ቦኽረ ገብረየሱስ
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል፡ እንታይነት ነዊሕ ልብ-ወለድ ምስ ገለ ካብ ባእታታት (ትልሚ፡ ገጸ-ባህርያት፡ ግጭት) ዝብሉ ኣርእስቲ ኣልዒልና ነይርና። ንሎሚ ከኣ ከም መቐጸልትኡ መጠን፡ ዝተረፉ ባእታታትን ቅድን ዓይነትን ክንድህስሶም ኢና።
3.4፡ ምከና (setting)
ደራሲ ኣብ ኣእምሮ ነበብቲ ክስእሎም ካብ ዘለዎ ባእታታት ልብ-ወለድ ሓደ፣ እቲ ዛንታ ዝፍጸመሉ ግዜን ቦታን – ምከና እዩ። ገለ ደረስቲ ቴማ ንምጕላሕ ምከና ዘለዎ ኣገዳስነት ኣዕዚዞም ይጥቀሙሉን የቕርቡዎን። ኣብ ዓሚቝ ሓሳባት ናይ ሓደ ጠባይ ጸቒጦም ንዝጽሕፉ ደረስቲ ግን ዛንታ ዝፍጸመሉ ቦታን ግዜን (ምከና) ብዙሕ ኣገዳስነት የብሉን።
ሓደ ፍጹም ዝበሃል ልብ-ወለድ ዛንታ ኣብ ምፍጣር ምከና ዝጻወቶ ተራ ቀሊል ኣይኰነን። ጠፈር፣ ምድረ-በዳ፣ ዩኒቨርሲቲ፣ ሆስፒታል….ወዘተ ናይ’ቶም ጠባያት ግርጭታትን መጻኢ ዕድላትን ኣብ ምግማትን ምፍላጥን ንነባቢ ዘበርክቱዎ መረዳእታ ብዙሕ እዩ። ኣብ 19 ክ/ዘ ፈረንሳዊ Honoré de Balzac፣ ራሽያዊ Ivan Turgenev፣ እንግሊዛዊ Charles Dickensን ካልኦትን ንምከና ዓቢ ቦታ ሂቦም ይጽሕፉ ምንባሮም ብዘይ ምኽንያት ወይ ብዘይ ዕላማ ኣይነበረን።
ገለ ደረስቲ፣ ከም’ቲ ቀዲምና ዝተንከፍናዮ፣ ንውሱን ግዝያት ወይ ቦታታት ዝህቡዎ ግምት እዚ ዝበሃል ኣይኰነን። እንግሊዛዊት Jane Austen ንኣብነት ክንዲ ናይ Dickens ዝኣክል ንውሱን ረቛሒታት ትህቦ ኣቓልቦ የብላን። ንሓባራዊ ኣከባቢ ውን ኣብ ግምት ኣይተእቱን ማለት ግን ኣይኰነን። ኣታዊታት ኣቶ Bennet ኣብ መጽሓፍ Pride and Prejudice (1813); ወይ ድሕረ-ባይታ ኣቶ Eliot ኣብ መጽሓፍ Persuasion (1818) ብንጹር ብምቕማጥን ንንባብ ዝምችእ ሃዋሁ ብምፍጣርን፣ እቶም ዝሃነጸቶም ጠባያት ድሕረ-ባይታኦምን ዝነብሩሉ ቦታታትን (ለንደን ድዩ ሰሜን እንግሊዝ) ኣካል ሕመረት ዛንታኣ እዮም።
ሓድ-ሓደ ግዜ ደረስቲ ልብ-ወለድ፣ ንቦታን ግዜን ካብ’ቶም ገጸ-ባህርያት ዘይንእስ ኣስተዋጽኦ ከም ዝህሉዎ ገይሮም እዮም ዝሃንጹዎ። እዚ ድማ ምከና ኣብ ውሱን ከባቢ እተደኰነ ኣብ ዝዀነሉ ኣጋጣሚታት እዩ። ውሑዳት መጻሕፍቲ ከም ኣብነት ንምጥቃስ፤ ኣብ Wuthering Heights(1847) ብእንግሊዛዊት Emily Brontë; Scarlet Letter(1850); ብኣመሪካዊ Nathniel Hawthorne; Tess of the d’Urbervilles(1891) ብእንግሊዛዊ Thomas Hardy፤ ብዘይ እቶም ብተዛማዲ/ብተነጻጻሪ Stonehenge, colonial New England, Yorkshire moors ዝበሃሉ ነፍስ-ወከፍ ቦታ (ምከና) እቶም ልብ-ወለድ መጻሕፍቲ ትርጉም ኣይምሃለዎምን።
