(ሓጻር ዛንታ)
ሚኪኤል መዓሾ (ወዲር ሮማ)
ስም መላእኽቲ ክጽውዕ ጐሮረይ ላሕተተ። ናብ’ቶም ብቕድመይን ብጐነይን ዝሓልፉ ተጓዓዝቲ ርእሰይ መመሊሰ የንሳሲ፡ ጸጸኒሐ’ውን የግለጽልጽ። ንድራር ዕለተይ ዝኸውን ሳንቲም እንተ ረኸብኩ ኢለ’የ። ዓይኒ-ዓይኖም እናጠመትኩን በቲ ዝደጋገም ናይ ጻዕሪ መዝሙረይ፡ “ምእንተ ማርያም” ኣድሃኹ።
ኣብዛ ምሸት ግን ዝረኸብክዋ ጥር እትብል ሳንቲም የላን። ንመብራህትታት ጐደና ሓርነት፣ ድምቀት ወርሒ ተወሲኹዎ ብምሸቱ ኣመና ፍሱህ ሃዋሁ ኣምሰየ። ኣባይ ግን ከቶ ስምዒተይ ተሓማሸሸ። ካብታ ዝጸናሕኩዋ ኣንጐሎ ፊተይ ናብ ዝተደኰነት ባር፡ ኣእዳወይ ተደጊፈ ተጸጋዕኩ። ምናልባት ዓሰርተ ደቒቕ መሲዳትለይ ትኸውን’ያ። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ እተን ሽኮ ኣእጋረይ ተቐጀላኒ’ሞ፡ ሰሪቡ ዝጸነሐ ንብዓተይ ክረግፍ ጀመረ።
“ካን ኣኺሉኒ ደየ ለሚሰ!” ኣብ ምስትምሳል ኣትየ፡ ነታ ናይ ወትሩ ሕቶይ ደገምኩዋ። በቲ ዘጋጠመኒ መልመስቲ ንኣዋርሕ ንሓንጐለይ ከእምኖ ኣይከኣልኩን። ብሕልመይ ዝፈጠርኩዎ ዀይኑ ጥራሕ እናተሰመዓኒ። “ምዃን ንዅልና መእሰያት ኤርትራን ካብ ኣካልና ንላዕሊ ሕልናና ለሚሱ’ዩ!” መኽኒት ኣምጸአ ተደዓዓስኩ።
“ግን ክሳብ መዓስ’የ ክምጽወት፧ ሳንቲም ጓል ሳንቲም ኣዋህሊለ ከብደይ’ኳ ዘየዐንግል! ግን….! ኣነ’ዶ ይሓይሽ ሙናሴ ዓርከይ፧ ምዃን ሞት’ዶ መወዳደርቲ ሃልይዎ! ኣነ’ምበር ይሓይሽ” ዕድለይ ባዕለይ ከጸባብቕ ፈተንኩ። ሓንቲ ትገርመኒ ዘረባ ኣላ ‘ብግዜ ደርጊ ብሕደጋ ኤለትሪክ ዝተቓጸለካ ንብረት፣ ንሓይልሊ ኤለትሪክ ከይድካ ተሓቢርካዮም ንብረትካ የትክኡልካ’ እትብል። ሎሚ ግን ንዘጥፉኡዋ ነብሲ ክትሓቶም እንተ ኸድካ ንዓኻ የጥፉኡኻ፧!
