. . . መስከረም ኣእጉሙ
ጥቅምቲ ዘጎልዖ
ኣብ ሕዳር
ከየቐምሰሎ
ከየታሕሰሰ ምጭቃው
ከየግሃደ ምቕቃው
ጥሪ ዘዕበዶ
የካቲት ከየጣዓሶ
ብቂ ከየላመደ
መጋቢት ኣርኪቡ
ከይተሻቐልኩ
ኣዝሚሩን ኣየዝሚሩን
ሚያዝያ ምስምዃኑ
ጉንበተ-ሰነ ጠሊዑ
ሓምለ-ነሓሰ ከየጠላቐዩ
ኣነስ ኣብ
መስከረምኪ ይሕሸኒ
መሬት ምሉሙ
ኣብ ፍንሽርሽሩ
ዘኹዘምዝሙ
እንዳኣኹዘምዘሙ
ዝዕንድሩ
እንክዕንድሩ
ዘህርሩ
እን’ዳህረሩ
ዘገምጅዉ
እንዳ’ገምጀዉ
ዝጭልግዑ
ንዳጨልግዑ
ምስ ዝማሬ የዕዋፍ
ኩሉ ከሎ ብሰዊቱ
ማይ ብሓቒቑ
ኣብ መስከረምኪ
ፈጢርኪ
ኣብ መስከረምኪ ቅተልኒ
ፍቕሪ ንዓይሲ ከምኡ ይሕሸኒ!!
ሳባ ኪዳነ