3.5 ቴማ (theme)
ደራሲ፣ ልብ-ወለድ መጽሓፉ ንኸዳሉ ድርኺት (ምኽንያት) ዝዀኖ ቀንዲ ሓሳብ እዩ – ቴማ። ምድርዳር/ምጽፍጻፍ ሰንሰለት ፍጻመታት ምዃን ገዲፉ፣ ቴማ ነቲ ዛንታ ጥልቀትን ውህደትን ይፈጥረሉ። ደራሲ ናይ ስራሑ ቴማ ኣብ ምህናጽ ነቶም ካልኦት ባእታታት (ትልሚ፣ ጠባይ፣ ግርጭትን ምከናን) ከም ግብኣታት ይጥቀመሎም። ንኣብነት ሓደ ደራሲ ኣብ ሓደ ውሱን ከባቢ ኣተኲሩ ቴማ ከማዕብል እንተ ደልዩ፣ ምከናኡ ኣብ’ቲ ከባቢ ክገብር ከምኡ ውን ነቲ ከባቢ ዝመስሉን ከይዘባረቑ ዝላበሱዎን ዝውክሉዎን ንላህጃ ናይ’ቲ ከባቢ ብዝግባእ ዝመለኹዎን ጠባያት ክፈጥር ክኽእል ኣለዎ። እዞም ባእታታት ምስ ትልሚ ናይቲ ዛንታ ኣዋሃሂዱ ድማ ቴማ ክሃንጽ ይኽእል።
ቴማ ‘መሰረታዊ ትርጉም ናይ’ቲ ዛንታ’ ተባሂሉ ውን ብሓጺር ኣገባብ ይግለጽ እዩ። ቴማ ኪንዮ’ቲ ዘልዕሎ ዛዕባ ዝዘልል ትርጉምን ጽባቐን እዩ ዘለዎ። እቲ ምንታይ ደራሲ ቴማ ኣብ ምምዕባል ዝጻወቶ ተራ ማዕረ’ቲ ጠባያት ናይ’ቲ ዛንታ ዝገብሩዎ ፍጻመታትን ዘርእዩዎ ምትዕጽጻፍን እዩ።
ሓደ ቴማ ኣብ ኣእምሮ ነበብቱ ተመሳሳሊ ርድኢት ክፈጥር ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። ምኽንያቱ ንውሓት እቲ ዛንታ፣ ብዝሒ ጠባያት፣ ግርጭታትን ትርኢታትን፣ ነበብቲ ነቲ ዛንታ ብበበይኑ ኵርናዓት ክጥምቱዎ ይገብሮም። ነናቶም ትርጉም ድማ ክህቡዎ ይኽእሉ። ብሪጣንያዊ Lawrence Durrel ኣብ 1957-1960 The Alexandria Quartet ዝብል ልብ-ወለድ በርባዕተ ተኸታተልቲ ቅጽታት ጽሒፉ። እቶም መጻሕፍቲ ግን ከም ሓደ ስራሕ ድኣ’ምበር ከም ርእሶም ዝኸኣሉ ኣርባዕተ ተኸታተልቲ ዛንታታት ገይሩ ኣይኰነን ጽሒፉዎም። እቲ ቅጽታት ብጥቕሉሉ ህይወት ኣብ ኣለክሳንድርያ – ግብጺ ቅድምን ድሕርን ካልኣይ ኲናት ዓለም (1939-1945) ዘዘንቱ ይመስል። ኣብ ኣርባዕቲኦም መጻሕፍቲ ዘለዉ ፍጻመታት ተመሳሰልቲ ኰይኖም ኣቀራርባኦም ግን እተፈላለየ እዩ።
