ሳባ ኪዳነ
ሓደ ቀዳም ድዩ ሰንበት እዩ ኔሩ። ዕለቱ 17/ 08/ 2014 ምንባሩ ግን ኣብ መዝገበይ ኣስፊረዮ ኣለኹ። ነብሰይ ከምዚ ዋዛ ኣብ እንዳ ኣለክሳንደር ዱማ ዝረኸብክዋ። እወ ኣብ እንዳ ኣለክሳንደር ዱማ፡ ኣብቲ ሻቶ ደ ሞንቶ ክሲስቶ ዝተባህለ ግንቢ። ካብ ፓሪስ ብዙሕ ኣብ ዘይረሓቐ ቦታ። ዋው! ዋዋ! ዋው፡ ምእማን እየ ስኢነ ዘለኹ፥ እቲ ብወረቐትን ቢሮን ከም ዝጻወት ዝነገርዎ ፈረንሳዊ ሰብኣይ እዩ፥ ዓዲሙኒ። መኣተዊየይ እኳ ባዕለይ እንተኸፈልኩ። እቲ ሓሳባቱ ደስ ኢሉኒ። ክሳብ ኣብቲ ቦታ ዝበጽሕ ድማ ብሓቂ ድዩ እንዳበልኩ ምእማን ሰኣንኩ (ወሪድዋ እታ ንእሽቶ ርእሰይ ኣብ ጥቓ ሲነማ ኣዝመራ ኮይንካ ስሞም ካብ ምጥቃስ መን ሕለፊ ኢልዋ እንዳበልኩ)።
ኣብ ከባቢ ሰዓት ክልተ ግን ወዮ ሓሳብ ዝመስለኒ ዝነበረ ጋህዲ ኾነ። ነቲ ሰለስተ ሄክታር ኣብ ዝስፍሓቱ ዝተኸለለ ባብ ድማ ኣሰር እግረ ይ ኣዕለብኩ። ዋ! ህቡብ ፈረንሳዊ ጸሓፊ ኣላክሳንደር ዱማ ብውሽጠይ ጨደርኩ።
መንፈሰይ ብታሕጓስ ተመልአ፥ ኣብ ተምሳጥ ክትገላበጥ ጥራይ ፥ልክዕ ከምዚ ኣብ ባሕሪ ንኽትሕምብስ ክዳውንትካ ትድርብዮ ዓይነት፡ኩለንታናይ ደርብይዮ፡ ደርብይዮ መጸኒ። ጻልጣ ክኸውን መረጽኩ። እቲ ሽውሽውታ ኣግራብ ጸጸኒሑ ዝፈጥሮ ረምታ ነበሮ። ኣለክሳንደር ምስ ሰራሕተኛታቱ ናይ ዝከናኸኖም ዝነበሩ ኣግራብ ወለዶ ኸኣ እዮም። ኣዕዋፍ ዝማሬአን ኣይበቐቓሉን፥ ዓሙቕ ዘይኮነ ወሓዚ ብየማንና ነበረ። ብኢድ ሰብ ዝተቐለሰ ነበረ። እቲ ህልም ዝበለ ጫካ በዓቲ ከይተረፈ እዩ ኣስሪሑሉ። ማይ ክወቅዕ እንከሎ ድማ ኣብኡ ክዕቆብ ከምኡ’ውን ፥ኣብ ህልም ዝበለ ሓሳብ መታን ክኣቱ ነብሱ ይሓብኣሉ ነበረ።እቲ ብዓበይቲ ኣኻውሕ ዘተኣሳሰረ ኩጀት’ውን ማዕረ ክንደይ ኣደናቒ ባህሪ ምንባሩ ምስክር እዩ። ትምንይ ኣቢሉ እዩ፥ተሃኑ ኣውጺእሉ።
ናብ’ቲ በዓቲ ኣትየ ልሕግ በልኩ፥ ሓያሎ ድማ ጸናሕኩ፥ ብሓልናይ ድማ ንኣለክሳንደር ሕሹኽ በልክዎ፥ መታን ካብቲ ናቱ ባሕሪ ብጭልፋ ንኸልዕል ተሃንጠኹ። ዝጋዋሕ ምልኣት ተሰመዓኒ ፥ ገለ ዘይርድኣኒ ስምዒት መጉስዕ ይመልስ ነበረ፡ ንግዚኡ ምል-ጎድ ( ምልኣትን ጎደሎነትን) ( ፍር-ጽል) ፍቕርን ጽልእን፥( ዓወ-ስዕ) ዓወትን ስዕረትን ፥እንድዒ ህን-ተግ( ህንጥዩነትን ተግባራውነትን፥ እንድዒ ያዓኸ ወዲ ሞንጎ እዩ ፡ኡፍ!
