ጠዓሞት፡ ቢንያም
17
ዛንታ ቢንያም፡ ዛንታ ኤርትራዊ መንእሰይ’ዩ
ኣብዚ ዓምዲ ዝወጹ ጽሑፋት ብምሉኦም ሓቀኛ ዛንታት’ዮም
“ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዪ ቁንቁኛኣ᎒”
5ይ ክፋል
ካብ ጎዳይፍ ሒዛትኒ ዝተበገሰት ኣውቶቡስ ቁጽሪ 4 ክሳብ ሜዳ ኤርትራ (ናይ ቀደም ሜዳኢትዮጵያ) ብምኻድ ኣብኡ ደው ስለዝበለት ኣነ ተቐላጢፈ ብምውራድ ናብ’ቲ ዝተሓበርክዎ ኣብ ፒያስ ሚኬኢለ ዝርከብ ድኳን’የ ኣምሪሐ። ኣብቲ ከባቢ ምስ በጻሕኩ ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ናብታ ዝተሓበረትኒ ድኳን ዝኸይድ ፈለማ ነቲ ከባቢ ክስልዮ ኣለኒ ብምባል ክልተ ግዜ ቦታታት ብምቕያር ዝኾነ ዘይንቡር ምንቅስቓስ ከይህሉ ተዓዘብኩ። መሬት ኣማን’ዩ ዘሎ ዝመስል ኢለ ስለዝሓሰብኩ ድማ ድሕሪ ቁሩብ ምስላይ ናብታ ድኳን ቅድሚ ምእታወይ ናብ ሞባይሉ ደወልኩ። ዝተቐበለኒ ሰብ እቲ ኣቐዲሙ ዝደወለለይ ነበረ። ኣብቲ ከባቢ ዝሓበረኒ ድኳን ከም ዘለኹ ምስ ነገርኩዎ “ኣብ ውሽጢ ይጽበየካ ኣለኹ” ምጻእ በለኒ። ሕጂስ እዝጊ ይፈልጥ በዓል ደሓን’ዩ ዝመስል ብምባል ናብታ ብናይ መርዓ ክዳውንቲ ዝተጠቕጠቐት ድኳን ድርግም በልኩ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ድኳን ብጀካ ሓደ ሰብ ካልእ ኣይነበረን። ተመስገን ! ኣዕሙቐ ኣቢለ ኣስተንፈስኩ።
“ኣሎራ፡ መኮነን ዲኻ᎒” ሓተተኒ
“እወ ደዊለልካ’ኮ ጸኒሐ’የ”
“ኣይዋ ጽቡቕ ተረዲኤካ፡ እሞ ካብ ዱባይ መልእኽቲ ኣለካ ታሴራኻዶ ክትህበኒ”
ታሴራይ ኣውጺኤ ሃብኩዎ። ሓንቲ ንእስ ዝበለት ጥራዝ ኣውጺአ ቁጽሪ መንነት ወረቐተይ ድሕሪ ምጽሓፍ ጥማር ገንዘብ ኣውጺኡ “እንካ’ሞ ቁጸረን 10,000 ናቕፋ’የን።”
ካብ 1984 ዓ.ም. ክሳዕ 1994 ዓ.