ካብ መጽሓፍ መረብ ምላሽ
ጸሓፊ ሩፊሎ ፐሪኒ (ገብረ-ንጉስ) ፈረንጸ-ኢጣልያ 1905 ዓ.ም.
ትርጉም፡ ቪቶርዮ-ሮንካሊ ቶሪኖ-ኢጣልያ 1997 ዓ.ም.
ናይ “ፖርቱጋል-ሚስዮናውያን” ኣብ ዝጸሓፍዎ ጽሑፋት፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ጠረፍ መሬት ኢትዮጵያ፡ ብሰሜን ናይ’ቲ ሎሚ ብሓባብ እተሃዘበ ከም “ባክላ” ወይ ባግላ ዝፍለጥ ኣውራጃ፡ ዝነበረ “ንግስነት በለው” ብዙሕ ይዝረብ። “ኣባ-ሎቦ” ኣተባህለ ካህን ከም ዝጠቐሶ፥ “ . . . . . ንግስነት በለው፡ ብቕድም ስዋኪን ይርከብ። ህዝብታት በለው፡ እስላም/ ተባዓት ተዋጋእትን እዮም። ኣንጻር ቱርኪ እተናውሐ ቃልስን-ደማዊ ውግኣትን ኣካይዶም ካብቲ ብበሪ(ዶጋና) -ስዋኪን ዝኣቱ እቶት፡ ማዕረ ክምቀሉ ኣገደድዎም። ንጉስ-በለው ዛጊት (1632-33ዓ.ም.) ኣብ ስዋኪን ናይ ባዕሉ መኮንናትን/ ግብሪ ዘስገድዱ ሓለፍትን ይርከብዎ። እተጠቕሰ መስፍን ሃብታም እዩ። ወርቂ-ብሩር ብብዝሒ ይውንን። ዓቢ ንግዲ እውን የዋፍር እዩ። ብሕልፊ ነቲ ኣብ ሃገር ዝእለም-ዓለባ፡ እቶም ጸለምቲ፡ ብኣዚዩ ኩቡር ዋጋ ይገዝእዎ”
ኣባ-ሎቦ እንደገና ኣብ ካልእ ወገን፡ ብከምዚ ይቕጽል፡ “ ንግስነት በለው ምስ ንግስነት ዓድ-ሓበሻ እውን ንግዳዊ ለውጢ ነይርዎ እዩ። ካብዚ’ውን ዓበይቲ መኽሰባት የዋህልል”። ታሪኽ ኣመጻጽኣ ነገድ-በለው፡ ደጊም ኣሰራቱ ኣይርከብን። በርግጽ ግን፡ ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ነበርቲ ዞባ ምዃኖም ይፍለጥ። ምናልባት ንሶም’ውን ሓደ ጨንፈር ህዝቢ ግእዝ ከይኮኑ ኣይተርፉን። ባህሎም ከም ዝዝክሮ፡ ካብ ሃገር-ዓረብ እዮም ንምብራ ቕ-ኣፍሪቃ ሰጊሮም። ብዘየጠራጥር እዉን፡ ሰማውያን-ህዝቢ እዮም።
ብኣረኣእያ ሙዚንገር -ኣነ (ደራሲ) እዉን ዝድግፎ ሓሳብ-እዚ ብናይ ፖርቱጋል- ሚስዮናውያን ዝጥቀስ ንግስነት-በለው፡ ሃገር ናይቶም ኣብዚ ህልዊ እዋናት’ውን ከም በሉ-በላዊ-በለው ዝፍለጡ ኣባላት ናይቲ ነገድ ከይኮነ ኣይተርፍን። እቶም ካብ ዘርኢ ናይዚ ነገድ’ዚ ዝተረፉ ኣባላት፡ ኣብ ምሉእ ኤርትራ’ኳ ብብዝሒ ፋሕ ኢሎም እንተተረፉ (ብሰሜን፡ ከም ልኡላዊ- ጉጅለ ነዊሕ እዋን ንብንዓምር መሊኹ ድሕር ምጽናሕ፡ ሎሚ ኣብቲ ናይ ምዕብላል ተራ፡ በቶም “ነብታብ” እተባህሉ ደርቢ’ኳ ይተካእ፡ ልኡል ደረጃኡ ዓቂቡ እዩ ተሪፉ። ብደቡብ ድማ ኣብ ዓድታት መረብ/ ምላሽ-ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ’ዚ እተጠቕሰ-ቤት መኻእ ኮነ/ ጉልቲ ደቅ-ታዕስ ኣብ ወረዳ ደቂ ተስፋ ይውንን ነበረ።) ከም ህዝቢ መጠንሲ፡ ህላወኦም ጠፊኡ እዩ።
