ከም ፈላስፋ ተዃዕኒነ፣
ከም ገጣሚ ተኣማሚነ፣
ንዝጀመርኩዎ ዘረባ
ሂበዮ ግርማ ሃበባ።
ኣቤት ክትዕሽዉ! ኢለዮም
ኣጋውላ ሓሳቦም ንዝተጣመመ፣
መርገጽ መትከሎም ንዝተታመመ፣
ራኢ ተበግሶኦም ንዝጸለመ
ሓይሊ መንፈሶም ንዝሓመመ
ሓዊ ፍቕሮም ንዝቕሃመ።
ኣቤት ክትዕሽዉ! ኢለዮም
እቲ ምድቃቕ ምድቋስ፣
እቲ ምዝራው ምብታን፣
እቲ ምስዋር ምጥፋእ፣
እቲ ምልዋስ ምልንቃጥ፣
እቲ ምሕባእ ምፍልላይ ዝመስለኩም
ተሰኽሲኽኩም ምሒር ተጸቓቒጥኩም
ተጣሒንኩም ክትእከቡ፣
ብሕውነት ክትልወሱ፣
ብፍቕሪ ክትልንቀጡ፣
ደሓር ሰጥ ለበጥ
ቀጥ ሸንቀጥ።
ከም ሓደ ትንፋስ
ድሙቕ ምስ ሃሳስ።
ከም ሓድሽ ፍጥረት
ምስ ዓቢ ትኹረት።
ባእታ ውሒዝ ጐደና ኴንና
ናተይ ዘይብሉ ብዘይ ናትና።
ምህላው ሓሊፍና
ናብ ምዃን ሰጊርና።
ንቃራረብ ኣሎና
ናብ ፍጹም ቅርጺና።
ዝደፍእ ይበዝሕ ካብ ዝዓግት
ዝሕግዝ ይበዝሕ ናብ ምልኣት
ኣይተጣለምናን!
ኣይቀየድናን!
ኣብ ውሒዝ ጐደና
ኣብ ሓጐስ ኣሎና።
በየነ ሃይለ