መምህረይ !
ፍቐዱለይ’ሞ ክሓትት
ላህጃ መን’ዩ ረዚን
ላህጃ መን ከ ክንቲት ?
እንታይ ድኣ…
ኣብቲ ትደርስዎ
ኮነ ተዕልልዎ
ንዘዕበየኩም ቋንቋ
ዘይተንጻባርቕዎ ?
ኣብቲ ሰሚናራት
ኣብቲ ኣድባራት
ተዓዚበኩም
ምሒር ክትጥንቀቑ
ንዕኡ ኣድሚጽኩም
ያኢ… ኸይትስሓቑ ።
መምህረይ …!
ወላዲት ክንሳ
መምህር ቋንቋ
‘ታይ ድኣ ‘ታ ልሳንኩም
ካብ ምድማጹ ርሒቓ ?
እና ነቓሕኩም ምስ ከድኩም
ሰሊልኩም ናብ ላዛ ዓርከ-መሓዛ
ነቲ ምስ መሳቱኹም ዘዕበየኩም
መስሓቕ ጌርክምዎ ፥ ከም ሰብኩም ።
” ብኣይቲ መጺኻ ?
ናብ ኣይቲ ኸ ኢኻ?
ፍተየኒ ፡ይፈትየካ ‘የ ንዓኻ
ንጠንቀቕ ግና ቦዙ ሰብ ዘውሪ
‘ቲ ደግለል ኣቦይ-ንኡስ ከይኩሪ
ከይ ስሃለኒ ምስ መጸ ካብ ባሕሪ “
” ክ ዕዳጋ መጽየ ‘ዳ ቋመትኩኺ ሕዪ
ክ ማዕዶ ርኤኪ ሲ ሓሲበ ክጎዪ
ስጋ ጎይታናይ ተረቢጨ ክዓም ኣነ
ብሓውቦኺ ግና፥ ብኡነት ሰኲነ” ።
ነዚ ሎሚ ንዝሰምዖ ዘይርድኦ ኮይኑ
ስኣን ምልምማድ ካብ ቀደሙ።
ኣይተስሕቑና መምህር
ንንኣሽቱ ኣሕዋትኩም
ኣስርጽዎ ኩሉ ናብ ተማሃሮኹም።
ይጸንት ኣሎ ቃላት…
ዘዝተባህለ’ና ተደግመ
ቋንቋና ኣይተድክይዎ…
ናይ ካሎኦት ‘ና ሃብተመ ።
~~~~~~~~~~~~
ግርማይ ምሑር
2007 መንደፈራ