ኣብዚ ምልክታ’ዚ እንደገና ብዛዕባ ነገድ-በለው (በሉ-በላዊ) ምዝታይ ኣድላዩ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ታሪኽ ምድረ-ባሕሪ፡ ስለዚ’ውን ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ሓደ ኣገዳሲ ዝኾነ መጎት ንምምርማር እዩ። ምኽንያቱ ድማ ከም ሳዕቤን ኣመጻጽኣ ወይ መበቆል ሕጋዊ ምምሕዳር “ናይባት” እዮም ባሕረ-ነገስታት ነቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝነበሮም ዋንነት ኣጥፊኦም፡ እቲ ከምኡ ዝበለ ስልጣን ናብቶም ብቱርኪ ዝድገፉ ናይባት ከምሓላለፍ ክኢሉ። እዚ ከመይ ኢሉ ከም ዝኾነን፡ “በለው” ድማ ከመይ ዝበለ ተራ ከም ዝተጻወተን “ጀይምስ ብሩስ “ ኣብ መጀመርያ ክፍሊ ናይ 3ይ ቅጺ ጽሑፋቱ (ኣብ ሓደ ሓደ ጥቕስታት)፡ ጽቡቕ ጌሩ ይገልጾ እዩ።
ትሕዝቶኦ ተተርጉሙ ከምዚ ዝስዕብ ይግለጽ፥
“ ባጽዕ፡ ከምተን ካልኦት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ዓድታት ብቱርኪ እተወረረ፡ ኣብቲ “ሲናን-ፓሻ” ን “ኣራብያ-ፈኒቸ” ዝወረረሉ እዋናት፡ ማለት ኣብ ዘመነ-ንግስነት ሰሊም በዓል-ቆስጣንጢኖፖሊስ እዩ። እታ ከተማ ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ኣዚያ ዕምምብቲ እያ ዝነበረት። ምስተን ኣብ ከባቢ “ወሽመጥ ባብ ኣል-መንደብ” ኣብ ቀይሕ ባሕሪ/ ምስ ሃገረ ህንዲ ንግዳዊ ንጥፈታት የካይዳ ዝነበራ ወደባትን፡ ኣብ ባጽዕ እዉን ዓቢ ተራ ዝነበሮ ነቑጣ እዩ ነይሩ።
ባጽዕ፡ መጠርነፊ ናይቲ ካብ እምባታት-ትግራይ ብብዝሒ ይውሕዝ ዝነበረ ሃላኺ-ነገራት፡ ንባዕሉ ድማ ካብቲ ኣብ ገማግም ባሕሩ ካብ ብሉጽ-ማያቱ ዝግፈፍ፡ ኣዝዩ ፍሩይ ዝኾነ ሉል ዘፍሪ ወደብን እዩ ዝነበረ። ብከምዚ ድማ እቲ ብሉጽ ሃላኺ- ነገራትን/ ውሕስነት-ርጉጽነት ወደቡን/ ፡ ነቲ ዛጊት (1768-1773) ኣብ ባጽዕ ዘሎ ጸገም ዋሕዲ ፈልፋል -ማይ ይትክኦ ነበረ።
ክሳብ’ቲ ንግዲ ኣብዚ ቦታ’ዚ ዝዓምበበሉ እዋናት፡ ደሴት-ባጽዕ፡ መራኸብን መመላለስን ብዙሓት-ህዝቢ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ኣብ ትሕቲ “መግዛእቲ ቱርኪ” እዩ ኣገዳስነቱ ወደብ ባጽዕ ተዳኺሙ። ብዘይካ’ቲ ብ “ጸንፊ-ጽቡቕ-ተስፋ” ምሕላፍ፡ እተረኽበ ሓድሽ መስመርን፡ ፕሮቶገዛውያን ኣብ ምብራቕ ዘቖምዎ ትካላትን- ቱርኪ እዮም ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ምስ ሃገረ-ህንዲ ዝጸንሐ ንግድ ኣዳኺሞም፡ ንባጽዕ ዓቢ ማህሰይቲ ኣኸቲሎምሉ።
