ፊደላት ትግርኛ ብላቲን ክቕየሩ . . . . . .
እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል ተሞልሶ (ኖርወይ)
ኣብ ዓለም ናብ ሸውዓተ ሽሕ ዝጽግዑ ቋንቋታት ክህልዉ ከለዉ ካብዚኣቶም ሰላሳ ዝጽግዑ ጥራይ ናይ ገዛእ ርእሶም ፊደላት ይውንኑ። ቋንቋ ትግርኛ፡ ፊደላት ግእዝ ዝጥቀም ሴማዊ ቋንቋ ኮይኑ ብሓደ ቃል ምሉእ ሓሳባት ከቕውም ዝኽእል ምዕቡል ቋንቋ እዩ። ናብ ቋንቋ ግእዝ ምስ እንምለስ፡ ፊደላት ግእዝ ኣብ መበል 6ይን 7ይን ክፍለ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ከም ዝተቐልቀለ ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ይሕብሩ። ፊደላት ግእዝ ክድመጽን ክጽሓፍን ዝጀመረ ግን ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ነይሩ። እዚ ኸኣ ምስ ምትእትታው እምነት ክርስትና ዝተፈላለያ ኣድባራትን ቤተክርስትያናትን ብራናታት ክጽሕፋ ምስ ጀመራ ዝያዳ ከስፋሕፍሕን ተፈላጥነት ክረክብን ከም ዝኸኣለ ይፍለጥ። ኣብ 4ይ ክፍለ ዝመን ዝነበረ ንጉስ ኤዛና ናይ ኣኽሱም ኣብ ምዕባለ ግእዝ ልዑል ተራ ከም ዝነበሮ እቲ ጽሑፍ ይሕብር። ናይዚ ኣሰር ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ጥንታዊ በዓትታትን ዝተወቕረ ጽሑፋትን ክርከብ ይከኣል። ቀንዲ ተጠቀምቲ ፊደላት ግእዝ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቋንቋታት ኣምሓርኛን ትግርኛን፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ትግርኛን ትግረን እዮም። ቋንቋታት ኦሮሞን ቢለንን ፊደላት ግእዝ ይጥቀሙ’ኳ እንተ ነበሩ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ፊደላት ላቲን ይጥቀሙ ከም ዘለዉ ይፍለጥ። ኵሉ ናይ እምነት መጽሓፍቶም ግን ብፊደላት ግእዝ ከም ዝኾነ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።
ኢጣልያውያን ገዛእቲ ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተዉ ሓደ ካብ ዝተኣታተዉዎ ሓድሽ ነገር ቤትማሕተም ነይሩ። ስለዝኾነ፡ እቲ ብኢድ ዝጸሓፍ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ጥራይ ዘይኮነ ዝተፈላለየ ዓለማዊ ጽሑፋት’ውን ክሕተም ስለ ዝጀመረ ቋንቋ ትግርኛ መሰረታዊ ምዕባለ ከርኢ ክኢሉ። ኣብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ ትግርኛ ኣብ ጋዜጣታትን መጽሔታትን ክሰፍር ጀሚሩ ጥራይ ዘይኮነ ከም ዓይነት ትምህርቲ’ውን ብስሩዕ ክወሃብ ጀሚሩ። ምስ ምቕልቃል ፈደረሽን ብርክት ዝበሉ ልብወለዳዊ መጻሕፍቲ ብቋንቋ ትግርኛ ክሕተሙ ስለ ዝጀመሩ ቋንቋ ትግርኛ እምብዛ ክዕምብብ ጀሚሩ። ኣብ 1962 ኤርትራ ብኢትዮጵያ ምስ ተጐብጠት ግን ቋንቋ ትግርኛ ከም ቅጽበት ክለምስ ተራእዩ። ስርዓት ሃይለስላሴ፡ ቋንቋ ናይ ሓደ ህዝቢ ቀንዲ መለለዪ ጥራይ ዘይኮነ ናይ መንነቱ መግለጺ ምዃኑ ኣዕርዩ ዝፈልጥ ስርዓት ስለ ዝነበረ፡ ኵሉ መጻሕፍቲ ትግርኛን ዓረብኛን ከም ዝቃጸል ኣብ ርእሲ ምግባር ነቲ ብትግርኛን ብዓረብኛን ዝነበረ ስርዓተ ትምህርቲ ድማ ብኣምሓርኛ ከም ዝቕየር ገይሩዎ። ከምዚ ሎሚ መጽሓፍ ኣርባዓን ኣርባዕተን ክንመሃር ጸኒሕና ድማ ንጽባሒቱ ለማ በገበያ ክንመሃር ተገዲድና። እቲ ዘገርም፡ እቶም መምህራን ንባዕላቶም ነቲ ቋንቋ ዘይፈልጡዎ ምንባሮም ዓቢ ጸገም ነይሩ። ዓሰርተ ዓመት ድሕሪ ጐበጣ ኤርትራ መላእ ተመሃራይ ኤርትራ ብግቡእ ኣምሓርኛ ክዛረብን ክሰምዕን ጀሚሩ። ኣብ ድሮ ናጽነት ከኣ ኣብ መባእታ ዘሎ ተመሃራይ ኤርትራ ትግርኛ ጽቡቕ ገይሩ ክጽሕፍን ከንብብን ዘይክእል ኮይኑ። ትግርኛ ምዝራብ ንባዕሉ’ውን ጸያፍን ምስ ኣምሓርኛ ዝተደባለቐን ኮይኑ። ኣብ ትሕቲ ደርግ እቲ ኵነታት ከምዚ ከሎ፡ ኣብ ሜዳ ቋንቋ ትግርኛ ሳላ ጻዕሪ ውሑዳት ሰባት ቋንቋ ትግርኛ እናማዕበለ ይኸይድ ነይሩ። ብርክት ዝበሉ ናይ ፖለቲካ መጻሕፍቲ ተጻሒፎምን ተተርጕሞምን፡ ዝተፈላለዩ መጽሔታት ድማ ይሕተሙ ነይሮም። ድሒሩ’ውን ልብወለዳት ከይተረፉ ክጸሓፉ ጀሚሮም።
ኣብ መፋርቕ 1984 ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር፡ ናይ ኮምፒዩተር ክኢላ ኣቶ የማነ ርእሶም ናይ ፊደላት ትግርኛ ሶፍትዌር ብምፍጣር ንትግርኛ ኣብ ኮምፒዩተር ከም ዝጸሓፍ ገይሩዎ። እዚ ንቋንቋ ትግርኛ ዓቢ ዝላ ከም ዝነበረ ዝከሓድ ኣይኮነን። ምዕባለ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከሎ ግን ዘራጊት ማይ ዘላተን ኣሓስ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ ከም ዝብሃል ተጻባኢ ረኺቡ። እቲ ከም ህዝቢ ዘሕብነናን ኣድናቖት ወጻእተኛታት ዝሰሓበን ፊደላት ትግርኛ፡ እሞ ኸኣ ማዕረ ኣብ ኮምፒዩተር ክጸሓፍ ዝኸኣለ ቋንቋ በቲ ብዘይካ ስልጣኑ ካልእ ጽቡቕ ናይ ኤርትራ ዘየገድሶ ውልቀመላኺ ሓንሳብን ንመወዳእታን ክጸንት ውዲት ተፋሒሱዎ። ብዙሓት ከም ንረዳድኣሉ፡ ኢሰያስ ስልጣኑ ወይ ዕብየቱ’ምበር ሃገራዊ ቋንቋን ባህልን፡ ያታን ልምድን ሃገር ኣይንታዩን’ዩ። ስለዝኾነ፡ ንነፍሱ ምስ በዓል ስታሊን፡ ማኦን ካስትሮን ክሰርዓ ስለ ዝደሊ ከምዚ ገይሩ፡ ከምዚ ፈጢሩ ንኽብሃል ጥራይ ኣብ 1986 ሓደ እከይ ፕሮጀክት ምሂዙ። ምስ ሓደ ስሙ ዝረሳዕኩዎ ኣብ ቤትትምህርቲ ሰውራ ዝነበረ ናይ ቋንቋ ክኢላ ቋንቋታት ኤርትራ ኣብ ክንዲ ብናይ ግእዝ ፊደላት ብላቲን ዝጸሓፈሉ ኣገባብ ክፈጥር ከም ፕሮጀክት ኣሰኪሙዎ። እቲ ምሁር ነዚ ፕሮጀክት’ዚ ጀሚሩዎ ከብቅዕ ግን ኣብ መንጎ ብሕማም ይኹን ብሓደጋ ተሰዊኡ። ስለዚ፡ እቲ ናይ ኢሰያስ እከይ ፕሮጀክት ንግዜኡ በርዒኑ ተሪፉ። ሽዑ፡ እቲ ፕሮጀክት ብወግዒ’ኳ እንተ ዘይተገልጸ ብዙሓት ካድረታት ህግሓኤ ግን ብዛዕባኡ ይፈልጡን የዕልሉን ነይሮም። ብወገነይ ከም ሰበይ ምስ ፈሸለ ሰሚዐ።
