ ዘይብሉ
ኮይኑዶ ትረኽቦ ህይወት ሕምብርጅሉ!፧
ምዩቕዶ ኸ ትብል ሓቂ ሰቲኹካ፧
ውሽጥኻ ክፍሳህ ይርዕድ ግዳምካ
“ድላየይ ዝብለሉ ግዜዶ ይህሉ
ነጻ ንኾነሉ እዋንዶ ይህሉ
እንተዘይከድክዎስ ይመጽእዶ’ህሉ”
ኢልካዶ ትቑዝም ሰማዒ ኣብ ዘይብሉ፧
“ኩሉ ባዕሉ’ፈልጥ
‘ታይ ዝዓብስ ህይወት
እናሽካዕካ ንሞት፧”
ጨርሕ ዶ ይመጸካ
ሓድሽ ሓሳብ ሰፊሩ ኣብ ርእስኻ።
ተረዲኡኒ’ሎ ሓወይ ወድነየ!
ካልኣይ ጎድነየ………
ተረዲኡኒ’ሎ ናብራኻን ቃንዛኻን
ከምኣ ኮይነ ነይረ፣ ኣነ ሓደ እዋን።
ኢድ ኣይትሃብ ጥራይ ኣይኮነን ዘይበሊ
ኢድካ ዝሃብካዮ እግሪ’ዩ ዝደሊ
መሓውር ወሲዱስ
መዓስ ትም በሃሊ
ንእስነት ኣብልዩ፣ ትንፋስ’ዩ ዝምንጥል
ድግስ ንበዳሊ ዕሙር ዳስ ክተክል።
ይርጋኣለም ፍስሃ
2018