ቱርኪ፡ ኣብ መጀመርያ ፡ ኣብ መሪሕነት ምምሕዳር ባጽዕ ሓደ “ፓሻ” ኣቑሞም፡ ብዝቐለለ መንገዲ ንዓድ-ሓበሻ ምውራር እዩ ዝነበረ መደባቶም። እዚ ግን፡ ውጽኢት ኣይረኸበን። ዕላምኦም፡ ኣብ ውሽጢ-መሬት ዓድ-ሓበሻ ዝነበረ ናይ ንግዲ መትንታት ምዕብላልን/ ምብሓትን ዝኣመተ እዩ ነይሩ። እዚ ግምታዊ-ውጥን’ዚ ምስ ፈሸለ ግና፡ እቲ ኣብ ደሴት-ባጽዕ ዘዋፈርዎ ርእሰማል፡ ዘይተመጣጠነ ኮይኑ ረኸብዎ።
እዞም ወረርቲ ህዝቢ ባጽዕ ኣብ ዝሓዝሉ(1527)፡ “በለዊ” እተባህሉ ኣብ ምስልምና ዝኣምኑ ቀቢላ እዮም ተሓባበርቶም ዝነበሩ። በለዊ፡ ሓደ ክፋል ናይቶም ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ከብ መበል 14 (ኖርዝ ላቲቱድ) ክሳብ እግሪ እምባታት ሓባብ ኣብ ዝርከብ ቦታ፡ በመጓሰ ዝነበሩ ህዝብታት እዮም። እዚ ቀቢላ’ዚ ንዘወፈየሎም ኣገልግሎት ንምኽሓስ ቱርኪ ንመራሒ በለዊ ሲቪላዊ ምምሕዳር ባጽዕ ኣማሕጽንዎ። ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ ድማ፡ ኣብ ባጽዕ ዝነበረ መራሒ “ናይብ” ዝብል ሽመት ለበሰ። ኣብ ዝሰዓበ እዋናት መዝነት ፓሻ ምስ ኣብቀዐ፡ ዋላ’ውን ንምስሉይነት ዓመታዊ-ግብሪ ን “ቱርኪ-ኦቶማን” እናኸፈለ ከም ወካሊኡ ኮይኑ እንተቐረበ፡ ብሓቁስ ናይብ እዩ ጎይታ ናይቲ ደሴት ዝነበረ። እቶም ካብ መጀመርያ፡ ንሓለዋ ናይቲ ደሴት ተባሂሎም ብቱርኪ ተላኢኾም ኣብኡ ዓሪዶም ዝነበሩ ክፍለ-ሰራዊት ( መብዛሕትኦም ተወላዶ ኣልባንያ)፡ ኣብኡ ተሪፎም፡ ብቱርኪ እዮም ደሞዝ ዝኽፈሉ ነይሮም። ኣብቲ ዓዲ ምስ ዝነበራ ኣንስቲ ተዋሲቦም ድማ፡ እተወልዱ ደቆም ንዝነበረ ስራሕ ኣቦታቶም ወሪሶም ንሶም’ውን ብቱርኪ እዮም ዝኽፈሉ ነይሮም። ኣብ ዝሓጸረ እዋን ግን እዚ ሚሊሻ’ዚ እተሓናፈጸ ኣካል ኮይኑ፡ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ባጽዕ ተዛመደ። ከምዚ’ሉ እውን ብዘይካ ብናይብ ብካልእ-ስልጣን ምቕያድ ሓንገደ።
ናይብ ብሓደ ወገን እቶም ተሓባበርቱ ዝነበሩ ቱርኪ ካብቲ ዓሪዶምሉ ዝነበሩ ሃገር-ዓረብ፡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት የዝልቑ ምንባሮም ተገንዚቡ/ በቲ ሓደ ድማ፡ ሓይሊ ናይቶም ጸላእቱን-ቀረባ ጎረቤትን ዝኾነ ሓበሻ ኣስተውዒሉ፡ ጥቕሙ በዞም ዳሕረዎት ከም ዝማላእ ኣይዘንግዖን። ምእንቲ’ዚ ድማ፡ እቲ ብበሪ ወደብ-ባጽዕ ብመልክዕ ቀረጽ ዝርከብ እቶት፡ ንፍርቂ ምስ ንጉስ ዓድ-ሓበሻ ክማቐሉ’ሞ፡ እዚ’ውን ብግደኡ ንናይብ ሰላም ከውሕስ ዝብል ስምምዕ ተገብረ።
