ጠዓሞት፡ ቢንያም
14
ዛንታ ቢንያም ዛንታ ኤርትራዊ መንእሰይ’ዩ !
ኣብዚ ዓምዲ ዝቐርቡ ጽሑፋት ኩሎም ሓቀኛ ዛንታት’ዮም
ሓቀኛ ዛንታ
2ይ ክፋል
ክፍሎም ኣብኣ ከሎ ነዓ’ስኪ ኢሉ ወሲዱ እንተዝፍትሸኒ ነቲ ዝጠርጠርዎ መራጎዲ ዝኸውን ብዙሕ ወረቓቕቲ ምረኸቡ። እታ ዕለት ብዓይኒ ኣጣምታ ሰራቒ ጥራሕ ተጠሚተ ዝሓለፈትለይ ንነብሰይ ከም ዕድለኛ ቆጸርኩዋ። ድሕሪ’ታ ሕቶን መልስን ኣውቶቡስ ክትብገስ ስለዝኾነት ሰሰፈርና ክንሕዝ ናብ ኣውቶቡስ ደየብና። በዓልቲ ቤተይ (ናጽነት የማነ) ሰለሙን ዝሓተተኒ ሕቶ ከተረጋግጽ ኣመና ተሃንጠየት። ኮፍ መበሊና ሒዝና ገና ከይተበገስና እንከለና፦
“ሰለሙን ደኣ እንታይ’ዩ ዝበለካ᎒” ዝሰምዓቶ ከተረጋግጽ ሓተተትኒ።
ኣነ ግን ከባቢየይ ብግቡእ ይዕዘብ ስለዝነበርኩ ቅድሚ ናብ መልሲ ምስጋረይ፡ ኣብ ጎነይ ኮፍ ኢላ ስለዝነበረት ከኣ ዳሓር ክነግረኪ’የ ሰብ ጌርና ኣለና ዝዓይነቱ መጠንቀቕታ ጸጋመይቲ ዓባይ ዓባይቶይን ማእከለይቶን ኣጻብዕተይ ኣራኺበ ሰለፋ ቆንጠኹዋ። ብየማናይ ኣመልካቲቶ ኣጻብዕተይ ከኣ ብቑልጡፍ ስጉምቲ ናብ ቅድመይ ኣመልከትኩላ። በዓልቲ ቤተይ ክፍሎምን ሰለሙንን ሳልሰይቲ ከም ዝነበረቶም ኣየስተውዓለትን ነበረት። ኣነ ግን ካብ ፈለማ ርእየያ ስለዝነበርኩ ሃንደፍ ኢለ ክዛረብ ኣይመረጽኩን። ክፍሎምን ሰለሙንን ነታ ሰበይቲ ከፋንው’ዮም ናብቲ እንዳ ኣውቶቡስ መጽዮም። እታ ሰበይቲ ሓጻር፡ ጸላም ርጉድ ኢላ ኮይና፡ ጽጉሪ ርእሳ ንኽሳዳ ብግቡእ ዘይሸፈኖ ቁርጭጭ ዝበለት’ያ። ነዛ ሰብ ኣቐዲመ ኣብ ገለ ቦታ ርእየያ ዝፈልጥ ይመስለኒ። ብሓፈሻ ግን ኣብ ግዜ ዕዳጋ ሰለሉስ ሰሉስ ናብ ከባቢ ኩዳር፡ ከባቢ ዕዳጋ ከብቲ፡ ኣብ ባራት ከም በዓል ሆቴል ቀይሕ ባሕርን ሓልሓልን ካልኦትን ክፍሎም ኣጽምዩ ዝረኽቦም ሰብ እንተር ኢኻ እቶም ብልምዲ ኣብ ግዜ ደርጊ ናይ እዝኒ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ኣብ ግዜ መንግስቲ ኤርትራ ግን ብዙሕ ንጹር ስም ዘይብሎም ልኡኻት እንዳ ጸጥታ’ዮም። እዞም ሰባት ካበየ ዓዶም ናብ ዕዳጋ ወረድቲ መሲሎም ናብ ክፍሎም ጸብጻቦም ዝህቡ ዋላ ደቂ ዓዶም’ውን ብዙሕ ዘይፈልጥዎም’ዮም። እዛ ጋሻ ካብኣቶም ድያ ቤተሰቦም ግን ኣዝጊ ዋንኣ። ብዝኾነ ሰለሙን ዝሓተተኒ ሕቶን ዝርዝሩን ምስ በዓልቲ ቤተይ ከየዕለልና ካልእ ዕላል’ውን ብዙሕ ከይወሰኽና ኣስታት 20ኪሜ ምስ ደቅና እናተጻወትና ተጓዒዝና ከተማ ደቀምሓረ ኣተና።
ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ምስ ኣተና ሓደ ዓቢ ሩፍታ ተሰማዓና። እታ ብመደብ ድያ ብወዝቢ ኣብ ቅድሜና ኮፍ ኢላ ዝነበረት በዓል ሰለሙን ዘፋንውዋ ሰበይቲ ናብ ጾሮና ገጻ ክትቅጽል ግዲ ኮይና ኣብ እንዳ ኣውቶቡስ ወረደት። ድሕሪ’ዚ ዕላል ከም ድላይካ ኮይኑ።
“ሰለሙን ደኣ እንታይ’ዩ ዝብል ኔሩ” እታ ዘመልከትኩላ ሰበይቲ ስለዝወረደት በዓልቲ ቤተይ ክተስተንፍስ ዕድል ጎነፋ።
“ዋእ ከምዛ ዝሰማዕክያ ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዩ ቁንቁኛኣ ኢሉኒ”
“እዉይ ኣብራኸይ እኳ’ዩ ራዕራዕ ኢሉኒ፡ ከነግረካ ኣይክእልን’የ ዝፈራሕኩዎ” በለትኒ። ብቐደሙ ኣብ ከምዚ ኩነታት ካባይ ንላዕሊ ንነብሰይ ንሳ ትፈርሓለይ። ኣብ 2001 ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ምስ ተዓጸዋን ጋዜጠኛታት ምስ ተኣስሩን። ብዙሕ ኣይኹን ደኣ’ምበር ገለ ገለ ጽሑፋት ኣብ ጋዜጣ ቀስተ ደበና፡ ዘመን ሓደ ክልተ ግዜ’ውን ኣብ መቓልሕ ጽሑፋት ጽሒፈ ስለዝነበርኩ ወትሩ ምስ ሰግአት እያ ኔራ። ብፍላይ ኣብ ከተማ ሰገነይቲ ሓዳርና ኣብ ዝወጸናሉ ግዜ ምሸት ምሸት ከባቢ ሰዓት 11 ወይ ፍርቂ ለይቲ ብጸግዒ ገዛና ትሓልፍ ዝነበረት ሄሉክስ ዝዓይነታ መኪና ኣቶ ነጋሲ ትኩእ ክትሰምዕ እንከላ ካብ መደቀሲኣ ብድድ ኢላ ኮፍ ብምባል መኣስ’ዩ ማዕጾ ዝኹሕኳሕ እናበለት ትሻቐል ነበረት። ኣብ ገለ ገለ እዋናት’ውን ካብ ኢንተርነት ፕሪንት ጌረ ከንብቦ ዘምጽኦ ዝነበርኩ ወረቓቕቲ ኣምሉቕ ኣቢላ ተቃጽሎ ነበረት። ብልክዕ ኣሰራርሓ ህግደፍ ካብቲ ሲቪል ህዝቢ እቶም ኣብ ሰራዊት ዝነበሩ ዝያዳ ከም ዝፈልጥዎ ከኣ ኣብዚ እዋን ይበርሃልካ። በዓልቲ ቤተይ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ሰራዊት ስለዝነበረት ሓደገኛነቶም ካባይ ንላዕሊ ንሳ ትፈልጦም።
“እሞ እንታ ደኣ ሓሲብካ᎒” ሓተትኒ
“እዛ ቆንስል ቪዛ እንተሂባትና ናብ ሰገነይቲ ኣይምለስን’የ” በልኩዋ። ኣብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ቃለ መሕትት ትገብር ዝነበረት ኣሜሪካዊት ጓል ኣንስተይቲ’ያ።
በዓልቲ ቤተይ “እሞ ቪዛ ተዋሂብካ እንድሕሪ ናብ ሰገነይቲ ዘይተመሊስካ ደኣ ገና ከለው ክጥርጥሩ እንድዮም ዋላ ተሓቢእካ ትምለስ ናይ ትምህርቲ ወረቓቕትኻ ወጋጊንካ ትኸይድ እምበር” በለትኒ “እስኪ ክርእዮ’የ ደሓን ኣስመራ ዘኺደና ዘሎ’ሞ ንወድእ” በልኩዋ። ኣስመራ ብሰላም ኣቲና ንሓደ ለይቲ ኣብ እንዳ ቤተሰብ ሓዲርና ንጽባሒቱ ረቡዕ ገጽና ሓጎስን ሻቕሎትን ዓሲሉዎ ኣንጊህና ናብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ገስገስና። ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ከባቢ ራድዮ ሜሪናዮ ስግር ቤት ትምህርቲ ሳንታኣና ዝርከብ ዓቢ ቀጽሪ’ዩ። ናብቲ ኤምባሲ ሞባይል ሒዝካ ክትኣቱ ኣይፍቀድን ዝነበረ። ስለዚ ሞባይልና ኣብ ደገ ገዲፍና ዘድልየና ወረቓቕቲ ሒዝና ንምእታው ድሉዋት ኮና። ናብቲ ኤምባሲ ቅድሚ እዛ ዕለት እዚኣ ስለስተ ኣርባዕተ ግዜ ተመላሊሰ ኣለኹ። ፈለማ ሳልሳይ ወድና ዲቪ ድሕሪ ምምላእና ስለዝተወልደ ናብቲ ቃለ መሕትት ንምቕራብ ክምላእ ዝግብኦ ፎርም እንተሊዩ ንምሕታት ከይደ፡ ስእሊ፡ ናይ ዕለተ ልደት ወረቐትን ኣሰንየ ሓደ ፎርም መሊአ ከምጽእ ሓበሩኒ። ንሱ ኣማኢለ አ ዘሎ ወረቓቕተይ ሒዘ ምስ ቀረብኩ። ዘምጻእኩዎ ወረቓቕቲ ካብ ዞባታት ስለዝኾነ ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኖቶራይዝ ኣግብሮ ክትብል መለሰትኒ። ኖቶራይዝ (ሕጋዊ ማህተም ምዃኑ ዝረጋገጸሉ መስርሕ) ምግባር ብዙሕ ዝጸግም ስለዘይነበረ ንሓደ ዶክመንት 75 ናቕፋ ከፊለ ማሕተም ሃሪሞምለይ ኣብ ኢደይ ሓዝኩዎ (እዝጊ ይግበረሎም ኣብዚኣ ናይ ኖቶራይዝ ትበሃል ኣገባብ ግን ዝኾነ ማሕለኻ ኣይነበሮን። ናይቃል ኪዳን ወረቐት ሕጋዊ ምዃኑ ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ናብ ቤት ፍርዲ ኬድካ እቲ ወረቐት ሕጋዊ ከም ዝኾነ ዳኛ ይፍረመልካ ኣብቲ ቤት ፍርዲ’ውን “እንታይ ኢልካዮ ናበይ ደሊኻዪ ዝበለካ የለን” ገንዘብካ ከፊልካ ጥራሕ ማህተም ኣህሪምካ ተምጽኦ። እዚ ኩሉ ምስ ገበርኩ ናይ ቃለ መሕትት ቆጸራ ኣኺሉ ተዳልየ እንተኸድኩ ስድራኻ ዋላ ፓስፖርት ኣይርከቡ ኣሰር ኣጻብዕቶም ኣብ መዝገብ ክጸንሕ ምእንቲ ሒዝካዮም ቅረብ በለትኒ። ዝቐጸለ ሰሙናት ብምኽንያት በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን እቲ ኤምባሲ ስለዝዕጾ። ግዜ ኣንውሕ ኣቢላ ቆጸረትኒ። ኣብቲ ዝቐጸለ ቆጸራ ኩሉ እቲ ክማላእ ዘለዎ ወረቓቕቲ ሒዘ እንሆ ናብቲ ኤምብሲ ናብ ምእታው ንሸባሸብ።ማዕጾ’ቲ እቲ ኤምባሲ ልክዕ ሰዓት 8፡00 ንግሆ ስለዝኽፈት ኣቐድም ኣቢልና ከኣ ስለዝኸድና ስግር እቲ ኤምባሲ ኣብ እትርከብ ድኳን ማለት ኣብ ግዜ ደርጊ እንዳ ኣደይ ኮምፓስ ትበሃል ዝነበረት ድኳን ኣብ ኣፍደጊኣ ኣብ ዝነበረት ሽባኻ ተጸጊዕና ደው በልና።