ም. ኣቢሉ ኣብ ዝነበረ ናይ 10 ዓመታት ግዜ ኣብ ናይ ስድራቤተይ ድኳን ካብ ዘጥረኹዎ ተመኩሮ ሓደ ቀልጢፍካ ገንዘብ ምቑጻር ነበረ። ርግጸኛ እየ ሓደ ኣሜሪካዊ 1000 ዶላር ቆጺሩ ክሳዕ ዝውድእ ኣነ 10,000 ዶላር ከም ዝቖጽር። ኣሜሪካውያን ኣብ ምፍላጥ ቁጽሪ ገንዘብ እምበር ካሽ ኣብ ምቑጻር እሞ ድማ ኣጻብዕትኻ ብምራቕካ ኣተርክስ ኣቢልካ ሸረር ሸረር ኣብ ምባል ዝሑላት ኢዮም። ብዛዕባ ምራቕ ዘይምዛራብ ይሓይሽ። ምራቖም ናብ ኣጻብዕቶም ከተንክፉ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ብዝኾነ ናብ ቅድሚ 8 ዓመት ደኣ ንመለስ። ገንዘብ ቆጺረ ምስ ወዳእኩ ኣብ ዝተቐረበለይ ወረቐት ክታመይ ኣንቢረ ኣመስጊነ ነታ ድኳን ዝባነይ ሂበ ዕዝር በልኩ። ድርብ ሓጎስ’ዩ። በቲ ሓደ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ሓደ ፈታውየይ ዝተላእከለይ 500 ዶላር ማለት ብናይ ሽዑ ናይ ጸሊም ዕዳጋ ሸርፊ 10,000 ናቕፋ ተቐቢለ። በቲ ካልእ ድማ ተሌፎን ዝደወለ ብዓል ዳሓን ምዃኑ።
ካብ ፒያሳ ሚኪኤል ምስ ወጻእኩ። ብቐጥታ ናብቲ ብዛዕባ ስግረ ዶብ ይፈልጥ’ዩ ዝበልኩዎን ንሕማቕ መዓልቲ ዝሓዝእኩዎን ሰብ(ሕጂ ኣብ ጀርመን ዝነበር ዘሎ) ክረክብ ናብ ከባቢ ካቴድራለ’የ ከይደ። ናብቲ ቦታ ከይደ ነቲ ዝደልዮ ዝነበርኩ ሰብ ንመሳርሕቱ ሓቲተ ውጽእ ኢሉ ከም ዝሎ ምስ ነገራኒ ክምለስ ምዃነይ ነጊረየን ናብ ሆቴል ኣምባሳደር ከድኩ። ኣቡኡ ከይደ ኣብ ሓደ ጸግዒ ቦታ መሪጸ ኮካ ኣዚዘ ኮፍ በልኩ። ነዚ ሕጂ ዝደልዮ ዘለኹ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዓርከይ ብወዝቢ’የ ብዛዕባ ስግረ ዶብ ክሕግዘኒ ከም ዝኽእል ዝተበሰርኩ። ሓደ መዓልቲ ቅድሚ 6 ወርሒ ኣቢሉ’ዩ ዝኸውን ዲቪ በጺሑኒ ገና ካልኣይ ናይ መልሲ ደብዳቤ ከይምየጻኒ እንከሎ። ኣጋጣሚ ብገለ ስራሕ ናብ ኣስመራ ምስ ከድኩ ኣብ ከባቢ ኣምባሳደር ጎፍ ንጎፍ ተራኸብና። ምስዚ ወዲ ቅድሚ 8 ዓመት ይኸውን ብሓንቲ ዘይትጠቅም ጉዳይ ተቐያይምናስ ኣብቲ ዝኸፍአ ኩነታት ናይ 3ይ ወራር ማለት ግንቦት 2000ዓ.ም. መምህራን ምስ ከተትና ተራኺብና ሽግር ዝዓረቐና ሰባት ኢና ኮይና። ብድሕሪኡ ሳሕቲ ደኣ ይኹን እምበር ክንራኽብ እንከለና ናይ ልብና ኢና ነዕልል። መቀያየሚና’ውን ብዙሕ ዘባእስ ነገር ኔሩ ዘይኮነ ካብ ጌጋ መረዳእታን ኣጸቢቕካ ካብ ዘይምፍላጥን ዝመንጨወ’ዩ ኔሩ። ብዝኾነ ምስዚ ሰብ ጎፍ ንጎፍ ምስ ተራኸብና “ነዓስከ ሞኬ ሎምስ ሻሂ ንስተ ኩሉ ግዜ ኣብ ተብተብ ጥራሕ ኢና ንራኽብ” ብምባል ሒዙኒ ናብ ቤት ቁርሲ ካቴድራለ ከደ። ኣብኡ ኣቲና ጽማቕ ኣዚዝና እናዕለልና፡ኣብ መንጎ ኣንታ