ኣብ ባጽዕ፡ ዝስተ ማይ ፈጺሙ ኣይርከብን። ስንቂ እዉን ካብ ከበሳታት ኢትዮጵያ እዩ ዝኣቱ። “ሕርጊጉ” እዉን ብወገኑ፡ ዝስተ ማይ ድኣ ኣይስኣን እምበር፡ ስንቂ ንዝምልከት፡ ከምኡ እዩ ናብራኡ። እቲ ከቢቡዎ ዝርከብ ሰፊሕ ጎልጎል፡ “ምድረ-በዳ ሰምሃር” እዩ ዝበሃል። ፍርያት’ውን ኣይበቑሎን። ብዘይካ’ቶም ካብ ወርሒ ሕዳር ክሳብ ሚያዝያ ጥሪተ-ከብቲ እናጓሰዩ ዝመጽእዎ ጦርዓ-ዓሳውርታ-ሳሆ- ዶባ ዝበሃሉ እተፈላለዩ ኣሳገምቲ ቀቢላታት፡ ሰብ ኣይነብሮን እዩ። እተጠቕሱ ቀቢላታት፡ ብእዋን ኽራማት-ከበሳ ንናይ ሰምሃር- ጎላጉል ለቒቖም፡ ንበረኽቲ እዮም ዝወጹ። ከምዚ’ሎም እዉን ካብ መሬት-ናይብ ስለ ዝርሕቁ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ዓድ-ሓበሻን/ ባሕረ ነጋስን/ ኣመሓዳሪ ትግራይን/ ይ ኣትዉ ብምንባሮም፡ መራሕቲ ናይዞም ዝተጠቕሱ ዞባታት፡ ኣንጻር ናይብ ሰራዊት ከየኽተቱ በዞም ኣሳገምቲ ቀቢላታት ተጠቒሞም ብቐሊሉ ነቲ ንባጽዕ- ሕርጊጎ- ዝ ኣቱ ስንቂ ኣቢሎም ን ናይባት ክቆጻጸሩ ይኽእሉ ነበሩ። ዓድ-ሓበሻ ነዚ ኣገባብ ቁጠባዊ ማሕነቕቲ ብዙሕ ግዜ እዩ ተጠቒሙሉ። ከም ኣብነት ሃጸይ-እያሱ 1ይ፡ ሓደ ካብ ወኪላተይ ኣሲርካ ብማለት ን “ናይብ ሙሳ” በዚ ኣገባብ እዩ ቀጺዕዎ።
ናይብ፡ በቲ ምስ ሓበሻ ዝመስረቶ ዝምድና ተኣማሚኑን- ምዝላቕ ቱርኪ ካብ ሃገር-ዓረብ ተገንዚቡን፡ ካብቲ ብመሰረት “ትእዛዝ ፖርታ” ንናይ “ጅዳ-ፓሻ” ክኸፍሎ ዝጸንሐ ግብሪ፡ በብቕሩብ ምግልጋል ፈተነ። ቱርኪ እዮም’ውን ንጅዳ ከም ወካሊኦም መሪጾም ዝነበሩ። ከም ሳዕቤን ናይቲ ሳዕቤናት ድማ፡ ናይብ፡ ነቲ ስልጣን ንማለቱ ተቐቢሉ ከብቅዕ፡ ኣብ ክንድ’ቲ ልሙድ ዝጸንሐ ግብሪ፡ ዘይጠቅም ህያባት ኣብ ምል ኣኽ ተወሰነ። ማዕረ’ዚ ድማ ቀጺሉ፡ ነቲ ኣብ ዓድ ሓበሻ ዝኣተወ ሕፍንሽፍሽ-ድኻማትን መዝሚዙ ንንጉስ ክኸፍሎ እተማባጽዐ ማዕረ-ምቅሊት ቀረጻዊ እትዋት ወደብ ባጽዕ እዉን ነጸጎ. . . . .።”
ከምዚ’ሉ ዝጸሓፈ “ጀይምስ-ብሩስ” ብ 1768 ዓም ንዓድ-ሓበሻ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋናት፡ እቲ ሚካኤል-ስሑል ከም ዓቢ ተዋሳኣይ ኮይኑ ዝመርሖ ዘመነ ዓበይቲ ምግምጣላት፡ ድሮ ተፈጺሙ እዩ ዝነበረ።
ሚካኤል ስሑል ነቲ ኣብ ንግስነት-ኢትዮጵያ ገባርን ሓዳግን ንምዃን ዝወሰዶ ተበግሶ ኣብ መፈጸምታ ከብጽሕ፡ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሰራዊቱ ብምሉኡ እዩ ኣግዒዝዎ ዝነበረ። ብዘይካ’ዚ እዉን፡ እቲ ብድሕር ቅትለት ሃጸይ- ዮኣስ ራእሲ ሚካኤል ኣብ ዝፋን ንግስነት ዝሰቐሎ ሃጸይ ዮሃንስ፡ ዕድመኡ ልዕሊ 70 ዓመት ብምንባሩ፡ ህይወት ናይቲ ንግስነት ንገዛእ ርእሱ ዝኣክል ውሕስነት ኣይነበሮን። እቲ ራእሲ- ቢተወድድ እተባህለ ሚካኤል-ስሑል እውን ንባዕሉ ናብ 80 ገጹ ይገማገም ብምንባሩ፡ ብእግሩ’ኳ ደው-ምባል ጽጉም እዩ ዝነበረ። ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ናይብ ግን፡ ይሓድ ይብዛሕ 48 ኮይኑ ዕድሚኡ፡ ዓድ-ሓበሻ ዝነበሮ ድኻማት ተረዲኡ፡ ነቲ ኣብ ከበሳታት-ምስፍሕፋሕ ዝነበሮ መደባት፡ ኣብ ግብሪ ንምትርጓሙ ተበገሰ። ሚካኤል-ስሑል ግን ልኡኽ ልኢኹ፡ ናይብ ካብ ዝነበሮ ሕልምታት ክዕገስ፡ ምስ ዘይከውን ድማ ንሕርጊጎ ኮነ ባጽዕ ወሪሩ፡ ልክዕ ከም ሰምሃር ሰብ ከም ዘይነብረለን ገቢሩ ከጽነተን ምዃኑ ኣጠንቀቖ።
ከምዚ ዝበለ ፈኸራ፡ ነቶም ብዘመኑ ሚካኤል-ስሑል ዝበሎ ቃል፡ ኣብ ግብሪ ከም ዘውዕሎ ኣስተውዒሎም ንዝጸንሑ ወጻእተኛታት-ነጋዶ ኣሰናቢዱ፡ ገሊኦም ንዓድ-ዓረብ/ ገሊኦም ድማ ንድባርዋ ከም ዘምልጡ’ኳ እንተገበረ፡ እቲ ናይብ፡ ኣይኮነንዶ ፈሪሑ ገንዘብ ክልእኽሲ፡ ነታ ኣንጻር ሚካኤል- ስሑል እተላዕለት “ከተማ ድግሳ” ምርዳእ ደኣ ቀጸለ።
ብዛዕባ ከተማ-ድግሳ እዉን፡ ሓደ-ገጽ ካብቲ “ብሩስ” ዝደረሶ ጽሑፍ ምጥቃስ፡ ትምህርቲ ዝርከቦ እዩ። “ብሩስ” ከም ዝብሎ፦
“ . . . . . ብ “እምባ- ተረንታ” ኣቢልካ ንዓድ-ሓበሻ ኣብ እትኣትወሉ፡ ሓላይ እታ ቀዳመይቲ ቁሸት ክትከውን እንከላ፡ ድግሳ እታ ቀዳመይቲ ከተማ እያ። ድግሳን እቲ ስፍሓታን/ብዙሓት ቁሸታት ዘጠቓልል ወረዳኡን፡ ን”ባሕረ-ነጋሲ” እዩ ዝምእዘዝን፡ ሓደ ካብቲ ዝሓየለ ዕርድታቱን ዝነበረ። ኣብ ዝሰዓበ እዋናት ግን ባሕረ-ነጋሲ፡ ኣብቲ ቱርኪ ዘካየድዎም ኩናት ኮነ/ ኣብቲ ብምትእትታው ፖርቱጋል ዝሰዓበ ናይ ሓድ-ሕድ ውግኣትን ፡ ኣንጻር ጎይታኡ (ኣንባቢ ክግንዘቦ ከም ዝኽእል፡ ኣብዚ ነጥቢ’ዚ “ብሩስ” ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከገልግል ዝጸንሐ ፍሉይ ፖለቲካዊ-ቅዋማት ኮነ/ ነቲ ንጉስ፡ ጎይታ ምዃንስ ይትረፍ፡ ምስ ህዝብታት መረብ/ ምላሽ ዝጸንሖ ናይ ምስሕሓብ ጠንቅታት፡ ዝዘንግዖ ይመስል። ) ስለ እተሰለፈን፡ ቱርኪ እዉን ብወገኖም ምስ’ዚ ወኪል’ዚ (ባሕረ’ጋሲ) ተሰማሚዖም ነቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝነበረ ወደባት ምስ ወረሩን፡ ንግስነት ዓድ-ሓበሻ ነቲ ብኣማሓዳሪ ትግራይ ክፍጸም ዝጸንሐ ወራራት ሸለል ኢሉ ክርእዮ ጀመረ’ሞ፡ እዚ ድማ (ኣማሓዳሪ ትግራይ) ነቲ ባሕረ-ነጋሲ ዝብል መዝነት በብቕሩብ ንባዕሉ ጠቕለሎ።
ድግሳ ብሓይሉ ተኣማሚኑ፡ ክሳብ ነጻነቱ ምእዋጅ በጽሐ። ብብዝሒ ድማ ብእስላም ስለእተሃዘበ፡ ብስቱር መንገዲ ብናይብ እዩ ዝድገፍ ነይሩ።
ኣብ ዝመነ ንግስነት ዳግማይ እያሱ፡ ሚካኤል-ስሑል ግዙፍ-ሰራዊት ኣኽቲቱ ንድግሳ ከበባ። ንዕቀት ብዝተሓወሶ መንገዲ ድማ፡ ሓደ ድንኪት ልኢኹ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓት ዝኣክል ግዜ እቲ ተቐማጣይ ህዝቢ ኢዱ ከስተልም ዝብል መጠንቀቕታኡ ኣፍለጠ። እቶም ተኸቢቦም ዝነበሩ ደቂ እቲ ዓዲ፡ ካብ ናይብ ረዳት ክመጾም ብዝብል ተስፋ ተተባቢዖም፡ ንሚካኢል-ስሑል ካብ መጠን ንላዕሊ ብዘቖጠዐ ኣገባብ፡ ንወዮ ተካል ድንኪት ገሪፎም፡ ብውርደት ናብ ጎይታኡ መለስዎ።
ሚካኤል፡ ነዚ ብድሆ’ዚ ዝነዓቐ ክመስል ካልእ መጠንቀቕታ ከይለኣኸ ነቲ እታ ከተማ ማይ እትሰንቀሉ ዒላታት፡ ብቐጻሊ-ሓያል ወተሃደራዊ ቁጽጽር ገበረሉ። እቶም ደቂ ዓዲ ካብዚ ንምልቓቕ፡ እተፈላለየ ፈተነታት ገበሩ (ንኣብነት ካብቲ ከተማ ድግሳ ዝርከበሉ በረኽቲ፡ ገዘፍቲ ደናጉላ ንቁልቁል ምንክርራው ወዘተ ) እዚ ግን፡ ነቶም ኣጽኒዖም ከቢቦም ዝነበሩ ሰራዊት ምንም ጉድኣት ኣየኸተለን።
ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ናይቲ ከበባ፡ እቲ ህዝቢ ብዝገበሮ ፈተነ፡ ሓደ በርሚል ማይ ክሰንቕ ከኣለ። ጽምኦም ዘርወዩ ግን ውሑዳት እዮም ዝነበሩ። ስዒቡ ከኣ ጽምኢ ምስ ኣጥቅዐ፡ ናብቲ ዒላታት ገጽካ ተጓየ ኮነ’ሞ ብዙሓት ደቂ ዓዲ ኣብቲ ዒላታት ዝርከበሉ ከባቢ ተቐትሉ። ዝተረፉ ድማ ናብቲ ከተማ ገጾም ተደፍኡ። ብድሕሪ’ዚ እቲ ህዝቢ ኣላሽ ኢሉ ክምልሽ ምስ ወሰነ፡ ሚካኤል ስሑል ኣይኣክልን ንማለት ንናይብ ይጽበ ምንባሩ ኣፍለጦም።
ጽምኢ ማይ ኣስታት 700 ዝኾኑ ሰባት ብዝቐተለ፡ እቲ ዓዲ ንሓድሕዱ ተናወጸ እሞ፡ መንቀሊ ናይቲ ጠንቂ ተባሂሎም፡ 12 ሰባት ኣለዉ ካብ ዝበሃሉ ሹማምንቲ በቲ ዓዲ ተኸሲሶም ኣብ ቅድሚ ሚካኤል ስሑል ቀረቡ። ብዝተረከቦም ድማ ኣብ ጥቓ’ቲ ዒላታት ኣሕነቖም።
ከምዚ’ላ እተጠቕዐት ከተማ ድግሳ ብምልእታ ምስ ተመለኸት ድማ፡ እቶም ጽም ኢ ማይ ዘይቀተሎ ደቂ ዓዲ፡ ብሰይፊ ሰራዊት ሚኪኤል ስሑል ሓለፉ። ብድሕሪ’ዚ እታ ከተማ ንናይብ ኣወፈየሉ።”
ድግሳ ጥራሕ ግን ኣይኮነን ኣወፊዩሉ ዝለቐቐ። ምኽንያቱ ብሩስ ኣስዒቡ ከም ዝገልጾ
“ ሚካኤል-ስሑል ኣማሓዳሪ ትግራይ (ትግረ-መኮንን ወይ ናይ ትግራይ ኣኽባረ ሕጊ፡ ወግዓዊ ሽመት መራሒ ትግራይ እዩ።) ካብ ዝነበረ ጥንታዊ-ግዝኣት ባሕረ-ነጋሲ፡ እቲ ደስ ዝበሎ ዋንነት እዉን ዘሪፉ ብምጽናሑ፡ ሓደ-ክፋል ናይቲ ንሱ ከማሓድሮ ዝጸንሐ ንኡስ ከባቢ ሸይጡ፡ እቲ ዝተረፈ ክፋል ንናይብ ብመልክዕ ክራይ ኣረኪቡ፡ ካብ ንካልኦት ዕድል ምኽፋት፡ ዝያዳ እቶት ዘውሕሰሉ መንገዲ እዉን ኣረጋጊጹ እዩ ወጺኡ።
ቅብኣ ከተማ ድግሳ 1805 (source google image)
