ታሪኽ ብላታ ብርሃነ እማን ሓላይ ካብ ታሪኽ ሰቋር ባሕሮ ድግሳ ዝቀጸለ
( ብመምህር ሃብተማርያም ሃይለማርያም )
ዕላማ ጽሑፈይ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ ብዝተፋላለዩ ግለ ሰባት ተጻሒፉን ተሰኒዱን ዘሎ ዝተዛብዔን ሓቅነቱ ዝሰሓተን ታሪኽ ደግያት ባህታ ሓጎስ ኣብ ውግእ ሓላይን ድሕሪኡን ንምእራም ኢዩ ። ነዚ ታሪኽ
’ዚ ከም መበገሲ ንኽኾነና ነዚ ዝስዕብ ንመልከት ።
ሀ) ብላታ ብርሃነ እማንን ደግያት ባህታን ኣፍልጦኦም ብኸመይን ኣበይን ይጅምር ፧
ደግያት ገረመድህን ወዲ ደግያት ባህታን ብላታ ብርሃነ እማንን ብሓደ መዓልቲ ኣብ ሓደ ለምለም ዳስ ዝተመርዓዉ ሓኖታት ኢዮም ። መርዑቶም ደቂ ግራዝማች ሚዒተልካ ዘገርግስ ዳብር (መረታ ሰበነ) ኢየን ። መርዓት ብላታ ብርሃነ ሰንደቅ ፣ መርዓት ደግያት ገብረመድህን ድማ ምላሹ ይበሃላ ነበራ ።
እምበኣር ኣፍልጦኦም እንካ’ዚ ዕለተ መርዓ ይጅምር ። ቀጺሎም ‘ውን ክሊቲኦም መርዓውቲ ብሓደ እትዋት ኣትዮም ። እዚ እትዋት’ዚ ነቲ ኣብ መዓልቲ መርዓ ዝተመስረተ ዝምድና ክሊቲኦም መርዓውቲ ናብ ዝለዓለ ሕውነታዊ ጥርዙ ዘብጽሕ ኣጋጣሚ ነበረ ።
ለ) ርክብ ብላታ ብርሃነ እማንን ሰቋር ባሕሮንከ ኸመይ ነበረ ፧
ብላታ ብርሃነ እማን ዓደኮታቶም ድግሳ ኢዩ ። ጓል ኣኮኦም ብርዙ ጓል ተመልሶ ናብ ሰቋር ባሕሮ ተኣትያ ንዉሩይ ፣ ንሓጎስ ንምሕረተኣብን ወሊዳ ። ስለዚ ሰቋር ባሕሮ ሰብይ ጓለኩኦም ኢዮም ። እምበኣር ነዚ ኣብ ሀ ን ለ ን ተገሊጹ ዘሎ ከም መበገሲ ወሲድና ታሪኽ ደግያት ባህታ ሓጎስ ኣብ ሓላይን ድሕሪኡን ንርኤ ።
1) ጋዜጠኛ መሓሪ ምስግና ዘጎዳይፍ
ኣቶ መሓሪ ምስግና ዘጎዳይፍ ብገምጋም ኣብ ወርሒ ለካቲት 1985 ኣብ ጋዜጣ ሕብረት ንደግያት ባህታ ስቋር ባሕሮ ቀቢሮሞም፣ ወዶም ከንቲባ ስእሉ ድማ መቃብር ደግያት ባህታ ኣርእዮም ክብል ሰኒዱ ሓሊፉ ።
፨ እቲ ሓቂ ግን እንዳ ሰቋር ባሕሮ ቀቢርና ደኣምበር መቃብር ኣሪና ኣይበሉን ። ከንቲባ ስእሉ’ውን ኣቦና ቀቢሮም ደኣምበር ኣነ መቃብር ኣርእየ ኣይበሉን ። ኢሎም’ውን ኣይፈልጡን ። እምበኣር ከስ ሰነድ መሓሪ ምስግና ዘጎዳይፍ ባዕላዊ ኣዘራርባ ኮይኑ ንታሪኸ ብከመይ ይጥምዝዞን ፣ ንሕዝቢ ከዓ ከመይ ዝኣመሰለ ምድንጋር ይፈጥረሉን ሓደ በሉ ።
2) ተጋዳላይ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ (ሊንጎ)
ተጋዳላይ ሃይለሚካኤል ምስ መኣዲዘተ ብዛዕባ ደግያት ባህታን ኩናት ሓላይን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፣
ሀ) ጣልያን ንደግያት ባህታ 50 ደቂ ኣንስትዮ መልሚልካ ካብ ህዝቢ ጽናዓደግለ ሃበኒ ኢሉዎም ኢሉ ።
እቲ ሓቂ ግን ጣልያን ንደግያት ባህታ 50 ደቂ ተባዕትዮን 50 ደቂ ኣንስትዮን ፤ ከምቲ ንግራዝማች ኣረይ ግደ ኣማሓዳሪ ኣውራጃ ሓማሴንን ንግራዝማች ይግዛው ኣማሓዳሪ ኣውራጃ ሰራየን ዝበሎም ፤ እን ካብ’ቲ ግዛቶም ዝነበረ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ኢዩ ሃበኒ ዝበሎም እምበር ብፍላይ ካብ ህዝቢ ጽናዓደግለ ሃበኒ ኣይበሎምን ።
ለ) 1952 ካልኣይ ቀብሮም ንደግያት ባህታ ከም ዝነበረ የዘንቱ ።
ኣስከሬን ካብ ሓላይ ናብ ሰገነይቲ ምስ ተወስደ ክቀብርዎ ከለዉ ኣውያት ክገብሩ ሰብ’ውን ክእክቡ ተኽእሎ ኣሎ ። ካብኡ ብዝተረፈ ግን ብቤተሰብ ደረጃን ከም ልምዲ’ቲ ኣከባብን ፣ ርቡሕን ህጡርን ወዶም ደግያት ገብረመድህን ንድህሪኦም ተሪፎምስ ካልኣይ ቀብርን ተስካርን ከይተገብረሎም ነይሩ ዝብል እምንቶ የብለይን ።
ሐ) ስዩም ወደኮይ ናይ 1952 ስእሊ ሰዲዱለይ ኣብታ ስእሊ ተስካር ደግያት ባህታ ዝብል ጹሑፍ ነሩዋ ኢሉ ።
እወ ብርግጽ ብኣውራጃ ደረጃ ካብኡ ሓሊፉ፣ ሃገር ዝተሳተፎ ተስካር ኢዩ ነይሩ ። ካልይ ቀብሪ ኣይነበረን ። ተጋዳላይ ሃይለሚካኤል’ውን ባዕሉ እንካብ’ቲ ኣብ ስእሊ ዝነበረ ጹሑፍ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ ።
መ) ኣብ ውግእ ሓላይ ደግያት ባህታ ሸውዓተ ጥይት ተወጊኦም ሻሙናይ ኣብ ግንባሮም ምስ በለ ፣ ብዛዕባ ጣልያን ኣብ ልዕሊ ሬሳ ደግያት ባህታ ዝገበሮ ግፍዒ ፡ መንከ ቀበሮም ፡ ብድሕሪ 58 ዓመታትከ መን መቃብር ኣርኣየ ፧ ከይገለጸ ሓሊፉዎ ።
መቃብር ደግያት ባህታ ኣብዚኣ ኣሎኹ ኢሉ ባዕሉ ብዝሓበሮ ኣይኮነን ተረኺቡ ። ተገዲሶም ን58 ዓመታት ክጓስይዎን ክሕልውዎን ብዝነበሩ ኣቦ ምትሕብባር ኢዩ ተረኺቡ ። ኣብቲ ጊዜ’እቲ ሰገነይቲ ንቢተወደት ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ሒዞም ገበርትን ሓደግትን ኢዮም ነሮም ። እንተኾነ ነዞም ተገዲሶም መቃብር ደግያት ባህታ ዘርኣዩ ኣቦ ስሞም’ኳ ኣብ ጋዜጣ’ኳ ከቃልሕዎ ኣይተረኽቡን ።
እንካብ’ዚ ጉድለት’ዚ ዝተበገሰ ኢዩ ከዓ ታሪኸ ደግያት ባህታ ኣብ ሓላይ ሞይቶም ። ኣስከሬኖም ድማ
ካብ ሓላይ ናብ ሰገነይቲ ኣትዩ ። እና ተባህለ ጎደሎ ታሪኸ ክንገር ዝጸንሐን ዘሎን ።
3) ኣባ ግርማይ ኣብርሃ ደግያት ባህታ ካብ ዝመቱ ናይ መበል 100 ዓመቶም ፣ ኣብ ጋዜጣ ብርሃን ካብ ዝጸሓፍዎ ጽሑፍ’ሞ ፣ ኣብ መደብ ሞዛይክ ዝተተረኸ ።
ሀ) ደግያት ባህታ ኣብ ዕረቀራን ወዲቆም ጣልያን ንሬሳኦም ናብ ምስሓቕ-ጓይላ ወሲዶም ሰብ መታን ክስክሕን ኣራዊት ምእንቲ ክበልዖምን ደርበይዎም ። “ዋርድያ ከዓ ገበሩሎም”። ሰቋር ባሕሮ ካብዋርድያ ሰሪቆም ሓደ ኪ.ሜ ኣብ ዝርሕቀቱ ዝሔሖ ዝተባህለ ቦታ ቀቢሮሞም ዝብል ተነቢቡ ።