ብዛዕባ ማዕጾ ኤምባሲ ኣሜሪካ ካብ ተላዕለ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ግዜ ናብቲ ኤምባሲ ክመላለስ እንከለኹ ዘጋጠመ ፍጻሜ እንተዘንተኹልኩም ኣይትጸልእዎን ትኾኑ። ከም ኣመለይ ሰሉስ ምሸት ካብ ሰገነይቲ ተበጊሰ ናብ ኣስመራ መጻእኩ። መዓልቲ ረቡዕ ኣብቲ ኤምባሲ ቪዛ ዝሓቱ በጻሕቲ ዝእንገዱላ መዓልቲ ስለዝኾነት ብድሮ ኣስመራ ክኣቱ ኔሩኒ። ኣስመራ ምስ ኣተኹ ድሮ ሓደ ካብቶም ንፉዓት ጸሓፍቲ ኣዕሩኽተይ (ስሙ ምጥቃሱ ኣገዳስነት ዘለዎ ከይኑ ኣይተሰማዓንን) ምምጽአይ ሰሚዑ ካብ ህዝባዊ ቴሌፎን ናብ ሞባይለይ ደዊሉ ዘለኽዎ ቦታ ሓቲቱኒ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ከም ንራኸብ ሓቢረ ተራኺብና ሻሂ ሰተና። ናብ ኣስመራ ጽሑፋት ከብጽሕ ክመጽእ እንከለኹ ወይ ብቑልጡፍ ንሓደ ለይቲ ሓዲረ ኣብ ዝምለሰሉ እዋን ኣብ ሆቴል ምሕዳር ባህ ይብለኒ ስለዝነበረ ሽዑ’ውን ኣብ ሆቴል ክሓድር’ዩ ኔሩ መደበይ። እዚ ዓርከይ ግን ብዓል ሓዳር ኮይኑ ዝነበረቶም ክፍሊ ሓንትን ጸባብን ትኹን እምበር ኣብ ገዛ ምስኦም ክሓድር’ዩ ዝደለየኒ። ዋላ ሰዓት 10፡00 ናይ ምሸት’ውን ይኹን ካብቲ ሆቴል ሒዙኒ ገዛ ከይዱ ምስ በዓልቲ ቤቱ ቡን እናሰተና ክሳብ ሰዓት 3፡00 ናይ ለይቲ ዝኸውን ነዕለሉ ግዜ ኔሩ። ኣብዛ ዕለት’ውን ናብ ገዛ ኢና ንኸይድ ስለዝበለኒ ቅድሚ ናብ ገዝኦም ምኻድና እንዳ ኮርያ ክንበጽሕ ከም ዘለና ሓቢረዮ ቁጽሪ 9 ኣውቶቡስ ወሲድና እንዳኮርያ ከድና። ኣብ እንዳ ኮርያ ኣብዚ ጽንሓኒ ኢለ ኣብ ታሕቲ ገዲፈዮ ናብቲ ናይ ቆጸራ ቦታይ ከድኩ። ቆጸራይ ምስ ዶክተር ነጋሲ ኮይኑ ውጽኢት መርመራ ኤች. ኣይ. ቪ. ኤይድስ ዝሓዘ ወረቐት ተቐቢለ ናብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ንምውሳድ’ዩ። ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ናይ ክልተ ሓካይም ማለት ናይ ዶክቶር የማነ ስዩምን ዶክተር ነጋሲን ጥራሕ ስለዝቕበል ናብ ሓዲኦም ክኸድይ ስለዝነበረኒ’የ ናብ ዶክትር ነጋሲ ከይደ ተመርሚረ። ዶክቶር ነጋሲ ነታ ዕሽግቲ ደብዳቤ ብፍሕሹው ገጽ እናቐበለኒ እንከሎ “ጽቡቕ ዕድል” በለኒ። ሽሕ እኳ እቲ ውጺት ኣይሓብረኒ መሬት ኣማን ከም ዝኾነስ ካብ ገጹ ከንብብ ኪኢለ ነበርኩ። ብዝኾነ እታ ዕሽግቲ ደብዳቤ ሒዘ ናብ ዓርከይ ኣምራሕኩ። ዓርከይ ናይ ምንታይ ወረቐት ከም ዝኾነት ኣይሓተተንን። እንተዝሓተኒ’ውን ነቲ ጉዳይ ብምስጢር እሕዞ ስለዝነበርኩ ኣይምነገርኩዎን። ካብ እንዳ ኮርያ ወጺና ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከብ ሓደ ሱፐርማርኬት መእተዊ ገዛ ዝኸውን ዝብላዕ ነገራት ገዚና ገዝኡ ከድና። ወትሩ ብሕጉስ መንፈስ ጋሻ ትቕበል በዓልቲ ቤቱ ኣብ ገዛ ጸኒሓ ካብቲ ዘምጻእናዮ ስጋ ቆልያ ባኒ ጌራ ብምቕራብ ጥዕምቲ ድራር ኣድረረትና። ተቐላጢፋ ከኣ ቡን ገበረትልና። ዕላል መቂሩ ከይተፈለጠና ፍርቂ ለይቲ ስለዝኾነ ዓዓራትና ሓዝና። ክንድቅስ ከለና ኣነ ንግሆ ኣብ ሓደ ቦታ ቆጸራ ስለዘለኒ ኣንጊሀ ክትንስእ ምዃነይ ነገርኩዎም። መሬት ምስ ውግሐ ድማ ከምቲ ዝሓብርኩዎም ብድድ ኢለ ገጸይ ተሓጻጺበ ካብቲ ገዛ ወጻኩ። ዓርከይ በምቕጻዕቲ ኣብ ሓደ ትካል ብዘይ ደሞዝ ይሰርሕ ስለዝነበረ ኣብ ደስ ዝበሎ ኣቕትር ኣቢሉ’ዩ ስራሕ ዝኣቱ ኔሩ። ስለዚ በይነይ ናብ ከተማ ትወስደኒ ኣውቶቡስ ሒዘ ኣብ ጥቓ ኤምባሲ ኣሜርካ ወረድኩ።
ኣቐዲመ ከም ዝገለጽኩዎ ናብቲ ኤምባሳ ሞባይል ይኹን ካልእ ኤልክትሮኒክስ ሒዝካ ምእታው ኣይፍቀድን እዩ። ስለዚ ሕጂ’ውን ሞባይለይ ኣብ ገለ ቦታ’የ ጊደፈያ ክኣቱ ኔሩኒ። ናይ ዕድል ነገር ኮይኑ ቅድሚኡ ኣብቲ ኤምባሲ ናኣሽቱ ኣሕዋቱን ኣዲኡን ናብ ኣሜሪካ ክሰድድ ኣነ ከኣ ጉዳየይ ከሳልጥ ዝረኸብኩዎ መተዓብይተይ ዳዊት ዘውደ ኣብ ጥቓ’ቲ ኤምባሲ ስለዝረኸብኩዎ። ሞባይለይ ሒዙዋ ክጸንሕ ሃብኩዎ። ናብቲ ኤምባሲ ማዕጾ ኳሕ ኩሐ ምስ ተኸፍተለይ ተፈቲሸ ኣተኹ። ሒዘዮ ዝመጻእኩ ወረቓቕቲ ከረክብ ሪጋይ በጺሑ ምስ ቀረብኩ ዝጎደለ ሓደ ሓደ ነገራት ክማላእ ከም ዘለዎ ሓቢሮምኒ ሕቖይ ነቲ ኤምባሲ ሂበ ናብ ክተማ ኣምራሕኩ። ፈለማ ክገብሮ ዝነበረኒ ሞባይለይ ንዝሃብኩዎ ሰብ ምርካብ ስለዝነበረ ኣብቲ ዝተቛርናሉ ቦታ ከይደ ንዳዊት ረኸብኩዎ። ዳዊት “ኣንታ ኣያኒ ሓደ ወዲ ደጋጊሙ ደዊሉለይ ኔሩ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ክቕበሎ ኣለኒ ኢለ ምስ ተቐበልኩዎ ናይ ሞኬ እንዲያ እዛ ሞባይል ከመይ ጌርካ ንስኻ ሒዝካያ ኢሉ ሓቲቱኒ፡ ሞኬ ምሳይ ገዲፉዋ ናብ ሓደ ቦታ ከይዱ ኣሎ ኢለዮ ግን ዝኣመነኒ ኣይመስልን” በለኒ ስሙ ሓቲተዮ ግን “ደሓን ሞኬ ምስ መጽ ደጊመ ክድውል’የ ኢሉኒ” ዓጽዩዋ በለኒ። ደዋላይ መን ከም ዝኾነ ኣይፈልጥናን። መን ደኣሉ ብምባል’ውን ቁሩብ ጥርጣረ ሓደረኒ። ሞባይል ሒዘ ካብ ዳዊት ዘውደ ተፈላለየ ኣብ ኣፍደገ ማ.ት.ኣ. ደው ኢለ እንከለኹ እቲ ኣብ ገዝኡ ዘሕደረኒ ዓርከይ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ናይ ገዛ መኪና ምስ ሓደ መሳርሕቱ ተሰቒሉ እናሓለፈ እንከሎ ስለዝረኣየኒ ነቲ መሳርሕቱ “መኪና ደው ኣብላ” ኢሉ ካብታ መኪና ወሪዱ ናባይ መጸ። ቅድሚ ሰላምታን ካልእን እናተገረመ ግን ከኣ ከይሓረቐ