እቲ ብሓይሊ-ባሕሪ ቱርኪ ንናይብ ክወሃቦ ዝጸንሐ ሓገዛት ብዘቋረጸ፡ ትግራይ ካብ ሓደጋ-ወራር ናይቶም ንሰሊም-ሱለይማን ዝወረሱ ቱርካውያን ዓረፈ። ከምዚ ኢሉ ድማ ሚካኤል ስሑል ጎይታ ናይቶም ብባጽዕ ክመሓደሩ ዝጸንሑ ዓድታት ኮይኑ ናይ ስልጣን ውክልንኡ ንባሕረ-ነጋሲ ኣረከቦ።
እዚ ናይ ገማግም ቦታ ተቛውሞ ኣብ ዘልዓለሉ ድማ፡ እቲ ስንቂ እናጨወኻ ምምርካኹ ዝብል ሜላ፡ ኣብ ልዕሊ ከተማ ባጽዕን/ ምምሕዳሩን/ ከም ኡይሉ ቀጸለ።”
ካብዚ ብሓቁስ ድንጉር-ምዕሩይን ስርዓት ዘይሓዘ ጽሑፋት “ብሩስ” ነጺሩ ከምዝርዳእ፡ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት-ከበሳ ብዝጸንሐ ዘይምስናይ ተጠቒሙ’ዩ ናይብ፡ ስልጣኑ ከበግስን-ከደልድልን ኪኢሉ። ካብዚ ጽሑፍ’ዚ ግና ብተዘዋዋሪ፡ ምምሕዳር ባሕረ ነጋሲ ይስሓቕ እዉን ከመይ ከም ዝነበረ ምርዳእ ይከኣል።
ኣብ ካልእ ክፍሊ ናይዚ ጽሑፍዚ ከም እተመልከትናዮ፡ ባሕረ ነጋሲ ይስሓቕ ናይቶም ካብ “ጎኣ” ዝመጽእ ሓገዝ ከወፍይሉ እተመባጽዑ ናይ ፖርቱጋል ምስዮናውያን ተኸላኻሊ ብምዃን ኣንጻር ሃጸይ ኣዳም ስገድ (1559-1563) ተሰሊፉ ምንባሩ ተጠቒሱ ነይሩ።
ናይ ፖርቱጋል ምስዮናውያን፡ ብክኔው-መረብ ምላሽ ዝጽል ኡ’ኳ እንተነበሩ፡ ብነጀውስ ተቐባልነት ጸኒሑዎም እዩ። ናይ ሃይማኖት ጉዳይ ብምዃኑ ግን ካብ ዝነበሩ ተጻረርቲ-ወገናት መኖም’ዩ በዓል ሓቂ ምውሳን፡ ነዚ ጽሑፍ’ዚ ኣይምልከትን። ብርግጽ ክግመት ከም ዝከኣል ግና፡ እቲ ናይ “ጎኣ” ሓገዛት ተላኢኹ እንተዝኸውን፡ ዕድመ ግዝኣት ቱርኪ ኣብ ኣብ ገምገም ባሕሪ፡ ብኣጋ ምተኾልፈ’ሞ በዚ ኣቢሉ’ውን እቲ ስዒቡ ዝመጸ ስልጣን-ናይብ ኣይምተጋህደን። ስለዚ እውን ምድረ-ባሕሪ ብዘይካ’ቲ ኣብ ሃይማኖት ክርስትና እተነድቀ ሓድነቱ፡ ፖለቲካዊ ሓድነቱ’ውን ዓቂቡ፡ ወደብ ባጽዕ ኣብ ምምሕዳር ምዕቡል-ክርስትያናዊ ሓይሊ ምጸንሐ’ሞ ዓድ-ሓበሻ ድማ ከም ሳዕቤን፡ ካብቲ ንኣርባዕተ ክፍለ ዘመናት ዝኣክል ካብ ምዕቡል ስልጣነ- ባህልን ሃገራት ኤውሮጳ ከይተነጸለ፡ ምስኦም ዝነበሮ ዝምድና መማዕበለ።
ስለዚ እዩ እምበኣርከስ ባሕር-ነጋሲ ይሳሓቕ እቲ ናይ ጎኣ ሓገዛት ብዝበኾሮ፡ ነቲ “በለው” ምስ ቱርኪ ሓቢሮም ኣብ ሓደጋ ኣብጺሑዎም ዝነበሩ ፖለቲካዊ-ሓድነት ምድረ-ባሕሪ ንምዕቃብ፡ ብቀጥታ ባዕሉ ምስ ቱርኪ ምስምማዕ መሪጹ።
ቱርኪ ነቲ ብክኔው-መረብ ኣትዩ ብትዕቢትን-ስሰዐን ደፋእ እናበለ ንስልጣን ባሕረ-ነገስታት ዘዳኸመ ጉዳያት ተመልኪቶም እዮም ን”በለው” ግዝኣት ገማግም ባሕርን/ ባጽዕ ምስ ኩሉ’ቲ ካብ ባሕሪ ዝርከብ እቶትን/ ምምሕልላፍ መሪጾም። ኣብ ክንድ’ዚ ግን፡ ምስ ጎይታ ናይቲ ካብ ውሽጢ-ሃገር ዝለኣኽ ሃለኽቲ-ነገር ዝኾነ ባሕረ’ጋሲ ምስምማዕ እዩ ንቱርኪ ዝያዳ ውሕስነት ከረጋግጸሎም ዝምኸኣለ። ምኽንያቱ ድማ፡ ባጽዕ ሽዑ ይኹን-ሎሚ፡ ብዘይካ’ቲ ሃለኽቲ ነገራት ድራር-ዕለቱ ክኸትት ስለ ዘይበቅዕ።