ንኹሉ ዝተረኽዎ’ኳ ዝሰማምዓሉ እንተ ኮንኩ ፣ “ዋርድያ ገበርሎም” ንእትብል ሓሳብ ግን ኣይሰማምዓላን ። ምኽንያቱ በዛብእ ንክብልዑ ደርብዮሞም ከብቅዑስ ፣ ብከመይ ዋርድያ ክገብርሎም ይኽእሉ ፧
ለ) ሰቋር ባሕሮ ምስ ዑቅባሚካኤል ባይሩ ወዲ ሓውቦምን ሓጎስ ወዲ ደስታ ዓርኮምን ኮይኖም ቀበርዎም ዝብል ከዓ ተቓሊሑ ።
ብዝተሓበረኒ መሰረት ግን ወልደስላሴ ዝተባህሉ ዞማኦም በዓል ሓላይ ራብዓዮም ነይሮሞም ። ከም ነገር ሓቂ ከኣ ሰቋር ባሕሮን ብጾቶምን ኣጋይሽ ስለ ዝኾኑ ሬሳ ኣበየናይ ቦታ ተደርብዩ ኣሎ ክፈልጡ ስለ ዘይኸ እሉ ምትሕብባር ናይ ወዲዓዲ ኣቶ ወልደስላሴ ከድልዮም ኢዩ ። ብድሕሪ’ዚ እምበኣር እዮም ሰቋር ባህሮ ሓዚሎም ብጾቶም ብእግሮም ብምሕጋዝ ኣብ ዝሔሖ ዝቀበርዎም ። ሬሳ ኣብጉድጓድ ምስ ኣተወ’ን ኣቶ ወልደስላሴ ነታ ጉድጓድ “ኩረት ንምል ኣያ” ከምዝበሉ ይንገረሎም ። ኣቶ መሓሪ ወዲ ከንቲባ ስእሉ ድግሳ ወዲ ወዶም ንሰቋር ባሕሮ’ውን ነዚ ሓቂእዚ ብወገኑ የረጋግጾ ።
ሐ) እቲ ምስጢር መቃብር ብዘይካ ሰቋር ባሕሮን ቤተሰቦምን ዝፈልጦ ኣይነበረን ኢሎም ክብሃል’ውን ተሰሚዑ ።
እቶምብድሕሪ ምቅባሮም 58 ዓመታት ምስ ሓለፈ መቃብሮም ዘርኣዩከ ኣደኣ ብከመይ ፈለጡ ፧
መ) ሰቋር ባሕሮ ቀቢሮም ምስ በሉ ከም ተጋዳላይ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ (ሊንጎ) መቃብር ብድሕሪ 58 ዓመታት ብኸመይ ተረኸበን…. ከይገለጹ ፣ “ኣስከሬን ካብ ሓላይ ናብ ሰገነይቲ ከይዱ ኣብ ደብረ ቅዱስ ሚካኤል ዓሪፉ” ይብሉ ። እዚ ክኾነሉ ዝከኣለ ምኽያት ድማ ብሰንኪ ጉድለት ናይቶም ሰናይ ዝተገብረሎም ሰባት ኢዩ ።
4) ሰቋር ብሕሮ ድሕሪ ቀቢሮም ናበይ ኣበሉ ፧
ሀ) ክም ቃል መምር ተወልደ ወዲ ብላታ ሃንስ ሰገነይቲ “ሰቋር ባሕሮ ንደግያት ባህታ ምስ ቀበሩ ናብ እንዳ ብላታ ብርሃነ እማን ኣትዮም ሰውነቶምን ክዳውንቶምን ብማይ ውዑይን ሓሰርንፋይን ተሓጺቦም” ኢሎሙኒ ።
ለ) ከም ቃል ኣቶ መሓሪ ከንቲባ ስእሉ ድግሳ ወዲ ወዶም ንሰቋር ባሕሮ ድማ ፡ ቀጺሎም እንካብ ሓላይ ናብ ዓዲፍኚዕ ከይዶም ንደግያት ገረመድህን ርኺቦም ክዳኖም ተላቢሶም ”ንጎይታይ ቀቢረዮም ኢየ” በልዎም ። ደግያት ገረመድህን ድማ ክዳኖም ተላቢሶም “የቀንለይ ክብረት ይሃበለይ” እናበሉ ኣመስጊኖሞም ይብል ።
5) ዶክተር ኣባ ይስሃቅ ገብረኢየሱስ
ኣብ መደብ ሞዛይክ ብዶክተር ኣባ ይስሃቅ ገብረየሱስ ካብ ዝተጻሕፈ ተባሂሉ ተተሪኹ ዘሎ ፣
ኣነ ብወገነይ ዶክተር ኣባ ይስሃቅ ዝጸሓፍዎ ኢዩ ኢለ ክኣምን ኣይኽእልን ፣ ንኽኣምን’ውን የሸግረኒ ። ምኽንያቱ ኣብቲ ዝጸሓፍዎ ተባሂሉ ዝተነበበ ጽሑፍ ብርክት ዝበሉ ጌጋታት ስለ ዝተነበቡ ።