የግዳስ፣ ካብቲ ዘገማድሖ ዝጸነሓኩ ሓሳብ ዝኣሊ፡ “ኳዕ! ኳዕ!” ዝብል ድምጺ ጫማ ጓል ኣንስተይቲ ኣበራበረኒ’ሞ። “ትተኵብ’ዶ ትኸውን፧!” በልኩ፣ ሕብሪ ባህሪኣ ከለሊ እናፈተንኩ።
“ስለ ማርያም’ዛ ሓብተይ!፧” በልኩዋ ብኣኽብሮት፣ ኸብድካ ዝበልዕ ቅኒተ ተጠቒመ።
ንሳ ግን መነጸራ ኣውሪዳ ብነድሪ፣
“ንስኻ ጠላዕ ጐበዝ ደኣ እንታይ ኰይነ ኢልካ ኢኻ ዝለመንካ፧” ንሕልናይ ብዝገፍፍ ኣዘራርባ፡ ክምልሰላ እናበልኩ ሕርቃነይ ንኣፈይ ለጐሙ ኣዐዘመኒ። ናብተን ዝለመሳ ኣእጋረይ እናጠመትኩ ዝርንዛሕ ነባዕኹ።
“ይቕሬታ ዝሓወይ እንታይ ጸገም ኣሎካ ድዩ፧” ብተዳናጋጺ ድሃይ፣ ብርካ ዓጺፋ ብሰኩፍ ኣዘራርባ ሓተትኒ።
“ኣእጋረይ ልሙሳት እየን” ሕንቕንቕ ኢለ መለስኹ። በሓቂ ዘይከውን ኰይንኒ እምበር ተጠሊዕኻ ኣእዊ መጺዩኒ፣ ብተባዕታያዊ ኒሕ ግን ንውሽጠይ ኣእወኹ።
ኣብ ገጽ እታ ጓል ድንጋጸ ኣንቢበ። ምስምዑ ግዲ ኣሰኪፍዋ ሓሙሽተ ቅርሺ ደርቢያትለይ መንገዳ ቐጸለት። ገማጢላ’ውን ረኣኽዋ። ብልቢ’ድማ ኣመስገንኩ። እተን ልምን ዝወዓልክወን ተዋህሊለን 22.025 ሳንትምን ኰይነናለይ። ብድሕሪ’ዚ፡
“በቃ ድራረይ ኣእኪለ… መን እሞ ክወስደኒ’ዩ ናብ’ቲ ቤት ቁርሲ!” እናበልኩ እቲ እናለመንኩዎ ሰጊሩኒ ዝሓለፈ መንእሰይ፡ ካብታ ዝተጸጋዕኩዋ ባር እናወጸ ኣትሪረ ለምንኩዎ። ግዲ ከይገበረለይን መንገዱ ቕጸለ።
ሓንቲ ካብተን ኣሳሳዪት፣
“ግርምሽ፣ ግርሜሶ! 3 ቅርሺ ማልስ ኣሎካ” ተመቕሊላ ሓበረቶ።
“ደሓን ንዓኺ ሞቕሽሽኪ” ምስ በላ እታ ኣሳሳዪት ኣመስጊና ኣተወት። ኣነ’ሞ ኣርሚሙኒ! “ንዓይ ቍሊሕ ዘይበለኒስ ነታ በዓልቲ ጕልበት፡ ሰሪሓ ትበልዕ ክንደይ ይሓስም!” ዝባኑ እናጠመትኩ ዝበልክዎ’ዩ። ኣንጐሎ ጥውይ ክብል ከሎ፣ ንዕኡ ተኪኤን ዕብይ ዝበላ ሰበይቲ ምርኵስ ተደጊፈን። ኮቦርታ ተጐልቢበን ረኣኹወን። “ንስኽን’ኳ ትሕሻ ካባይሲ” በልኩ ብውሽጠይ። ቅርብ ምስበላኒ፣
“ከመይ ውዒልካ ዝወደይ፧”
“ኣምላኽ ይመስገን ማማ።” ክልምነን እናታሃወኽኩ።
“እንታይ ደኣ ትገብር ኣብዚ ተዀርሚኻ፧” ዓይኒ ዓይነይ እና ጠመታ ፈተሻኒ።
“እልምን! እልምን ኣሎኹ ኣደ፣ ልሙስ’የ!”
ስንብድ ኢለን። “እዋይ ወደይ! ከምዚ ከማይ ዲኻ፧” ነታ ናተን ህይወት ስለዝፈልጥኣ ኣደጊጸየን እየ መስለኒ ቅምርር ኢለን ጠመታኒ። ሕቶአን ከይመለስኩ ግን ናብቶም ዝሓልፉ ተጓዓዝቲ ልመናይ ኣስማዕኩ። ሓደ ካብኣቶም፣ ሓሙሳ ሳንቲም ደረዓለይ። እተን ኣደ፣
“ኣላምና ደኣ የዐሪ ዝወደይ! ኣልምናኻ ጥዑይ’ዩ ዝመስሎም ዘሎ። ስለ-ዓይኒ ብርኪ ደኣ ወስኸሉ!” ተመኵሮአን ለገሳለይ።
“ሓቅኽን ማማ! ዘይፈልጦ እንዲየ ኰይነ”
“ሓድሽ ዲኻ፧”
“እወ ሳልስተይ እዩ”