ኣብ ሞንጎ ትርኢትን ክውንነትን ዝፍጠር ረጽሚ ኣብ ልብ-ወለድ ከም ቴማ ከገልግል ልሙድ ተርእዮ እዩ። ብኣብነት ክንርእዮ ክንፍትን። The Heart Is a Lonely Hunter(1940) ኣብ እተሰምየ መጽሓፍ ናይ ኣመሪካዊ Carson McCullers ክዛረብን ክሰምዕን ብዛዕባ ዘይክእል John Singer ዝበሃል ጠባይ የተኵር። ሲንገር ኣብ ዝሰርሖ/ዝህቦ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምስ’ቶም ሕብረተ-ሰብ ምርድዳእ ይስእን። ዝሰምዖም ዘሎ ኰይኑ ይስምዖም። ምሒር ይጥርጥሩዎ። እቲ ሓቂ ግን ክሰምዕ ዘይክእል ምንባሩ እዩ። ኣብ መወዳእታ ሲንገር ነብሱ ኣብ ዘጥፍኣሉ ደረጃ ይበጽሕ – ነብሰ ቅትለት ድማ ይፍጽም።
ውልቃዊ መንነት ኣብ ምድላይ ጸቒጡ ዝጸሓፍ ቴማ ውን ብዙሕ እዩ። ኣመሪካዊ ደራሲ J.D.Salinger ኣብ ዝጸሓፎ The Catcher in the Rye(1951) እተባህለ ልብ-ወለድ ብውሕልነት ዝሃነጾ Holden Caulfield ዝበሃል ጠባይ ኣሎ። ኮልፊልድ ዕድመ ቍልዕነት ከም ዝሰገረ ይተኣማመን። ንብጽሕና/ጕብዝና ብዛዕባ ምብቅዑን ዘይምብቅዑን ግን ይጠራጠርን ኣብ ኣእምሮኣዊ ነውጺ ይሽመምን። ቀቢጸ-ተስፋዊ ድልያ መንነቱ ድማ ኣተሓሳስባ ኣባጽሕ መንእሰያት ነበብቲ፣ ንወለዶታት ክቈጻጸር ኣኽኢሉዎ።
ሓደ ግለ-ሰብ ንዓለም በይኑ ፊት-ንፊት ክገጥማ ኣብ ዝለዓል ሃቐነ ዘተኵር ቴማ ውን ብዙሕ እዩ። ኣመሪካዊ Mark Twain ኣብ ዝጸሓፎ Huckleberry Finn(1884) ዝብል ልብ-ወለድ ቅድሚ ኲናት ሓድሕድ ኣመሪካ (1861-1865) ይነብር ብዛዕባ ዝነበረ Huck ዝበሃል ጠባይ የዘንቱ። ሃክ ንማንም ናይ ህይወት/ምንባር ብድሆታትን ተጻብኦታትን ምጻር ይስእኖ። ይነብረሉ ንዝነበረ ከተማ ራሕሪሑ ድማ ኣብ ፈለግ ሚሲሲፒ ሓድሽ ብሕታዊ ህይወት ይጅምር። ሓደ ጂም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝዀብለለ ጊላ ኣብኡ ይረክብ’ሞ ንሓድሕዶም ጽቡቕ ዕርክነት ይምስርቱ።
ከም ኣብነት ድኣ ኢና ገለ ቴማታት ክንጠቅስ ፈቲንና’ምበር ደረስቲ ዘልዕሉዎ ቴማ ብቑጽሪ ደረጃ እዚ ኢልካ ዝግመት ኣይኰነን። ውሑዳት ካብ’ቶም ዝውቱራት ቴማታት ንምውሳኽ ግን፣ ኣብ ሞንጎ ህይወትን ስነ-ጥበብን ዘሎ ምትእስሳር ዝገልጹ ቴማታት፣ ኣብ ትርጉም ሃይማኖት ዘተኵሩ፣ ቴክኖሎጂ ንሕብረተ-ሰብ ዘለዎ ጥቕምን ዘስዕቦ ጕድኣትን ዝገልጹ….ወዘተ ምጥቃስ ይከኣል።
ምዕራፍ ኣርባዕተ
ሜላታት ነዊሕ ልብ–ወለድ
ኣብ ዝሓለፉ ምዕራፋት፡ ትርጉምን ኣመዓባብላን ከምኡ’ውን ቀንዲ ባእታታት ነዊሕ ልብ-ወለድ ክንርኢ ፈቲንና ኔርና። ቀጺልና ድማ እተፈላለዩ ደረስቲ ዝጥቀሙሎም እተፈላለዩ ሜላታት (techniques) ልብ-ወለድ ንምድህሳስ ክንፍትን ኢና።