“ኣንታ . . . ! ዓንተቦይ ዘይኩሕኳሕ ገዛ ክትኩሕኩሕ ርእየካ፡ ሎምስ ንገሊና ግዲ ከተቕትለና ኢኻ፡ እዞም ጨሓማት እኮ ኣይትእመኑን ኢኹም” በለኒ ኣብቲ እዋን ጭሕመይ ይላጸዮ’ኳ እንተነበርኩ ዝያዳ ብጨሓመይ ስለዝፈልጠኒ ከም ጨሓም’ዩ ዝገልጸኒ።
“ኣበይ ትብል ኣለኻ ᎒” ሓተትኩዎ
“ንግሆ ምድሪ ካብ ገዛይ ገስጊስካ ኬድካ ማዕጾ ኤምባሲ ኣሜሪካ ክትኩሕኩሕ እንድየ ርእየካ!” መለሰ እናሰሓቐ፡ ሓሪቑ ዘይምንባሩ ደስ ካብ ዘበለኒ ነገር’ዩ ኔሩ።
“ወይ ጉድ !” በልኩ ብልበይ እዛ እስመራ እባ ጸባብ’ያ። ዓርከይ ካብ ገዛውቶም ናብ ከተማ ትወስዶ ኣውቶቡስ ብገጀረት ንእሽቶ ኣቢላ ናብ ከባቢ ራዲዮ ማሪናዮ መጽያ። ብርኽቲ ታንኪ ትውንና እንዳ ፓስተ ወይ ድማ ቤት ቁርሲ ንየማን ሓዲጋ ቁልቁል ወሪዳ ካላኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሰማእታት (ሳንታ ኣና) ንየማን፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ድማ ንጸጋም ገዲፋ ኣብ ባር ቶሪኖ ናብ የማን ተዓጺፋ ቁልቁል ናብ ሞኖፖልዮ ትኸይድ ስለዝነበረት። ዓርከይ እምበኣር ኣብዛ ኣውቶቡስ ተሰቒሉ እናኽደ እንከሎ ንዓይ ተኸሻሕ ግዲ ኢሉኒ ከኣ ናብ ሸነኽ ጸጋም ናይታ ኣውቶቡስ እናጠመተ ኣነ ኤምባሲ ኣሜሪካ ክኩሕኩሕ ብቐረባ ዝተዓዘበኒ። ብዝኾነ ናብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዘኳሕኳሓኒ ምኽንያት እቲ ሓቂ ከይነገርኩ “ናብ ሓወይ በቲ ኤምባሲ ዝስደድ ወረቓቕቲ ስለዝነበረኒ’የ ከብጽሕ” ከይደ በልኩዎ። ዓርከይ ኣይተጠራጠረን። ብዝበልኩዎ ተቐቢሉኒ ኣብ ሸኻ ስምልተ ሻሂ ክንሰቲ መገዲ ኣጋር ተተሓሓዝናዮ።
ሰዓት ክሳዕ ዝኣኽለልና ኣብ ፊት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ሽባኻ ተጸጊዕና እንከልና ኣብ መንጎ ናብቲ ኣጋጣሚ ናይ ዓርከይ’የ ተኣልየ ጸኒሐ። ሰዓት ኣኺሉ ሰብ ቆጸራ ክኣትዉ ስለዝጀመሩ ንሕና’ውን ናብቲ ማዕጾ ቀረብና። ብደሞዝ ዝተቖጽሩ ኤርትራውያን ሓለዋ እቲ ኤምባሲ ወረቓቕትና ርእዮም ፈቲሾም ናብቲ ጽላል ዝነበሮ ገፊሕ መጸበዩ ቦታ ኣሕለፉና። ኤምባሲ ናይ ዝኾነት ሃገር ክረግጽ ንፈለማይ ግዜየይ ስለዝነበረ ኣቋውማ ኤምባሲታት ከመይ ይመስል ዝፈልጦ ኣይነበረንን። ናይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ግን ንኣስታት 50 ሰብ ኮፍ ከብል ዝኽእል ነዋሕቲ ኮፍ መበሊ ኣብ ሓደ ጽፉፍ ምድሪ ቤት ዝተቐምጠ ኮይኑ ብላዕሊ ድማ ጽላል ዘለዎ’ዪ ኔሩ። ኣብ ፊት ንፊት እቲ ኮፍ መበሊ እታ ቆንስልን ሰራሕተኛታትን ዝርከብዎ ቤት ጽሕፈት ይረአ። ኣብ ሸነኽ የማናይኩርናዕ ሓደ ገፊሕ መስኮት ኣሎ። እቲ መስኮት ሙሉእ ብምሉእ ጥይት ብዘይበስዖ ቬትሮ ዝተሰርሐ ኮይኑ ወረቓቕትኻ ዝርክበሉ ኣብ ሸነኽ ታሕተዋይ ናይቲ ሞስኮት ንእሽቶ ከፋት ኣዎም። ኣብቲ መጸበዩ ቅድሜና ዝኣተዋ ዝበዝሓ ኣንስትን ነኣሽቱ ሰብ ሓዳር ዝመስላን ከምኡ ድማ ከምቲ ናተይ ዕድል ዘጓኖፎም ዝምስሉ ሓደ ሰለስተ መንእሰያት ነበሩ። እታ ቆንስል ስርሓ ምስ ጀመረት ሓደ ክልተ ሰባት ጸዊዓ ቀልጢፋ ምስ ኣሳለጠትሎም።
ኣብ ሳልሳይ ሪጋ ስመይ ጸውዐት። ምስ በዓልቲ ቤተይ ኮፍ ኢልና እናዕለልና እንከልና ነቲ ሕጻን ዝነበረ ወድና ኣነ’የ ሓቑፈዮ ኔረ። ስምና ምስ ተጽውዐ ናይ ምድሃል ምልክት’ዩ መስለኒ ነቲ ወዲ 2 ዓመትን መንፈቕን ኣቢሉ ዝነበረ ማእከላይ ወድና ከይዘከርናዮ ናብታ ቆንስል ቀረብና። ኣብ ኢደይ ሒዘዮ ዝነበርኩ ወረቓቕቲ ኣረኪበ፡ እቲ ይስለጥካ ኣይስለጥካ ዘይምለስ ነቲ ኤምባሲ ትኸፍሎ ገንዘብ 750 ዶላር ብሕሳብ መንግስቲ ኤርትራ ዘሽርፎ ሸርፊ ንዶላር 15 ናቕፋ ተተሚኑ 10,500 ናቕፋ ከፈልኩ። ብድሕሪ’ዚ ኣሰር ኣጻብዕቲ ስድራ ክትወስድ እናተበገስት ኣርባዕተ ዲኹም ዝብል ሕቶ ሓተትና። ሽዑ ኢና እቲ ማእክላይ ቆልዓ ክጻወት ኣብቲ ኮፍ መበሊ ከም ዝገደፍናዩ ዝዘከርና። እታ ቆንስል ሰሓቕ ፈነወቶ። ተሓጋጋዚኣ ንውሕ ኢሉ ከደራይ መንእሰይ ኤርትራዊ’ውን ፍሽኽ በለ። እታ ቆንስል ነቲ ዘረከብኩዎ ወረቓቕቲ ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምፍታሽ ናብ ቃለ መሐትት ሰገረት። ቅድሚ ቃለ መሕትት ነቲ ‘ንህቦ ቃል ሓቂ ከም ዝኾነ ንኸነረጋግጸላ ማሕላ ከም ንፍጽም ገበረት። ንሱ ምስ ተወደኣ ናይ ስድራ ኣሰር ኣጻብዕቲ ሓደ ድሕሪ ሓደ ወሲዳ ብዙሕ ብዳሂ ዘይኮነ ሕቶታት ኣቕረበትለይ። እተን ሕቶታት ካብ ሰለስተ ዝሓልፋ ኣይነበራን። ሓደ ብዛዕባኻ ግለጸለይ ዝብል ኔሩ፡ ነዚ ዘርዚረ መንነተይን ስርሐይን ካልእን ገልጽኩላ። ቀጺላ ኣብ ኣሜሪካ ዝቕበለኒ ሰብ አበይ ክፍለ ግዝኣት ከም ዝርከብ ክንደይ ደቂ ከም ዘለውዎ ሓተትኒ እቲ ሕቶ ዘደናግር ስለዘይነበሮ ቅልጥፍ ኢለ መለስኩላ። ሳልሰይትን ናይ መወዳእታን ሕቶን “
ኣብ ኣሜሪካ ኬድካ እንታይ ክትሰርሕ ኢኻ᎒” ዝብል ነበረ። መልሰይ ሰሓቓ ከም ዘይትቆጻጸር’ዩ ጌሩዋ። ሕሉፍ ሓሊፉ እቲ ድምጺ ናብ ቅድሚኣ ዝነበረ ማይክርፎን ስለዝኣተወ ተጸበይቲ ሪጋ ከይተረፉ ነቲ ስሓቕ ብዝግባእ ሰምዕዎ። መልሰይ ፈለማ ጋዜጤኛ ክኽውን’የ ዝብል ኢዩ ኔሩ።