“ካበይ ዓዲ ዲኻ መጺእኻ፧”
“ዝመጻእክዎ ደኣ ሰገነይቲ’ዩ፡ ሕጂ ግን ካብ እሱርቤት’የ ወጽየ።” ዘረባይ ቀረጽኩዎ። ምዝራቡ ስለ ዘሕፈረኒ። እተን ኣደ ዕምቘት ዛንታይ ክፈልጣ ኣጣጢሐን ኣብ ጐነይ ኮፍ በላ።
“ቀጽል እስከ! ከምዚ ኢልካ ደኣ ኸመይ ኢልካ ገሽካ፧” ሕቶኣን ወንጨፋላይ። ብውሽጠይ ንገረን ክነፍሰልካ ዝብል ስሚዒት ኣዘዘኒ። ጸገመይ ከስተንፍስ ዉዑይ ኣየር ኣውጺአ ዕላል ጀመርኩለን።
“ከም ሎሚ’ዩ እዝከረኒ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ምዃኑ’ዩ። ኣደይ ድንዲስቲ ስለ ዝዀነት ብሰብ’ያ ትእለ። ኣነ ኸኣ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዀይነ እኹል ደሞዝ ስለ ዘይነበረኒ ለይታዊ ስራሕ እንዳ ባስተ እንሰራሕኩ ደሓን ዝዀነ መናባብሮ ንመርሕ ነይርና። ኣደይ መርዓይ ክትርኢ ኣዝያ’ያ ትብህግ ነይራ። ንዓመታት ከኣ ለሚናትኒ። ድሕሪ ነዊሕ ልመና ግን ሕራይ ኢለ’ያ። ምስ’ታ ሓደ ቈልዓ ዝወለድኩላን ዝፈትዋን ጽዮን ኣፍቃሪተይ ንመርዓ ወዲእና።
ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ መርዓይ ሰሙን ክተርፎ ከሎ ግና። ካብቲ ዝኣምኖ ዓርከይ ምናሴ ሓንቲ ጽሕፍቲ መጺኣትኒ። ትሕዝቶ እታ ደብዳቤ ንሱዳን ዘእትወና ሰብ ከም ዝረከበ ኣብ ኣስመራ ኰይኑ ሰዲዱለይ። ኵሉ ወጻኢታተይ ሙናሴ ስለ ዝኸፍሎ እታ ዕድል ደጊመ ስለ ዘይረኽባ፡
ኣደይን ጽዮንን ንኣደ ወደይ፡ ገዲፈየን ክኸይድ ዓይኒ ኣይሓሰኹን። እኽለማይ ብእልኹ ንብረት ብግዝኡ ክመጽእ ዝኽእል ክሳራኡ ኣይዓጠጠንን። ናብቲ ኣእምሮይ ፊን ዘበለለይ ውዑይ ድልየት ገስገስኩ።
* * *
ነቲ ዘይውዳእ ዝመስል ጕዕዞ መእተዊኡን መውጺኢኡን ከይፈለጥና ተታሓሒዝናዮ። ካብ ኣስመራ ናብ ዞባ ጋሽ ባርካ ጎቦታ እናወረድና እናደየብና ክልተ መዓልቲ ወሰደልና።
ኣብ መበል ሳልሳይ መዓልቲ ጕዕዞና። ምስቶም ሰለስተ ዘስጉሩናን ተራኸብና። ንሕና ክልተናን ኣብ’ታ ፒክኣፕ ዝዓይነታ መኪና እንከለና ነቲ ህልም ዝበል ጐላጕል ኣርሒቅኻ ምስ እትጥምት ካብ ዓይንኻ እናሃሰሰ ዝኸይድ ሌጣ መሬት። ከም ሕሱም እናተሓንበብና ንግስግስ።
በብወገንና እናኣዕለለና ምስ’ቲ ውዑይ ኣየር እናኣስተማቐርና ካብ’ቲ ዕሙር በረኻ፡ ናብ’ቲ ጨበጣዊ ጫካ ሓጺር ጕዕዞ ምስ ከድና መኪና ሃንደበት ደው በለት። መራሒ መኪና ብዓይኑ ገንሓና። ምግማቱ ኣጸጊሙና፣ ናይ ዓይኒ ሕቶ ኣቕረብኩሉ። እቶም ክልተ ድማ ቀልጢፎም ሸጓጕጦም ኣውጺኦም ናይ ውረድ ትእዛዝ ገበሩልና።
