AMAN TEKESTE W.
(ለ) ሃሳስ ምስሊ ናይቲ ድሙቚ ስእሊ፤
እታ ብሃንቀውታ ንሰለስተ ዓመት ዝተጸበኹዋ መጽሓፍ ብርሃነ ገብረህይወት፡ እንሆ … ብትረኻዊ፡ ገለጻዊ፡ መጐታዊ ዝቕርጽታቶም ግጥሚ … ውከላዊ፡ ሰባዊ፡ ጥቃ ሰባዊ፡ ምሳሌኣዊ፡ ውስጠዘኣዊ፡ ምጸት ቅድታት ኣጣሚራ፡ ‘ድምጺ ልቢ’ ብዝብል ኣርእስቲ ተዘርጊሓስ ንምንባባ በቒዐ … ኢለ ጽሒፈ ነይረ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል ሓፈሻዊ ትዕዝብታተይ። እዚ ብዛዕባ መጽሓፍ ‘ድምጺ ልቢ’ ዘቕርቦ ምስትምቓረይ እምበኣር፤ ሓፈሻዊ ጦብላሕታ (1ይ ክፋል)፡ ሃሳስ ትልምታት’ታ መጽሓፍ (2ይ ክፋል)፡ ግጥምታቱ ብዓይኒ ዓይነታትን መትከላትን ስነ-ግጥም (3ይ ክፋል)፡ ገለ ግጥምታቱ ብዓይኒ ህየሳ፡ ገለ መለበሚ ሓሳባትን መደምደምታን (4ይ ክፋል) እናበለ እዩ ክቐርብ። በዚ ኣሰራርዓ ድማ፡ ንሎሚ ገለ ካብ ትሕዝቶ’ዛ መጽሓፍ ብሃሳስ ትልሚ ዝፈጠረለይ ሰንሰለታዊ ተምሳጥ ከቕርብ፣ ሰናይ ንባብ።
“ንእግረ መገደይ”፡ “ከም ገጹ”፡ “እንተበልኩኻኸ”፡ “ካብ ንጉስ ናብ ንጉስ” ኣብ ዝብላ ግጥምታት ዘሎዉ ድምጺ ኣዘንተውቲ፡ ብድፍረት ንሰብኣዊ ናጽነት ዝጽውዑ፡ ዝጣበቚን ዘእምኑን እዮም። ሰብ፡ ንገዛእ ነብሱ ባዕሉ ከመሓድር፡ ክመርሕ፡ ተገዛእነት ክውገድ፡ ማዕርነትን ፍትሕን ንኹሉ ፍጡር ሰብ ከም ዝግበኦ የስምሩ። ከም ኣብነት፡ ገለ ክፋል ካብታ “ንእግረ መገደይ” ትብል ድራማዊት ግጥሚ ምስ ንምልከት፥ እቲ ኣዘንታዊ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ንጉስ’የ” ምስ በለ፡ ሓደ ካልእ ተሃንዳዲ ነዲሩ ብምምጻእ “ንጉስካ’የ” ኢሉ ከፈራርሖ ይፍትን’ሞ፡ ብዓል ጽኑዕ መትከል (ኣዘንታዊ) ብነድሪ’ቲ ንጉስካ’የ ብሃሊ ከይረዓደ፥ “ንጉስ’የ እንደኣለይ ዝበልኩ፡ ንጉስካ’የ ምዓስ ኢለ” እናበለ፡ ንድፍረቱ ብሜላ ኣቃንዩ ክመላለሶ ትዕዘብ’ሞ፡ ብንያቱ ትማረኽ። መሶብ’ታ ግጥሚ ከፊትና ብዕማኾ ምስ ንወስድ፤
“ዙፋን ጐረቤተይ ክዝንጥል ዘይደፍር
ንዓይኒ እንዳማተይ ክዂሕል ዘየንቊር፡
ልቢ ሰብ ከሕብጥ
በትረ ስልጣነይ ዘየወጣውጥ፡
ዝእዝዞ የብለይን ዝእዘዞ
ዝሰግደሉ ኣይብለይ ዝሰግደለይ፡
ንጉስ’ንድየ ሕጅስ
ንጉስ ገዛእ ነፍሰይ
ቅኒቶም ዝፈልጦ
ዕልልታይ መልሓሰይ።”
