“ኣብኡ ‘ሓይሽ”
ውረድ እንተበልክዎ ዝበየ ጋሻ
ኣብ ሕልና ተኾይጡ ዝኸረመ
ከም ኣብ ማይ ዘሎ ዓሳ
ንዓንዶ ተዛወራ ዓለም እንተበልክዎስ
ኣብዚ ‘ሓይሽ ኢሉ ይምልስ።
ተለሚኑ ተገዚቱ፡ ብዓበይቲ ብመሳቱ
ብጽቡቓት ብናኣሽቱ
ኣብ ርእሲ ሰፊሩ
ካብ ሕልና ምውራድ ይኣቢዩ ኔሩ!
ትማሊ ግን ዘይኣመሉ ተወዝ ኢሉ ነጊዱኒ
ክቡር ጋሻ ስዒመዮ ብመንፈሱ ዝወለደኒ
ውሉድን ወላድን ተራኺቦም ተፈሲሀ ደስ ኢሉኒ፥
ከዛውሮ ናብዝን ናብትን
ክጥምቶ ነዝን ነትን
በቲ በቲ ጸገም ዓለም ንኽዓብስ
በቲ በቲ ከይሓርቀኒ ከደዓዕስ
ከይገድፈኒ ‘ወ ከይምለስ
ከይብለኒ ኣብዚ ‘ሓይሽ!
ምልኣት ዘይብላ ዓለም እንተሓተምካያ እትፈስስ
ካብቲ ብሰላም ዘተንፍስ እናበዝሐ እቲ ዝፋለስ
ክንዲ ፍቕሪ ዝኮላለስ ደም ጐሲዑ ደም ዝፋሰስ!
ርእዩ ግድስ ኢሉ ብግስ
በቲ ሓደስ ሓቂ ‘ሓይሽ ጻልጣ ሓቂ፡
እንተበለ ኣብዚ ‘ሓይሽ!.
“ይሕሸኒ ኢልካደሞ ንሰብ ትብሎ ኢኻ ዕሽሽ
እልፊ ኣእላፍ እናጸረት ከመይ ትብላ ዓለም ሞቕሽሽ?
ንዓ እምበር ምሳይ ንበር ተዛወሮ ባሕሪ ጣሕሪ
ርኣዮንዶ ንሰሃሮ ንሳህራዶ ሰብ ይሰፍሮ?
እወ ከማይ ንኽትነብሮ ውረድ ሓንሳብ ናብዛ ምድሪ፡
ተመኺርካ ዘየስምዕ እናነበርካ ትስወሮ!
ጸበል ቅብጸት መዓስ ሰትየ ሕሉፍ ዕርበት ዘይስቆሮ
ፈትየን ከይፈተኹን እንድየ ንኣፍ ሓርገጽ ዝውርወሮ!
ኣንታ ባሕሪ ኣይዓጅቦን’ዩ
በበሊዑ ኣይጸግብን’ዩ
እናበሉኒ ዝበልክዎም ንሱ’ሓይሽ
ሕልናኻ ካብ ዝእሰር፡ ዝብኢ መፍለስ
ነብሪ ሓርሽ
ክበልዑኻ ኣጸቢቑ ‘ሓይሽ!!
እንተንስኻ መጓጅምተይ ጾር ፍጡር ከተፋኹስ
‘ኣብዚ ‘ሓይሽ!’ ኣይትበለኒ ንዓ ምሳይ ሳህራ መርሽ
ክጥዕመካ ኣይተጣጥሕ ንሰብ ፍጡር ኣይተጋይሽ።”
ኣብዚሐሉስ ጌሹ መጺኡ
ከይጸንሕ ግን ኣቕቢጹ
ምኽኣል ግዲ ሲኢንዎ
ሓመድ ስደት እቲ ረመጹ!
ኣብኡ ‘ሓይሽ እናበለ ኣብ ሕልና ከይዱ ‘ኹደም
እቲ ዘይሓይሽ ንዓይ ሂቡ፡ ናይ መን ኮንዩ እቲ መርገም?
ብርኒህጎ ጓል ባሕሪ