ሀ) ኢጣልያውያን ረዳት ናብ ሓላይ ብክልተ ወገን ፣ ሓደ ክፋል ብሩባ ዓንበር ፡ ካልኣይ ክፋል ከዓ ብመንሃባይ ፡ ማይሓራሳት ፡ ክሳድ-ገረይ መጺኦም ተባሂሉ ።
ብመነሃባይ ፡ ማይሓራሳት ፡ ክሳድ-ገረይ ምምጻኦም ክሉ ዝሰማምዓሉ ሓቂ ኢዩ ። እቶም ብሩባ ዓንበር ዝጓዓዙ ንሓላይ ንኽኣትዉ ዘድልዮም ጊዜ ብዉሑዱ ሓደ ሰዓት ድሕሪ ብጾቶም ናብ ሓላይ ምእታዎም ኢዩ ። ናይ ሓደ ሰዓት ጊዜ ኣብ ውግእ ከዓ እንታይ ዝኣክል ዓወት ወይ ክሳራ ከም ዘጓናጽፎም ጽቡቕ ጌሮም ስለ ዝርድኡ ፥ ብተወሳኺ ብዝሒ ወተሃደራት ደግያት ባህታ ኣዳዕዲዖም ይፈልጡዎ ስለዝነበሩ፥ ጊዜኡ ጊዜ ኣፍኣርክቡ ብምንባሩን ኣይመርጽዎን ኢዮም ። ከም ታሪክ’ውን ኣይሰማዕናዮን ።
ለ) ኣብ ክሳድ-ገረይ ብደግያት ባህታ ዝተመደቡ ዋርድያታት ኣብ እምነቶም ኣይተረኽቡን ተባሂሉ ።
እዚ ሓቂ ኢዩ ብሰንኪዞም ኣብ ክሳድ-ገረይ ዋርድያ ዝተመደቡ ምኽድዖም ደግያት ባህታ ንኽግርሁ ኪኢሎም ። ብተወሳኺ መሬት ብግመ ብምሽፋኑን ቅልጡፍ ስጉምቲ’ውን ብዘይ ምውሳዶምን ኢጣልያው ያን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ረኺቦም ። ቅልጡፍ ስጉምቲ ወሲዶም እንተዝኾኑ ግን ዓወቶም ተጓናጺፎም ጸላኢ ይትረፍስ ፈታዊ አብ ዘይረኽቦም ቦታ ምበጽሑ ። እዚ ከይተተግበረ ተሪፉ ኩናት ተኻየዱ ደግያት ብህታን ብዙሓት ጀጋኑን ዝሃለቅሉ ዕለት ኮይኑ።
ሐ) ብወገን ምዕራብ ከረጅጊ ግራት ጊርሞ ጸጸኒሑ ተኩሲ ይስማዕ ነበረ ። ጣልያን ኩነታት ዝፍትሹ ወተሃደ ራት ለኣኹ ። ዓሳክር ጣልያን ንወዮ ዝትኩስ ዝንነበረ ረኺቦም ተኲሶም ቀተልዎ ። እንተረኣኻስ ደግያት ባህታ ኮይኖም ተረኽቡ ድማ ይብል’ቲ ዝተነበ ጽሑፍ ።
1ይ. ብቐዳምነት ካብ ግራትጊርሞ ናብ’ቲ ጣልያን ዓስኪሮሙሉ ዝነበሩ ቦታ፥ ተኩስካ እተድምዖ ዋላ ሓንቲ’ኳ የልቦን ። ጥይት ንርእሱ’ውን ይበጽሕ ኢዩ ዝብል ግምት የብለይን ።
2ይ. ከምዚ ምባል ናይ ደግያት ባህታ ቆራጽነት ፥ ኣርሒቅካ ምሕሳብን ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመኩሮን ምዝንጋዕ ይመስል ።
3ይ. ከም ቓል መሓሪ ወዲ ከንቲባ ስእሉ ወዲ ወዶም ንሰቋር ባሓሮ ፥ ሞት ደግያት ባህታ ተረጋጊጹስ ወተሃደራቶም ክበታተኑ ምስ ጀመሩ ግራዝማች ሚዒተልካ ዘገርግስ ሓሙኦም ንደግያት ገብረመድህን “ንኺድ ነዓናይ ጎይታይ ናብ መተተን ገጾም ሓሊፎም ኣለዉ ነርክቦም” ምስ በሉዎም፤ ደግያት ገብረመድሂን ብወገኖም “ኣቦይ ሞይቶም ኢዮም ኣነ’ውን ክመውት ኢየ” ክብሉ መለሱሎም ። ግራዝማች ሚዒተልካ ግን ደጋጊሞም ፥ “ከይዶም እኮ ኢና ንብለካ ዘሎና ንዓናይ” ኢሎም ደፋፊኦም ወሰድዎም ። ብድሕሪ’ዚ ብመተ ተን ጌሮም ናብ ዓዲፍኚዕ ከዱ ይብል ።