ኣብቲ መዓሙቕ ባሕሪ ስውጠት ዘሕለፍክዎ እዋናት ደስ በለኒ።ነቲ ብዛዕባ ምምዕባል ጥበበ ክሓስብ ዘሰላሰልክዎ እዋናት ብዙሕ ሻዕ ‘ እንታይ ከ ኣእተወኒ እዩ ዝብል ዝነበርኩ’ ሕጂ እዋን እንቋዕ እባ ብጥበብ ዝሓስብ ኮንኩ ክብል ዘኽእል ዓይነት ሓይሊ ዘለዎ ተምሳጥ ፈጠረለይ።
ካብ ስሉም ሰማይ ንላዕሊ ማሕ ማሕ በልኩ፡ “ እተመስገንካ ኣምላኽ ንጥበብ ዝፈጠርካ፡ ኢለ መስለኒ። ጌጋ ደኣ ይኽልኣለይ እምበር።
ጸኒሐ እንደሞ ጣዕ በልኩ ጣዕ ፥ሕርር ኩምትር ኣሕ ፥ ከመዲኤይ ኣቢለ እየ እዚ ዓይነት እዚ ተምሳጥ እንከሎኒ ንጥበብ ዘይቧቖጥኩ ኢለ። ጥበብ ኣብ ምውጽኡ እዩ ጥበባዊ ዝገብርካ፡ እንተዘይኮነ ሓሳባዊ ጥራይ ኮይንካ ኢኻ ትተርፍ፡ መስለኒ ናይ ስነጥባብያን ናይ ጥምቀት ሰርትፊኬት ሒዘ ሓሳባዊት ጥራይ ኮይነ ከይተርፍ ሸቖጥቆጥ በልኩ፥ እንታይ ክገብር ኣሎኒ? < መስዋእቲ ክትከፍሊ ተዳለዊ ንጥበብ! > መለሰ መስለኒ ሓደ ዘይፈልጦ መላሲ። ናብ ቤት ንስይ ጁንየር ክለብ ናይ ስነ ጽሑፍ መምሃራንና ኣቡ ዓምራን፥ ኣብራሃም ሃብታኣብ፡ ዓብደልቃድር ኣሕመድን ዝደጋግሙልና ዝነበሩ ሓሳባት ድማ ኣጋውሓትለይ። ኣለክሳንደር ዱማ
ጥበባዊ ተሰዋኣይ እዩ፡ ግዚኡ! ጉልበቱ! ስሙ! ክእለቱ ሓደ ሓደ እዋን ድማ ሂወቱ ከም በዓል በኣሉ ግርማ።በዓቲ ብድምጺ መማጽእተይ ተበራረርኩ፥ “ሳባ ጌና መዓት ዝረአ እንከሎኪ”
. . . “ እ! ምሽ. . . ሕራይ”
ናብ ውነይ ክምለስ ተቐላጠፍኩ፡ ከምዚ ናይ ቀትሪ ድቃስ ስርቕ ዘበለኒ ዓይነት ሙድ ድማ ነበረኒ። < ሃቢ ቦርሳኺ ክቕበለኪ’ሞ ጽቡቕ ጌርኪ ትስእሊ> ኢሉ ከም ሓውሲ ባዕሉ እኳ ቦርሳይ እንተወሰዶ፡ ኢደይ ከምቲ ኣብ ካልኦት ምብጻሓት ዝገብሮ ዓይነት ስቕ ኢላ ትጠዋውቕ ኣይነበረትን፡ < ኣብዚ ደኣ ኣማኢት ስእልታት ክትስኢ ኢኺ. . . ኣብ እንዳ ኣንድረ እኳ 168 ኣሳእል ካብ ኣምጻኺ ደኣ > ለቀበ እንዳሰሓቀ።
( ኣንድረ ሓደ ንኹለን ሃገራት ዓለም ንኽበጽሕ ዘንቀደ ህንጡይ መንእሰይ እዩ ። ሓሳብ ልቡ ንኸተግብር ድማ ‘ተማላኡኒ’ እንዳበለ ብሊፍት ንኹለን ሃገራትን ግዝኣታትን ዝበጽሐ ደሓር ከመይ ዝበለ መጽሓፍቲ ዝጸሓፈን፡ ኣብ ኡጋንዳ ከሎና ንደቡብ ሱዳን ሓዳሽ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ክብጽሕ እንከሎ ምስ ደሳለ በረኸት ተቐቢልና ዘተኣናገድናዮ እሞ፡ደሓር ኣብ ፓሪስ ብኽብሪ ንቤተሰብ ዘተኣናገደና ጸሓፊ እዩ።)
“ጀ ስፔኽ” ተስፋ ይገብር ማለተይ እዩ ብፈረንሳይኛ።
ካብ ማዕዶ፥ ሕቑኡ ዝሃበና ምስሊ ነበረ፡ካብ ዚንጎ ቀዲዶም ብቐሊል ኣገባብ ዝተሰርሐን ግን ከኣ ገለ ፉሉይነት ዘለዎ ምስሊ እዩ፡ ቀሪበ ምስ ረኣኽዎ ምስሊ ሓደ ቁንጽብ ዝበለ ርኡይ ጸሊም ሰብኣይ።
“እዚ መቸም እቲ ምስሊ ናይቲ ጸሓፋይ ኣይኮነን ምሽ?”