“ሞኬ እንታይ ትጽበ ኣለኻ᎒ እምባእ . . . . ! ክሳብ መዓስ ኢኻ ክትጽበ ኩሉ ሰብ እናኸደ᎒ ንዓ ገለ ግበር በሎ ንሓውኻ ያዓኸ” በለኒ። ቦኽሪ ሓወይ ኣብ ካናዳ ከም ዝቕመጥ ይፈልጥ ኔሩ’ዩ።
“ኣንታ ኩስቶ፡ ሓወይ ደኣ ገለ ምገበረ ኔሩ ግን በየን ጌርካ’ዩ እሞ ዝውጽኦ” ብውሽጠይ፡ እዚ ወዲ ኣምላኽ’ዩ ዘዛርቦ ዘሎ እናበልኩ’የ።
“ናይ ምውጻእስ ደሓን፡ ሓውኻ ገለ ነገር ዝገብር እንተኾይኑ ዋላ ናብ ዱባይ ደዊልና ዲና ገለ፡ ካርቱም ኮፍ ክነብለካ ኢና” በለኒ
ብድሕሪዚ ነዊሕ ክቕጽል ኣይደለኹን። ምኽንያቱ ናይ ዲቪ ጉዳይ ይጅምር ደኣ ኣሎ እምበር ኣብ መወዳእታ ገጹ ዝኸደ ነገር ስለዘይነበረ። ቅድሚ ናይዛ ኣርእስቲ ዕላል ምቕያርና ግን
“እሞ ሓደ ነገር ዝሓስቦ ኣሎ፡ ንስኻ ኣብ ከምዚኣ ክትሕግዘኒ ትኽእል እንተኾይንካ ጽቡቕ ኔሩ፡ ብዝኾነ እቲ ጉዳይ ኣብ ምዝዛም ምስ በጽሐ ክሕበረካ’የ” ኢለዮ ንሱ’ውን “ኣብ ዝመጻኹሉ ግዜ ክሕግዘኒ ድሉው ከም ዝኾነ ሓበረኒ። ዕላልና ናብ ካልእ ቀይርና ንዊሕ ድሕሪ ምስሓቕን ምጽዋትን ተፈላሊና ነናብ ዋኒንና ከድና።
ብድሕሪ’ዛ ዝርርብ እዚኣ እሙን መማኽርቲ ስለዝረኸቡ ጸጸኒሐ ይመጾን ኣብ ናይ መውጺ ቪዛ ምሕታታት ድማ ክሳብ ናብ ኢሚግሬሽን ዝኸይድ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ምሳይ ተዋሲኡ’ዩ። እታ ናይ መውጺኢ ቪዛ ጉዳይ እንተዘይሰሊጣ ድማ ኣነ ዘይፈልጦ ብውሽጡ ዝሓስቦ ነገራት ስለዝነበረ ተስፋ ናይ’ታ ጉዳይ ምስ ተዓወተ ወይ ምስ ሞተ ክንራኸብ ኢና ተሰማሚዕና ። እዚ ክብል ከለኹ እዚ ናይ ቪዛ ጉዳይ እንተዘይሰሊጡ ኩሉ ዕድላት ኣብዚ ዘዕልለልኩ ዘለኹ ዓርከይ ጥራሕ ኣውዲቐ ዘይምኻደይ ክትርዱኡዎ ዘለኩም ነገር ኣሎ። “ፈራሕ 10 በትሩ ይብሉ” ኣቦታት ኣነ ግን እንተስ ፈሪሐ እንተስ ጎሪሐ በትረይ ሓንቲ ኣይነበረትን። ነዚ ናብ ዱባይ ደዊልካ ካርቱም ጥብ ምባል ዝብል ተስፋ ከም ትሑዝ ወሲደ ጎኒ ጎኒ ክልተ ጭቡጣት ነገራት ይሰርሓሉ ኔረ’የ።