ባህርያት ደቂ ሰባት ክፈላላ ንቡር’ኳ እንተዀነ፡ ገሊኣቶም ግን ሕልፍ ዝበለ ኣንነት ዘሎዎም ማዕረ ኣብ እንታይነትን ህላውነትን ነብስኻ መጺኦም፡ ነዛ ሓርነትካ፡ ነዛ ትነብራ ናብራ፡ ነዛ ብናጻ ኴንካ ምዝራብ፡ ነዛ ብናጻ ኴንካ ምሕሳብ፡ ነቲ ምርጫኻ፡ ነቲ ሕልምኻ፡ ነቲ ስምዒታትካ፡ ነቲ … ብናቶም ትርጒም ሂወት ክትምራሕ፡ ብናቶም ኣተሓሳስባ ክትቅየድ፡ ብናቶም ዓይኒ ክትርኢ፡ ብናቶም መትከል ክትትከል … ዝደልዩ፡ ምንም ሰብኣዊ ክብረት ዘይርደኦም ፍጡራት ኣሎዉ። እንታይ መንፈስ ሸንዲሕዎም ከምኡ ይገብሩ?! ኣብ’ዛ ትርጒም ምንባርና ንእልሸላ ህይወት ወይ ትርጒም እንታይነትና ከነግህደላ እንደሊ ህይወት፡ መን’ዩ እለሻና ባዕልኹም ግበሩዎ ኢልዎም? መን ንቓልሲ ህይወትና ሓጉጉ ኢልዎም?! ኣይ ከማና ብሓመድን ማይን ሓውን ንፋስን ዝተፈጥሩ መወትቲ ዶ ኣይኰኑን? ዋላ ነታ ትጽልያ ጸሎት፡ ባዕልና ክንጽልየካ፡ ብናትና ነግሕታት ጸሎት ከነዕርገልካ ዝብሉ፡ መስተንክረ-ዝንቡዕ-ርእየተ-ዓለመ ወ ከንቱ ምዃኖም’ዮም።
ኣብዘን ዝተጠቕሳ ግጥምታትን ካልኦትን፡ እቶም ገጸ-ባህርያት ንሰብኣዊ ክብረቶም ንዘይምድፋር ዝምጒቱን ዘእምኑን እዮም። እንታይነት ህላውነት ብዘይ ሰብኣዊ ክብረትን መሰልን ምስ ምሉእ ህላውነት ከም ዘይጽብጸብ የውክኡ። ከምዚኦም ሰብኣዊ ክብርታትን ፍትሒን ብዘይ ምኽባሮም ዝተናደደ ካልእ ኣዘንታዊ ኣብታ “ሰኣን ፍቕርን ፍትሕን” ትብል ግጥሚ ንረክብ።
“ዘይተሳስይ እንተ ዀይና ንፍቕሪ / ዘይተእንግድ እንተ ዀይና ፍትሒ / እንታይ ኣምጸኦ ፍርሒ / ዓለም ከይትውዒ / ወላ ትምከኽ እንዶ፡ ከም በረድ ከም ስምዒ” ብምባል ነድሩ ይገልጽ። ዓለም ከም በረድ ከም ስምዒ ብሓቂ ክትመክኽ ተመንዩ ወይ ሃሪፉ ዘይኮነስ፣ ብዘይ ፍቕሪ፡ ብዘይ ፍትሒ፡ ብዘይ ማዕርነት … ትርጒም ዘሎዎ ምንባር ስለ ዘይኮነ፡ እንታይ ከይተርፈና ዝዓይነቱ’ዩ።
ኣብ ኣዘንታዊት ግጥሚ “ድራማ ገዛና” ባህላዊ ተጽዕኖ ኣብ ልዕሊ ኣደ፡ ኣብቲ ዕረፍቲ ዘይብሉ ዘቤታዊ ሃልኪ፡ ስድራ ንምንባይ ናብዝን ናብትን ክትብል፡ ኣዒንታ ብትኪ እናተሓልቡ፡ ህጻናት ንጡባ ክመናጠሉን ኣብ እግራ ሕልኽልኽ እናበሉን … ኣቦን ቦዂሪ ውሉድን ግና ኣብ መጋርያ ኰይኖም ጉጅም ክብሉ ዝረኣየ ኣዘንታዊ (ንእሽተ ውሉዶም)፡ ነዚ ዘይፍትሓዊ ባህሊ ብትሪ ይኹንን። በቲ ኣቐዲሙ ዝተነጽፈ ቃናን ሙድ (ስራይ)ን፡ ተሪር መዕጸዊ ማይ-ቤት ምስ ተደርዓሉ፡ እቲ ኮነንኡ መጐታዊ እዩ። ኮኔንኡ ጽልኣት ባህልን ሃይማኖትን ዘይኰነስ፡ ሞራላዊ ግዴታና (moral duty) ኣበይ ከይዱ ንምባል እዩ። ነዛ ትእምርተ ልግሲ፡ ኣደ ፍቕሪ ዝኾነት ወላዲት ኣብ“ውዕለት” ፡ ክንድ’ቲ ናታ እኳ ኣይኹን ደኣ’ምበር፡ ገለ ዓስቢ ዘይምሃቡ፡ ብሻቕሎት ዝሕመሶ ክቅጀለኻ ግድን ይኾነካ። ብፍላይ እኳ ሻቕሎት ናይቲ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ዓይኒ ብዕራይ እትሃርም፡ ገዚፍ ምሕቋን ስምዒት እትገድፍ ኰይና ረኺበያ። ብዓልቲ ጽንዕቲ እምነት እኖሓጎ፡ ብግብሪ እትልግሶ ፍቕን ርህራሄን ሓሊፉዋስ ንስለ ደቃ እተዕርጎ ጸሎትን ምህለላን ኣብ “ዓባየይ” ይገልጾ። ደራሲ፡ ነቲ ዘይፍትሓዊ ዝቕርጹ ሕብረተ-ሰብ (Patriarchy) ኣብ “ድራማ ገዛና” ዝሰኣሎ፡ ብምዂናን ጥራይ ደው ኣይበለን። ኣብ ግጥሚ “ንረዛን ንገድዋ”፡ ነቲ ሰናይ ሸነኽ ባህሊ ትግርኛ ማዕረ ናብ እምነት ከሰጋግር ህርድግ ዝብል ኣዘንታዊ ይገጥመና። ምናልባት ‘ረዛን’ ዝብል ቃል፡ በታ ፍቕርቲ ኣደ ዝምእከል ባህሊ ትግርኛ ንምውካል ዘቕረባ ይመስል። ኣብ ገለ ገጻት’ውን ብዛዕባ ሓላፍነትን መስዋእቲን ኣቦ ንስለ ስድራ ይትርኽ’ዩ። ካብ ‘ውዕለት’፥
ጾር እንከራግፉ እቶም ኣጻብዕታ
እንታይ ከም ዝብሉኒ ዕጥርጣራት ገጻ
ኣዒንተይ ልኢኸ ቀው ኢለ እጥምታ።
ነቲ ትሓብኣለይ ካብ ኣፋ ዝስእኖ
ስለ ዘግህዱለይ ነቲ ዘይተድምጾ
ጐዳጒዲ ኣዒንታ
ዝማጠጐ መዓጒርታ
እንከነጻጽሮም ምስቲ ሕሉፍ ምስሎም
ከም ነግሕታት ግጥመይ እንክደጋግሞም፡
እቲ ዘሳጽየኒ ንነፍሰይ ዝውድእ
እቲ ሻቕሎት ሽዑ’ዩ ዝመጽእ
ከይረኸበት ዓስባ
ግዜ እንክጽበ ግዜ ከየርክባ።
ደራሲ ብርሃነ፡ ቊዘማዊ ዜማ ዘሎዎ ዶግዓዊ ግጥምታቱ፡ ገለ ካብቶም ሓያል ስምዒት ዝፈጥሩ ግጥምታት ኣእትዩ ኣሎ። “ድበ’ቲ ዘይድበ”፡ “ገጽና ንኽደን”፡ “ድሕሪ መገሻኺ”፡ “ልቢ ዝጐሃየ” … ኣለዋ። ኣብ “ድበ’ቲ ዘይድበ”፡ “ገጽና ንኽደን” ዝብላ ምስ ንምልከት፡ ንሓደ ትእምርተ ተስፋ፡ ትእምርተ ሓድነት፡ ትእምርተ ፍቕሪ፡ ኣቦ ድምጺ፡ ኣቦ ጥበብ ንዝበሎ ዘያሚ – ብውዲት ኣርሒቖም ዘይሓስቡ ጐሓላሉን ኣብ ባሕሪ ሰጢሙ ምስ ሞተ፡ “ህዝበይ፡ በሉ ዓገብ ተረኺቡ” ብምባል ጓሂኡ ዝገለጸለን እየን። እቲ ልሳን መንእሰያት ዝነበረ ጥበበኛ ሂወቱ ብትራጀዲ ምስ ኣብቕዐ፣ ኣንታ … ክራር ከይጽምዋ፡ ዋጣ ከይትሃጥም፡ ኦርጋን ከይትዝረግ፡ ጊታር ከይትልከት፡ መንእሰያት ደሃያት ፍቕርን ተስፋን ከይናፍቊ ኢሎም ከ ቊሩብ ዘይምንሓፍዎ ብምባል ይቊዝም።
ኣድማስ ዘይኣኽሎስ
ሳንዱቕ ይምጥኑ
ይቀዳደምሉ
ጒድጓድ ይዕቅኑ።
….
ንቡር ክትግብሩ
ሸበድበድ ዘብዝሑ መቓብር ክፍሕሩ
መሲሉዎምዶታ ሓድሽ ዝፈጠሩ!
ከይናፍቕ ግዳ እቲ ዝሓንቀቐ
ምእንቲ ከይሳጽይ እቲ ዝናፈቐ
…..
ኣርሒቖም ዘይከዱ ክንዮኡ ዘይሃትፉ
ዝያዳ ርቀቱ ዘይፈላሰፉ
….
እቶም ሓመድ ዝግሕጡ
እቶም እምኒ ዝጸቕጡ
ሕስብ ዘየብሉ ዘየመዛዝኑ
ከመይ ቀሊሉዎም
ምስ ሞት ዝውግኑ?
እንተ ዘይመለሱዎ ወላ ዘይክሕዱዎ
ኢዶም ዘይጥርንፉ ዘይምገደፉዎ
ማዕድን ተውጽኦ’ምበር
ከመይ ቢልካ ይቕበር!!
ንተፈጥሮ ዝውክሉ ግጥምታቱ ከም ብዓል፥ “ልዋም ጓል ተፈጥሮ”፡ “ከምቲ ዘለኻዮ”፡ “በረኻ ዓድና”፡ “ቀንዴል ዘልኣለመይ”፡ “ባንዴራ ኣላትኒ” … ወዘተ. ንጽባቐን ፍቕርን ተፈጥሮ ዝገልጻ፣ ንውህደትን ምልኣትን ተፈጥሮ ዘንጸባርቓ፣ ንጸጋ፡ ትዕድልትን ፍሱህ-መንፈስን ተፈጥሮ ዘምልኻ ግጥምታት እየን። ከም “በረኻ ዓድና” ድማ፡ ንተፈጥሮ ዝወርዶ ዘሎ ዕንወት ብጀለምታ ንብዓቱ ትገልጽ ምልባስ ጥቃ-ሰብነት ዝተኻየደላ ግጥሚ እያ። እዘን ናይ ተፈጥሮ ግጥምታት፡ ንስለ ምዝንታው ጥራይ ዘይኮነስ፡ ወዲ-ሰብ ካብዚ ዲንቂ ተፈጥሮ ፍቕሪ ክመሃር፡ ጽባቐ ከስተማቕር፡ ሓልዮትን ልግሲን ክምኰር ዝጽውዕ ኣድማሳዊ ዛዕባን ቴማን እዩ ዘለወን። ገጣሚ ብርሃነ ገብረህይወት ነቶም ረቀቕቲ ሓሳባት (abstract ideals) ብስእላዊ መልክዕ ገይሩ ትርጉም ንኽቕጀለናን ርድኢት ንኸነሕድርን ዝገብሮ መስርሕ፡ ኣብ መንጐ ፍልስፍናን ስነ-ግጥምን ሰፈፍ እናበለ፡ ገለ ማዕጾ-ርእየት ንኽኸፍት ዝገበሮ ቃልሲ ዝድነቕ እዩ። ግጥሚ ካብ ፍልስፍና ዝበልጸሉ ምኽንያት፡ ልብን ኣእምሮን (ገምሪ ምስ ምስትውዓል) ብምልፋን እዩ ዝፍጠር፣ ልክዕ ከም ካፑቺኖ ኮምብሽታቶ።
መስኪናይ ሓቂ፡ ዝኽትምና ኣጥቂዑዎ ብኣምሰሉ ሓሶት ተጸቒጡ፡ ዝሓለፈሉ ሓሶት ከኣ ንገርሂ ልባ ኣታሊሉ ክዕምብብ ንዝተዓዘቦ ኣብ“ትዕዝብቲ” ስክፍትኡ ገሊጹ። ድንቊርና ንጽሩይ ሕልሚ ክረግጽ ክደናደን ኣብ“ጸቢብ ሽኽና”፣ ርስሓት ኣእምሮ፡ ኣብ መንጐ ሰባት ሓዊ ናይ ምስዋር ዓቕሙ ኣብ “ርስሓት”፣ ሽንፍላ ኣእምሮኦም ዘየጽረዩ ንኽፋእን ንምፍልላይን ዝተዓጥቚ ኣብ “ምድንቋር ይሕሾ” ይገልጾም። ብዓቕሊ ልቦና ከየዕብዩ፡ ስቅ ኢልካ ናይ ገሊኦም ጠራዕራዕ፡ ረጊኦም ንኸርግኡ ብ“እንጣጢዕ” ወኪሉ ልቦናዊ መልእኽቲ ተሰጋጊሩ’ሎ። ካብ ውሽጥኻ ሃዲምካ ዝንበር ህላወ ምስ ህላወ ከም ዘይጽብጸብ፣ ውሽጢ ሰብኣውነትና ከይንሰምዖ፡ በቃ ኰይኑና ሰብ ሃበስ ቀደስ ክንኸውን ከለና ኣብ “ኣለና ኸኣ ንብል” ብመጐተ የእምን። ብመንጽር ኤርትራዊ ዓይኒ — እዚ ከም ተነካኢ ዓንካር-ዓንካሪት ኣርኪለስ፡ ተነካኢ ጎድኒ ኤርትራውያን ኮይኑ ዘሎ ግምጥልሽ ወይ ግርምቢጣዊ ፖለቲካዊ ርድኢታት ኣነጺራ እተርኢ እያ። ኣይ ሓቢርና ከነድምዕ፡ ኣይ ይቕረ ይቕረ ተበሃሂልና ሰላም ከነስፍን፡ ኣይ ተኣባቢድና ክንጸዋወር … ኰይኑና ንውሽጥና እናኸሓድና እንነብሮ ተሳኢሉ’ሎ። ‘ኣለና ኸኣ ንብል’ ዝብል ሓረግ፡ ከም ሞደሻ እናሳዕ ርእሲ .. ርእሲ ዝሃርም ኣስተናዓቒ ቃና ዘሎዋ በዳሂት ናዕታዊት ግጥሚ እያ። እዚ ቃና፡ መግለጺ ነድሪ ስምዒቱ ናይቲ ብሰንኪ ኢርትዓዊ ኣተሓሳስባና ዘምጻእናዮ ዝተዘባረቐ ሂወት እዩ። ብውስጠዘን ፍሉይ ገለጻታትን ተሓጊዛ፡ ሕልና ኣበይ ከይዱ፡ ሰብኣዊ ክብርታትና ጎሲና ክንዘናጠል ጸሓይ ክዓርበና፣ ባህላዊ ክብርታትናን ሕላገትናን ቀቢርና፡ ምትእምማን ኣጥፊእና ኣኺሉና ሸንኮለላዊ ሂወት ክህልወና፡ ዘጒሃዮ ተራኺ እዩ። ንሂወት ኤርትራውያን ብትኽክል ትገልጽ ኮይና ረኺበያ። ገለ ማይ-ቤት፤
ኣለና ኸኣ ንብል
ህላወና ይቚጸር ምስ ህላወ
ክብርና እናጸምለወ
ኣብ ሓዊ እናተለልወ!
……
ከም ማእዶ ተጠሚርና
ኣብ ርሱን ከይነዂድድ
ደም ስኒ ውሒጥና ከይንተኣባበድ
ካብ ውሽጢ ተሰዲድና
ገለና ንስደድ ገለና ነሳድድ።
ሚሐና ከየለሊ ንእኽልን ክርዳድን
መንፊትና ከይፈሊ ሓርጭን ሓሰርን
መዂባዕትና መፊእዎ ጽራይን ግለትን
ኰይኑዎ ቋንቋና ጽያፍን ቅለትን!
……..
ኣለና ኸኣ ንብል
ሰላም እንከላ ኣደ ፍትሒ
ንኣኣ ኣሳጒግና ንጓላ እነድሂ!
ኣለና ኸኣ ንብል!
