ኣማኑኤል በርሀ
ኣብ ስነ-ጥበብ ነቐፌታ ማለት ንሓንቲ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ገሊጽካን ተንቲንካን ኣብ ልዕሊ ዘለካ ኣሉታውን ኣወንታውን ርእይቶኻ ምግላጽ ማለት’ዩ። እዚ ድማ ንስነ-ጥበባዊ ስርሓት ንምብርታዕን ንተዓዛቢ ድማ ሕሉፍን ህሉውን ስርሓት ንምምዛን ይሕግዞ። ንሓፈሻዊ ትሕዝቶ ወይ’ውን ኣገባባትን ዝርዝራዊ ቴክኒካትን ጽባቐን ጥራይ ምንቃፍ ድማ ይከኣል።
ብሓፈሻዊ ኣረኣእያ ነቐፌታ ኣብ ኣርባዕተ ከፊልካ ምርኣይ ይከኣል።
- ቅርጻዊ ነቐፌታ
እዚ ዓይነት ነቐፌታ ኣብ ቅርጽን ኣገባባትን ናይ ሓንቲ ስነ-ጥበባዊት ስራሕ የተኩር። ኣብ ውሽጣዊ ትሕዝቶ ከይጠለቐ ድማ ኣብ ናይ ኣባህህላ ተክኒክ ይግደስ።
2. ጣቋኣዊ ነቐፌታ
እቲ ቀንዲ ኣተኩርኡ ኣብ ውሽጣዊ ትሕዝቶ ኮይኑ ናይ ቃላት ግቡእ ኣጠቓቕማን ጽልዋታቶምን ድማ የጠቓልል። ንመቦቆላውነትን ንሞራላዊ ጽልዋን ናይ ሓንቲ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ድማ ይነቅፍ።
3. ገላጺ ነቐፌታ
ንስነ-ጥበባዊ ድሕረ ባይታን ንቕሓትን ምስ ህሉው ደረጃታት ስነ-ጥበብ እናዛመደ ይዛረብ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ንስርሓት ሓደ ደራሲ ክትነቅፍ እንከለኻ፡ ናይቲ ደራሲ ቅድን እምነትን ብግቡእ መታን ከተለሊ ንሕሉፍ ስርሓቱ ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ።
4. ሚነቲክ ነቐፌታ
እዚ ዓይነት ነቐፌታ ሓቅነትን ማሕበራዊ ህይወትን ብኸመይ ተንጸባሪቑ የገድሶ። ደረስቲ ንማህበራዊ ህይወት ወይ’ውን ንሓቀኛ ህይወት ነንጸባርቕ ኣለና እናበሉ ከም ድላዮም ከይህውትቱ ድማ ይቕይድ። መጽናዕቲ ንኽገብሩ ድማ ይደፋፍኦም። (ኢንሳይክሎፐዲያ)
ብዙሓት ናይ ስነ-ጽሑፍ መጻሕፍቲ ንነቐፌታ ከም ሓደ ባእታ ንዕውት ስርሓት ጌሮም’ዮም ዝገልጽዎ። ንኣብነት ባእታት ናይ ሓንቲ ፊልም እናገለጹ ዳይረክተር፡ ተዋሳእቲ፡ ድምጺ፡ ካሜራ፡ ወዘተ ድምሕሪ ምዝርዛር ንነቐፌታ’ውን ማዕሪኦም ሰሪዑ ይጠቕሶ። ውሩይ ምዕራባዊ ስነ-ጥበባዊ ዶክተር ጆንሰን ንነቐፌታ “ ደቂ ሰባት እናፈርሑ ዘዕብይዎ ጠቓሚ ረቛሒ” ብምባል ይገልጾ። ብዙሓት ድማ ሓጋዚ ኣርት እናበሉ ይረቑሕዎ። ነቕፌታ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ምዕራባውያን’ዩ ተጀሚሩ። ብፍላይ ድሕሪ 14 ክ/ዘመን ድማ ንብዙሓት ደረስቲ ስርሓቶም ብግቡእ ንኽምርምርዎ ጉድለታቶም ኣለልዮም ንቕድሚት ንኽስጉሙን ኣዚዩ ሓጋዚ ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ። ሓያለ ደረስቲ ድማ ብገዛእ ስርሓቶም ዘይተፈልጡ ብነቐፌታ ከም ዝውረዩ ጌሩ’ዩ። ኣብዚ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታትን ግን ገለ ደረስቲ ካብ ነቐፌታ ንምህዳም ናይ ቀዳሞት ደረስቲ ቅዲ ከየጽረዩ “እዚ ናተይ ቅዲ’ዩ” ዝብል መመኽነይታ ከዘውትሩ ይረኣዩ። ነቐፍቲ ግን ናይ ገዛእ ርእሶም ኣካይዳ ስለዘለዎም ብመመኽነይታኦም ከይተደናገሩ ከም ቀደሞም ኣይነሓፍዎምን። እዚ ግን ሓደ ደራሲ ዘይነበረ ቅዲ ሒዙ ክስጉም ኣይክእልን’ዩ ማለት ኣይኮነን። ይግዳስ ብስርሓቱ ከእምን ክኽእል ኣለዎ። ምኽንያቱ ነንዘበላሸኻዮ ናተይ ቅዲ’ዩ ክትብል ስለዝድርኸኻ። (ክድርኸካ ስለዝኽእል)
ብዙሓት ስነ-ጥበባዊያን “ነቐፌታ ኣብ ጽባቐን ቴክኒክን ዝያዳ ከተኩር ኣለዎ፡ ትሕዝቶኡ ግን ብዙሓት ሰባት በብናቶም ክትርጉምዎ ስለዝኽእሉ ካልኣይ ጠመትኡ ጥራይ ኪኸውን ኣለዎ” በሃልቲ’ዮም። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ግን ነቲ መልእኽቲ ሸለል እናበሎ ክመጽእ ስለዝኽእል ብዙሓት ይቃወምዎ ኢዮም።
ኣብ ሃገርና ብዙሕ ግዜ “ደረስቲ ዓድና ነቐፌታ ኣይቅበሉን’ዮም” እናተባህለ ይጉርምረም’ዩ። ንነቐፍቲ ዘማርር ዘረባታት ግን ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል። ገለ ነቐፍቲ ድማ ከም ድልየቶም ክሻድኑን ኣብ ልዕሊ ስርሓት ደረስቲ ብዘይ ርጡብ ቆላሕታ ክዕንድሩን ይረኣዩ ወይ’ውን ይፍትኑ። ይኹን ደኣምበር፡ ብዙሕ ንነቐፍቲ ዝቕይድ ቅጥዕታት’ዩ ዘሎ።
ነቐፍቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ቋንቋ፡ ሞራላዊ ጽልዋ። ኣገባባትን ቴክኒካትን፡ ኣገዳስነት ጽባቐን ሓቅነትን ሓፈሻዊ ትሕዝቶን ኣተኩሮም ክነቕፉ ምሉእ መሰል ኣለዎም። ኣብ ውልቃዊ ጠባያት ደራሲ ወይ’ውን ደራሲ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ዝተዛረቦም ቃላት ግን ምስ ድርሰቱ
ኣተሓሒዞም ክዛረቡ ኣይግባእን። ነቐፍቲ መጀምርያ እንታይ ዓይነት ድርሰት’ያ ክፈልጡ ይግባእ። ሓቀኛ ምድባ ብጉብእ ምስ ኣለልዩ ድማ ደጋጊሞም ክትንትንዎ ኣለዎም። ንኣብነት ንሓንቲ ድራማ ዝነቅፍ ነቓፋይ፡ እታ ድራማ ኮሜዲ ዲያ ትራጀዲ ወይ ከም ትራጀዲ ከፈልጥ ይግባእ። ስለዚ ነቐፍቲ ንዝኾነ ስራሕ ቅድሚ ምንቃፎም ናይ ግድን ኣብቲ ዓውዲ መሰረታዊ ኣፍልጦ ክህልዎም ይግባእ። ነቓፋይ ንጌጋታት ናይ ሓንቲ ድርሰት ጥራይ ጸብጺቡ ዝኸይድ እንተኾይኑ ነቐፌታ ዘይኮነ ሪፖርት’ዩ ጽሒፉ ክበሃል ይከኣል። ስለዚ ፡ ንጌጋታት ብግቡእ ኣለልዩ ምስ ዘርዘረ ክእረመሉ ዝኽእለሉ መንገድታትን ውልቃዊ ርእይቶን ድማ ከጠቓልል ይግባእ።
