መቑለብያና ሓጊዙ
ዘምቢልና ቀጺጹ
‘ካብ በዓል ባኒ…
በዓል በለስ ይሕሸኒ. . . ’
ደርፊ ቆልዑ ናባና ኣሻርዩ
ከብድና ነሲዑ
ክረምቲ ኣሕሊፉ
ናይ ትምህርትና ኪኢሉ
ክንቅይር ክዳንና
ምስ እሾኽ ትላፊንና
ቅንይ ቓኒናዮ
እሾኻዊ ቃና
ዓርበ-ሮቡዕ
ተጣሕሚሹ
ሰኑየ-ሰሉስ ተሓሺሹ
ቀዳመ-ሰንበት
መዋዕሎና ኣብቲ ዓቐብ
ምስ መልኣኽቲ
ቢዘን ክንላዘብ
እሾኽ ሓድሕድ
ክንነቓቀስ
< እውይ ጻዕዳ በለስ>
ቀንጠባ ብድፍረት
ታህሰሰይ ቀሊዐ ኣርኣኽዎ
ናይ ሕዋኖታት ሕዋኖ
ዝኩኒ በለስ
ቀሪፍለይ ቀሪፈሉ
ኣኾሊስኒ ብመቅረፊኡ
ክንብገስ ካብቲ ሕሉም
ስሒብኒ መስለኒ
ድምጺ ጉጅምግም
ብሓሳብ ስዒበዮ
መምሕጽንትኦም !
መመጎትኦም !
ክውንነቶም!
ሓቕታቶም!
ልዕሊ ኩሉ
ጽሕፈታቶም ዓጢጡኒ
ዕጫታቶም ድማ
ኣጣምራ ሰራው
እቲ ሓደ ንስደት ዓዲ ኔሩ
እቲ ሓደ ንዓዲ ስደት ኣብልዩ
ነገረ “ ሓንቲ ዓለምን’
‘ድኳን ተበርህን’
ወዳኢተይኸ!
ምስ በለስይ ወዲቐ ኔረ!
ዘይሕሱብ ክሓስብ
ስርሐይ ረሲዐ
< በለስ ደለዋ በለስ. . . !
በለስ ደለዋ በለስ!!>
ሳባ ኪዳነ
ፍራንስ 31/ 05/ 2014