ኣብዚ ክበርሃልና ዘለዎሓቂ ደግያት ባህታ እናተዋግኡ ወዶም ደግያት ገብረመድህንን ሓሙኦም ግራዝ ማች ሚዒተልካ ዘገርግስን ሓዲጎሞም ይኸዱ ማለት ዘበት ።
መ) ደግያት ባህታ ዝሞቱሉ ኣብ ማይ-ደቓ ኢዩ’ውን ተባሂሉ ኣሎ ።
ደግያት ባህታ ዝሞትሉ ኣብ ዕረቀራን ደኣምበር ኣብ ማይ-ደቓ ኣይኮነን ። እታ ቦታ ምእንቲ ክትፍለጥ ሓለፍቲ መንገዲ ኣእማን አንዳ ደርበዩ ጩቑላ ጨቍሎሙላ ነሮም ። ነዚ ዝረኣዩ ዳሕረውት ትውልዲ ከኣ መቃብር ደግያት ባህታ ንሳ ትመስሎም ነበረት ። እምበኣር ካብ ዕረቀራን ኢዩ ሬሳ ናይ ደግያት ባህታ ብቶም ተንኮል ዝሓሰቡ ጸላእቲ ናብ ምስሕቕ-ጓይላ ዝተወስደ ። ሳላጀጋኑ ኣሕዋቶምን ቤተሰቦምን ግን ሓሳባት ጸላእቲ ኣይሰመረን ።
ሠ) ሰቋር ባሕሮ ምስ ዑቅባሚካኤል ወዲ ባይሩ ወዲ ሓውቦኦም መኺሮም ምስጢር ተኣታትዮም ንሬሳ ደግያት ባህታ ኣብ ዝሔሖ ኣብ ሓደ እግሪ ኣንበሳ ደረት ቀበርዎ ። እቲ ዝተፈጸመ ነገር ንዳሕረዎት ምእንቲ ክነግር ምስኦም ናብቲ ምስጢር ሓደ ቆልዓ ጸምቢሮም ነበሩ’ውን ተባሂሉ ።
ብመጀመርያ እቲ ዝወሰድዎ ምስጢራዊ ስጉኅቲ ብሂወቶምን ብሂይወት ቤተሰቦምን ዘሕትቶም ስለ ዝኾነ ፣ ጊዜ ከዓ ስለ ዘይነበሮምን ንቆልዓ ሰበይቲ ክማልኡ ኣይክእሉን ኢዮም ።
ንነገሩኸ እዚ“ቆልዓ”ተባሂሉ ተጠቒሱ ዘሎ መን ኢዩ ፧ ኣብቲ ምውጻእ ኣስክሬን ዝገልጽ ሕጥበ ጽሑፍ ደራሲ ከም ዝተነበበ ብላታ ብርሃነ እማን ኢዩ ።
እቲ ሓቂ ግን ብላታ ብርሃነ እማን ብመንጽር ዕድመ ወለድና ክንቅምሮ ክሎና ደግያት ባህታ ቅድሚ ምማቶም ኣቐዲሞም ቅድሚ 15 ዓመታት ምስ ደግያት ገብረመድሂን ብሓደ ተመርዕዮምስ ኣቦ 6 ውሉድ ዝኾንሉ ጊዜ ኢዩ ነይሩ ። ቀጺሎም ከዓ ብድሕሪ ክልተ ዓመት 1896 ኣብ ኵናት ዓድዋ ዊዒሎም ። እሞ ብከመይ ደኣ “ቆልዓ” ክበሃሉ ተደልየ ፧ መልሱ ናባኻትኩም ንገድፎ ።
ካልእ ባዕሎም ኣቦሓጎይ ብላታ ብርሃነ እማን ንዓይ ዝበሉኒ ሰዓቢ ደግያት ባህታ ምንባሮም ፣ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ናብ ዳብር ዓደሕምኦም ገይሾም ብምጽንሖም ኣብ ውግእ ሓላይ ከም ዘይወዓሉ ። “ኣብኡ ክለኹ ደግያት ባህታ ሞይቶም ዝቀብሮ ሲኢኖም ሰሚዐ ክቀብሮም ናብ ሓላይ መጺአ ሰቋር ባሕሮ ቀዲሙ ቀቢሩዎ ም ጸኒሑኒ” ክብሉ ገሊጾሙለይ ።
ረ) ኣብ ዕረቀራን ሓዳስ መቃብር ተነዲቓ ወርወር ኣብኣ ተተኪላ እታ ኩሉ ዝፈልጣ ቋረ ደግያት ባህታ ኣብኣ ተንበልብል ነበረት ከኣ ተነቢቡ ።
