ወሓዚት ኣብርሃም
“ዘንብብ ይዕንብብ” ዝብል ጥቕሲ እናሰማዕና ኢና ተመልሚልና ዓቢና። ምንባብን ጥቕምታቱን፡ ኣዝዩ ዓሚቚ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን፣ ንሎሚ ግን ንዕሸላት ካብ ሸሞንተ ወርሒ ክሳብ ክልተ ዓመት ዘለዉ ህጻናት፡ ብዛዕባ ምንባብን ጽልውኡን ዝዓለመ ክኸውን’ዩ።
ምንባብ ንህጻናት ከም መግቢ ንሓንጎሎም ኢዩ። ወላ እኳ እቶም ህጻናት ዝርድእዎ ኣይኹኑ እምበር፡ ንካብ ሸሞንተ ወርሒ ክሳብ ክልተ ዓመት ዘለዉ ህጻናት ከተንብበሎም ምኽኣል፡ ንድሒሩ ዝመጽእ ናይ ስነ-ቋንቋ (linguistics)፣ ኣብ ዕብየት ማሕበራዊ ርድኢት (social development)፣ ኣብ መስርሕ ምምዕባል ፍልጠት (cognitive development) ልዑል ኣስተዋጽኦ እዩ ዘለዎ። ካብ ፈለማ ዕሸልነቱ ብሃብታም ቋንቋ ተመልሚሉ ዝዓበየ ህጻን ወይ ቈልዓ፡ “ኣፍ” ቀልጢፉ‘ዩ ዘውጽእ። ህጻናት ናይ ዝበልካዮም ምድጋም ባህርይ ኣለዎም፣ ዝገበርካዮ ክገብሩ’ውን ይፍትኑ’ዮም፣ እዚ ባህርይ እዚ ድማ ካብ ዕሸል ዕድሚኦም‘ዮም ዝጅምርዎ። ከምቲ ንህጻን ኣብ ስዓቱ ነደቅሶ፡ ነብልዖ፡ ነስትዮ፡ ንሓጽቦ፡ ከምኡ ድማ ከነንብበሉን ክንደርፈሉን ከነጻውቶን ይግባእ። እቲ ምኽንያት፡ ንኣብዚ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ህጻንነት እቲ ዝዓበየ ናይ ቋንቋ ምዕባለ ወይ ኣእምሮኣዊ ጥንካረን ስለ ዘኸትለሎም። ሓደ ህጻን ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ኣዝዪ ርኡይ ምዕባለታት’ዩ ዝህልዎ፣ ቊሩብ ካብዞም ደፋእታዊ ምዕባለታት ኣብ ቋንቋ ብምትኳር ክዝርዝር ክፍትን‘የ።
ናይ ክልተ ወርሒ ህጻን ክገብሮ ዝግብኦ፤
ፍሸኽ ይብል፣
ይበኪ ምስ ዝጠሚ ወይ ምስ ዘይጥዒ፣
ኣፍጢጦም ይጥምቱን የስተብህሉን፣
ናቶም ቋንቋ፡ ብሰላሕታ የዳምጹ (cooing)፣
ናብ ገጽካ ጥራይ ኣተኲሮም ስለ ዝጥምቱ፡ ከምቲ ኣብ ገጽካ ተርእዮ ባህርይ ክገብሩ ይፍትኑ።
ናይ ሽዱሸተ ወርሒ ህጻን ክገብሮ ዝግብኦ፤
ብጣዕሚ ሕውሳት ኢዮም፣
መስሓቕ ገጽ ምስ ተርእዮም ፍሸኽ ይብሉ፣
ገለ ህጻናት ኣብዚ ዕድመ’ዚ ስሞም ጸዊዕካዮም ይጥምቱ።
ዓሰርተው ኽልተ ወርሒ፤
ብምልክት ይኹን ብቓላት ንእትብሎም ይርድኡ፣
ብናቶም ቋንቋ ድሌቶም ክገልጹ ይኽእሉ፣
ብምልክት ክረዳድኡ ኣይጽግሞምን፣
ሕርቃኖም ብዝተፈላለየ መገዲ ይገልጹ።
ዕስራን ኣርባዕተን ወርሒ፤
ቋንቋኦም ርኡይ ምዕባለ የርኢ፣
ካብ ሱሳ ክሳብ ሰማንያ ቃላት ይመልኩ፣
ንነገራት ብኣስማቶም ክጽውዕዎም ኣይጽግሞምን፣
ክልተ ቓል ዝሓዘ ምሉእ ሓሳባት ክሰርሑ ኣይጽግሞምን።
ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ፡ ህጻናት ካብ እዋን ናብ እዋን ኣዝዩ ጎሊሑ ዝረኣይ ለውጢ ኢዮም ዝገብሩ። እዛ ዓለም ብኹሉ-ምላ ስለ እተገርሞም ከኣ ክመራመሩን ክድህስሱን፡ ዘዝበልካዮም ክደግሙን ሓያል ጻዕሪ‘ዮም ዘካይዱ። ካብ ኣግራመቶም ዝተላዕለ ኸኣ ንዝተዓዘብዎን ዝሰምዕዎን ይስንዱ። ቃላት ከለጋግቡ ንዝፍትኑ፣ ወይ ድማ ገና ሓደ ብሓደ ቃላት ንዝስንድው ህጻናት፡ ፈጺምካ ስዋሱው (ግራመር) ክትእርሞም ክትፍትን የብልካን። ከም ዝተረድኣካ ከተርእዮምን ከተተባብዖምን‘ዩ ዝግባእ። ናይ ምድጋም ባህርያት ስለ ዘለዎም ነታ ዝጋገይዋ ዘለው ንምእራም፡ ብሜላ ክኸውን ኣለዎ። ንኣብነት፥ ዝደልዮ ዓይነት ነገር ከም ትህቦም ብምሕባር ብምልክት ይኹን ብዘረባ ምርኣይን ምትብባዕን (positive reinforcement)። ወላ ዘይሰምዕዎ ኸለዉ ብዛዕባ ምዓልትኻ፣ ብዛዕባ ጨና፡ ሕብሪ፡ ክዳን፣ ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ከተዕልሎም ምፍታን ተመራጺ’ዩ። ነቲ ንሶም ዝብሉኻ ተገዲስካ ምምላስ፣ ብድምጺ ንኸውጽእዎ ዝፍትኑ ውልቃዊ ቋንቋኦም ከም ዝተረደእካዮም ምምሳል። ብኽያቶም ሓደ ካብቲ ቋንቊኦም ስለ ዝኾነ፣ ክትርድኣሎም ምኽኣል ሓጋዚ’ዩ።
መጽሓፍ ዝንበበሎም ህጻናት፡ ምስቲ ኣላይኦም ዘለዎ ዝምድና ጥቡቕ’ዩ ዝኸውን፣ እዚ ኣብ ዕብየት ናይ ቋንቋ ዘሎዎ ኣስተዋጽኦ ድማ ዕዙዝ እዩ። መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፤ ምስ ባንቡላ፡ መጻወቲ ‘ሎጎ’ … ወዘተ. ክጻወቱ ዝውዕሉ ህጻናት፣ ብቋንቋ ዝምልመሉን፡ ማለት ብንባብን ልዑል ‘ፓረንታል ኢንተራክሽን’ ዝዓብዩ ቈልዑ፡ ኣብቲ ናቶም ኩሉሙላኣዊ ዕብየት ርኡይ ፍልልይ ከም ዘለዎም‘ዩ ዘረጋግጽ። እቶም ዝንበበሎም፡ ነቲ ‘ምምዕባል ባህርያት ህጻናት መምስ ምዕራፋት ህጻንነቶም’ ዝብሃል ኣቐዲመ ዝዘርዘርኩዎ መትከል ማለት (developmental milestone) ቀልጢፎም ከም ዝበጽሕዎ ይገልጽ።
ኣብ ምርምር (Dickinson et al., 2012) ከም ዝብሎ፥ ንህጻናት ካብ ሸሞንተ ወርሒ ጀሚርካ ምስ ተንብበሎም፡ ምስቶም ዘይንበበሎም ምስ እተነጻጽሮ ለውጢ ከም ዘለዎ‘ዩ ብጭብጥታት ዘረድእ። ንዝንባለን ተገዳስነትን ቈልዑ ኣብ እዋኑ ንምልላይ፡ ምንባብ (ክንበበሎም) ኣዝዩ ጠቓሚ ምዃኑ ይሕብር። ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ምስ ዝንበበሎም፡ ኣብ ምብህሃል (ኮምኒኬሽን) ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ስነ-ቋንቋን ዕምቈት ንናይ ምንባብን ምርዳእን ክእለት (literacy skills) እምብዛ ከም ዝጠቕሞም ይትንትን።