ነቐፍቲ ንዝጽሕፍዎ ነቐፌታዊ ጽሑፋት ናይ በይኖም ተሓታትነት ምዃኑ ተገንዚቦም ብጥንቃቐን ብንጹህ ልቦናን ክነቕፉ ይግባእ። ዘይነበረ ጌጋታት ጸብጺቦም ንህዝቢ ጉጉይ ስእሊ ክህቡ እንተፈቲኖም ግን ካብ ተሓታትነት ከድሕኖም ዝኽእል ሮቛሒ የለን። ዊልያም ኤልፕስ፡ ክሪስቶፎር ሪቻርድን ገለ ካብቶም ብደረስቲ ዓዲ እንግሊዝ ፍቱዋት ዝነበሩ ንቑሓት ነቐፍቲ’ዮም። እቶም ደረስቲ ድማ ንውልቃዊ ርእይቶ ናይ’ዞም ነቐፍቲ ሓንጎፋይ ኢሎም’ዮም ዝቕበልዎ ኔሮም። ደረስቲ ብመን ተነቒፎም ዘይኮነ ኣንታይ ተነቒፎም ከገድሶም ይግባእ። ኣብ ቁም ነገር ናይቲ ነቕፌታ ድኣ’ምበር፡ ኣብ ትርን ርዝነትን ቃላት ከተኩሩ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ሓቅነት ናይቲ ነቐፌታ እምበር ኣገባብ ኣገላልጻ ንዕኦም ዘይኮነ ንነቐፍቲ’ዩ ዝምልከት።
ሓደ ኣሜሪካዊ ጸሓፊ ንሓደ ብዛዕባ ኩናት ዝደረሰ ደራሲ ዝነቐፎ’ሞ ከም ብሉጽ መደምደምታ ተባሂሉ ብቐጻሊ ዝደጋገም ጽሑፍ ምስ እንምልከት
1. ደራሲ ብዛዕባ ኲናት ዝፈልጦ የብሉን። ብኣካልስ ይትረፍ ኣብ ጽሑፍ’ውን ብዛዕባ ኲናት ዘንበበ ኣይመስለንን መንገዲ ምጽራጉ ግን ኣመስግኖ።
2. ብዛዕባ ዘልዓሎ ኣርእስቲ ገለ’ኳ ክብል ኣይከኣለን ብላሽ’ዩ።
3. ኣእምሮኡ ብዛዕባ ኲናት ጥርሑ ምዃኑ ኣብ ስርሑ ተንጸባሪቑ’ዩ።
4. ብሓፈሻ ኣዚያ ድኽምቲ ድርሰት ኢያ’ሞ ደጊምካ እንተተመሓይሻ።
ኣብ ሃገርና ከምዚ ዓይነት ቃላትስ ይትረፍ ንድርሰቶም ኣልዒልካ ነቐፌታ እንተጽሒፍካ ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ ከይ ኣተዉ ዘንጸርጽሩ ደረስቲ ውሑዳት ኣይኮኑን። ክነቀፍ ዘይደሊ ግን ክሰርሕ የብሉን። እቲ ንምዕባለ ስነ-ጥበብ’የ ዝጽዕር፡ ነቐፌታ ኣይፈርሕን’የ” ዝብል ደራሲ ምስ ተነቕፈ ከዕለብጥ ይርአ። ቅንጣብ ኣፍልጦ ዘይብሎም ብስምዒት ዝሽርጥጡ ነቕፍቲ’ውን የለውን ማለት ኣይኮኑን።
ደረስቲ ንዝኾነ ዓይነት ነቐፌታ ድልዋትን ፍቓደኛታትን ክኾኑ ይግባእ። ነቐፍቲ ድማ ምስ ውልቃዊ ርእይቶታቶም ኣተሓሒዞም ናይ ህዝቢ ግብረ መልሲ’ውን ክግንዘቡ የድልዮም’ዩ። ሞራላዊ ጽልዋ ናይ ሓንቲ ስርሓት ድማ ብውልቃዊ ርእይቶኦም ዘይኮነ ብናይ ህዝቢ ሓሳባት ክገልጽዎ ይግባእ። ሓያለ ነቐፍቲ ግን ነቲ ደራሲ ብዙሕ ዝጸዓረሉ ገለ’ውን ከይጸዓሩን ከይመርመርዋን ይነቕፉ። ግደ ሓቂ ግን ነቓፊ’ውን ማዕረ ደራሲ ክጽዕርን መጽናዕቲ ከካይድን ኣለዎ።
ሓዳስ ኤርትራ 25 ሓምለ 2002