ሃብታም ትሕዝቶኦም ንምንጽብራቕን ንነባቢ ዝግብኦ ጽባቐን መልእኽትን መታን ከሕልፉን፣ ደረስቲ ኣብ ድርሰታቶም ብዙሕ ዓይነት ሜላታት ይጥቀሙ። ገለ ካብ’ቶም ቀንዲ ሜላታት ንምጥቃስ፤ ኣመለኻኽታ፣ ቅድን ውክልናን እዮም። ብተወሳኺ ደረስቲ ኣንጸባራቒ/ቀጥታዊ ስእለ-ሓሳብ (imagery) ከምኡ ውን ግርምቢጣዊ/ስግንጢራዊ (irony) ዝበሃሉ ናእሽቱ ግብኣታት ከም ሜላ ይጥቀሙሎም።
4.1፡ ኣመለኻኽታ (point of view)
ልብ-ወለድ ምጽሓፍ ቅድሚ ምጅማሩ፣ ደራሲ ክወስዶ ዝግብኦ ኣገዳሲ ውሳነ እዩ – ኣመለኻኽታ። ትልምን ቴማን ኣብ ምህናጽን ናብ ነባቢ ኣብ ምቕራብን ደራሲ ዘለዎ ገደብን ናጽነትን ንምፍላጥ፣ ንኣመለኻኽታ ገዚፍ ግምት ምስ ዝህብ እዩ። ነበብቲ ነቲ መጽሓፍ በብመንገዶም ከስተማቕሩዎ ይኽእሉ። እዚ ድማ፣ ገሊኣቶም ምስ’ቲ ዛንታ ስጡም ቅርበት ዘለዎምን ንኣተሓሳስባ እቶም ጠባያት ብቐሊሉ ዝርድኡዎን፣ ወይ ውን ድሩት ኣፍልጦ ዘለዎምን ምስ ሓደ ጠባይ (ምስ ዝማእምኦም) ጥራይ ዝጓዓዙን ክዀኑ ይኽእሉ። ሕጽር ብዝበለ ኣገላልጻ’ምብኣር ኣብ ሓደ ስነ-ጽሑፋዊ ስራሕ ኣመለኻኽታ ማለት፣ ነባቢ ነቶም ተግባራትን ጠባያትን እቲ ዛንታ በየናይ መንጽር ብዛዕባ ክጥምቶም ይኽእል ሓሲብካ ምጽሓፍ እዩ።
ንኣመለኻኽታ ኣብ ሰለስተ ከፋፊልና ክንርእዮ ንኽእል። ኵሉ ዝፈልጥን ንነብሱ ካብ’ቲ ዛንታ ምሉእ ብምሉእ ኣውጺኡ ዘዘንቱን (omniscient) ፣ ናይ ቀዳማይ ኣካል ቦታ ሒዙ ዘዘንቱ (first-person) ፣ ሳልሳይ ድማ ኣብ ሳልሳይ ኣካል እተወሰነ ኣዘናትዋ (third-person-limited) እዩ።
ኵሉ ዝፈልጥን ንነብሱ ካብ’ቲ ዛንታ ኣውጺኡ ኣብ ዝዝንቶ ልብ-ወለድ፣ ነባቢ ንነፍሲ-ወከፍ ጠባይ እንታይ ከም ዝሓስብን ዝገብርን ከም ዝርዳእ ተገይሩ ይህነጽ። ትልሚ ናይ’ቲ ዛንታ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ወይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ዝጓዓዘሉ ነባቢ ድማ ፍልጠቱ ዓቂቡ ምስኡ ብማዕረ ይጓዓዝ። ብተወሳኺ እዚ ዓይነት ተራኺ/ዘንታዊ ንነባቢ ሚዛን ናይ’ቶም ተግባራትን ጠባያትን ሓፈሻዊ እቲ ሃዋህውን ንኽገብር ቀጥታዊ ዕድል ይህቦ። ንኣብነት The Heart Is a Lonely Hunter(1940) ኣብ ዝብል ልብ-ወለድ መጽሓፉ፣ ኣመሪካዊ ደራሲ ማክኩለርስ ትረኻኡ ብኸም’ዚ ይጅምር፤ “ኣብ’ታ ከተማ ክልተ ክዛረቡ ዘይክእሉ – ዕዙማት ነበሩ። ወትሩ ድማ ተፈላልዮም ኣይፈልጡን። ንግሆ-ንግሆ ካብ’ታ ዝነብሩላ ገዛ ወጺኦም፣ በቲ ጐደና ዘገም እና በሉ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ናብ ስርሖም ይኸዱ። እቶም ክልተ ኣዕሩኽ ፈጺሞም ዘይራኸቡን እተፈላለዩን እዮም ዝነበሩ…………”