በሪ ህላወና እናተዓጽወ
በሪ ጥፍኣትና እናተራሕወ
ህላወና ይቚጸር ምስ ህላወ
ኣለና ኸኣ ንብል
እናተጐዓዝና ናብ መቓብር!
ንነዊሕ እዋን ተጠኒሳ፡ ብኸቢድ ጻዕርን ቃንዛን ዝተሓርሰት፡ ሂወታ ንምቕጻል’ውን ዋጋ ዝተኸፍላ ኣካል ኣብ “ንግስቲ” ተዘይሙላ ኣሎ። ብኽቱር ድሌትን ሃንቀውታን ዝተጸበዩዋ፡ ድራር ዓይኒ ዝብልዋ ዝነበሩ፡ ሰኣን እንዶን ሜላን ኣተሓሕዛ ዘየጸበቚላ፡ ድሕሪ ግዜ ሚዛና ዝፈዀሰቶም ኣብ “ፈጢሩ ኣይጸይቕ” ብውከላዊ መገዲ ንኣዝዩ ሰፊሕ ኣርእስቲ ተቘጻጽዩሉ። ሕጂ ዘላቶ ጠባይ ተቐይሩዎ ኩነታታ ተወጃቢርዎ ዝሓነኸላ “ንኺድ ናብ ትማሊ” እስከ ብምባል የዘኻኽር። ኮይኑዋ ወላድን ውሉድን እናተቐባበሉ ዝብጀዉላ ኣካል ኣብ “ኣልፋን ኦሜጋን” ብመገዲ ኣደ ስዉእን ሰይቲ ስውእን የዘንቱ።
ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ፍቕሪ ከየጥቕዖ ምስ ልቡ ዘዋግዕ፣ ፍቕራዊ ሂወት ምጅማር ዝተሓሰመ፣ ልቡ ጸምዩዎ ብሃንቀውታ ፍቕሪ ዝልሎ … ኣብ “ኣዕጥቀኒ”፡ “መምስ መዛኑና”፡ “ከይዘኽተምኩ’የ ዘኽቲመ” ዝተፈላለየ ገጻት ፍቕራዊ ተመኲሮ የዘንትዉ። ርዝነት ጉዳይ መርዓን ሓዳርን ከረድእ ዝፍትን፣ አፍቅረኪ’የ ዝበላ’ሞ ቀጽል’ስከ ዝተባህለ፣ ብጩራ ኣዒንታ ቀዘዝ ዝበለ’ሞ ፍቓድ ክረክብ ከይረክብን ንልቡ ክሓትት ዝወጠነ …. ኣብ“ጽባሕ’የ ዝምርዖ”፡ “ካብታ ደቒቕ”፡ “እስከ ክሓተልኪ” ኣብ ዝብላ ግጥምታት፡ ዕንደራ ፍቕራዊ ሂወቶም ይጸውዩ። ካልኦት ከም “ምስታ ዘፍቅራ ሄዋን”፡ “ኣብ መመረቕታኺ”፡ “ሞይትኪ ከይትሞቲ”፡ “ንጸዋወር”፡ “መተካእታይ”፡ “ይረሳዕዶ ኢልክዮ” ዛንታ ፍቕሪ ምስ ትርጒም ፍቕሪ ኣላፊነን ዝተገጥማ’ውን ኣለዋ።
ህይወት ንኽትቕጽል ተምሳጥ ወይ እምነት የድልያ። ሰብ ብእምነት እዩ ዝቈውም፣ ህይወቱ ከኣ ብተምሳጥ /ብርቱዕ ስምዒት ዝተመልአ እዩ። ዓለም ብጽይቕና፡ ድንቊርና፡ ጭካነ … ደቂ ሰባት ተኸቢባን ዘቕቢባን እንከላ፡ ህይወት ንኽትቕጽል ዝድርኹ ሓይልታት እንተ ሃለዉ ከም ዲንቂ ተመኲሮ ፍቕሪ፣ ባህጊ ልብኻ ዘዕግብ ጽባቐ፣ እለሻ ንሓቂ ትርጒም ህይወት እዮም ‘ተዀኑ። ስነ-ጥበብ ብፍላይ ከኣ ግጥሚ፡ ነቲ ተመኲሮ ፍቕሪ ብጥበቡ ከቀናጅዎ ዘኽእል ሓይሊ ኣሎዎ። ውቃበ ህይወት ምስጢሩ ስነ-ጥበብ እዩ። ግጥሚ ከኣ ሓደ ልዑል ክብሪ ዘሎዎ ኣካል ስነ-ጥበብ’ዩ። ካብዚ ተበጊሱ’ዩ ዝኸውን እንግሊዛዊ ፐርሲ ሸሊ፥ “ገጠምቲ፡ ዘይተፈለጡ ሓገግቲ ህይወት ደቂ-ሰባት እዮም፡” ዝበለ። ኲይኖ ደረት ባህጊ ልብኻ ዝኸይድ ጽባቐታት ንምስትምቓር፡ ስነ-ጥበብ ከም ፍልስፍና ህይወት ክትወስዶ ትግደድ። ሓቂ ትርጒም ህይወት ብመገዲ ግጥሚ ዝቕጀሉኻ እዋን መሊኦም እዮም። ስለዚ’ምበኣር ግጥሚ፡ ስነ-ጥበብን ፍቕርን – ህይወት ንኽትቕጽል ዝድርኹ ሓይልታት እዮም።
