ቦኽረ ገብረየሱስ
ሃይማኖታዊ ነውጺ ከለዓዕል ወይ ክቕስቅስ ኣይኰንኩን ደልየ። ጸግዒ ወይ ወገን ክሕዝ ዝደፍር ሞራል ውን የብለይን። ከምኡ ዓይነት ስክፍታ እንተ ዝገዝኣኒ ከይጸሓፍኩ ምጠንጠንኩዎ (መን ዶ’እውደኒ እዩ!) ኰይኑ ግን ሽሕ ግዜ ዝደጋገምን ፊደል ዘዝቘጸረ ዝሕንጥጦን፣ ካብ ምሒር ምድግጋም ክታምን ማሕላን ብዘይጠልብ ኣገባብ ሓቂ ዝመስል ነገር ኣሎ። ክትኣምኖ ብዙሕ ብድሆ ዝሓትት ኣይኰነን። ንኽትነጽጎ ግን ካልእ ሓቂ ካልእ ጭብጢ የድሊ።
መንጠሪ ክዀነና መታን፣ ጣልያን ተሳዒሩ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ወትሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ምስ ወደቐትን መጻኢ ዕድላ ድማ ናብ ኢድ ኣርባዕተ ሓያላን መንግስታት ምስ ተሰጋገረን፣ ከይደንጐየ ኣብ 1941 ዓ/ም ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ( ማሕበር ኣንድነት) ዝበሃል፣ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ክትሓብር ዝጽውዕ ፖለቲካዊ ሰልፊ ቈይሙ። ቀጺሉ ድማ ብዝተፈላለየ ናይ ኣረኣእያ ለውጥታትን ፍልልያትን ካብ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ብዝወጹን ካልኦት ዜጋታትን ንሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝቃወማ ሰልፍታት ክቖማ ጀሚረን።
ምስ’ዚ ክልተ ተጻራሪ ፖለቲካዊ ፍልስፍናታት ተተሓሒዞም ዝለዓሉ ሓሳባትን ትካላትን ውልቀ-ሰባትን ንሰምዕን ንውከስን ኢና። ምስ ሕቶ ‘ኣንድነት’ ስማ ወትሩ ብዓውታ ዝዝከር ድማ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ እያ። ብሓፈሻ እቲ ዝቐርብ ጭብጢ ወይ ስነ-መጐት ነዚ ዝስዕብ ይመስል፦
ናይ ንጉስ ሃይለስላሴ (ጃንሆይ) ዝለዓለት ናይ ሕብረት መሳርሒት ብምንባራ፤
እታ ቤተ-ክርስትያን ካብ ኢትዮጵያ ተገንጺላ ክትነብር ማለት ንድሕነታን ቀጻልነታን ኣብ ሓደጋ ምእታው ማለት ብምዃኑ፤
ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ‘ዝነገሰ ንጉስና፣ ዝበረቐ ጸሓይና’ ዝብል ሰነፍ ኣተሓሳስባ ስለ ዝነበሮም…….ወዘተ።
ፈለማ ክንግንዘቦ ዝግባእ ሓደ ድሙቕ ሓቂ ኣሎ። ኣባላት (ካህናት ኰነ ምእመናን) ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን እሞ ድማ ኣብ ፈለማን መፋርቕን 40ታት ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ንዝብል ተልእኾ ክስከሙን ክፍጽሙን ዘኽእል ብቑዕ ፖለቲካውን ኣካዳምያውን ንቕሓት ኣይነበሮምን። ካብ ሃይማኖታዊ ትምህርትን ኣገልግሎትን ሓሊፉ ኣብ ካልእ ገጻት ዝነበሮም ሱታፌ ኣዝዩ ድሩት እዩ። እቲ ሓቂ እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ነይሩ እንተ ዝኸውን እታ እንኮ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ትድግፍ ማሕበር ኣንድነት ላዕለዋይ ወናብራ ብኣመንቲ ኦርቶዶክስ መዕለቕለቐ። ኰይኑ ግን እዞም ብቐጻሊ ስሞም ዕረፍቲ ዝስእን ዘሎ ኣመንቲ ዝነበሮም ቦታ ኣዝዩ ድሩት እዩ። ፍሩያት ኣብነታት ክንወስድ፦
ፊታውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ፣ ቀዳማይ ኣቦ-ወምበር ማሕበር ኣንድነት (ካቶሊክ)
ደጃዝማች ኪዳነ በራኺ፣ ካልኣይ (ድሕሪ ገ/መስቀል) ኣቦ-ወምበር ማሕበር ኣንድነት (ካቶሊክ)
ደጃዝማች ተድላ ባይሩ፣ ኣብ ማሕበር ኣንድነት ጸሓፊ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ድማ ቀዳማይ መራሒ መንግስቲ (ፕረስደንት) ዝነበሩ (ፕሮቴስታንት)
ፊታውራሪ (ድሒሩ ግን ‘ቢትወደድ’ ዝብል ዝኸበረ መዓርግ ካብ ጃንሆይ ዝተቐበሉ) ኣስፍሃ ወልደሚካኤል፣ ምክትል ተድላ ባይሩ፤ ድሕሪ ተድላ ድማ መራሒ/ፕረስደንት ዝነበሩ (ካቶሊክ።)
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን እምበኣር ብውልቂ ኰነ ብጥርኑፍ ኣብቲ ናይ ሕብረት ኣምባሳደር – ማሕበር ኣንድነት ዝነበራ ተራ ውሱን ወይ ጥፉእ እዩ። ጃንሆይ ውን ካብ ምስ’ታ ቤተ-ክርስትያን ምስ እቶም መራሕትን ፖለቲከኛታትን ዝነበሮም ርክብን ዝምድናን ይሕይል። (በቲ ቀደም ዝነበረ ኣውራጃዊ ኣጸዋውዓ) ጃንሆይ ብመረብ ሰጊሮም ምድሪ ሰራየ እንክረግጹ፣ ታቦታት መንደፈራን ዓረዛን ክሳለሙ ድዩ ተልእኾኦም ወይስ ንራእሲ ኪዳነማርያምን ኣበ-ነብሶም ቀሺ ዲሜጥሮስን ካልኦት ሹማምንትን ንምርካብን ምዝርራብን እዩ ነይሩ? እቲ ሓቂ ኣየናይ እዩ? ጃንሆይ ናብ ኣከለጉዛይ ገጾም ክዛወሩ ከለዉ ዕላማኦም እንታይ እዩ ነይሩ? ሚካኤል ዓዲ-ቐይሕን ማርያም ሰገነይትን ክሳለሙ ዶ ምስ ራእሲ ተሰማ ክዘራረቡ? ብርኮም ንምስባር ማዕረባ ንምንታይ ሕልፊ መሪጾምዋ? ኦርቶዶክሳዊ ቃል ኪዳን ስለዝነበሮም? ናብ ኣስመራ ምምጻኦም ነቶም ደገፍትን ተቓወምትን ኩነታቶም ብዝተፈላለየ መሳዅቲ ንምጽናዕ ድዩ ወይስ ናፍቖት ማርያም ኣስመረይቲ ስለዝነበሮም? ኣብ ሞንጎኦምን ኦርቴን ዝነበረ ሕኸኸኒ ክሓከካ ዝዓይነቱ ቀበጥታዊ ርክብ በየናይ መሳልል እዩ ነይሩ??
ኣብ ከተማ ይኹን ኣብ ገጠር ኣብያተ ክርስትያናት ኦርቶዶክስ ብተለምዶ ናይ ምትእኽኻብ ማእከላት ነይረን እየን። እዚ ድማ ምስ ምምጻእ ሕቶ ሓርነት ዶ ኣንድነት ዝተኣታተወ ባህሊ ኣይኰነን። ካብ ቀደም ኣትሒዙ፣ ሃይማኖታውን ባህላውን ማሕበራውን ጕዳያት ንምዝታይ ምእመናን ዝተኣኻኸቡሉ ቦታ ቀጽሪ ቤተ-ክርስትያን እዩ። ዕርቅን ካልእ ሰናይ ሽምግልናን ዝፍጸመሉ ቦታ ውን ቀጽሪ ቤተ-ክርስትያን ነይሩ። ኣብቲ ቀጽሪ ‘ዛዕባ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ጥራይ እዩ ዝእንገድ ነይሩ’ ዝብል መን እዩ? እዚ ውን እቶም ሕብረት ዝሰብኩ ዝነበሩ ፖለቲከኛታት ነታ ቤተ-ክርስትያን ከም ምችእቲ ዕድል ክጥምቱዋ ምስ ጀመሩ እዩ። ብዝዀነ ነዚ ምትእኽኻብ እዚ ብማዕዶ ዝዕዘቡ ዝነበሩ እንግሊዛውያን ኣሕሉቕ ናብ ላዕለዎት ሓለፍቶምን መንግስቶምን ጸብጻብ ከሕልፉን ውሽጡ ከይፈለጡ ነቲ ዘተ ምስ ኣጀንዳታት ጃንሆይን ድሌታት ሕብረትን ከተኣሳስሩዎ በቒዖም (ሽዑ እዋን እንግሊዝ ንሕብረት ዝድግፍ ውዱእ ፖሊሲ ኣይነበራን።) እታ ቤተ-ክርስትያን ድማ ብኸምኡ ተጻሒፋን ተሰኒዳን። ቀደም ጣልያን ኤርትራ ተቘጻጺሩ ንኢትዮጵያ ክወርር ኣብ ዝሸባሸበሉ ዝነበረ ግዜ ውን ቀጻሊ ምትእኽኻብ ኣመንቲ ኣብ ቀጽሪ ኣብያተ-ክርስትያን ዘይተዋሕጠሉ ሓደ ኣዛዚ ከምዚ ክብል ናብ ሮማ ጥርዓን ኣቕሪቡ ነይሩ፦