ሓደ ናይ መውጺኢ ቪዛ ጉዳይ እንተዘይሰሊጡ ብጸሮና ጌርካ ሸተት ኢልካ ናብ ኢትዮጵያ ምጥፋእ። እዚ ከም ካልኣይ ምርጫ’የ ሒዘዮ። ምኽንያቱ ናብ ኢትዮጵያ፡ ውዱእ ኣመሪካ ዘእቱ ቪዛ ሒዘ ብወታሃደራት ኢትዮጵያ ምሕላፍ ውሑስ ጌረ ኣይወሰድኩዎን። ሓደ ኣብ መንገዲ ዘጋጥመኒ ኣይፈልጥን ካላኣይ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ምስ ኣተኹ እንታይ ከገብር ይኽእል መን ይሕግዘኒን ዝብሉ ሓያሎ ዘይተመለሱ ሕቶታት ስለዝነበሩ ከም ቀዳማይ ምርጭ ኣይወሰድኩዎን። ይኹን እምበር መውጺኢ እንተረኺበ ክወጽእ ስለዘለኒ ክፍትሾ ከኣ ተገዲደ’የ። ስለዚ ኣብ ክራማት 2006 ሓደ መዓልቲ እታ ካኑን ዝዓይነታ ዓባይ ኣብ ቤት ስእሊ ንፍርቂ ዝሰርሓላ ዝነበርኩ ካሜራን ሓንቲ ንእሽቶ መቕድሒት ቴብን ወረቓቕትን ሒዘ። ግንዘቦ ናብ ዝርከብ ዓርከይ(ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሱዳን ይርከብ) ዝበጽሕ መሲለ ኣውቶቡስ ተጻዒነ ፈለማ ሰገነይቲ ደቀምሓረ ካብኡ ኣውቶቡስ ቀይረ ደቀምሓረ ጸሮና በረርኩ። ናይ መንቀሳቐሲ ሽግር ኣይነበረንን ምኽንያቱ እታ ንሰራሕተኛ መንግስቲ ዝተዋህበት መጣየሲት ካርድ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናብ ዝደለኻዮ ቦታ ከተኺድ ትኽእል ነበረት። ጸሮና ወሪደ መግቢ ክበልዓላ ዝኣተኹዎ ቤት መግቢ ተኪኤ ዝስሙ ኣብ ሓሊቦ ዝፈልጦ ጥዩስ ተጋዳላይ ዝውንና ኮይኑ ጸንሓትኒ። ምስ ተኪኤ ቁሩብ ምስ ኣዕለልና ዝኣዘዝኩዎ መግቢ መጽኒዩ ሓደ ክልተ ቢራ’ውን መወረዲን ኣብ መገዲ ከኣ መረሳሰንን እናካፈኹ ድሕሪ ናይ ኣስታት ክልተ ሰዓት ጻንሖት ንተኪኤ መንገዲ ግንዘቦ ክሕብረኒ ሓተትኩዎ። ጸሮና ንኻልይ ግዜየይ ዝርእያ ዘለኹ። ኣቐዲመ ኣብ 2002 ወይ 2003 ብጉዳይ መርዓ ናይዚ ናብ ግንዘቦ ዝኸዶ ዘለኹ መጽየያ ኔረ’የ። ተኪኤ ሓንሳብ “መምህር ብደሓን ደኣ ጸሮና መጺኹም ኢሉ ምስ ሓተተኒ” ብድሕሪኡ ብዛዕባ መንገደይ ክሓትት ዝደለየ ኣይመስልን። ኣነ ኣብ ሓሊቦ ክፈልጦ ደፋር ሕሉፍ ሓሊፉ ኣግማለይ ኣናህብ ወዲኦሞም ኢሉ ጠኒኑ ብምእታው ብኻሻን ብማይን እናገበረ ኣግማሉ ካብ ሞት ኣድሒኑ ንባዕሉ ክሳብ ሞት በጺሑ ዝነበረ ሰብ’ዩ። ጸሮና ምስ መጻእኩ ግን እቲ ዝፈልጦ ተኪኤ ቁሩብ ፍዝዝ ኢሉ ተቐበለኒ። ካብ ፈለማ’ውን “በዚኣ ትሕሸኩም መምህር ኢሉ ናብ እልይ ዝበለት ክፍሊ’ዩ ወሲዱኒ ኔሩ። ብዝኾነ መንገዲ ግንዘቦ ክሕብረኒ ምስ ሓተትኩዎ በቲ ንቡር ኩሉ ሰብ ዝኣትወሉን ዝወጻሉን ኣፈደገ ዘይኮነ በቲ ናብ ድሕሪት ሸነኽ ዝነበረ ሑጓ ዝመስል ንእሽቶ ኣፍደገ ኣውጺኡ’ዩ ብኢዱ እናመልከተ
“በዚኣ ጌርኩም ኪዱ ኢሉ” ዘፋነወኒ።
ተኪኤ ናይ ኣኽብሮት ደኣ ኣቱም ይብለኒ ኔሩ’ምበር ብዕድመስ ካባይ ይዓቢ’ዩ። ርግጸኛ እየ ተኪኤ ሽዑ “ዋይ መምህር ከኣ ይዕዘሩ ኣለው” ከም ዝብል። ብዝኾነ ታኣምር ግንዘቦ በጺሐ ናብ ሰገነይቲ ክምለስ እየ ዝብል ሓሳብ ክህልዎ ዝኽእል ኣይመስለንን። ኣብቲ ዕለት በቲ ተኪኤ ዝሓበረኒ መንገዲ ጌረ ኣብ መንገዲ ዝጸንሑኒ ፈተሽቲ ወረቐት ኣርእየ ሓሊፈ ግንዘቦ ናብ እንዳ ዓርከይ ምስ ኣተኹ ሳልስቲ ነቲ ከባቢ ተዘዋዊረ ሰለኹዎ። ናብ ኢትዮጵያ ምውጻእ እንተኾይኑ በየን ክወጽእ ከም ዝኽእል ከኣ መጽናዕቲ ወሰድኩ። ድሕሪ ሳልስቲ ምስ እንዳ ዓርከይ ምቕናይ ከኣ ናብ ሰገነይቲ ክምለስ ኣብ ክንዲ ብጸሮና ጌረ ዝኸይድ ምናልባት ብለይቲ ይኹን ብቐትሪ ካብ ሰገነይቲ ሃንደበት ክሃድም እንተኾይነ መንገዲ ክፈልጥን ጽቡቕ ጌረ ክለማመድን ብምባል ብእግረይ ናብ ኳዕቲት መሰስ ክብል ወሰንኩ። ናብ ኳዕቲት ንምኻድ ዓፋፉን ዝዝረኣሉ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ጎልጎልን ዓቢ ሩባ ጨዓሎን ሰንጢቐ ዓቐበት ድሕሪ ምውጻእ ድሕሪ ናይ ኣስታት 3 ሰዓት ናይ እግሪ ጉዕዞ ኳዕቲት ኣትየ። ኣብ ኳዕቲት ምስ እንዳ ዓርከይ ሓዲረ ዝቐጸለ መዓልቲ ናብ ሰገነይቲ ተመለስኩ።