ኢሰያስ ደቀሰ ማለት ግን ዘበት’ዩ። ድሕሪ ረፈረንደም ኣብ 94-95 ገጹ፡ ንሚኒስተር ትምህርቲ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ መምህራን ቋንቋ ንዝነበሩ ሴሚናር ከካይደሎም ብምእዛዝ ቋንቋታት ኤርትራ ከም ቋንቋ ኩናማ ብላቲን ዝጸሓፉሉ መንገዲ ክፍጠር ስለ ዝተደልየ ነቲ ፕሮጀክት ዕዉት ኣብ ምግባር ሓደ ሓይሊ ዕማም ከውጽኡን ነቲ ጕዳይ ብዕቱብ ክሰርሑሉን ሓቲቱዎም። እቶም ናይ ቋንቋ መምህራን መልእኽቱ ብግቡእ ክርድኦም ኣይከኣለን። ፊደላት ትግርኛ ብላቲን ክቕየሩ ከም ዝተደልየ ምስ ፈለጡ ግን ብርቱዕ ተቓውሞ ኣስምዑ። “ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪቃን ጥራይ’የን ብናይ ገዛእ ርእሶም ፊደላት ዝጥቀሙ ህዝብታት ዝለዉወን። እዚ ድማ ሓደ ዓቢ ባህላዊ ምዕባለ ናይቲ ሕብረተሰባት ስለ ዝኾነ ክዕቀብን ብሓበን ዝጥመትን ጓዳይ’ዩ። ኤውሮጳውያን ከይተረፈ ነዚ ብልጫ’ዚ ደጋጊሞም’ዮም ዝገልጹዎ። ሕጂ እንታይ ስለ ዘጋጠመ ወይ እንታይ ንምርካብ’ዩ ፊደላት ትግርኛ ተጓሒፎም ብናይ እንዳማትና ፊደላት ክንጥቀም ዝድለ ዘሎ? ናይ ገዛእ ርእስና ፊደላት ከለናኸ ካልእ ፊደላት ሃሰስ ኣብ ምባል ግዜናን ገንዘብናን ክነባኽን ቅኑዕ ድዩ? ልዕሊ ኵሉ ነቲ ፕሮጀክት ተኣፋፊ ዝገብሮ ግን እዚ ዅሉ ታሪኻዊ ጽሑፋት ሃገርናን ሕብረተሰብናን ተጓሒፉ ክተርፍ፡ ወይ ድማ ከም ብሓድሽ በቲ ዝብሃል ዘሎ ፊደላት ክጸሓፍ ይድለ ኣሎ ማለት’ዩ። ስለዚ፡ ብወገንና ነዚ ፕሮጀክት’ዚ ኣይንሳተፎን ጥራይ ዘይኮነ ኣበርቲዕና’ውን ክንቃወሞ ኢና፡” ዝብል ናይ ሓባር መልሲ ሂቦም። ነዚ ጽሑፍ’ዚ፡ እቶም ኣብቲ ሴሚናር ዝነበሩ ከም በዓል ዶክተር ግርማይ ነጋሽ ዝኣመሰሉ መምህራን ዩኒቨርሲቲ ዝያዳ ከህብትሙዎ ይኽእሉ እዮም።
ብዝኾነ፡ እቲ ተላኢኹ ዝመጽአ ሚኒስተር ዝዛረቦ ስለ ዝጠፍኦ መልሲ ክህብ ኣይከኣለን። ምልቝ ኢሉ ድማ ናብ ቦታኡ ክምለስ ተገዲዱ። ኢሰያስ ይኹን እቲ ሚኒስተር፡ ኤሪቲቪ ትኹን ድምጺ ሓፋሽ ወይ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ክሳዕ ሎሚ ብጭቝ ኢሎም ኣይፈልጡን። ስለዚ’ምበኣር ኣሕዋት፡ ኢሰያስ ማዕረ ክንደይ ንባህልናን ቋንቋናን ከጥፍእ ሓሊኑ ከም ዝነበረ ካብ ፈለጥና ንምዕቃብ ቋንቋናን ባህልናን ኣበርቲዕና ክንቃለስ ከም ዘለና ንእግረ መንገደይ ለበዋይ አቕርብ። ኢሰያስ እንተ ኣስተውዒልኩምሉ ኣብ ብዙሕነት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኣምን፡ ኩላቶም ብሄራትን ቋንቋታትን ከም ስኒ ኣድጊ ሓደ ዓይነት ኮይኖም ከም ሓደ ሰብ ክእዘዙዎ ጥራይ’ዩ ሕልሙ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ኣብ ግዜ ቃልሲ ብዛዕባ ትሽዓተ ብሄራት ዓንገረር ይብሃል ከም ዘይነበረ ድሕሪ ናጽነት ብሄራት ዘይኮኑ ቋንቋታትዮም ዘለዉ ክብሃል ዝጀመረ። ህዝቢ ኤርትራ ቋንቋኡን ባህሉን ብጻዕሩ እንተ ዘይዓቂቡ ካብ ኢሰያስ ይኹን እቲ ንሱ ዝመርሖ ጭፍራ ተጠሊሙ ጥራይ ዘይኮነ፡ ባህሉን መንነቱን ንኸጥፍኦ ይጽዕር ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ፈሊጥና፡ ንቋንቋና ብቅኑዕ ኣገባብ ብምጽሓፍን ብምዝራብን ብምንባብን ክነማዕብሎ ይግብኣና።