“ነቶም ዝመልመልኩዎም ኤርትራውያን ወትሃደራት እታ ንኣንድነት ትሰርሕን ትተኣኻኸብን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኣእምሮኦም እናሰረቐት ካብ ዕላማና ተሰናኽለና ኣላ።” ከምዚ ገይሩ ተሓቢሩን ተጻሒፍን፣ እንሆ ድማ ተሪኽ ተባሂሉ ከም መወከሲ የገልግል ኣሎ። እቲ ዘሕዝን ናይ’ቶም ነዚታት ተወኪሶም ከብቅዑ ከየዀምስዑን ከየነጻጸሩን ከየሰላሰሉን ነቲ ታሪኽ ብጥሪኡ ከም ዘለዎ ዝደግሙ ‘ናትና’ ንብሎም ጸሓፍቲ ታሪኽ ናይ ጥፍኣት ጐደና እዩ። ንባይታናን ክውንነትናን ክርእን ከዳምጽን ዝኽእል ልብን ኣእምሮን ክሳብ ዘይተዓደልና ግን ንገዛእ ታሪኽና ኣብ ከብሕታት ለንደንን ሮማን ክንደልዮን ናብ ትግርኛ ቀይርና ክንደርፎን ዝገርም ኣይኰነን።
ካልእ፤ ምስቲ ኣብ ከበሳ ዘሎ ጸቢብ ናይ ሕርሻ መሬት ተተሓሒዙ ብቐጻሊ ዝኽሰት ዝነበረ ግጭት ኣሎ። ግጭት ኣብ ሞንጎ ስርዓት ሃ/ስላሴ ምስ ሓረስቶት ከበሳን ቤተ-ክርስትያኖምን። ሓረስቶትን ቤተ-ክርስትያኖምን ምስተን መሬቶም ብጕልትን ብርስትን ኣብ ምግባት ዝነበራ፣ ምስ መንግስቲ ዝለዓለ ርክብ ዝነበረን ዓበይቲ ገዳማትን ግብሪ ንጉስ እና በሉ ንሓረስቶት ካብ ቀለብ ዓመቶም ኣኻዕቢቶም ኣብ ምምንጣል ዝነብሩ ዝነበሩ ሹማምንትን ምስሌነታትን ተሰማሚዖም ኣይፈልጡን። ጃንሆይ ድማ ምስተን ገዳማትን ምስሌነታትን ደኣምበር ምስ ኣቕሽሽትን ሓረስቶትን እዚ ዝበሃል ዝምድና ኣይነበሮምን። ይትረፍ ጃንሆይ እተን ኣብ ጥቓኦም ዝነበራ ገዳማትን ሓለፍተንን እኳ ምስ ቤተ-ክርስትያንን ድኻታት ኣመንትን ዘለወን ሽግር ከይፈትሓ በየናይ መዐቀኒ እዩ እታ ቤተ-ክርስትያን ምስ ሕብረት ኣተሓሒዙ ዝንገር ዘሎ ዛንታ?
ምስ ምእታው እንግሊዝን ምትዕንቓፍ ህጹጽ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያን ኣብ ከተማታት ሽቕለተ-ኣልቦነት ኣስፋሕፊሑ። ነጋዶን ሰራሕተኛታትን ድማ ናብ ገጠራት – ነናብ ዓዶም ክውሕዙ ጀሚሮም። ምስ ቁጠባዊ ቅልውላዎም ኣተኣሳሲሮም ክኣ ኣርማ ንጉሰ-ነገስት ተሰኪሞም ብምኻድ ነቲ ኣብ ገጠራት ዝነብር ዝነበረ ብዝሒ ሕብረተ-ሰብ ብዛዕባ ትርጉምን ጥቕምታትን ሕብረት ከረድኡዎን ክሰብኩዎን ዕድል ረኺቦም። ኣመንትን ካህናትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ውን ከም ሰቦም ብዛዕባ ኣንድነት ገለ ኣምር ክቐስሙ ክኢሎም። ካብ’ዚ ወጻኢ እታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ታሪኻ፣ ካብ ደገ ዝተቐበለቶ ድኣ’ምበር፣ ካብ ውሽጣ ንደገ ዝነጸገቶ ጸበል ‘ኣንድነት’ የሎን።
ናይ ታሪኽ ሰብ ሞያን ተመራመርትን፣ ብስሩዕን ዘይስሩዕን መንገድታት ኣብ ዝጽሕፉሉ ኣጋጣሚታት ብሱል፣ ተኣማኒ፣ ሚዛናውን ዘይሻራውን ታሪኽ ንምጽሓፍ ክሳብ ዘይበቕዑ፣ ነንፋንጣናን በብዘለናዮን ምሕሳብን ምጽሓፍን ዘየቋርጽ ስራሕና ኰይኑ ክቕጽል እዩ። ሓደ ሞያ ክኸብርን ክሕፈርን እንተዀይኑ፣ ምስዋእቲ ዝኸፍሉሉ ሞያውያን ምስ ዝረክብ ጥራይ እዩ። ካብ ዘይተኻእለ ግን መጻወቲ ኰይኑ ይተርፍ። ንጽሓፍ ጥራይ!
ታሕሳስ 2015
ቀንዲ መወከሲ- ADDIS ABABA UNIVERSITY TEACHERS’ ASSOCIATION (AAUTA). DIALOGUE – ውይይት, AUGUST 1992 (PAGE 7-11)