ከብዲ ወላድ ከም ተዕኵኾ ባህጊ
ሞት ካብ ዘይተርፍ – ሓድጊ
ሰብ መሰል ዘይ ወዲ ኣድጊ
ውላድ ወሊዶም ኣቦይ ሓደገ
ሓድጊ’ልካስ ጕልሒንጣ ንዘዝተወልደ።
ሂብና ኣይንርብርብ – ኣሕዲጉ’ይጸግበና
ሓሞትና ተሓዲግና – ተዘሪግና
መልሓስና ተሓዲግና – ተሓቲምና
ፍቕርና ተሓዲግና – ተሓሚስና
ርእስና ተሓዲግና – ፋም-ፋም ኢልና!
ባዕሉ ዋጣ ሕጊ
ባዕሉ ሌባ ሕጊ፣
እናለቐመና ወወጊኡ
ዘመን ብዘመን ተተኪኡ፣
ርእሲ ካበይ ትምጻእ መቐመጫ’ዕብዩ
ረፈጥ ምስ በለ ምዕይ ምባል ኣብዩ።
ተዀርሚኻ መልቀስ፣ ደጋጊምካ ሓዘን
መከራ ከም ልምዲ፣ እምቢታ ከም ገበን
ጠንቂ ሰኣን ምምሓው ዕንይንይ ኣብ ሳዕቤን
ኣሕደገስ እምብኣር ልቢ’ይተዓደለን።
ቅርሕንቲ ምስ ሓርገጽ፣ ጠቐነ ንዓሳ
ኤህታ ንባሕሪ፣ መርገም ንምድረበዳ
ኵነኔ ከም ሰይጣን ውግዘት ከም ይሁዳ
ውግን ሰኣን ምባል ሓንቲ ዕዳ!
መዋእልካ ሓሳር መዋእልካ ጣዕሳ
ዓሰርተሳዕ ወየ – ዓሰርተሳዕ ሬሳ!
በዓል ሓድጉ……በዓል ይሕደጎ
ኣሕደገ ድኣ’ሞ በትሩ መን የሕድጎ!?
ከም ቅልጽምካ ግደ – ብጽሒት ዓደ’ቦ
እንታይ ኮን’ዩ ምጽኣት ድሕሪ ሞት ዓደ’ቦ
እግረይ ኣውጽእኒ ጥርዓን ንጐደቦ
ሰኣን ልቢ ምባል ብዓንተቦ
ህይወት ጫሕ ኣቢልካስ ምንባር ብትኳቦ!!
bokre