ንብዓታ ከይፍርሻሕ ብግዲ ጠርኒፋ
ልባ ከይትሰትኳ፣ ብኢዳ ደጊፋ
ቀው ኢላ ትጥምቶ ብፍቕርን ድንጋጸን
ውላዳ ተቐድም – ዝወለደት ማህጸን።
“ኣንታ ድራር ዓይነይ፣ ተንስእ’ባ ተመሳሕ!”
ከም ወትሩ፣ ነታ ዝጸሓፋ ግጥሚ ብኽብሪ ኣቐሚጡ
ካብ ዝወግሕ ፋልማዩ ኣፉ ከፊቱ
ሕራይ መጻኹ ይብላ…
ነታ ምስኣ እንከሎ ዝተፈልያ ወላዲቱ።
በብዝብህግዎ እናሓሰቡ
መኣዲ ቀሪቦም – ክምገቡ።
ንሱ፣
ነቲ ጉዕ በርበረ፣ ኣብቲ ዙርያ ሻሕ ዝበለ ሽሮ
እናነጻጸረ ምስ ምረት ኣብ ውሽጢ መንብሮ
ዝን ይብል ኣብ መንጎ መኣዲ
ኣብ ክንዲ ኩላሶ ሓሳባት የናዲ፤
ንሳ፣
ኢደሰብዶ ይኸውን ረኺቡለይ ዝወደይ
ማይጨሎት ተበልክዎስ ይኣቢ’ዶ ይኸደለይ…
ወይስ ጭንቂ’ለዎ ኣነ ዘይፈልጠሉ
ንበይኑ ዘብሎ ካብ ሰባት ገሊሉ
ትብል’ሞ…
ክነብዕ ትምነዮ ሕሉፍ ሓሊፋ
መታን ክትእብዶ የእትያ ኣብ ሑቕፋ።
ዓይኑ እናርኣየት፣
ኣንታ ዓይነዲኡ እንታይ’ዩ ዝንታኻ ሕጅስ ፈሪሐ
ዓይና እናረኣየ፣
ኣንቲ’ደ ዘይ ግጥሚ’የ ክጽሕፍ ጸኒሐ…
ኣንታ ወደይ ከምዚ እንተኾይኑ ዘይትገድፎ!
ወረ እንታይ እንታይ’ዩ እቲ እትጽሕፎ?
ንፈለማ እዋን ግጥሙ ከንብበላ
“ናብ ውሽጡ ጥሒሉ” ኢሉ ጀሚሩላ፦
“ናብ ውሽጢ ውሽጥኻ፣ በጃኻ ኣይትገምገም
ኣጋንንቲ’ለዎ ናብ ውሽጢ ዘስጥም”
ትብሎ ትንበር እምበር እታ የዋህ ኣዲኡ
ጥሒስዋ ከይዱ፣ ክፍትን ዕጫኡ።
እቲ ዘዳፈሮ ከምኡ ካልእ ወዲ
ገምገመ ገምገም ብጨብረቕ ሓንቢሱ
ናብቲ ደረት ከውሒ ሻቡ ተመሊሱ፣
“ኣብ ምምላስ ከይትደክም፣ በል ኣይተርሕቕ
ከቢድዩ ‘ዚ ቀላይ፣ ኣጓብዝ ዘጥልቕ…”
ምኽሪ ዓርኪ’ዩ ነይሩ።
ወዲ ውሽጢ ባሕሪ፣ ኣምሪሑ ናብቲ ማይ
ዕምቆቱ ዘይብጻሕ፣ ናይ ውሽጢ ሰብ ቀላይ!
እሔው እሔው ቁሪ! ፈለማ ኣንፈጥፊጡ
ኣይጸንሐን ግን ሞይቁዎ፣ ጣሕ-ጦምቦላሕ
ከም ናብ ሰፈሩ ዝተመልሰ ዓሳ – ተሰራሲሩ፣ ተገላቢጡ!
ገና ኣየእከለን!
ሓንባሲት ኣብ ላዕሊ ዘየዕገቦ ግዲ
ሸለል ኢሉ ጻውዒት “ግደፍ ኣንታ ወዲ!”
ነፋይ ዘይነበሮስ – ኣብ ሂወት ኣሚኑ
ርእሱ ኣቐዲሙ፣ ናብ ውሽጡ ጠኒኑ!
ኣንታ ርድኡ – ኣንታ ሰብ ጥሒሉ…!
ኣውያቶም ፈንዮም ላዕሊ ዝነበሩ
ብዘይ ነፋይ’ሞ ከመይ’ሎም ክደፍሩ!
ዝጸለቱ ተጸለቱ፣ ዘእወዩ ተእወዩ
ዓሳደሞ’ምለስ ናብ ቀላይ ተፈንዩ?!
ግንከስ ኣይጠሓለን ይሕንብስ’ዩ ዘሎ
ካብቲ ዓምዩቕ – ናብቲ ዝዓሞቐ
ካብቲ ደቂቕ – ናብቲ ዝደቐቐ
ዝብጻሕ ከምዘሎ፣ ገና ዝፋለጦ
ዕድሉ ጸቢቑ ስለ’ተሰወጦ
ይግስግስ’ዩ ዘሎ ናብ ዓለመ-ውሽጡ
ሕሉፍ መንነቱ ንድሕሪት ረጥሪጡ
ወዲ ውቅያኖሳት ምዃኑ ፈሊጡ!
ምስ ክንደይኳ ተራኺቡ ድሮ
በብዓይነቶም ፍጡራት’ቲ ባሕሪ
እናተደነቐ በቲ ስፍሪ፣ በቲ ሕብሪ፣ በቲ ፍቕሪ!
“ጽምዋ ድሓን ኩን፣ ብጾተይ ረኺበ
ጸላም’ውን ደሓን ኩን፣ ብርሃን ተኸቢበ…”
እናበለ ብዓውታ ዘሚሩ
ኣብ ውሻጠ ውሽጡ ዓሳ ተቐዪሩ!
ኣዒንቲ ኣዲኡ’ሞ ገና ‘ነብዕ ኣሎ
ዘይፈልጦ መገሻ ሞት እናመሰሎ!
መን’ሞ ይውሰዳ፣ ናብ ናይ ውሽጣ ሂወት
ኣብቲ ባሕሪ ልባ፣ ዘሎ ድንቂ ዕምቆት
ኣየወ እታ የዋህ ኣዲኡ፣
ምረኸበቶ’ንዶ ድኣ ኣብኡ!”
ነቢቡላ ጨሪሱ፣ ኣዕሚቑ ተንፊሱ።
ዋይ ወደይ! ጸላኢኻ ናብ ቀላይ ይእቶ!
ዋይ ወደይ! ጸላኢኻ ናብ ቀላይ ይእቶ!
ልባ እናጠብጠበት ሕቑፍ ኣቢላቶ።
Yohans Abraham
ኣስመራ
(ቀዳመይቲ ተሸላሚት ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት 2012)