Amanuel Berhe
(እቲ ምሽቲ ከምዚ ከማይ ንኣፍቃሪቱ ሓሪቑ፡ “ብእዝጋምቤቲ ኣብ ባይታ ሰጢሐ ገጽኪ እንተ ዝረግጸኪ ኣዕሩኽተይ እንታይ ምበሉኒ መስለኪ?” ምስ በላ፡ ንሳ ነዲራ “እንታይ ምበሉኻ ?” ኢላ ምስ ሓተተቶ፡
“ቀዳማይ ኤርትራዊ ወርሒ ዝረገጸ ምተባሃልኩ!!” ሙኒር ሰዲግ።
እዛ ኣበሃህላ ገለ ግጥማዊ ጽባቐ ኣስተብሂለላስ፣ “ከም’ዚ ዓይነት ጥበብ ኣብ ግጥሚ እንታይ ይብሃል? ቢለ ምስሓተትኩ፣ ሳርካዝምን ፓራዶክስን ዝብላ ስያመታት ማይኮ ተኽለ ወስ ኣቢሉለይ። ሳርካዝምን ፓራዶክስን ብዙሕ ግዜ ምፍላየን የሸግራ እየን’ሞ፣ ሸፈፍ በለን መጺኡኒ ኣሎ።
1. ሳርካዝም፡ ምሕርቃም ኣስናን ወይ መሪር ዘረባ ማለት’ዩ። ኣብ ኣገባብ ኣቀራርባኡ ግን፡ ጽቡቕ ወይ ጥዑም’ዩ ዝመስል። መልእኽቱ ግን ዘለፋ ወይ ምንእኣስ’ዩ።
ንኣብነት፡
“ኣብ’ቲ ቀብሪ ኣይተሳተፍኩን፣ ነቲ ሞት ከምዝተቐበልክዎ ግን ጽብቕቲ ደብዳበ ሰዲደ’የ” ይብል፡ ማርክ ትወይን።
ኣብ’ቲ ቀብሪ ዘይምስታፉ፡ ደስ ዘይበሎ ነገር ከምዘሎ’ዩ ዝእንፍት። “ነቲ ሞት ከምዝተቐበልክዎ ግን ጽብቕቲ ደብዳበ ሰዲደ’የ” ክብል ከሎ ግን፡ ግርህ ቢልካ ክትጥምቶ ከለኻ፡ እወታዊ ነገር ዝዛረብ ዘሎ’ዩ ዝመስል። ምኽንያቱ፡ ምቕባልን ጽብቕትን ዝብላ ቃላት ንእወታ ስለዘንጸባርቓልካ። ኣብ መልእኽቲ እንተመጺእና ግን፡ “እንታይ ክቐብረሉ ደኣ፡ ዕዝር ይበል’ምበር” እዩ ዘስምዕ።
ባጫን ዳእላን ሕጫጨን ቀንዲ መሳርሒታት ሳርካዝም’ዮም። ሳርካስም ኣብ ዳርጋ ዓሰርተ ጨናፍር ዝከፋፈል ናይ ግጥሚ ቀመም ኮይኑ፣ ገሊኡ ደጋጊምካ ምስ ኣኳማሳዕካዮ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ፈለማ ኣዝዩ ደስ ዘብል ስምዒት’ዩ ዝፈጥር። ሰብኣይ ገዝሚ ምስ ወሓዶ፡ “ሕጂ መዓር ኮነ ሕጂ መዓር ኮነ” ቢሉ ኣውሎዶ ማሰዶ ጀሚሩ ይብልዎ። እዚ ዋላ’ኳ ናይ ቅኒት ጉዳይ ይኹን፡ መዓር (honey) ኣምሲሉ፡ ኣዕዊርኩምኒ ክብል’ዩ ደልዩ።
=”ጽቡቕ ሓጹር፡ ጽቡቓት ጎረባብቲ ይፈጥር” ይብል፡ ሮበርት ፍሮስት፡ ኣብ mending walls. ኣብ ትሕዝቶ’ታ ግጥሚ፡ እቲ መንደቕ ወትሩ ክረምቲ ጽገና ከምዘድልዮ’ሞ፡ ብማዕረ ስለ ዝብጽሖም፡ ንዕኡ ንምዕራይ ብዙሕ ግዜ ብሓደ ከምዘሕልፍዎ’ዩ ዝገልጽ። ካብ’ታ ግጥሚ ኣውጺእና ንበይና ምስ’ዚ ጽሑፍ ኣተኣሳሲርና ምስ እንርእያ፡ እቲ መልእኽቲ ሕጫጨ ን”ጽባቐ” ናይ’ቲ መንደቕ ክኸውን ይኽእል። ሸክስፒር’ውን ንሳርካዝምን ፓራዶክስን ብብዝሒ ይጥቀመሎም ነበረ።
=ግን ንምንታይ’ሞ ቃል ብቓሉ ክበሃል እናተኻእለ ሳርካዝም ኣድለየ?