Lockhart (2012) ከም ዝሕብሮ፡ ቋንቋ ኣብ ህጻናት ክምዕብል ዝኽእል፡ እቲ ናይ ምብህሃል መስርሕ ምስኦም ድልዱል ዝምድና ዘለዎ ሰብ ምስ ዝኸውን ኢዩ ኣድማዕነቱ። ከምቲ ምንባባ ንህጻናት ኣብ ቋንቋን ርድኢትን ዘምጽኦ ለውጥታት ዝተጠቐሰ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ዕብየት ማሕበራዊ ርድኢት (social development) ዘለዎ ጥቕሚ ብሕጽር ዝበለ ክድህስሶ ክፍትን‘የ።
መጠነ ዕብየት ማሕበራዊ ርድኢት ካብ ዕሸል ዕድመ‘ዩ ዝጅመር። (American Academy of Pediatrics, 2015) ከም ዝሕብሮ ንህጻውንቲ ምንባብ፡ ንኣብ ዕብየት ማሕበራዊ ርድኢቶም ኣዝዩ ጠቓሚ ብምዃኑ ብኡ መጠን ንመጻኢ ዓቢ ጽልዋ ኣሎዎ። ምስ ሰባት ክዛመዱን ክረዳድኡን ከም ዘኽእሎም፣ ከምኡ’ውን ምስ ኣብ ሓደ ዓይነት ዕድመ ዘለዉን ህጻውንቲ ንክጻወቱን ክረዳድን ይኽእሉ። ግዜ ፈሊኻ ምስ ተንብበሎም ከኣ እቲ ንኹሉ ህጻን ዘደናግሮ ናይ ግዜ ኣምር ከለልይዎ ይኽእሉ። ህጻናት ካብ ዝፍጠሩ ጀሚሮም ኣዝዮም ተጻወቲ’ዮም። ንነገራት ክፈልጡ ህንጡያት ስለዝኾኑ፡ ወለዶም ነዚ ብምምዝማዝ ንህጻናት ክፈልጥዎ ንዝደልዩ ነገራት ኣስተብሂሎም ናብ ጥቕሚ ናይቶም ህጻናት ብኸመይ ከም ዘማዕብልዎ ምፍላጥ ኣድላዪ እዩ። ህጻናት እቲ ክበጽሕዎ ዝግብኦም ምዕባለታት ምስ ዘይበጽሕዎ፡ ምስ መዛንኦም ክረዳደኡን ክጻወቱን ስለ ዘይክእሉ፡ ይድሕሩን ይዕብለሉን’ሞ ብኡ መጠን ከኣ ይድሃሉን ይትሕቱን ኢዮም። እዚ ኣሉታዊ ጽልዋ ምስኦም ምስ ዝዓቢ ድማ እቲ ናቶም ነብሰ-ኣኽብሮት (ሰልፍ ስቲም) ኣዝዩ ይትሕት‘ሞ ኣብቲ ማሕበራዊ ህይወቶም ኣሉታዊ ጽልዋ የማዕብሉ። እቲ ብቐሊሉ ክበጽሕዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ደረጃ ድማ ክበጽሕዎ ይጽገሙ። ስለዚ ድማ’ዮም ተመራመርቲ ስነ-ህጻናት፡ ንህጻናት ‘ሶሻል ስኪል’ ክህልዎም ከም ዘለዎ ዓቲቦም ዝመኽሩ። ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ህጻናት መጻወቲ ብምውሳድ ምስ መዛኑኦም ከም ዝራኸቡ፡ ከም ዝጻወቱ፡ ምስ ካልኦት መዛኑኦም ብብዝሒ ምስንባር … ወዘተ. ምግባር ዓቢ እጃም ከም ዘለዎ ተመራመርቲ ይሕብሩ። ኣብ ሰሙን ወላ ንቊሩብ ስዓታት ኣብ ናይ ህጻናት ‘መጻንሒ ቦታ’ ከም ዝኣትዉ ንኽትገብር’ውን ይመኽሩ’ዮም። እቲ ናይ ምርዳእን ምዝማድን ክእለት ካብ ዕሸል ዕድመ ስለ ዝጅምርን ዝዓብን ድማ ንኸይድሕሩ ሓያል ጻዕሪ ወለዲ ይሓትት።