“እወ፥ ምስሊ እቲ ጸሓፋይ ደኣ ኣብቲ መግዝኢ ትኬት፥ ምሽ ሓሊፍናዮ ኣብ የማኑ ፓፓጋሎ፡ ኣብ ጸጋማይ ኢዱ ድማ ንእሽቶ ህበይ ሒዙ ኔሩ”
“ኣሃ፡ ምሽ ኣየቃለብኩሉን”
ኣብ ካልእ ምሕድግ ዝበለ ርሕቀት ድማ ተመሳሳሊ ምስሊ፥ እዚ ምስሊ ኣዚ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ምስሊ እዩ። ግን ከኣ ተመሳሳሊ። ብዛዕብኡ ክሓትት ኣይደለኹን፥ ናብ’ቲ ብማዕዶ ጫፉ ዝረኣየና ዝነበረ ውቁብ ህንጻ ንምብጻሕ ከም ሓውሲ ህንጥይ በልኩ፡ ቅልጣፈይ ሸረብረብ ሸረብረብ እንዳኣበልክዎ ድማ ፥ እስቴቨን ዓገቶ፥
“እዚ ትርእዮ ዘለኺ በለኒ”
ብፍሉይ ዝረኣ ነገር ኣይረኣኽሉን ብዘይካ ተምሰሳሳሊ ምስሊ፥ ብዛዕባ እቲ ምስሊ ይዛረብ ከም ዘየሎ ንኽረጋግጽ < እህ> በልክዎ፡፡
ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ሓበሬታ እንዳኣንበበ ድማ፥ “ እዚ ክቢ ቦታ እዚ ኣለክሳንደር ዱማ ቅሉዕ ትያትር ዘርእየሉ ዝነበረ ቦታ እዩ።” እቶም ተዋሳእቲ ድማ ምስቲ ተዓዛቢ ተሓዋዊሶም ይዓዩ ስለ ዝነበሩ ኣዝዩ ሂወት ዘለዎ ድራማታት ተሰሪሕሉ” ዝን በለ’ሞ፡ ዝን ድማ ኣበለኒ፡ እቲ ዓቢ ጋብላ ዝመስል ቕሉዕ ቦታ ‘ኣንታ ነዚ ድዩ ወዲ ኳዳ ፥ኣብ ኤርትራ ከተኣታትዎ ዝሓስብ ዝነበረ ?’ ኢለ ህልም ኢለ ናብ ኣስመራ ቕድሚ ምኻደይ ድማ መለሰኒ።
“ ኣብታ ናይ ታሪኽ ሂወቱ ትገልጽ ፓም-ፕሌት ኣንቢብክያዶ? . . . ኣለክሳንደር ኣብ ፓሪስ ናይ ገዛእ ርእሱ ቤተ ትያትር ኣስሪሑ ኣብ 1847 ኣመሪቕዎ፡ እንተኾነ ግን ኣቲ ኣብ 1848 ዝተላዐ ሰውራ ፈረንሳ ዓጢልዎ፡ኣብ ክሳራ ስለ ዘእተዎ ከኣ ተዓጽዩ እምበር. . . ክሳብ 2000 ሰባት ብሓንሳብ ዝርእዩሉን ፡ሓደ ሓደ እዋን’ውን ብምኽንያት ጽበት ቦታን መስርዕን ዕግርግር ዝበዝሓሉን እዋን ኔሩ. . . እታ Queen Margot እትበሃል ስርሑ ፥ ካብ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት ክሳብ ሰዓት ሰለስተ ናይ ወጋሕታ ብዘይ ምቁራጽ ትረአ ነበረት። ገለ ገለ ድራማታት ንሓልዮት ተዓዘብቲ ተባሂሉ፡ ከም በዓልThe Count of Monte Cristo ንሓንቲ ድራማ ኣብ ክልተ ምሸት ከም ትረአ ይግበር ነበረ።”
“እምቧእ ኣንታ ስቴቨን፥ እቶም ተዓዘብቲ’ውን ከም ገለ ዝበሉ ኣድናቖት ዝግበኦም ሰባት . . . ! እንታይ ዝበለ ፍቕሪ ጥበብ ኔሩዎም በጃኻ!”
