እንጌራ ጀላዕ
ብኸዩሉ ንሎጥ ድጉዓ ደጉዑ
ሰብኣይ እናነብዐ ከመይ ዘይትነብዑ
ኣብ ዓዲ እንጌራ
ሰዶመ-ጐመራ
መሰልና እናተበሃሃላ ልቢ ሎጥ ዘሕርራ
መሰልና እናተበሃሃሉ ልቢ ሎጥ ዘሕርሩ
ርእዩ እናተሳቐየ
ሰሚዑ ውሽጡ እናእወየ
ግን ቅጫ ኣስዲዕዎ ምህዳም ዘዕጠጠየ
”ኣይበላዕ” በልሉ
ዓንዲ ጨው ዘፍርያ ንፍርቁ
“ኣይበላዕ” በልሉ
ደቅ-ደቂ ዘፍርዮ ካብ ደቁ
”ኣይበላዕ እንጌራ ጀላዕ”
ኢልኩም ንገርዎ፣ ድማ ድገምዎ
ተመሊስኩም ግን ድምጽኹም ስምዕዎ
ዮናስ ወልደሩፋኤል
ግንቦት 2014
1 Comment
ላዚያ ጽብቕቲ ግጥሚ ኢያ