2ይ ምርጫ ብተሰነይ ንምውጻእ ኮይኑ ኣብ ከተማ ተሰነይ ዝሰርሕ ፖሊስ ነቶም ዘስግሩ ደላሎ ረኺቡ ኣውጽእዎ ክብሎም ከም ዝኽእል ኣብ ምርዳድእ በጺሕና ክወጽእ ድሉው ኣብ ዝኾንኩሉ ግዜ ክሕበሮ ከም ዘለኒ። ካብ ተሰነይ ናብ ከበሳ ክወጽእ ከሎ ድማ ዘሎ ምዕባለታት ከነዕልል ክረኽቦ ከም ዝኽእል ብመንገዲ መንጎኛይ ተረዳዲእና ሓደ ከዕወተኒ ይኽእል’ዩ ዝበልኩዎ ጽፉፍ ስራሕ ዝመስል መንገዲ ረኸብኩ። ንሱ እቲ ፖሊስ ኣቐዲሙ ሰብ ኣውጺኡ ከም ዘይፈልጥ ግን ሰባት የውጹኡ እዮም ኢሉ ዝጥርጠሮም ሽምግል ዝበሉ ሰብኡት ናይ ቀረባ ኣዕሩኽቱ ከም ዘለውዎ’ዩ ሓቢሩኒ። እዚ ፖሊስ ድሕሪ’ቲ ናይ ፈለማ ርክብና ኣስታት ክልተ ወርሒ ጸኒሑ ኣብ ከባቢ ሕዳር ወይ ታሕሳስ ናይ 2006 ናብ ከበሳ ምስ መጸ ብህጹጽ ክረኽበኒ ከም ዝደለየ ብመንገዲ መንጎኛና መልእኽቲ ሰደደለይ። ሽዑ ምስ መንጎኛ ኮይና ክረኽቦ እንከለና ኣመና ተዳሂሉን ክዛርብ እንከሎ’ውን ሓውሲ ቀጥ ቀጥ እናበለን
“ ዋ. . .! ዋ. . .! ዋ. . .! መምህር ሕማቕ ርኢና ሕማቕ ርኢና! ገለ ደኣ በዚ ስንጭሮታት ጌርካ ናብ ኢትዮጵያ ፈትን እምበር ብተሰነይስ ኣይትሓሰቦ” በለኒ
“እንታይ ተረኽበ ደሓን᎒” ሓተትኩዎ
“ንሓደ ካብቶም ኣስገርቲ ቀትሪ ምድሪ ኣብ ‘ሱግ ኣሻዓብ’ ክቐትሉዎ እንከለዉ ንሓያሎ ካልኦት’ውን ኣብ ዶብ ረሺኖሞም’ዩ ዝበሃል ዘሎ። እዚ ከይኣክል ክሳብ 400 ዝኾኑ ሰባት ካብ ሱዳን ገፊፎም ብምምጻእ ቀትሪ ምድሪ ብተሰነይ ኣሕሊፎሞም፡ ስለዚ እዚ መንገዲ ሓደገኛ እዩ። ኣነ ድማ ኢደይ ኣውጺኤ ኣለኹ ካብዚ ጉዳይ።” በለኒ
ሱቕ ኢለ ክሰምዕ ድሕሪ ምጽናሕ ብውሽጠይ እንታይ ዓይነት መኻልፍ’ዩ ወደይ በልኩ።
“ዳሓን ጸገም የለን ክትገብሮ ዘይትኽእል እንተኾይኑ ካልእ መንገዲ ክደሊ’የ፡ ንስኻ ግን እዚ ናይ ክልቴና ጉዳይ ብምስጢር ክትሕዞ ጥራሕ’የ ዝላበወካ በልኩዎ”
ንሱ ድማ “ብዛዕብኡስ ጸገም የለን ኣጆኻ” ብምባል ክጠራጠር ከም ዘይብለይ ኣእመነኒ።
እቲ መጎኛና ማለት ኣቐዲሙ ኣብ ምሕዳስ ፓስፖርት ልዑል ተራ ዝተጻወተ ወዲ(ሕጂ ኣብ ኡጋንዳ ዝነበር ዘሎ)፡ ፖሊስ ዝኣክል ከምዚ ኢሉ ምርዓዱ ኣዚዩ ገረሞ። ምስ ኣፋነናዮ ድማ
