ንስካ ኣብ’ቲ ዲያስፖራ
ኣነ ኣብ ዶባት ኤርትራ
እና ተቐመጥና:…
ከመይ ሚዛናዊ
ሓሳብ ክህልወና?
እስከ በል፥
መታን ክንተሓዋወስ
ንቡርና ክምለስ
ንዓ ንበራረ፥
ኣነ:ክዛወሮ’ቲ ጎደና
ክራባታይ ኣሲረ
ጫማይ ቀያይረ:
ክህበካ:”ዝናረይ ንርስቲ
ሕደጎ 2ተ ካብ 100ቲ:
ጭዖት’ሞ ኣውጽእ
ምፍጣርካ ዘጽልእ
ሞደሻ’ሞ ኣልዕል:
ብዘይ መብረ
ጎሮሮኻ በቲ ጸሓይ
ቀራዕ እና በለ!
ርእይቶኻ’ሞ ተዛረብ :
እንተሃልዩ ዝሰምዕ
ጅግና ተጸዋዕ:
ሽዑ ኣብ’ቲ ዝዓበኻሉ
ኮይነ ንስምካ ክጽውዕ
ከመይ ደስ ይብለካ
ሞራልካ ክዕዘብ፥
እቲ’ኳ ሓለዋ ክትጽመድ
ምስ ኣጻብዕትኻ
ቃርሳ ክትጻወት
ረሲዕካዮ:
እንታይ ከም ትብለኒ፥
ክሰምዓካ መታን
ክመጸካ:
ሻርባይ ኣሲረ
እዝነይ ተሰቚረ
ክበጽሓካስ
እስከ ንበራረ።”
ይብል ኣሎ’ቲ ውጹዕ
ኣስተሓቃር ደሃይካ ዝሰምዕ።
by፡ Teclia
6/2015