ካልኣይ መቃብር ክዅዕቱን ክነድቁን ጊዜን ሓይሊ ስብን ኣይነበሮምን ። የግዳስ እዛ መቃብር ተባሂላ ዘላ ቦታ እታ ዝወደቁላን ጭቁላ ዝግበረላ ዝነበረትን ኢያ ። እታ ቋረ ድማ ተገኒዞሙላ ኢዮም ተቀቢሮም ። ኣብ ጊዜ ምውጻእ ኣስከሬን ኣብ መቃብር ከም ዝተረኽበት’ውን ኣብ ጽሑፎም ደራሲ ባዕሎም ገሊጾምዎ ኣለዉ ።
ሰ) ጣልያን ንሰብ ሓላይ ኣኪቦም ብረቶም እናዋጣወጡ “ንባህታ ዝቀበሮ መን ኢዩ”፧ እናበሉዎም ከለዉ ፣ ሰቋር ባሕሮ ካብ መንጎቶም ህዝቢ ወጺኦም “ኣነ ኢየ ቀቢረዮ” ኢሎም ተባሂሉ ከዓ ተነቢቡ ።
ስቋር ባሕሮ ተቀማጢ ወይ ነባሪ ሓላይ ኣይነበሩን ካብ ድግሳ ንሓላይ መጺኦም ኢዮም ቀቢሮሞም ። ንዓዶም ከም ዝምለሱ ድማ ፍሉጥ ኢዩ ። ስቋር ባሕሮ ብሓሰውቲ ብጣልያን ምስ ተፈልጡ ፡ ተጸዊዖም ቀረቡ ። ጣልያን “ንስኻ ድኻ ንባህታ ቀቢርካዮ” ፧ ክብሉ ምስ ሓተትዎም ፣ ብዘይ ነግ ፈረግ “እወ ኣነ ኢየ ቀቢረዮም” ክብሉ መለሱሎም ። “ስለምንታይ ቀቢርካዮ ዝኣወጅናዮ ኣዋጅ ኣይሰማዕካን ድኻ”፧ እንክብሉ እንደገና ምስ ሓተትዎም ፤ “ኣነ ጎይታይ ስለዝኾኑ ምስኦም በሊዐ ሰትየ እቲ ዝበላዕኹዎን ሰተኹዎን ምእንቲ ከይ ሓንቀኒ ቀቢረዮም ኣሎኹ” በልዎም ። ብድሕሪ’ዚ ጣልያን “እሙን ወተሃደር” ብምባል ኣሞጒሶም ኣፋነውዎም ።
ሸ) መደብ ሞዛይክ ጽሑፍ ዶክተር ኣባ ይስሃቅ ቀጺሉ ብምንባብ ኣስከሬን ዝወስዱ ሰባት ካብ ሰገንነይቲ ናብ ሓላይ መጺኦም ፤ ናብ ዕረቀራን ናብታ ኩሉ መቃብር ደግያት ባህታ ኢያ ኢሉ ዝኣምነላ ዝነበረ ቦታ ተመሪሖም ። እንተ ኩዓቱ ግን መቃብር የለ ኣስከሬን የለ ኮይኑ ረኸብዎ ። ብድሕሪ’ዚ “መን ኣሎ ዓቢ ነዛ መቃብር ዝፈልጥ”፧ ምስ በሉ ናብ ብላታ ብርሃነ እማን ወሰድዎም ። ከርእይዎም ምስ ሓተትዎም ። “ንዑናይ ናብ ዝሔሖ ምርሑኒ” ኢሎም ናብ ዝሔሖ ከዱ ። ኣሪጎም ኣዒንቶም ክጠልሞም ቀሪቡ ስለ ዝነበረ በታ ምርኩሶም ኳሕ ኳሕ ኣቢሎም “እዚኣ ኢያ ኩዓትዋ” በሉዎም ። ከኣ ተባሂሉ ።
እዚ ተወሳኺ ጌጋ ኢዩ ። ኣብ ዕድመና ዝተፈጸመ ስለ ዝኾነ ባዕላትና እንምስክሮ ሓቂ ኢዩ ። ሓቅነቱ ከዓ ብክምዚ ዝስዕብ ይግለጽ ። ብ1953 ሃይለስላሴ ብህዝቢ ኤርትራ ተገዳሲ ንምምሳልን ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ምፍሕፋሕ ንምህዳእን ዝዕላምኡ ንደግያት ባህታ “ከተስክሮም” ምስ በለ ፤ ንህዝቢ ሰገነይቲ ኣስክሬን ደግያት ባህታ ንክደልዩ መበገሲ ኮኖም ። ቀጺሎም መንገዶም ንምጥጣሕ ብላታ ኪዳነ ወዲ ደግያት ሰንጋል ወዲ ሓዎም ንደግያት ባህታ ናብ ሓላይ ናብ ብላታ ብርሃነ እማን ካብ ሰለስተ እግሪ ዘይውሕድ ብምምልላስ መቃብር ከርእይዎም ሓተቱዎም ። ሃንደፍ ኢሎም ሕራይ ኣይበሉዎምን ። ኣብ መወታእታ ግን ፍቃደኛ ኮይኖም ሕራይ በሉዎም ። ዝመጽሉ መዓልቲ ተቆጽረ ። ኣብ መዓልቲ ቆጸራ ብብላታ ኪዳነ ወዲ ደግያት ሰንጋል ሰገነይትን ፣ ብኣቶ ተስፋጋብር ፍታዉ በዓል ደግራ ልብኤን ዝምርሑ ካብ ሓሙሽተ ዝይውሕዱ ሰባት መጹ ።