“ ሓቕኺ ንሱ እባ ኸኣ ኣሎ እዩ፡. . . ሓይሊ ጥበብ!፡ ፍቕሪ ናይ ስነ-ጥበብን ምውህሃድ ጥበበኛን ዝተወሃሃደሉ ዘመን ወርቃዊ ዘመን እዩ ኔሩ መስለኒ”
እቲ ኣብ ፓሪስ ንሸነኽ ሰሜን ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ኣብ 1802 ዝተወለደ ኣልክሳንደር፡ ኣቡኡ ሓደ ሜጀር ጀነራል ናይ ንጉስ ነበረ፡፡እንተኾነ ግን ንኣሌክሳንደር ኣየዕበዮን። ተሰዊኡ። ሞት ኣቡኡ ዝመረሮ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ጥራይ ዝነበረ፡ህጻን ኣለክሳንደር ዱማ፡ ኣብ እዋን እቲ ሓዘን ብጉያ ናብ ኣስካላ ደይቡ፥ ሽጉጥ ንላዕሊ ብምውጥዋጥ፥ “ክኸይድ! ክኸይድ እየ ንሰማይ! እየ ክኸይድ ፥ ነቲ ነቦይ ዝወሰዶ ቀቲለ ኣቦይ ክመልስ እየ!” ብምባል ገዓረን ኣንጸርጸረን።በቲ ኣዘራርብኡን ዕትበቱን ሓያሎ ተመሰጡ።
ኣብኡ ሃንፈጽ ናይ ካብ ኣብ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበራ ደሴታት (ናይ ሕጂ ሀይቲ ) ዝኾነትን፥ኣብቲ ዓቢ ናይ ሕርሻ ቦታ ኣትሰርሕ ዝነበረት ኣደን ፥ፈረሳዊ ኣቦን ኣዩ ዝተወለደ። ‘ኣህ ድሕሪ ሞት ኣቡኡ፡ድኽነት ተዓራረኸቶም፡ ኣለክሳንደር ድማ ትምህርቲ ክጸግብ ኣየፍቐደትሉን። ይኹን ደኣምበር ነቲ ኣብ ትምህርቲ ኣትዩ ዘይፈለጦ ላቲንን ሕሳብን ብደገ ደጊኡ ኣረኻኸበሉ፥ ብጽባቐ ጽሕፈቱ ድማ ካብቶም ውሩያት ኮነ። ኣብ ዓሰርተታት ዕድሜኡ ከሎ ድማ ወግዓዊ ጸሓፊ ናይ ሓደ ጠበቓ ኮይኑ ሰርሐ። ሽዑ ምስ ሓደ ስዊድናዊ መንእሰይ ተላለየ።ብዛዕባ ኣሪስቶክራታዊ ስነ ሓሳባትን ካልእ ፍልስፍናዊ ሓሳባት ከዕልልሉ ድማ የውግሕዋ ነበሩ።
ከይተረድኦም ድማ ገጸ ባህርያት ምስራሕ ምልጋጽ ኣብ ዙርያ ፍልስፍናታት ምንባርን ደስ እንዳበሎም ስለ ዝኸደ ተዋስኦ ጽሓፉ፡ ኣለክሳንደር ከኣ ኣለያን ኣብኣ ከም ቀንዲ ተዋሳኣይ ኮይኑ’ውን ክዋሳእ ከኣለ። በታ ምሸት እቲኣ ድማ ተተኮሰ።