ሳይኮሎጂስት ጃነት ባከር ካብ ዩኒቨርስቲ ኮሎምብያ ናይ ዝገበረቶ መጽናዕቲ፤ ህጻናት ትሕቲ ዓሰርት ወርሒ፡ ካብቲ ናይ ኣደ ቋንቋኦም ወጻኢ ካልእ ቋንቋ ከስተብህልሉ ከም ዝኽእሉ ይሕብር። ህጻናትን ቈልዑን ልክዕ ከም ዓበይቲ ሓድሸ ሓበሬታ ንኽረኽቡ ኣዝዮም ህንጡያት ብምዃኖም፡ ሓድሽ ነገር ክሰምዑ ከለዉ ኣድህብኦም ከም ዝልዕል ተረድእ። ኣድህብኦም ብዝልዓለ ንምልላይ ብዙሕ ዓይነት መዐቐኒ እኳ እንተሃለወ፡ ገለ ኻብኡ ንምጥቃስ፥ ሓደ ህጻን ሰሚዕዎ ዘይፈልጥ ድምጺ ምስ ዝሰምዕ፡ ንሒዝዎ ዝጸንሐ ጡጦ ብዝተዓጻጸፈ ቅልጣፈ ይጠቡ፡ እዚ ከም ‘ረስፖንስ’ ወይ ድማ ነቲ ኩነት ከም ዘስተብሃለ ይነግረና ኣሎ ማለት’ዩ። ከም ካልኣይ ድማ ናብቲ ድምጺ ፈጢሩ ዘሎ ኣካል ዝጥምቶ ብግዜ ክዕቀን ከሎ ኣዝዩ ይልዕል፣ እዚ’ውን ንባዕሉ ግብረ-መልሲ እዩ። ኣብቲ ዶክተር ጃነት ዝገበረቶ መጽናዕቲ፡ ወላ ሓድሸ ናጽላ ንዝተፈላለየ ‘ፖኒም’ ከለልዩ ከም ዝኽእሉ’ዩ። ንኣብነት ወዲ ሽሞንተ ወርሒ፡ ኣብ መንጎ ‘ዳ’ ን ‘ባ’ ን ዘሎ ፍልልይ ብዘይጸገም ከም ዝርድኦ ድማ የርእይ። እቲ መጽናዕቲ ከም ዘርእዮ፡ ክልተ ዓይነት ኣደማምጻ ዘለዎም ቃላት ማለት ኣብቲ ኣደማምጽኦም ክፈላልዩ ዝኽእሉ፡ ሓንቲ ቋንቋ (ኢንግሊሽ) ጥራይ ዝዛረቡ እኹላት ሰባት ክፈልይዎ ዘይክእሉ ክልተ ዓይነት ኣደማምጻ ናይ ቃላት፡ ትሕቲ ሓደ ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ክፈልይዎ ከም ዝኽእሉ የነጽር። ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኾኑ ህጻናት ግና ነቲ ቋንቋ ኣዲኦም ስለ ዘማዕብልዎ ነዚ ፍልልይ’ዚ ክሰምዕዎ ኣይክእሉን’ዮም። እዚ መጽናዕቲ’ዚ ህጻናት ክሳብ ክንደይ ጽሩይን ድልውን ሓንጎል ከም ዘለዎም እዩ። ንህጻናት ምንባብ፡ ምድራፍ፡ ምዕላል፡ ዓይኒ ንዓይኒ ምጥምማት … ወዘተ. ልክዕ ከምዚ ኣብ ገፊሕን ጸላምን ገዛ ኣቲኻ ንኹሉ ሸነኻት እቲ ቤት በብሓደ መብራህቲ ከም ምውላዕ ማለት እዩ። (ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቪድዮ ተወከሱ)
ሓደ እተበጽሐ ምርምር ከም ዝሕብሮ ሓደ ህጻን ኣብ ከብዲ ኣዲኡ ከሎ፡ ድምጺ ኣዲኡ ከለሊ ከም ዝኽእል እዩ። ህጻናት ኣብ ከብዲ ኣዲኦም ከለዉ ምስ ዝንበበሎም ነቲ ናይ ኣዲኦም ድምጺ ድሕሪ ነዊሕ ሰሙናት ከም ዝዝክርዎ’ውን እቲ መጽናዕቲ ይሕብር። እዚ መጽናዕቲ’ዚ ኣብ ናይ ሰለስተ ወርሒ ጥንሲ ዘለወን ነብሰ-ጾር ኣደታት ዝተኻየደ ክኸውን ከሎ፣ እተን ኣደታት ንሽዱሽተ ሰሙን ብተኸታታሊ – ክልተ ግዜ ድማ ኣብ መዓልቲ (ጠቕላላ ብገምጋም ልዕሊ ሰማንያ ግዜ)፡ ሓደ ዓይነት ዛንታ ከም ዘንብባ ተገይሩ። ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙን፡ ነቲ ዕሸል ብኻልእ ሰብ ‘ጃደ’ ዓይነት ዛንታ ከም ዝንበበሉ ምስ ተገብረ፣ እቲ ናይቲ ህጻን ህርመት ልቢ ከም ዝነከየ እቲ መጽናዕቲ የነጽር። እዚ ድማ ግብረ-መልሲ ናይቲ ዝተፈለየ ዓይነት ዘይ-ናይ-ወላዲቱ ድምጺ ንምርኣይ ዝዓለመ ኢዩ። ኣብ ናይ ትሽዓተ ወርሒ ጥንሲ ግዜ ከኣ ብኣዝዩ ዝነጸረን ዘየማትእን ግብረ-መልሲ ድምጺ ወላዲቱ ክፈላሊ ይኽእል። እዚ መጽናዕቲ እዚ ኣብ ዩኒቨርስቲ ፍሎሪዳ እዩ ተኻይዱ። ህጻናት ኣብ ከብዲ ወላዲቶም ከለዉ’ዮም ምስ ወላዲቶም ዝምድና ዝፈጥሩ። ምስ ተወልዱን ክርእዩን ምስ ጀመሩ ኸኣ እቲ ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገራት ኣብ ወለዶም እዩ ዝምርኮስ። (ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቪድዮ ተወከሱ)
ንህጻናት ምንባብ ኣብ ናቶም መስርሕ ምምዕባል ፍልጠት (cognitive development) ኣዝዩ ኣገዳሲ ረቋሒ እዩ። Cunha et al. (2006) ከም ዝሕብሮ መስርሕ ምዕብዓለ ፍልጠት ካብ ዕሸልነት ከም ዝህነጽ‘ዩ። ወለዲ ኣብ ደቆም ዝገብርዎ ወፍሪ ‘ኢንቨስትመንት’ ካብ ኣዋርሕ ዕድሚኦም ክጅመር ከም ዝግብኦ ድማ ኣጥቢቚ’ዩ ዝምሕጸን። መጽናዕታዊ ጽሑፍ Murray and Egan (2013) ከም ዝሕብሮ፡ ምንባብ ንደቂ ትሸዓተ ወርሒ ዘምጽኦ ለውጢ ዕዙዝ ምዃኑ እዩ። እዚ ኣብ ኣየርላንድ ዝተገበረ መጽናዕቲ፣ ብስእሊ ንዝተሓገዙ መጽሓፍቲ (ኢላስትሬሽን፡ ካርቱን) እናርኣኻ ንህጻናት ምንባብ፣ ንመጻኢ ግድላት ኣብ ምፍታሕ፣ ንነገራት ቀልጢፍካ ናይ ምርዳእ ክእለት ንኽህልዎም ዓቢ ኣስተዋጽኦ‘ዩ ዘለዎ። ብንባብ ተመልሚሎም ዝዓብዩ ህጻውንቲ ናይ ምንባብ ድልየቶም ዕዙዝ ከም ዝኸውንን፣ ንምንባብ ሓደ ክፋል ሂወቶም ገይሮም ከም ዝርእይዎን ይጠቅስ። ዘንብብ ሰብ ኣዝዩ በሊሕን መስተውዓልን ጥራይ ዘይኮነ፣ ሓፈሻዊ ፍልጠቱ ኣዝዩ ዕዙዝ /ዓሚቚ ምዃኑ ምጥቓስ ዘድሊ ኣይመስለንን።
ውላድ ውህበት እግዛብሄር ካብ ኮነ፣ ፍረና ከመይ ኣቢልና ከም ነዐንብቦ ምርዳእ፡ ናይ ወለዲ ረዚን ሓላፍነት ኢዩ። እቲ መሰረት ኩለንትናዊ ዕብየት ዝኾነ ናይ ህጻናት እዋን፡ ካብ ክሊ ዕድመ ሸሞንተ ወርሒ ክሳብ ክልተ ዓመት ዘሎ ግዜ ብምዃኑ ሸለል ኢልካ ክሕለፍ ዘይግብኦን መድረኽ ኢዩ። ኣብ መሰረቱ ዘይደልደለ ገዛ ወይ ህንጻ ብዙሕ ጉድለታትን ኣዕናዊ ሳዕቤን ከም ዝፈጥር ርዱእ ብምዃኑ፡ ብኣግኡ ኣጽፊፍካ ምስራሕ ግድን ኢዩ። ከምኡ ክንዲ ዝኾነ፡ ኣብ ህጻናት’ውን፥ ጡጦ ምውታፍ፣ ፓምፐር ምቕያር፣ ምድቃስ፣ ጥዕናኦም ምክትታልን ጥራይ ዘይኮነ፣ ጥዕና ሓንጎሎም ምፍላጥ፡ ምህናጽ፡ ምድንፋዕ ካብቲ ዓብይ ኣድህቦ ዘድልዮ ዕዮ ገዛ ወለዲ /ስድራ እዩ። እቲ ብእዋኑ ክነቓቃሕ፡ ክበራበር፡ ክቅስቀስ፡ ክቃነ ዝግብኦ ናይ ህጻናት ሓንጎል፡ ደንጉዩ ምስ ዝነቓቃሕ፡ ዝቕስቀስ፡ ዝቃነ ግን ኣብቲ ዕድሚኡ ክበጽሖ ዝግብኦ ምዕባለ ኣይበጽሕን! ኣብ ሃገርና ኣዴታትና ንደቀን፥ “ኣታ ዕንዱ ወደይ …፣ ኣንቲ ሕንጢት ጓለይ…፣” ኢለን ክደርፋ ከለዋ ንሓንጎልና ኢየን ዘቓንያን ዘበራብራን ዘነቓቅሓን ዝነበራ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩሉ ሰብ ዝተፈላለየ ዓይነት ሓበሬታ ክድልብ ቀሊል ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ካብ ኣደታትና ንላዕሊ ንደቅና ክነማዕብልን ከነንቅሕን ክንጽዕር ኣለና። ናይ ሕጂ ህጻናት ናይ መጻኢ ተረከብቲ ዓለም፡ ካብቲ ክበጽሕዎ ዝግብኦም ምዕባለታት ንኸይድሕሩ ናይ ወለድን ቤተሰብን ሓላፍነት ብምዃኑ ኣበርኩቶናን ግዳሴናን ነዛይድ።
15/03/2016
መ ወ ከ ሲ፥
# American Academy of Pediatrics (2015) – The social development of young children, resource guide for healthy start staff. Retrieved from: http://www.nationalhealthystart.org/site/assets/docs/NHSA_SocialEmotional_2.pdf
# Cunha, F., J.J. Heckman, L.J. Lochner and D.V. Masterov (2006) – Interpreting the evidence on life cycle skill formation, in: Hanushek, E.A. and F. Welch (eds.) Handbook of the Economics of Education, Amsterdam, Elsevier, 697-812
# Lockhart, S. (2012). Supporting communication, language and literacy learning with infants and toddlers. Highscope Extensions
# Murray, A., & Egan, S. (2013) – Does reading to infants benefit their cognitive development at 9-months-old? An investigation using a large birth cohort survey. Child Language Teaching And Therapy, 30(3)
https://www.youtube.com/watch?v=5Hb3hRaKkks (University of Florida)
https://www.youtube.com/watch?v=WvM5bqUsbu8 ( Dr Janet Warker research)