እዛ መጽሓፍ፡ ‘ብኸመይ እበሎ’ ትብል ግጥሚ’ያ ትፍልም። ኣብ ውሽጡ ዘሎ ሓሳብ ይኹን ፍቕሪ ወይ’ውን ስምዒት ብኸመይ ከም ዝብሎ ዝጨነቖ “ብኸመይ እበሎ” ኢሉ ሃረርትኡ ብግጥሚ የጋጣጥም። ደርማሳዊ ሓይሊ ንህርመት ልቡ ምስ ኣናወጾ፡ ዝመጸ ይምጻእ ኢሉ ምስቲ ሓይሊ ክገጥም ዝተዓጥቀ ኣብ “ክዘልል’የ” ይጸንሓና። ዓለሙ ንኸርእዮም፡ ብግዲ ዘይኮነስ ብፍቕሪ ነውኒዉ ናብ ሕልሙ ከጽድፎም ዝሕልን ኣብ “ብትልመይ” ይጎንፈና። ናብ መዓሙቚ ዝኽሪ እናጠሓለ ዝን ዝብል፡ “ዘይልሙድ ተርእዮ ኣይትበሉዎ”፡ ካብ ተራ ሰባት ዝሕረዩ ሰብ-ውሽጢ ኣሎዉኒ ዝብል ኣስተንታኒ ኣብ “መገሻ ሎሚ ቕነ” ውሽጠይ ተረድኡለይ ይብል። ካብ ዓርኪ መሓዛ መኒኑ፡ ውራይ ገድሉ ዝገብር “ባሕታዊ”፣ ፍኖተ ብርሃን ተኸቲሉ መገዱ ብእምነት ዝቕጽል ኣብ “ሽግ ተስፋ” ተሃኒጹ ይጸንሕ። ነቲ ጽልግልግ ሰጊሩ በቲ ፍኖተ ብርሃን ምስ ተዓዝረ፡ እንታይ ግድኹም ኣነስ “ከይደ ኣለኹ” ዝብል ኣዘንታዊ ተሳኢሉ’ሎ።
ሓሊምዋ ብሂጉዋ ዝነበረ፡ ዋላ’ኳ ግዚኡ ከሲሩ ኦሮማይ እንተ ተባህለሉ፡ ባህጉ ሰሊጡ ኣብ “ራህዋ” ጸኒሑኒ። ዘንጸላለዎ ደበና ተቐንጢጡስ ዛንትኡ ብድምቐት ክጸሓፍ ዝጀመረ ኣብ “መስቀል ብራቕ” ጎፍ ይብለና። ኣይተማነና ኣይተጻገብ፡ ኣለናዶ ጌና፡ በሉ ክሳዕ ንራኸብ በብዘለናዮ ሰላም ወ ሰናይ ኢሉ ትምኒቱ ኣብ “ቈጸራ” ይገልጽ። ምናልባት ወካሊ ድምጺ ናይ’ዞም ኩሎም ኣዘንተውቲ ክኸውን ዝኽእል፡ ኣብ ልዕሊ መቓብረይ ኣይትጽሓፉ ስመይ ብምባል ኣብታ ናይ መወዳእታ ግጥሚ’ዛ መጽሓፍ “ለበዋ”፡ ለበውኡ ይዓጹ።
እዞም ኣብዚ ተጠቒሶም ዘሎዉ ሓደ ሲሶ ግጥምታት’ዛ መጽሓፍ፡ ሕልፊ’ቶም ካልኦት ጸብለል ዝብሉ ኣይመስሉንን። ሃሳስ ትልሚ ብመገዲ ‘ዝተኣሳሰር ዝመስል’ ዛንታታት ንምቕራብ ደኣ’ምበር፣ ዘይተጠቕሳ ብዙሓት ሓወልቲ ግጥምታት ኣሎውኣ። እዘን ዝተኣሳሰር ዛንታ ዘለወን’ውን ከምኡ ሓወልቲ ምዃነን ይኣምን። ብትልማዊ ኣቋውማ ኣብ ሸሞንተ ጥራይ ከፊለ ንኽውድቦ ብምባል ቊሩብ ክጠቕስ ስለ ዝተደልየ ደኣ’ምበር፡ ገሊአን ዛንታ ዘይጸውያ ግን ገለጽቲ ግጥምታት፡ ናይ ኣስተንትኖ፡ ገሊኣተን ኲነተ ኣእምሮ ገጣሚ ዘንጸባርቓ፡ ብውከላን ምሳሌኣዊን በይነ-ቚርቊርን ዝተዳለዋ እዝክር። ከም’ኒ “ናብ ፈጣሪ”፡ “ኣብቲ ባሕሪ ልቢ”፡ “ሰይጣን መስቀል ክሳለም ርእየ”፡ “እቲ ካልእ ዓረር”፡ “ፍልስፍና ጽድቂ”፡ “ጭርጭር ዓበደ”፡ “ኣይገገኹኻን”፡ “ንስኺ ይግበረለይ”፡ “ጫፋት ክውንነት”፡ “ናፍቖት”፡ “ውርሻ”፡ “ምርጫ”፡ “ሸዊት ዕፉን”፡ “ሃረም”፡ “ቅኒት ህይወት”፡ “ተጸየኒ እኽሊ”፡ “ኣናህብና” … ወዘተ ክብሪ ዝወሃበን ግጥምታት ኣሎዋ። ብዝኾነ፡ ንምምራጽ ዝዓበየ ብድሆ’ዩ ገጢሙኒ።
ከም ኣብነት እታ “ኣናህብና” ምስ ንምልከት፡ ኩለንትናኣ ምሳሌኣዊት (Allegory) እያ። ንሓደ መጽሓፍ ምሉእ ዛንታ/ታሪኽ ብሄረ-ሰባት፡ ብዕስለ ኣናህብ ወኪሉ ኣቐሚጥዎ ኣሎ። እታ ግጥሚ፡ ብንግስቶም ዝተቐየሙ ኣናህብ፡ ቈፎኦም፡ ንግስቶም፡ መዓሮም ወዘተ ንድሕሪት ብምግባር፡ በቲ በረኻ ንበረኻ ክስጒሙ ተዘንቱ። ሓደ ህዝቢ፡ ብንግስቱ /ንግስነት ምስ ዝጥለም፡ ተቐይሙ ሂወቱ ባዕሉ ንምምሕዳር፡ ዝሓሸ ሂወት ንምንዳይ፡ ናብ ካልእ ቦታ ምስጓም እዩ እቲ ኣማራጺ። እዚ ዛንታ ክውንነታዊ ተመኲሮ ኤርትራውያን ክመስል’ኳ ‘ተኸኣለ፡ ዋላ ነቶም ተጸቒጦም ተጋፊዖም ዝስደዱ ዘሎዉ ኣህዛብ ዓለም ዝውክል እዩ። መልእኽቲ’ዛ ግጥሚ ኣድማሳዊ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ቴማ ግን ንኤርትራውያን ዘማእከለ ከም ዝኾነ ርዱእ እዩ። ንመንእሰይ/ህዝቢ ኤርትራ ብንህቢ ምግላጹ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘሎዎ ናእዳን ኣኽብሮትን ምዃኑ እዩ። ኣብ ዓለም ውከላውነት፡ ንህቢ፤ ምልክት ሓያል ኮማዊ ጥምረት፡ ምልክት ስልጣኔ፡ ምልክት ጸብለልታ፡ ምልክት መንፈሳዊ ብርተዐ እዩ። እንተዀነ ብሰንኪ ዓሚቚ ቂም፡ ነዚ ምልክቱ ዝነበረ መንፈሳዊ ብርተዐ ወይ ኮማዊ ጥምረት ብምግዳፍ፡ ሓድሽ ሂወት ንምምስራት፡ ዘቐይሞ ህሞታት ዝርስዓሉ ስፍራ ንምርካብ ኣብ ምእላሽ ይርከብ።
ፈጠራውነት፡ ኣድማሳውነት፡ ጥሙሕ ገጣሚ፡ ነባርነት
ፈጠራውነት፤ ኲርናዕ ኣዘናትዋ፡ ስእላዊ ኣገላልጻ፡ ንምሉእ ግጥሚ ብናትካ ውከላዊ መንጽር ክትጥቀመሉ ምኽኣል እዩ። ገጣሚ ብርሃነ፡ ኣብ መጽሓፉ ዘርኣዮ ፈጠራዊ ኲርናዕ፡ መበቈላዊ ገለጻታት ኣብዚ ኣሕጽር ኣቢልካ ዝቐርብ ኣይኮነን። ግጥምታቱ ብናቱ ስእላዊ ኣገላልጻታትን መበቈላዊ ኲርናዕን ዝቈመ ኰይኑ ረኺበዮ። ሕልና ንምንጽብራቓ ብቈሊባ ወተሃደር ስጋ ኣልቢሱዋ፣ መስገደል መንእሰይ ንምርኣይ ምስ ወርሒ ኣዋጊዑና፣ ምስ ውሕጅ ኣባኢሱና። ንባህሊ፡ ንስነ-ጥበብ፡ ንተፈጥሮ ብፍሉይ ኲርናዓት ገጢምወን። ፍትሒ፡ ሓርነት ንምጽዋዕ ብመገዲ ሓያል ንያት ዝውንኑ ብፍሉይ ኣዘንትዩ። ሕብሪ መንፈስ ሰብ ንምጒላሕ ብሓደ እሱር፣ ሞራላዊ ግዴታ ንኽስቈረና ብዓይኒ ሓደ ንእሽተይ ኣዘንታዊ ወዘተ ብርሃን ጽባቐ ፈጢሩ። ንገድለ ሂወት ደራሲ ዝገልጻ ድማ “ብኸመይ እበሎ”፡ “ክዘልል’የ”፡ “መስቀል ብራቕ”፡ “ለበዋ” … ኮይነን ይስመዓኒ።
ኣድማሳውነት፤ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ግጥምታት ንኤርትራዊ ሂወት ብክውንነታዊ መገዲ ዝገልጻ ኣለዋ። ነዚኣተን ገዲፍካ፡ ደራሲ፡ ኣብተን ዝተረፋ ዘልዓሎም ቴማታት፥ ንባህጊ ሓቂ ዝእልሽ፣ ንጽባቐ ተፈጥሮ ዘምልኽ፣ ንሰብኣዊ ክብሪ ዝጽውዕ፣ ትጽቢት ፍቕርን ፍትሒን፣ ንሞራላዊ ግዴታን ዕቤት ኣተሓሳስባን፣ ንጽርየት መንፈስ ሰብን ብድሆ መንእሰይን፣ ንቃንዛ ልቢ፡ ንድኻም ኣእምሮ፡ ንያት ሰብ እትገብሮ እለሻ ትርጒም ህይወት … ወዘተ ዝገልጹ እዮም። እዚኦም ረቀቕቲ ሓሳባትን ኣምራትን ብስእሊ ከም ዝቕጀሉና ገይሩ ኣሎ፣ ኣድማሳዊ ሕመረት ዘሎዎም እዮም። “ግጥምታተይ ኣድማሳውያን እዮም፡” ወይ ድማ “ግጥምታተይ ዓለማውያን እዮም፡ ኣተሓሕዛ ኣይተጽብቡሎም፡ ሓሓኒቕኩም ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ኣይተኹድድዎም” እንተበለ፡ ኣይተጋገየን።