እዚ ዓይነት ኣዘናትዋ ብዙሕ ግዜ ንነባቢ ዘየሸግርን ልሙድን ህርመት ይጥቀም። ምኽንያቱ ተራኺ ብደረት ናይ’ቲ ዛንታ ክቕየድ ኣይግደድን። ብኡ መንጽር ድማ ደራሲ ናጽነት ነባቢ የረጋግጽ። ጥንታውያን ደረስቲ (17ን 18ን ክ/ዘ) ብፍላይ ኣብ ጥቕሚ ኣውዒሎምዎን ሰሪሖምሉን እዮም። ብዙሓት ጥቕምታትን ሳዕቤናትን ድማ ክነውጽኣሉ ንኽእል።
እዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ንደራሲ ትልሚ ኣብ ምህናጽ ሽግር ኣይፈጥረሉን። ንነባቢ ድማ ምስ ሓሳባትን ተግባራትን ናይ ብዙሓት ጠባያት ብቐሊሉ ክዛመድ ይሕግዞ። ንብዙሓት መልክዓት ናይ’ቲ ዛንታ ብጥልቀት ክርድኦም ድማ ኣይጽገምን። እንተዀነ ግን እዚ ዓይነት ዛንታ ኣዝዩ ገባትን እተጋነነን መሲሉ እዩ ዝረአ። ምኽንያቱ ደቂ ሰብ ብባህርይ ውን ኵሉ ነገር ክፈልጡ ዝከኣል ኣይኰነን። ብተወሳኺ ደራሲ ነቲ ዛንታ ሰንኮፍ እንተ ሒዙዎን ብዝርዝራት እንተ ጠርኒቑዎን፣ ብሰንኪ ጻዕቂ ትርኢታትን ምከናን ብዝሒ ጠባያትን ነባቢ ነቲ ቀንዲ ትልሚ ክስሕቶ ዘሎ ተኽእሎ ገዚፍ እዩ።
ብኻልኣይ ደረጃ ንርእዮ ዓይነት ኣመለኻኽታ፣ ቀዳማይ ኣካል እዩ። ሓደ ካብ ጠባያት እቲ ልብ-ወለድ ነቲ ዛንታ ይትርኾ። ቀዳማይ ኣካል ፍጹም ውልቃውነት/ባዕላውነት፣ ከምኡ ድማ ኣብ ናይ ሓደ ግለ-ሰብ ዘሎ ቅጽበት፣ ጥልቀትን ፍጥነትን ግርጭታት የንጸባርቕ። ብተወሳኺ እቲ ጠባይ (ቀዳማይ ኣካል) ልዑል ትዅረት ሂቡ ከዘንቱ ይድርኽ። ካልእ፣ ደራሲ ብድምጺ/ህርመት ናይ ሓደ ኣዝዩ ፍሉይ ጠባይ (ቀዳማይ ኣካል) ተጠቒሙ ልብ-ወለዱ ክጽሕፍ ይሕግዞ።
ሳልሳይ ኣመለኻኽታዊ ሜላ፣ ኣብ ሳልሳይ ኣካል እተወሰነ ዓይነት ኣዘናትዋ ንብሎ። እዚ ዓይነት ሜላ ኣዘናትዋ ኣብ ሳልሳይ ኣካል (ንሳ/ንሱ) ተመርኲስካን እንታይ ከም ትሓስብ/ዝሓስብ ፈሊጥካን ዝጸሓፍ/ዝዝንቶ ሜላ እዩ። ልክዕ ከም’ቲ ኵሉ ዝፈልጥ ዘንታውን ቀዳማይ ኣካልን፣ ውሱን ሳልሳይ ኣካል ውን ንነባቢ ኣተሓሳስባ ናይ ቀንዲ ጠባይ ክፈልጥ ይሕግዞ እዩ። ዘይከም’ቲ ፈላጢ-ኵሉ ዓይነት ሜላ ግን ውሱን ሳልሳይ ኣካል ናይ ሓደ ሰብ ኣጠማምታ (እገሊት/እገለ) ምርኩስ ገይሩ እዩ ናብ ነበብቲ ዝቐርብ። በዚ መንጽር ምስ ሜላ ቀዳማይ ኣካል ክመሳሰል ይኽእል። ከም ሜላ ፈላጢ-ኵሉ ብግዳም ኰይኑ ንነፍሲ-ወከፍ ጠባይ፣ ነቲ ከተማ፣ ነቲ ስራሕ፣ ነቲ ኣተሓሳስባ….ወዘተ በብሓደ ክትንትኖን ክትርኾን ኣይክእልን እዩ። ናይ ትረኻ ግዝኣቱ ኣብ’ቲ ኣብ ሳልሳይ ኣካል ተቐሚጡ ዘሎ ቀንዲ ጠባይ እተወሰነ እዩ።
4.2 ቅዲ (style)