-ንነብሰ ምክልኻል ይጠቅም።
-ቃል ብቓሉ ደስ ዘይብሉ ቃላት ካብ ምጥቃም የድሕን።
-ንሰማዒ ግዝያዊ መቐረት ይህብ።
=ኣንባቢ ነቲ ሽፍን ቢሉ ዘሎ ሓቂ ንኽፍትሽ፡ ኣብ ሞንጎ ቃላትን መስመራትን ኣትዩ ከምዘንብብ ይገብሮ።
=ስለ’ዚ ጽባቐ ይፈጥር።
2. Paradox ንገዛእ ርእሱ ዝቃወም ዓሻ ዘረባ’ዩ ዝመስል። ኣንባቢ ብፈጠራዊ ኩርናዕ ንኽጥምት ድማ ይሕግዝ። ኣንጻር ንቡር ኣበሃህላታት’ዩ ዝጓዓዝ። ኣንባቢ ብናቱ ኩርናዕ ንክትንትንን ንክበላሓትን ድማ ይሕግዝ። ንኣብነት፣
ዓርኪ ጸላኢኻ ጸላኢኻ’ዩ
ሓቂ መሪር መዓር’ዩ
ኩሎም እንስሳታት ማዕረ’ዮም – ገሊኦም ግን ልዕሊ ማዕረ’ዮም – ጆርጅ ኦርወል
ክርህርህ እንተኾይነ፡ ጨካን ክኸውን ኣለኒ – ሃምለት
እዚ’ውን ዓሻ ዘረባ’ዩ ዝመስል። ሃምለት፡ ኣዲኡ ምስ ቀታል ኣቦኡ ፍቕሪ ምስ ሓዛ፣ ካብኡ ምፍልላያ ንኣደኡ ጽቡቕ ኮይኑ ስለዝተሰምዕ፣ ንዕኡ ክቐትሎ ይውስን። ክቐትሎ እንተኾይኑ ክጭክን ኣለዎ። ግን ከኣ ንኣደኡ ስለዝረሃርሃላ’ዩ ዝቐትል ዘሎ። ስለ’ዚ፡ ክርህርህ እንተኾይኑ፡ ክጭክን ኣለዎ።
-“ቈልዓ፡ ኣቦ ሰብኣይ’ዩ” = William Wordsworth
ነዛ ናይ ዊልያም ኣበሃህላ ምስ እንምልከት፡ “ከመይ ኣቢሉ’ዩ ቈልዓ ኣቦ ሰብኣይ ዝኾነ ክትብል ዘገድድ’ዩ። ካብ’ቲ ኣብ ንቡር ምብህሃልና እንጥቀመሉ ብኣንጻር’ዩ ቀሪቡ ዘሎ። ብጌጋ ዝተባህለት እያ’ውን ትመስል። ግን፡ ናይ ብንእሽቶኻ ከለኻ ዘለካ ባህርያትን ኣተዓባብያን’ዩ፡ ነቲ ዳሕረዋይ ህይወትካ ዝጸልዎ ወይ ዘማእዝኖ ወይ’ውን ዝወልዶ ንምባል ዝቐረበት እያ። (እስከ ጽንሑ ዛራ ክግንጽል’ሞ፡ ናትና ኣብነታት ክፈታትሽ።)
“ኣነ ኣይፈለጥክዎን ንኣነ” – ግጥሚ ገዛኢ ነጋሲ። ትሕዝቶ’ታ ግጥሚ ኣወንዝፍ ኣቢልና፡ እዛ ኣርእስቲ ንበይና ጽብቕቲ ናይ ግርምቢጥነት ኣብነት’ያ። ተዘካሪት ንኽትከውን ከኣ ይሕግዛ።
“ጸሚአ” ኣብ እትብል ናይ ክብሮም ደሞዝ ግጥሚ’ውን፡
ምጻእ ኣዝሕለለይ
‘ዚ ሓዊ ብሓዊ። ትብል ነቢበ ኔረ።
ሓዊ የንድድ’ምበር ኣየዝሕልን’ዩ – ኣብ ንቡር ኣረዳድኣ። ንሓዊ’ውን ሓዊ ኣይኮነን ዘዝሕሎ – ኣብ ሳይንሳዊ ሓቂ። ግጥሚ ግን ንቡር ኣረዳድኣን ሳይንሳዊ ጭብጥን ኣየገድሶን’ዩ – ናቱ ሎጂክ ኣለዎ። ኣብ ጥርዚ ስምዒት ዘላ ገጸ ባህሪ፡ ንዝናፈቐቶ ኣፍቃሪኣ፡ ሓዊ ብሓዊ ከዝሕለላ ምጽዋዕ ግን፡ ኣብ ጥበብ ግርምቢጥ ኣይኮነን። በቲ ንቡር ኣበሃህላ ግን ግርምቢጣዊ ጽባቐ’ዩ።
እታ ሙኒር ዝሸርጠጣ መበገሲትና’ምበኣር፡ ምትዕብባይ (exalt); ስለዝኾነ፡ ኣብ ውሽጢ ፓራዶክስ ክሕቆፍ ዝኸኣል ኣጋንኖ (exaggeration) እዩ ክብሃል ይከኣል።