ብላታ ብርሃነ እማን መቃብር ደግያት ባህታ ነገር ብዉዑዩ ሰቋር ባሕሮ ምስ ኣርኣይዎም ሓደ ዓቢ እምኒ ኣዛሒት ኣንከራርዮም ምልክት ኣቀሚጦሙላ ነይሮም ። ብተወሳኺ እታ መሬት እንዳ ክትጽጋእ “እዛ ግራት’ዚኣ ናብ መን በጺሓ” ኢሎም ይሓቱ’ሞ ንበዓል ግራት ረኺቦም “እገሌ ወደይ እዛኣ እትርእያ ዘሎኻ መቃብር ኢያ ፣ ሓደ ዓቢ ፍቁራ ተቀቢሩዋ ኣሎ ከይትሓርሳ”። ኢሎም እናጠንቀቁ ብጥበብ ይሕል ዉዋ ነበሩ ። እቶም ሰማዕቲ ድማ በቲ ምስ ህዝቢ ሳሆኅ ደንከልን ዝነበሮም እምንነትን ዕርክነትን ኣሚኖም ቃሎም ኣየዕበሩን ።
6) መዓልቲ ቆጸራ በጺሑ
ኣስከሬን ክወስዱ ዝምጽሉ መዓልቲ ቆጸራ በጺሑ ። ኣብዚ መዓልቲ’ዚ ኣብ ሓላይ መርዓ ክልተ ኣሕዋትን ተስካር ወላዲኦምን ስለ ዝነበረ “ኣሕርዱየ” ተባሂሉ ዓድን ዕዱማትን ኣብ ዝተኣከብሉ ፥ ካህናት ናይ ኦርቶደግስ’ውን ንክብሪ ደግያት ባህታ ልብሰ-ተክህኖ ለቢሶም መስቀሎምን ድባቦምን ሒዞም ኣብ ዝተዳለውሉ ህሞት ዝምልከቶም “ሎሚ ኣስከሬን ደግያት ባህታ ዝወጸሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ኩላትና ናብቲ ቦታ ንኺድ” ክብሉ ኣተንብሁ ። ኩሉ ህዝቢ ከኣ ናብኡ ኣምርሔ ። ኣቦሓጎይ ብላታ ብርሃነ እማን ድማ ዓይኖም ተዳኪሙ ስለ ዝነበረ ሰሎሞን ንጉሰ ወዲ ሓውቦይ መሪሕዎም ናብታ መቓብር (ዝሔሖ) በጽሑ ። እቶም ካብ ሰገነይቲ ዝመጹ ኣጋይሽን ሕዝብን ኣብ ዝተኣከብሉ “ዓቢ ደረትዶ ትርዕዩ ኣሎኹም” ክብሉ ሓተትዎም ፧ መልሲ “እወ” ። “ዓባይ ኣዛሒክ ትርእዩዶ ኣሎኹም” ፧ ደገሙ ። መልሲ “እወ” ። “በሉ ንሳ ኢያ ኩኣትዋ” በልዎም ። ብድሕሪ’ዚ ደቂ ዓዲ ናይ ስራሕ ክፍፍል ጌሮም ገለ መቓብር እንክኹዕቱ ፤ ገለ ከኣ ብንዳ ባሻይ ተድላ ዒመር ንኽብሪ ደግያት ባህታን ኣጋይሽን ዝተወፈየ ብዕራይ ካብ መቓብር ሪሒቆም ይሓርዱ ነበሩ ። ኣብዚ ጊዜ’ዚ ዋና ተዋስኣይ ድርብ ሕምንት ስለ ዝነብሮም ባሻይ ተድላ ዒመር ነበሩ ። ኣቐዲሞም መቓብር ዝኵዕቱ ቃሎም ዘየዕብሩ ሰባት መረጹ ። ሓደ ካብኣቶም ኣቶ ኣብርሃ ግራዝማች ወልደየሱስ ነበሩ ። ከምዚ ከኣ ይብሉ ። “ባሻይ ተድላ ዒመር ዘወፈይዎ ብዕራይ ካብ መቓብር ሪሒቑ ክሕረድ ኣዘዙ”።
“እዛ ቡርኩታ ዕምኒ ኣላታ” ከም ዝበሃል፣ ብዕራይ ክብ መቓብር ኣርሒቕካ ምሕራድ፣ ኣድህቦ ደቂ ዓዲ ካብ ኣስከሬንን መቓብርን ንምግላል ዝተገብረ ውዲት ነበረ ። “ኣብ ዙርያ መቓብር ንዝተረኽቡ ይቃወሙ ኢዮም ዝበልዎም ማእከላይ ዕድመ ዝነበሮም መንእሰያት “ኪዱስከ እዞም ኣሕዋትኩም ኣብ ምንታይ በጺሖም ርኣይዎም” እናበሉ ብጥበብ ናብ’ቲ ዝሕረድ ዝነበረ ብዕራይ ይሰጉዎም ነበሩ ። እምበኣርከስ ኣብ ዙርያ መቓብር ብዘይካ ኮዓትን ፡ ኣጋይሽን ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ኣረገውትን ካልኦት ኣይነበሩን”። ምስቶም ብዕራይ ዝሓርዱ ጎድኒ ጎድኖም ሓዊ ኣጒዶም ስጋ ኣብሲሎምን ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ዘቅርብሎም ነበሩ ።
መቓብር ዝኣክል ዕምቆት ተኳዒቱ ኣስክሬን ክረኽቡ ኣይከኣሉን ። ክሳብ ኣብ’ዚ ኣይኮነን ንምባል ዝበጽሑ’ውን ተጣራጠሩ ። ሻቡ ኣቦሓጎይ ብላታ ብርሃነ እማን ፣ ሰቋር ባሕሮ ጉልቡት ምንባሮምን ማዕረ ቁመቶም ኵዒቶም ከም ዝቀበርዎምን ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ ፤ ብርእሰ ተኣማንነት “ንሳ ኢያ ኩዓትዋ” ብሉዎም ። ኩዕታ ቀጸሉ መሬት ክትቅይሕ ጀመረት ። “መሬት ቀይሓ ምልክት ሂባ” ተባሃሃሉ ። መሬት ዝቀይሐትሉ ምክንያት ብሰንኪ’ቲ ዝተገንዝሉ ቋረ ነበረ ። ቀጺሉ ኣስክሬን ተረኽበ ተኣርዩ ኣብ ሳንዱቑ ኣተ ወ ። ንአጋይሽ ደቂ ዓዲ “ንዑናይ ናብ ዓዲ እተዉ ቡን ትሰትዩ እንጌራ’ውን ትበልዑ”በሉዎም ። ኣጋይሽ” ኣይፋልናን ብፍጹም ኣይንኣቱን ኢና ። ብዓዲ ይጽበዩና ስለ ዘለዉ ክንከይድ ሕደጉና” ክብሉ ኣቕበጹ ። ደቂ ዓዲ “በሉ ምእታው ካብ ኣበኹምሲ ብሰላም እተዉ ኢሎም ኣፋነውዎ ። ዓዲ ብገርሁ ኣስከሬንን ደግያት ባህታ ኣብ ሓላይ ዝቅበር ኢዩ መሲሉዎ ዝነበረ ። ኣስከሬን ግን ብዝተጠ ጅኣሉ መሰረት ንዓዲ ከምዝኣቱ ኮዓቲ ጉድጓድ ጸይሮሞ ንዓዲ ገጾም ወሰድዎ ። ኣስከሬን ግን ተጠውዮም ንጋይሽ ኣረከብዎም ። “ኣበይ ደኣሎ ኣስክሬን” ፧ ኢሎም ንዝሓተቱ“ንዓዲ ሲድናዮ ኣብ ቤተክርስትያን ኣሎ” ነበረ እቲመልሲ ። ኣጋይሽ መንገዶም ምስ ወድኡ ድሒሮም ንዝሓተቱ ከዓ መልሲ ናብ “ኣጋይሽ ወሲዶሞ” ተቀየረ ። ነገሩ “ካብ ከተማ ቅኑዕ ካብ ባሕሪ ጽጉብ እነይመጽእ” ኮነ ። ምኽንያቱ ዓዲ ሓላይ ብገርሁ ከሎ ፣ ኣጋይሽ ኣብ ውሽጢ ልቦም ዝተሓብአ ተንኮል ነይሩዎም ። እዚ ድማ ክመጹ እንከለዉ “ተጠንቀቁ ሓላይ “ኣብዚ ክንቀብሮ ኢና” ክብልኹም ይኽእሉ ኢዮም ። ምስ ከድኩም’ውን ኣብ መንገዲ ኣርኪቦም ከሕድግኹም ስለ ዝኽእሉ ተጠንቀቁ” ብምባል ተመኺሮም ኢዮም መጺኦም ። እቲ ተንኮል ኣብ ጉዕዞኦም ተከሽሔ ። እንካብ ሓላይ ከይዶም ናብ ማይሓራሳት ናብ እንዳ ግራዝማች ገብረመስቀል ሰቋር ጭቃ ዓዲ ተኣልዩ ። ኣብኡ ዊዒሎም ብሓላይ ዝመጽእ ምንቅስቃስ እንተሎ ስልዮምን ኣጽኒዖምን ኣማስይኦም ናብ ሰገነይቲ ኣተዉ ።
ሕቶ፡ ርእይቶ፡ ወይ መኣረታ ዘለዎ
ብሞባይል ቁ፡ 1647 819 4998 ብምድዋል ከዛራርበኒ ይኽእል።
መ/ ሃብተማርያም ሃይለማrያም