ቅዲ ማለት ናይ ደራሲ ምርጫ ቃላትን ሓረጋትን፤ ከምኡ ውን ብኸመይ ሰሪዑን ኣወሃሂዱን ናብ ምሉኣት ሓሳባትን ሕጥቦ-ጽሑፋትን የማዕብሎም ዝምልከት ሜላ ኣጸሓሕፋ እዩ:: ቅዲ ንደራሲ ኣንፈት/ደረጃ ምስትምቓር ነበብቲ ኣብ ምቕራጽ ይሕግዞ:: ንኣብነት ሓደ ጸሓፊ ፈኰስቲ ቃላትን ዘይተሓላለኹ ምሉእ-ሓሳብትን ክጥቀም ከሎ ካልእ ጸሓፊ ድማ ከበድቲ ቃላትን ነዋሕቲ – ሕልኽልኽ ዝበሉ ምሉእ-ሓሳባትን ከዘውትር ይኽእል። ናይ ክልቲኦም ጸሓፍቲ ቴማ ዋላ ተመሳሳሊ ይኹን፣ ኣብ ክልቲኡ ዘሎ ምስትምቓር ነበብቲ ግን ኣይራኸብን።
ንቕዲ ፈኲስ፣ ዝተሓላለኸን ማእከላይን ብምባል ኣብ ሰለስተ ከፋፊልና ክንርእዮ ንኸእል። ሓድ-ሓደ ግዜ ደረስቲ ኣብ ምሉእ ድርሰቶም ብሓደ ዓይነት ቅዲ ክጽሕፉ ንዕዘብ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዛንታ ቅድታት እናቐያየሩ ዝጥቀሙ ውን ብዙሓት እዮም። ንኣብነት እቲ ደራሲ ብመንጽር እተፈላለዩ ጠባያት ይትርኽ እንተ ድኣ ሃልዩ፣ ነቶም ጠባያት ነናቶም ቅዲ ብምልባስ ነፍሲ-ወከፎም ፍሉይ መለለዪ ወይ ድምጺ ከም ዝህሉዎም ይገብር።
4.3 ውክልና (symbolism)
ብዙሓት ዛንታታት ክልተ ቀጸላታት ትርጉም ክሓቝፉ ልሙድ ተርእዮ እዩ። ቀዳማይ ካብ ቀጥታዊ ትልሚ ክንረኽቦ ንኽእል ትርጉም ኰይኑ፣ ካልኣይ ድማ እቶም ስእልታትን ነገራትን ናይ’ቲ ዛንታ ዝስከሙዎ ምስጢራዊ ሓሳባትን ስምዒታትን ዘርኢ ውክልና እዩ። እተፈላለዩ ውክልናታት ምጥቃም ንደረስቲ ረቀቕትን ኣከራኸርትን ዛዕባታት ከንጸባርቑ ይሕግዞም።
ደረስቲ ኣብ ምጅማር ሜላ እቲ ዛንታ ውክልናዊ ንድፊ ስእለ-ሓሳብ ፈጢሮም/ኣተኣታትዮም እዮም። ንኣብነት ህቡብ ኣጠቓቕማ ውክልና ንምርኣይ፣ ኣመሪካዊ ናትናኤል ሃውቶርን ኣብ ዝጸሓፎ The Scarlet Letter ኣብ ዝብል መጽሓፍ ዘሎ ፊደል A ክንጠቅስ ንኸእል። ፕራይን እተባህለት ጠባይ ኣብ ቀይሕ ድሙቕ ክዳና ነዚ ፊደል ወቂጣቶ ትረአ። እቲ ፊደል ግን ብወዝቢ እተጠቕመትሉ ዘይኰነስ ዝሙት (Adultery) ንምግላጽ እዩ። ጸኒሓ በቲ ተግባር ተኸሲሳ ኣብ’ቲ ኮማዊ ቤት-ፍርዲ ከም ትቐርብ ይግበር።
ውክልናታት ነባቢ ብቐሊሉ ብዘይጽበዮ መንገዲ ክህነጹ ይኽእሉ። ወዲ ቸክ ሪፓብሊክ፣ ፍራንዝ ካፍካ ኣብ ዝጸሓፎ Der Prozess (1925; The Trial, 1937) ጆሰፍ (Joseph K.) እተባህለ ጠባይ ኣሎ። እቲ ደራሲ ኣብ መጽሓፉ ብዛዕባ ክርክር መጋባእያ/ሕጊ ናይ ጆሰፍ ይዛረብ። ኣብ’ታ መጽሓፍ እቲ ሕጋዊ መስርሕ ንምውጅባር/ንህውታት እምበር ንስርዓትን ንሓቅን ዝውክል ኣይኰነን። ምኽንያቱ ኣብ መላእ ትልሚ ናይ’ቲ መጽሓፍ ጆሰፍ ዝሰርሖ ዘይፈልጥ ኣብዲ ኰይኑ እዩ ተሃኒጹ ዘሎ።