ነቲ ናይቲ እዋን እቲ ሓደ “ ወሃ ” ካብ ዘበሉ ስራሓት ጠንጢኑ ድማ፡ናብ ውሽጢ ፓሪስ ኣምረሐ። ንምጽሓፍን ምውሳእን ተተሓሓዞ፡ዝያዳ ግን ጸሓፈ ደኣ።
ግዜ ከይወሰደ ሓሪፍ ወዲ ኾነ።ነታ ከተማ ኣይትጽርኒ ኢሉ፡በቲ ወይናይን፡ ሰመያዊን ሕብሪ የዒንቱ ተመሲጠን፥ ጸሊም ለማሽ ጸግጉሩን፡ ደድሕሪኡ ፈል-ፈል ዝበላ ደቂ ፓሪስ ምቕናእ ጥራይ ከይኣኽሎ፥ ነቶም ክንደይ ምሁራት ሃረር ዝብልሉ ሞያ ጥበብ ክሕምብጠሉ ግዜ ኣይወሰደን።
“ሰብ ደኣ ከምይ ጌሩ እዩ ክንድዚ ቅልጣፈን ጽፈትን ብስለት ዘለዎም ሓሳባት ከፈልፍልን ፥ክንድዚ ዝኣክል ክጽሕፍን? ምስ ግኒ ዓሪኹ እምበር ፡” ዘበለ ናይ 19ክፍለ ዘመን ተጠቃሲ ደራሲ፥ ጸሓፍ ዛንታ፥ ጋዜጠኛ፥ኣማተር ሃያሲ ንምዃን ድማ ምስ ጥበብ ማይን ጸባን ኮኑ።
..!!!!.. .. .!!!!. . . . ሓደ እዋን እዩ፡ ኣብ 1844 ኣሌክንደር ልክዕ ኣብታ ሕጂ ረጊጽናያ ዘለና ነቑጣ ኮይኑ፥ ንየማነ ጸጋም ናይቲ ከባቢ ተዓዘበ፥ ‘ ኣብዚ እምበር ትነብር ካብ’ቲ ጫውጫውታ ናይ ከተማ ትምሕደግ! . . . ገዳም ጥበብ ትፈጥር! . . . ምስ ባህሪ ትዓርኽ . . !. ምስ ጥበብ ትመክር! ወዘተ ወዘተ’ ኢሉ ህንጥይ ዝበለሉ ሓሳብ ንኸተግብር ምስ ሓደ ዱኻን ዝተባለ ኣርክቴክት ብቆጸራ ተራኸቡ።
< ዌል ዝኸበርካ ኣርክቴክት ኣቶ ዱኻላ፥ ኣብዚ ከባቢ ፡ሓደ ገለ ሄክታር ገዚኤ ኣብኡ እቲ ‘ገነት ዝብሎ ኣነባብራ ክነብር ደልየ ኣለኹ ፥ኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ ዓለመ-ታሕጓሰይ ክሰርሕ እየ ፥ ካብ ፓሪስ ምሕድግ ኢለ ድማ ኣብኡ ክነብር ብሂገ።. . . ከም ናይ እንግሊዛውያን ዓይነት ሓደ ዓቢ ሻቶ ክትሰርሓለይ ሓጽየካ ኣለኹ ኣሞ ፍቓደኛ ዲኻ? . . . ብፍላይ እቲ ቤት ጽሕፈተይ ብማይ ዝተከበበን ፡ ቤተይ ድማ . . . > ኢሉ ምስ ምስ ገለጸሉ።
እቲ ኣርክቴክት ድማ “ንሱስ ደስ እንዳበለኒ፡ ክብረት ይሃበለይ እንተኾነ ግን ፡ዘይተኣደነ ፍራንካ ከወድኣልካ እዩ እዚ ትብለኒ ዘለኻ ዓይነት መንበሪ ቤት ከም ጽሓፋይ ሳሕቲ እዩ . . . . ምናልባት . . .?”
