ከምኡ ንኽገብር . . . . .
ዝደፋፍኦ ሓይሊ እንድዒ
ዝቕንጥዎ ስጋ’ውን እንድዒ
ኩሉ በቃ እንድዒ !!!
እቲ ዝዓበየ ዕዮ ግን :
ምስ ኣርዕቱን ነዊትን
ኣብቲ ጭቃን ስበትን
ሕርስ ንዝኸረሙ ጭላይን ጎይባይን
ሳዕሪ መስቀል ብሰዊቱ
በበሊዖም መታን ከይድቅሱ
እፎይታ ንምኽላእ፤ ምንኻስ’ዩ ኣመሉ
ከምኡ ግበር’ዩ ዝብሎ ሃቀናኡ::
ኣ . . . የ . . . . ንህቢ ኣድጊ
ዘይከም ጽጌናይ ዘይከም ንህቢ
የማንን ጸጋምን እናዝበጥበጠ
ነኺሱ ነኺሱ ከብዱ ከይጸገበ
እቲ ንፉዕ ጓሳ ብቖጽሊ ሃምባሃምቦ
ሕነቶም ዝፈትዎም ኣብዑሩ
ተጣ. . . .ቢ ቡ ከም ዝቐትሎ
እምበር ዘይምፍላጡ።
ዘፌ 2014