ብዙሕ እዋን ውክልና ቀጥታዊ ትርጉም ከም ዝህሉዎ ተገይሩ ውን ይህነጽ እዩ። በዘራርባ ኣመሪካዊት ደራሲት ሜሪ ማካርቲ፣ ንኣጠቓቕማ ሰፊሕ ትንተናን ትርጉምን ዘየድልዮም ምስልታት፣ ባህርያዊ ውክልና (natural symbolism) ንብሎ። ኣብ ኣና ካረኒና ናይ ቶልሰቶይ፣ ፈረስ ናይ’ቲ ቭሮንስኪ እተባህለ ሓደ ካብ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣብ ውድድር ጕድኣት ምስ ኣጋጠሞ ተሳቕዩ ይመውት። መጻኢ ዕድል ናይ’ታ ቀመም እቲ ዛንታ ዝዀነት ኣና ድማ እዩ ዝእንፍት።
ውክልናታት ብቐሊሉ ክትግንዘቦም ትኽእል ሓደ ወይ ክልተ ትርጉማት ጥራይ ዘይክህሉዎም ይኸእል። ንኣብነት ጀምስ ጆይስ A Portrait of the Artist as a Young Man(1916) ኣብ ዝብል መጽሓፉ ንኣዕዋፍ ከም ውክልና ተጠቒሙለን ይርከብ። ቀልጢፉ ዝቕጀለካ ትርጓሜ ነተን ኣዕዋፍ ከም ምልክት ምምላጥ/ስደት እዩ። እዚ ግን ንሓሳባት ጆይስ ምንእኣስ እዩ። ውክልና እተን ኣዕዋፍ ምስ’ቲ ኣብ ጽውጽዋይ ግሪኽ ብቐንዲ ዝጥቀስ ኢካረስ (Icarus) እውን ይተሓሓዝ። ኢካረስ ብሰብ-ሰርሖ ክንፊ በሪሩ ክሳብ ናብ ጸሓይ ይጽጋዕ። ድሕሪኡ እቶም ኣኽናፍ ነንፋንጣኦም ይወድቁ (the wings fall apart) ኢካረስ ድማ ኣብ ውቅያኖስ ይጥሕል። ብተወሳኺ እተን ኣዕዋፍ ምስ ጽባቐ፣ ምስ ምፍልፋል ሓድሽ ሓሳብ፣ ምስ ሃይማኖት፣ ምስ ባህጊ ጾታዊ ርክባት ክተሓሓዛ ይኽእላ።
4.4 ቀጥታዊ ስእለ–ሓሳብን ስግንጢራውነትን (imagery and irony)
ንኣመለኻኽታ፣ ቅድን ውክልናን ተወሳኺ፣ ቀጥታዊ ስእለ-ሓሳብን ስግንጢራውነትን ዝበሃሉ ቅርጡዋት ሜላታት ልብ-ወለድ ውን ኣለዉ። ቀጥታዊ ስእለ-ሓሳብ ገላጺ ዝርዝር ብምቕራብ ንስምዒት ነባቢ ብቐጥታ ናይ ምህራም/ምርካብ ሜላ ኣጸሓሕፋ እዩ። ደራሲ ንምስሊ ናይ ኵሎም ምስጢራትን ሓሳባትን ብቐጥታዊ ስእለ-ሓሳብ ቀሪጹ ዘቕርበሉ ሜላ እዩ። ስግንጢራውነት ድማ ንውድዓውነት ተቓራኒ ሓሳባት፣ ክውነታትን ተግባራትን ተጠቒምካ ትሰርሖ ሜላ ስነ-ጽሑፍ እዩ።
ስእለ-ሓሳብ ምስ ውክልና ክተሓዋወስ የብሉን። ስእለ-ሓሳብ ማለት ስምዒታት ነባቢ መዝሚዝካ ሓቂ ምንጽብራቕ ድኣ’ምበር፣ ንትርጉም እቶም ስእልታት ምውቃብ ማለት ኣይኰነን። ኰይኑ ግን እቲ ምስሊ ፍሉይ ትርጉም ምስ ዝህሉዎን ካልእ ሓሳብ ምስ ዝስከምን (ንነባቢ ወይ ውን ንጠባያት እቲ ልብ-ወለድ፣) እቲ ስእለ-ሓሳብ ከም ውክልና ከገልግል ይኽእል።