“መምህር እዚስ ብሱሩ ተዳሂሉ’ዩ፡ ሓሳቡ ክቕይር ደልዩ’ምበር እዚ ዝብሎስ ዝእመን ኣይኮነን” በለኒ። ኣነ’ውን ህግደፍ ከምዚ ዓይነት መናውራታት ብምጥቃም ናይ ዓረም ዓይነት ስልቲ ከም ዘዝውትሩ ኣጸቢቐ ስለዝፈልጦም ብዙሕ ኣይሓደሰንን። ሓደ ሰብ ቀቲሎም ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም። ብዙሓት እንተረኺቦም’ውን ክርሽኙ ከም ዝኽእሉ ሓድሽ ነገር ኣይነበረን ንዓይ። እቲ ናይ 400 ሰባት ግፋ ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝብል ግን ናይ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ተጸዋዒ ስደተኛታት እናሃለወ ብቐትሪ ክንድኦም ዝኣኽሉ ገፊፎም ከምጽኡ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ኣይተቐበልኩዎን። ብዝኾነ ድሒረ ከም ዘጽናዕኩዎ እቶም 400 ግፉፋት ዝበሃሉ ካብ ሳዋ ናብ ሕርሻ ወዲ ለገስ ክሰርሑ ብበዓል ታማራት ጌሮም ቀትሪ ምድሪ ብተሰነይ ዘሕለፉዎም ተዓለምቲ ከም ዝነበሩ እቲ ሜላ ድማ ህግደፍ ካብ ሱዳን ክንዱ ዝኣኽሉ መንእሰያት ገፊፉ ከም ዘምጽኦም ነቲ ህዝቢ ንምድንጋር ንኸምዚ ኣስጋሪ ከምጽኣለይ ዝሓስብኩዎ ፖሊስ ዝኣመሰሉ ከኣ ንምጅጃውን ዝተኣልመ ተንኮል ነበረ። ሰሪሑሎም ድማ። እቲ ናይ ሱግ ኣሻዓብ ቅትለት ዝበሃል ግን ክሳዕ ሕጂ ስሙ ደኣ ክረኽቦ ኣይከኣልኩን እምበር ቀትሪ ምድሪ ሓደ ካብቶም ብኣሰጋገርቲ ሰባት ዝድለዩ ዝነበሩ መንእሰያት ደቂ ተሰነይ ኣብ ሱግ ኣሻዓብ ዝረኣዮ ኣባል ጸጥታ ደው በል ኢሉዎ ክሃድም ስለዝፈተነ ካብ መኪና ወሪዱ ብሽጉጥ ተኩሱ ከም ዝቐተሎን ደሓር ምስ ካላኣዩ ኮይኖም ሬሳ ናብታ ቶዮታ ፒክኣብ ጽዒኖም ንወላዲቱ ኣብ ኣፍደገ ገዛኣ ከም ዝደረበዩላ ሓቅነቱ ኣረጋጊጸዮ’የ። እቲ ናይ ዶብ ምርሻን’ውን ተጋኒኑ ኽኽውን ከም ዝኽእል ጥራሕ’የ ገሚተ። ማለት ኣስገርቲ ብጃምላ ዝርከቡ ሰባት ኣይኮኑን። ኩሉ ከኣ ኣብ ሓደ እዋን ክፍጸም ይኽእል’ዩ ዝብል እምንቶ ኣይነበረንን። ብዝኾነ ብመንገዲ ፖሊስ ተሓሲቡ ዝነበረ ኣስጋሪ ናይ ምርካብ ሓሳብ ኣብዚኣ ኣብቂዓ ማለት’ዩ።
ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኣምባሳደር ሆቴል’የ ኮካ ዝስተ ዘለኹ። ኮካይ ወዲኤ እቲ ዝጽበዮ ዝነበርኩ ዓርከይ መጽዩ ክኽውን ይኽእል’ዩ ኢለ ብምሕሳብ ተመሊሰ ናብቲ ናይ ስራሕ ቦትኡ ከድኩ። ናብ ስርሑ ምስ ከድኩ ከምቲ ዝሓሰብኩዎ ተመሊሱ ጸኒሑኒ ሰላምታ ተለዋዊጥና ሓንሳብ ክጽበዮ እሞ ተተሓሒዝና ክንወጽእ ከም ዝኾነ ሓቢሩኒ ኣብ ደገ ኮይነ ተጸበኹዎ። ዓርከይ ስርሑ ወጋጊኑ ጉዳይ ኣብ ምንታይ ከም ዝበጽሐት ንምፍላጥ እናተሃወኸ መጸኒ። ኣብዚ ሰዓት እዚ ኣንባቢ ክዝንግዖ ዘይብሉ ነገር ዲቪ ከም ዝበጽሓኒ ኣብቲ ዝቐደመ ርክብና ማለት ኣብቲ መስርሕ ምስላጥ ናይ መውጽኢ ቪዛ ኣዕሊለዮ ኔረ’የ። ናይ ዲቪ ጉዳይ ካብ ተላዕለ ንመን ተማኽር ምስ መን ትሰርሕ ደኣ ኢኻ ክትፈልጥን ክትመርጽን ዘለካ እምበር በይንኻ ወይ ድማ ምስ ሓደ ሰብ ጥራሕ መኺርካ ከሳልጦ’የ ዝብል ሓሳብ እንተልዩካ ኣኺሉካ ምትራፍካ’ዩ። ብኸምዚ ጉዳይ ሰኣን ነቲ ይሕግዝ’ዩ ዝብልዎ ሰብ “ከምዚኣ ከመይ ትመስለካ ኢልካ᎒” ምሕታትን ምጽራይን ዝተረፉ ሰባት ጽቡቕ ጌረ እፈልጥ’የ። ዓርከይ ሽዑ ንሽዑ ምስ መጸ
“ተስፋ እገብር ሰሊጣ ክትከውን ገጽካ ግን ዝሰለጠካ ኣይትመስልን” በለኒ።
“ከላ እንታይ ክሰልጥ ኢልካዮ ኢኻ ስብሓት ኤፍረም ዝፈረመላ ጻዕዳ ወረቐት ኣምጽእ ኢሎም ደው ኣቢሎምኒ” በልኩዎ። ወዲ ብሕርቃን ግን ከኣ ንዓይ ተስፋ ከየቑርጽ እናተሰከፈ
“እንታይ ትብል ኣለኻ᎒ ናይ ምንታይ ጻዕዳ ወረቐት ደኣ ወደይ፡ ከላ ግደፎም እዚኦም ፍጉራት’ዮም” ብምባል መሪሑኒ ናብ ጥቓ ፎቶ ዙላ ዝነበረት እንዳ ኢንተርነት ሒዙኒ ከደ።
“እሞ ሞኬ በቃ ሕጂ እዛ ጉዳይ ተወዲኣ እያ፡ ሓንቲ ዘላ ምርጫ ኣብ ካርቱም ኣሎ ሓደ ዑቕባይ ዝበሃል ዓርከይ ካብ ተሰነይ ዘውጹኻ ሰባት ክሰድድ ከም ዘለዎ ኣብ ያሁ መሰንጀር መልእኽቲ ክጽሕፈሉ’የ። ፈለማ’ሞ መልእኽቲ ክጽሕፈሉ ሽዑ ምስ መለሰለይ ተራኺብኩም ከም ትጸሓሓፉ ክገብር’የ” ብምባል ኣብ ያሁ መሰንጀር መልእኽቲ ጸሓፈሉ። ብድሕሪ’ዚ መልሲ ንጽባሒቱ ንግሆ መጺእና ቸክ ክንገብር ተረዳዲእና ናይ ተስፋን ናይ ሕርቃንን ድራር ብሓደ በሊዕና ንጽባሒቱ ተቛጽሪና ተፈላለና።
ይቕጽል . . . . . .
6ይ ክፋል ዝመጽእ ቀዳም 31 ጥሪ