ብዝኾነ፡ ነጻነት-ሓድነትን “ምድረ-ባሕሪ” እተኾልፈስ፡ “መስፍናዊ-ግዝኣት ናይብ” ምስ ቆመ እዩ።
እቲ ዞባ ኣብ ክልተ ወገናት ተኸፊሉ፡ ገምገም-ባሕሪ ኣብ ምስልምና ዝኣመነ ኮይኑ ብቱርኪ ጎይታ ሃገረ-ዓረብ ዝድግፍ ናይብ ክመሓደር እንከሎ/ እቲ ከበሳታት፡ ኣብ ትሕቲ’ቶም ኣብ ክርስትና ዝኣምኑ፡ ኣጸያፊ እውን እንተኾኖም ሓድ-ሓደ እዋናት ሓገዛት ናይቶም ተመሳሳሊ ሃይማኖት ዝነበሮም ህዝብታት “ክኔው-መረብ” ክሓቱ እተገደዱ “መሳፍንቲ ሓማሴን” እዩ ተሪፉ።
እዚ ክልተ ወገናት፡ በቲ ድሮ እተጠቕሰ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ምትእስሳር፡ ሓደ ብዘይካ’ቲ ሓደ ክናበሩ ኣይክእሉን። ስለ ዝኾነ ድማ፡ እዞም ክልተ መሳፍንቲ ሓድ-ሓደ እዋናት ን“መን-ይዕብልል” ክቃለሱ፡ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ቅዉም/ ጭቡጥን ትሕዝቶ ዘይብሉ ውዕላት ይፍጸሙ ነበሩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ብሓደ ወገን ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዓድ-ሓበሻ ዝሰፈነ ፋሉልነት፡ ስልጣን መሳፍንቲ ሓማሴን ስለ ዝላሕለሐን/ በቲ ሓደ ድማ፡ ዋላ’ውን ግዳማዊ መልክዕ ደኣ ይሓዝ’ምበር ቱርኪ ኣብ ባጽዕን-ገማግም ባሕሪ ብዝነበሮ ል ኡላውነት ዘኸትሎ ዝነበረ ናይ ዘይምርግጋእ ኩነታት እዩ ዝነበረ።
ኣብ መላእ’ቲ ናይ ሎሚ ኤርትራ ዝበሃል ዞባ ሰፊኑ ዝርከብ ፋሉልነትን/ ናይ ሓድ-ሕድ ምጥርጣርን/ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኩነታት እዩ መበገሲኡ። ካብዚ ድማ፡ ዝዓበየ ረብሓ ዝረኸበ ወገን፡ እቲ ናይ “ናይባት” እዩ። ምኽንያቱ ካብዚ ዘይተረጋግ አ-ሰላምን/ ኣብ መንጎ ኣባላት እንዳ መኳንንቲ-ሓማሴን እተፈጥረ ውሽጣዊ ምትህልላኽን-ምስሕሓብን፡ እቶም ናይባት እዮም ግብራውያን ጎይቶት ዞባ ገምገም-ባሕሪ ኮይኖም ተረኺቦም። እዚ ዕድል’ዚ እተኾልፎም ብ 1866 ዓም ቱርኪ ኣብ ባጽዕ ዝነበሮ ስዉር-መሰል ን ግብጺ ምስ ኣረከቦ፡ እዚ’ውን ኣብ ፍጹም-ዋንነት ለዊጡ፡ ሰራዊቱን-መኮንናቱን ብዘንበረሉ እዩ።
2 Comments
Hi Zaratbebat and readers.
Is there anyway I can get the book ”መረብ ምላሽ” online or by mail? If so, please contact me at brukabi7@gmail.com
where can I get the book