ስግንጢራውነት/ግርምቢጣውነት ብወገኑ ዝተፈላለዩ መልክዓት ክሕዝ ይኽእል። The Heart Is a Lonely Hunter (1940) ኣብ ዝብል መጽሓፍ ማክኩለርስ ኣብነታት ናይ ነፍሲ-ወከፍ መልክዕ ግርምቢጣውነት ክንረክብ ንኽእል። ብኣጠቓላሊ ግን ድራማዊ፣ ክውነታዊ፣ ከምኡ ውን ብቓል ዝግለጽ ክኸውን ይኽእል። ብዘይካ’ዚ ደረስቲ፣ እቶም ጠባያት ዘይፈልጡዎ ብዛዕባኦም ግን ገለ ነገር ናብ ነባቢ ከሕልፉ ይኽእሉ። ኣብ’ዚ ተጠቒሱ ዘሎ መጽሓፍ ንኣብነት፣ እቶም ጠባያት እንክዛረቡዎ ሲንገር ይርድኦም ዘይምህላዉ፣ ሲንግርን ነባብን ጥራይ እዮም ዝፈልጡ።
ምዕራፍ ሓሙሽተ
ዓይነታት ነዊሕ ልብ–ወለድ (genres)
ልብ-ወለዳት ብመንጽር ዓይነቶም ኣብ ደርዘናት ክንምድቦም/ክንከፋፍሎም ንኽእል። ሓደ ልብ-ወለድ ብዙሓት ዓይነታት/ምድባት ከካትት ግን ባህርያዊ እዩ። ዓይነታት ንምምዳብ እተፈላለየ መለክዒታት ንጥቀም። ሓደ ካብ’ኣቶም ቅርጺ ናይ’ቲ ዛንታ እዩ። ንኣብነት፣ መልእኽታዊ ልብ-ወለድ (ኣብ መንጎ ጠባያት ብመልክዕ ደብዳበ ዝጸሓፉ ዛንታታት)፤ ምከናዊ ልብ-ወለድ (ኣብነት፣ ኣብ ውሱን ከባቢ ኣተኲሩ ዝጸሓፍ ዛንታ)፤ ዕላማዊ ልብ-ወለድ (ኣብነት፣ ፕሮፓጋንዳዊ/ጐስጓሳዊ ዛንታ)…..ወዘተ።
ውሑዳት፣ ሰፋሕቲ ዓይነታት ልብ-ወለድ ንሓፈሻዊ ኣንፈት ናይ’ቲ ዛንታ ብቐሊል የንጸባርቑ።
ማሕበራውያን ልብ-ወለዳት ንግዳማዊ ባህርያት ናይ ጠባያትን ግብረ-መልሲ ካልኦት ጠባያትን የንጸባርቑ።
ስነ-ልቦናውያን ልብ-ወለዳት ንውሽጣዊ ስራሕ ኣእምሮ ናይ ሰባት ይፍትሹ።
ፍልስፍናውያን ልብ-ወለዳት ደራሲ ልሂቃውያንን ፍልስፍናውያንን ሕቶታት ንኽምርምር መድረኽ/ዕድል ይኸፍቱሉ።
ህቡብነት ኣብ ግምት ዘእትዉ ልብ-ወለዳት ብሓፈሻ ኣብ ገድላዊ መንገዲ፣ ኣብ ሽርሕን ተንኰልን፣ ኣብ ምስጢራት/ተኣምራት፣ ኣብ ንብዙሕ ህዝቢ ምምሕጻንን ምስሓብን….ወዘተ ኣተኵሮ ሂቦም ይጸሓፉ። ንኣብነት፣ ምስ ገበን/ምርመራ ዝተኣሳሰሩ (detective novels)፣ ስለያውያን፣ ስነ-ፍልጠታውያን፣ ሕልማውያን (ፋንታዝያውያን)፣ መርዓድቲ (ኣሰንበድቲ)፣ ፍቕራውያን፣ ታሪኻውያን ልብ-ወለዳት ክንጠቅስ ንኽእል።
ምርምራውን ልብ-ወለዳት ድማ ደረስቲ ኣብ ቅርጽን ቅድን ልዑል መሃዝነት ዘርእዩሎም ዓይነታት ልብ-ወለድ እዮም።
ተፈጸመ!
ለካቲት 12 2016
ቦኽረ ገብረየሱስ
Reference
1: David Madden, Novel. Encarta 2009. (Page 1-41)
2: David G. Hartwell, Kathryn E. Cramer, Science Fiction. Encarta 2009.
3: Other documents related to novel and short story.