“. . እወ እቲ ዘይትኣደነ ፍራንካ እትብሎ ዘሎኻ ንኽኸፍሎ ኣኽእሎ እንተሃለወኒ፡ ቅጭጭ ኣይብለኒን እዩ።”
“ ኣነስ ንሕማቕ ግዜ ዝኸውን ሰልዲ ምቕማጥ ትፈቱ ከይትኸውን ኢለ’የ”
“ ቅድም እሞ ንጽቡቕ ንሕሰብ. . . ደሓር ኣነ ንጥበብ ዝጠፍእ ገንዘብ ቃላት ደኣ ዘየሎ ኮይኑ እምበር ምጥፋእ ኣይምበልክዎን ( ሽዑ እኳ ሓቂ ትሓይሽ ንዕኡ ዝኸውን ገለ ቃላት ትግርኛ ከለቅሖ ፥ ከም በዓል ምብቛጥ፡ ምፍያድ ምደለኹ በልኩ ብልበይ) ጥራይ ዝዓጅብ ጌርካ ህነጾ ሓበሬታ ድማ ክህበካ እየ።”
እቲ እዋን እቲ ኣሌክሳንደር ነተን The Three musketeers ን The Count of Monte- cristo ዝብላ ስራሓቱ ጥራይ ዘሕፈሰኦ ሃብትን ህቡብነትን ቀሊል ኣይነበረን። እቲ ህንጻ ሻቶ ክስራሕ ድማ ሰልዱ ጥራይ ዘይኮስ ትእዛዝን ሓሳብን እንዳሃበ ኣብ ዝብጻሕ ኣብጾሖ።
ሓሳብ ልቡ ድማ ኣብ ድሕሪ 3 ዓመታት ሰመረሉ። ኣብ ሓምለ 1847 ኣመረቖ።600 ሰባት ተረኸቡ ። ስም ኣየውጻሉን; ኣሳእሉ ውን ኣይልጠፈሉን፡ሓወልቱ ውን ፡ኣይሃነጸሉን ። እንታይ ደኣ፡ ኣብ ልቢ ደቂ-ሰባት ዘወቅሮ ሓወልቲ ልቢ ብኽሰርሕ፡ ንፈተውቲ ጥበብ ጸባ ከስቲን እንዳትፈዞ ። ንበብሱ ጥራይ ዘይኮነ ድማ ንጥበባውያን ካልኦትን እቲ ህንጻ ክፉት ገበሮ፡፡ እቲ ቀንዲ ህንጻ በዓል ክልተ ደርቢ እዩ። ኣብቲ ባህታ ዝመልስ ህንጻ፡ ብእዋናውን ክቡርን ፡ኣዝዩ ብጥበብ ዝወቀበ ነበረ።
ኣይጸንሐን እቲ ካብ ከተማ ክምሕድግ ኢሉ ዝተመነዮ ቦታ፡ ብበጻሕቱ ፡ኣድነቕቱ፥ መሳርሕቱን፡ውሽማታቱን ተበላላጽትን፥ ከም ዘይተጋደፍዎ መዛግብቱ የውግዑ። ኣለክሳንደር ኣዝዩ ፈታው ጋሻ ብምንባሩ ካብ ቤቱ ዝዓጹ፥ ንሱ ንነብሱ ኣብ ንኡስ-ሰገነት ( ሳቶ ደ ልፍ) ሰሪሑ ስለ ዝነበረ ኣብኣ ምዕጻውን፡ ኣብቲ ጣሻ ምዝዋንን፡ ኣብቲ በዓቲታ ምሕባእ ዓለም ባቖጠላ።ጀነራል ቶማስ ኣሌክሳንደር
ክሳብ ሰባት ‘ክንድዚ ዓይነት ሓሳባትን ስራሕን! ብኸምዚ ዓይነት ጥበብን !ቕልጣፈን ! ካብ ሓደ ሰብ ክፍልፍል ኣይክእልን እዩ . . . ምስ ግኒ . . ምስ ጎስት . . .ደኣ ትሰርሕ ኣሎኻ እምበር!!’ ክሳብ ዝበሃል ተሃኑ ኣውጸአ። ልዕሊ 120 ኖቭላይ፡ ልዕሊ 65 ድራማታት፡ 5 ሓጸርቲ ዛንታታት፡ 14 ናይ ጉዕዞ መጽሓፍታት፡ 11 ናይ ዝኽሪ ጽሑፋትን 7 ጋዜጣታትን ብምድላው ስሙ ሰማይ ሰቐሎ።
ህዝቢ ግን ነቲ ምስ ግኒ ምዕራኽ ዝብል ሕሜታ ኣብ ኣፉ ጥራይ ኣየትረፎን። ኣብ 1857 ሓውሲ ተኸሰሰ ፥ ኣብ መጀመርታ እኳ ሸለል ኢልዎ እንተነብረ፥ ደሓር ግን ፥ ንሱ ብጻልጥኡ ጥራይ ይሰርሕ ምህላዉ ቤት ጽሕፈቱ ንህዝቢ ክፉት ብምግባር ኣመስከረ፡ እንተኾነ ግን እቶም ካብ ቅንኢን ዝተበገሱ ተጻባእቱ ፥ እሞ ጎስት ጸሓፋይ እዩ ካብ ምባል ኣይተዓገቱን። ሓንካስ ዘውረዮ ፈረሰኛ ነይመልሶ እዩ ነገሩ ።