“ጋዜጠኛ ስራሕ እንተዘይረኸብካ ኸ” ኢላትኒ።
“መምህር እኽውን” መለስኩላ
“ብጣዕሚ ጽቡቕ፡ መምህር ደኣ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ክትምህር” ሓተተትኒ።
“ቁጽሪ ወይ እንግሊዝ” መለሰኩላ።
“እንግሊዝ . . . ᎒ተገሪማ ሓተተትኒ።
“እወ . . . . ።” ከይተዳሃልኩ መለስኩላ።ኣብዚ እዋን እዚ’ዩ እምበር ዘይደሃል ሰብ’ዩ መጽዩኒ ሎምስ ኢላ መስለኒ ሰሓቕ ዝፈነወቶ። ብድሕሪ’ዚ ወረቓቕቲ ሒዛ ነቲ ምሳኣ ሱቕ ኢሉ ኩሉ ዝሰምዕ ዝነበረ ኤርትራዊ ኣምሪሓ ናብ ውሽጢ ከደት። ኣይደንጎየትን ድሕሪ ሓሙሽተ ደቒቕ ኣቢሉ ይኸውን። ነቲ ወረቓቕቲ ሒዛ ብምምጽእ፦
“እንቋዕ ሓጎሰካ . . . . ! ናብ ኣሜሪካ ዘእቱ ቪዛ ክህበካ’የ፡ ፓስፓርትኻ ኣብዚ ክትገድፎ ኢኻ። ዓርቢ መጺእካ ቪዛኻ ውሰድ፡ በዓልቲ ቤትካ ደቕኻን ዋላ ፓስፓርት ኣይሃልዎም ቪዛ ክህቦም’ሞ ኣብ ፋይል ክጸንሕ’የ ደልየ ኔረ። ሕጂ ግን ደሓን ኪድ’ሞ ንስኻ እትው ምስ በልካ ስራሕ ናይ ዝጀመርካሉ ወረቐት እንተሰዲዳካለይ ንስድራኻ ቪዛ ክህቦም’የ” ብሓንሳብ ተረር ተረር ኣቢላ ገለጸትለይ።
ሓጎስ ዳርጋ ምስማዕ ደው ከም ዘብል’ዩ ጌሩኒ ኔሩ። ተመስገን ፈጣሪ ቪዛ ተዋሂበ ! ንኣስታት ሹዱሽተ ወርሒ ላዕልን ታሕትን ኢለ ዝኣከብኩዎ ወረቓቕቲ ተቐባልነት ረኺቡ፡ ናይ ኤች. ኣይ. ቪ. ኤድስ ውጺኢት መርመራይ ነጋቲቭ ተባሂሉ፡ ብኤምባሲ ተቐባልነት ረኺቡ። ድምር ናይዚ ከኣ ናብ ኣሜሪካ ኮሪዐ ዘእተወኒ ቪዛ ክወስድ ምዃነይ ተሓበረኒ። ሓድሽ ሂወት ክኽፈት ቃልሲ ክጅምር ምዃነይ ዘብርህ መንገዲ ነበረ። ካብቲ ኤምባሲ ከመይ ኢልና ወጺና ኣይተፈለጠናን። ሓጎስ ዘይገብሮ የብሉን። ግን ከኣ ሓጎስ ጥራሕ ዘይኮነ ሻቕሎት’ውን ኣሎ። ኣሜርካ ዘእቱ ቪዛስ ተዋሁቡኒ ኣሎ፡ ከመይ ጌርካ’ዩ ናብ ኣሜሪካ ዝእቶ ካልእ ኣጨናቕን በዳህን ሕቶ ነበረ። ጓኖት ንዓ ናባና ብሰላም ምጻእ እንሆ ሜዳ እንሆ ፈረስ፡ ሰላማዊ ሰብ ጥራሕ ኩን እምበር ሰሪሕካ ንበር መን ኢኻ ዝበለካ የብልካን ዌል ካም! ኢሎም ከም ወዲ ሃገሮም እንክቕበሉኻ፡ እቲ ዜጋይ ዝብለካ መንግስቲ ግን ካብ ሃገር ወጻእካ ማለት ዘበት ይብለካ።
ዝቕጽል ክፋል ናብ ሰገነይቲ ክምለስ ድየ ኣይምለስን፡ መስርሕ ምውጻእ ካብ ሃገር ብሕጋዊ መንገዲ ዲዩ ክኸውን ዋላስ ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ኣእቲኻ ስግረ ዶብ’ዩ ክፍተን ብዝርዝር ክንርእዮ ኢና። ክሳብ ሽዑ ሰላም ንኹልና።
ይቕጽል . . . . . . . .
3ይ ክፋል ዝመጽእ ሰሉስ 20 ጥሪ