ጥሙሕ ገጣሚ፤ ጥሙሕነት ገጣሚ፡ ዓቢ ምስትውዓል ብዘበገሶ ኣተሓሳስባ ከዕቢ፡ ንጽኑሕ ልምዳዊ ኣካይዳ ክብድህ፡ ከእምን፡ ክኹንን ይርአ። ከምቲ ኣደ ዘለዋ እናሃበት ፍቕራ እትልግስ፡ እዚ ገጣሚ’ውን ፍቕሪ ግጥምን ፍቕሪ ኣሕዋቱን ደሪኹዎ፡ ዓሚቚ ኣስተውዕሎኡ ብማዕበላት ስምዒትን ጽባቐን ክልግስ ድሕር ኣይበለን።
ነባርነት’ዞም ግጥምታት፤ እዞም ግጥምታቱ መበቈላዊ ኲርናዕ ዘሎዎም፣ ኣድማሳዊ ቴማታት ዘልዓሉ፣ ልዕሊ ፍርቆም’ዞም ግጥምታት ብመገዲ ውከላውነት ዝተሃንጹ፡ ዝተረፉ ድማ ብሰባውን ጥቃ-ሰባውን ምሳሌኣውን ዘካወኑ ብምዃኖም ምስ ግዜ ዘይሃሱ እዮም። ብልጭኦም ብዛዕባ ረቀቕቲ ሓሳባት (Abstract Ideals) ዓሊሞም ዝተገጥሙ ምስ ምዃኖም፡ ብቕዲ ውከላውነት ዝተሃንጹ ብምዃኖም ድማ ናብ ዝኾነ ቋንቋ ተተርጒሞም፡ ንዝኾነ ህዝቢ ክገልጹ ዝኽእሉ ነበርቲ ግጥምታት ይገብሮም።
*- እዞም ፈጠራዊ ኲርናዕ ዘሎዎም ኣድማሳውያን ውከላውያን ግጥምታት’ዛ መጽሓፍ፡ ብሓቂ ዕዮ ‘ኣርት’ እዮም። ንሕልምን ባህግን ክኣልሙ ፈቲኖም፡ ንህይወት ኣወቂቦምን ብርሃን ጽባቐ ሂቦምን። ንመንፈስ ሰብ ሰለል ኣቢሎም ናብ ደረት ትርኢት ንምብጻሕ ጻዕሪ ተኻይድሎም እዩ ብሓቂ። ኣንባቢ ከኣ ነዞም ምልክት ጽባቐ ህይወት ዝኾኑ ግጥምታት፡ ኣንቢቡ ከምቲ ንዓይ ፈጢሩለይ ዘሎ ምስትምቓር ወይ ተምሳጥ፡ ክፈጥረልኩም እምነ።
ኣብ ኣሰራርዓ እቶም ግጥምታት ግን ዕቃበታት ኣሎውኒ። ኣብቲ ዝመጽእ ህየሳዊ መደምደምታ ክፋል ደኣ ክዛረበሉ’የ ምበር፡ ኣሰራርዓ ኣይተሓጎስኩሉን። ብዛዕባ ኣሰራርዓ፡ እቲ እወንታዊ ሸነኽ፡ “ብኸመይ እበሎ” – “ብትልመይ” ኢሉ ጀሚሩ፣ ደሓር ክዛዝም እንከሎ ከኣ “ብቘጸራን – ብለበዋን” ምዝዛሙ ዝነኣድ ትልማዊ ቅርጺ ወይ ትረኻዊ ቅርጺ እዩ። እንተዀነ ግን፡ ሚዛናዊ ዝኾነ ኣበታትና ኣይገጠመንን።
ከካብ ግጥሞም ተተፈንጪሎም፡ ተተመንጪቶም ኣብዚ ኣቕሪበዮም ዘሎኹ ማይ-ቤታት፡ ገጣማይ እዛ መጽሓፍ ዝፈጠሮ ምልኣት ማለት ዜማታት፡ ዋሕዚታት … ወዘተ ተናኺፈሉ ስለ ዘለኹ (disorganize)፡ እርደኣኒ እዩ’ሞ ምስ ናይ ይቕሬትኡ ክብሎ እደሊ።
# ነዛ ዓንቀጽ እናጸሓፍኩ ከለኹ፡ ኣብ’ዛ ዝሓለፈት ሰሙን ኣርባዕተ ኤርትራውያን ስነ-ጥበባውያን ንሓዋሩ ተፈልዮምና ኣሎዉ። ጽሓፊ መለስ ወልደስላሴ፡ ተዋሳእትን ደፈፍትን ዮናስ ዮሃንስ፡ መርሃዊ ስብሃትለኣብን ግርማይ ተኽለን፣ ነፍሶም ይምሓሮም። ዓቢ ክሳራ ንዓንኬል ስነ-ጥበብ ኤርትራ፡ ዓቢ ድንገት ንቤተ-ሰብን ቀረብትን’ዞም ጥበባውያን ከም ምዃኑ፡ ንኹሉ ጽንዓት ይሃብ።