ኣለሳንደር ዱማ ንዝተንቀባረረ ሂወት ውን ግዜ ኣይሰኣንሉን። ኣብጥቃ ሰባት ምጥዑም ዕላሉ ተምሳጥ ኣይሓብእን፡ ሓቢሮም ምሳኡ ንክድረሩ ክሳብ ዝውድእ ዝጽበይዎ ውሑዳት ኣይነበሩን። ንዓኡ እምበር መዓስ ንምግቡ ደሊና ብምላብ ( ንኽልቲኡ እኳ እንተዘትሓደዎ) ።
ኣለክሳንደር ጽሕፈት ኣብ ዘይብሉ እዋን ኣብ ኽሽነ ኣቲኻ ምኽሻን ጥራይ ዘይኮነ ምስ ከሸንቲ እንዳተሓጋገዘ ንሰዓታት ብምውጋዕ ዝተፈለጠ ነበረ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ሓደስቲ ኣጻብሕ ብምህሃዝ ህርድግ ኢሉ ጥራይ ዘይኮነ፥ ኣብ መንጎ ፈተውቱ ዱማዝያን ዝሰመይዎ ኣብ ቤቱ ጥራይ ዝበልዕዎ ኣጻብሕ ኢዶም ቆርጠምሉ።
ደሓር’ውን እታ 500 ቮሉም ዝነአበራ ዓባይ መጽሓፉ ናይ ክሽነ፡ ድማ ክብረ ወሰን ዝሓዘት መወከሲ መጽሓፍ ክሽነ ኮይና ትርከብ።
ኣለክሳንደር ኣዝየን ብዙሓት ውሽማታት ነበርኦ። መብዛሕቲኡ እዋን ድማ ድርብርብ ዝበለን ዝተሓላለኸን ፍቕራዊ ዓለም ነበሮ። ብኸምዚ ድማ ብስሙ ዘይተመዝገቡ፡ ግን ከኣ ደሓር ኣብ ዕላል ዕላል ዝዛረበሎም ደኣ ኮይኖም እምበር ከባቢ 500 ቆልዑ ክህልውዎ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
ኣብ ሂወቱ ድማ ሓንሳብ ኢዳ ፈርየር ዝተባሃለት ጎርዞ፡እንተኾነ ኣብ ሓጺር እዋን ፍትሕ ሓቲታ ገዚፍ ጉንዖ ገንዘብ ወሲዳ ምስ ኣሰምበደቶ ድሕሪኣ ኣይተመርዓወን።
ካብተን ብዙሓት መዛውርቱ ድማ ላውራ ላባይ ዝተባህለት ወይዘሮ ዕድል ገበረት ፡ንኽልቲኦም ካብኣ ዝወለዶም ቆልዑ ጥራይ ድማ ኣመነሎም። ብስሙ ድማ ተጸውዑ። እታ ጓል ማርያ ኣለክሳንደር እቲ ወዲ ድማ ኣለክሳንደር ( ልክዕ ከም ናይ ኣቡኡ ) ስም ተዋህቦ። ነቲ ወዱ ጁንየር እንዳበሉ ካብ ኣቡኡ ምጽዋዕ ይጥዕመሎም ነበረ ንሓያሎ።
ብዝኾነ . . . . ኣለኽሳንደር ዱማ፡ ኣብቲ ሕጂ ነቑጣ ናይ ታሪኽን ፡ቦታ መስሕብ ቱሪስትን ኮይኑ ዘሎ ቤቱ ንነዊሕ እዋን ኣይተቐመጦን፥ እኳ ደኣ ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ ብሰንኪ ኣብቲ እዋን እቲ ጥርዙ ዝበጽሐ ሰውራ ፈረንሳ ዘስዓበሉ ክሳራ ከይኣኽሎ፥ እቲ ሕሉፍ ልግሱን፥ ጠገለ ዘይነበሮ ዝተንቐባረረ ኣካይድኡን ፡ እተን ሓሽኸት ዝነበራ መዛውርቱን ፥ ኣብ 1848 ኣቑሑት ገዝኡ ኣብ ምሻጥ ኣእተዎ። ኣብ 1849 ድማ ነቲ ብምልኡ ንብረቱ ብዳርጋ ርብዒ ናይቲ ዘውጽኣሉ ዋጋ ሸጦ።
ብሓልዮት ናይቲ ዝገዝኦ ሰብ ድማ ክሳብ 1851 ኣብኡ ጸንሐ። እንተኾነ ግን እቶም ቁጠባዊ ኩነታቱ ክርድኡ ዘይከኣሉ በላዕተኛታት ምቁማቶም ዝለ ዘየቋረጹ ። ጽሕፈቱ ኣብ ፓሪስ ከምኡ’ውን ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዓለም እንዳዞረ ክቕጽሎ ከም ዘለዎ ወሲኑ ካብቲ ህንጻ ወጸ።
ኣብ 1969 ድማ እቲ ካብ ኢድ ዓደግቱ እንዳተሰጋገረ ዝጸንሐ ህንጻ ኣለክሳንደር፥ ንክዓኑን ኣብ ክንድኡ ድማ 300 ሓደስቲ ገዛውቲ ክስርሖ ምስ ተወሰነ፥ ኣፍቀርቲ ስነ-ጥበብን ፈተውቲ ስነ-ጥንትን ተጓይዮም ገዚኦም ኣድሒኖም ኣብ ተርታ ናይ ቱሪስት ኣብቅዕዎ።( እ. . . ኬፍ ኣለዎም ምሽ)።
እቲ ኣብ ልቢ ኣንበብቱን ዝገደፎ ፍቕሪ ስነ- ጥበብ ዘወፈዮ ዕጋበትን ድማ እንዳተሰጋገረ ንኹሉ ግዜ ናቱ ናይ ምዃን ክብሪ ዝተጓናጸፈ እዩ ከም ኩሉ ስነ-ጥበባዊ።
ኣብ ታሪኽ ጥበብ ፈረንሳ ንናይ እለክሳንደር ዱማ ኣድማስ ጥበብ መሊሱ ዘርሓቦ ድማ ፡ እቲ ልክዕ ከም ናይ ኣቡኡ ስም ዝወረሰ ወዱ ፡ቕምጥ ኢሉ ድማ ኣብ ጽሕፈት ናይ ኣቡኡ ወረሰ። ከም ኩሉ ሓድሽ ወለዶ ድማ ናይ ኣቡኡ መወከስ እንዳገበረ ተወንጨፈ( ከምዚ ናይ ወዲ ትካቦ ዓይነት)
ኣለክሳንደር ናሽቶ ድማ ነቲ ኣብ ናቱ ዝና መጠጦ። እዚ ደኣ ይኹን ኣምበር ኣለክሳንደር ንኡሽቶ ፡ ኣብ ጽሕፈት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሂወት ውን ካብ ኣቡኡ ብዙሕ ተማህረ ። ኣቡኡ ዝፈጸሞም ጌጋታት ከይደግም ድማ ተጠንቀቐ።
ኣካይድኡ ጠገለ ነበሮ፡ንፍቕራዊ ህይወቱ’ውን መስዋእቲ ከፈለ። ከም መርኣያ ናቱ ድማ ሓንሳብ ኣዝያ ዝፈተዋ ሩስያዊት ልእልቲ ጎርዞ ፥ ልክዕ ምስ ተመርዓወት ኣዩ ተላልይዋ ፡( ምስ ኣቡኡ ኣብ ዝገሸሉ እዋን ) ንሳ’ውን ዕብድ ኢላትሉ፡ እንተኾነ ሰብኣያ ፍትሕ ኣቕበጸ፡ ኣሌክሳንደር ድማ ልቡ ፍቕሪ ምብቋል ኣቕበጸት ። ኣብ መወዳእታ ድማ ሰብኣያ ኣሪጉ ምስ ሞተ ንሳ’ውን ናይ ዕድመ በዓልቲ ጸጋ ኔራ። ካብ ምምርዓዋ ግን ኣይተዓገተን ። ምዉቕ ናይ ፍቕሪ ሂወት ኣሕሊፎም ኣብ ኢዱ ድማ ዓሪፋ። ሽዑ እታ ንዓመታት ብፍቕሩ ዝተሳቀየት ሰበይቲ ካልእ ተሃና ይውጻላ ኢሉ ተመርዕይዋ እንተኾነ ግን ብስም እታ ዘፍቕራ ክጽውዓ ተሰመምዑ ።
ኣቲ ዛንታ ብዙሕ እዩ።
ኣብ እንዳ ቤት ኣለክሳንደር ዱማ ውዒለ ክሓድር ኣይምጸላእኩን ዋላ ክቕኒ ፥ ምኽንያቱ እዚ ክብሎ ዘይክእል ተሃዋስነት ኣብ ጥበብ ዘለዋ ቤት ኮይነ ረኺበያ ፡እታ ቤት መዘክር ጥበብ ናይ ኣለክሳንደር ጥራይ ዘኮነት እንተላይ ናይ ዝፈልጦምን ዘይፈልጦምን ስነ-ጥበባውያን መንፈስ ዘዑዱላ መሲላትኒ። ገለ ምልኣት ቀዲሐላ ንነብሰይ ድማ ኣበይ ነጊድኪ ሳባ ኣብ ቤት ኣለክሳንደር ዱማ?! የዒንተይ ንምስጋና ፈጣሪ እንዳ ኣንቃዕረራ።