በቲ ሃንደበታዊ ስጕምቶም ተገሪምና ኣቕባሕባሕና። ዕላማኦም ክንፈልጥ እናፈተንና። ሕቶኦም ግን ሓደገኛ ይመስል ነበረ። ትእዛዞም ኣኽቢርና ኣብ መሬት ተጨቢጥና ኮፍ በልና። ንሶም ግን ብጥንቁቕ ኣሳጉማ ብብፌሮ ብምቝላፍ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ኣእተዉና። ናብቲ ብዙሓት እሱራት ዘስካሕከሐ ካብ ካህሲ ዘይፍለ ኣንደር ከእትዉና ሓደ ኰነ። ንሕና ካልእ ይተረፍ እቲ ዘእተውና እሱር ቤት እኳ ኣይንፈልጦን።
***
“በቓ ብዘይ ዝዀነ ሕቶ ኣእትዮምኩም፧” ሓተታኒ ኣተን ኣደ።
“በቃ ኣስጢሞምና እቲ ዘገርም መን’ዮም ዘይፈለጥናዮም ምዃና’ዩ።” በልኩወን ዕላለይ ቅጽል እናጣጣሕኩ።”
“እውይ ደቀይ!” በላ ተሸቑሪረን። ኣነ ግን ስቅ ኢለ ዕላለይ ቀጸልኹ።
***
ብጭካኔኦም ዝተሳወረ ሕርቃነይ ንመላእ ኣካላተይ ፈኰስ ረሃጽ ቲፍቲፍ በለኒ። ምስ ሙናሴ ተጠማመትና። ኣብ ክልተና ድማ ስቕታ ሰፈነ። ምኽንያት በይንና ክሰጉሩና ምድላዮም ድሒሩ ተሰወጠኒ። ደቒቕ መጽናዕቲ ከምዝተገብርልና ድማ በረሃለይ። እቲ ዘይተመልሰለይ ሕቶ ንምንታይ ክሳብ መወዳኣታ ከም ኣስገርቲ መሲሎም ክደኽሙ ተገዲዱም ገሪሙኒ። ደኾን ነተን ናይ መስገሪ ገንዘብ ደልዮም ይዀኑ እበል።
ኣብ’ታ ሓዲርና ዝወዓልናያ ድቕድቕ ጸላም ድምጺ ፍጡርን ዘይስምዖ። ምስ’ቲ ቈርበት ዝሸልበብ ሙቐት ጋሽባርካ። በቲ ሓያል ረስኒ ኣዒንትና ሕውዝውዝ ኢሉ ምርኣይ ከለኣና። ረሃጽ ኣካላትና ዲሂሩ’ውን ክበልዓና ጀመረ።
ንግሆ ቅድሚ ቑርሲ ብሕቶን ማህረምትን ክሳብ ሃለዋትና ነጥፍእ ብዘይ ጐውዚ ኣልፉዑና። ብፍላይ ከኣ ሙናሴ ዝተረፎ ሩሕ የለን። ኵልንትናኡ ኣስጋኣኒ፣ ንተኸታታሊ ብዘይ ዕርፍቲ ክገረፍ ቀንዩ። ክሳብ ኣጽፋርና ብጕጠይት ተማሒቑ፣ ቝልቍል ኣፍና ብምእሳር ከብዲ እግርና ናብ ዝበሽቐጠ ኮሚደረ ተቐይሩ። ኰታ ኵሉ ኣካላትና ዘዲዶ መሲሉ ክንድቅሰሉ ኣብዘይ ንኽእላ ደረጃ ወደቕና። ካልእ ይትረፍ ክንግምጠል እኳ ኣይንኽእልን። ዝርካቡ ሓይልና ምስቲ ሞራልና ሓቒቑ’ዩ።
ነቲ ስቕታ ሰፊንዎ ዝጸነሐ ጋህሳዊ ቤት ማኣሰርቲ ከኣ፣ “ማይ! …ማይ!” ዝብል ልሕቱት ድምጺ ሙናሴ ዓርከይ፣ ብማይ ጽምኢ ናይ ዝተሰነፈ እህህታ ከተንብህ ጀመረ። መሬት ጠሚተ ሰማይ ጠመትኩ። ጸሎተይ ክዓርገለይ ብልቢ ናብ ፈጣሪ ለመንኩ።
ሙናሴ፡ ካባይ ንላዕሊ ብኣእላፍ ዕጽፍታት’ዩ ብስለት ፖሎቲካ ዘለዎ፣ ብዝሓትዎ መስቐላዊ ሕቶ ኸኣ ኣቅዲሙ ስለ ዝርደኦ፡ ኣገረሚን ስግንጢን መልሲ ይህቦም። በዚ ምኽንያት ዝያዳይ ንዕኡ ከምዝተሮ ርዱእ’ዩ። መቸም ሰብ ብዘይ ኣበር ኣይፍጠርን እዩ። ሙናሴ ደረቱ ዝሓለፈ ንቕጽና ኣለዎ። ኣነ ክምዕዶ ኸኣ ዘይሕሰብ’ዩ፡ ዓቕምና’ውን ሰማይን መሬትን’ዩ። ንሱ ፍጥር ክብል ምስ ብልሑ’ዩ ተፈጢሩ። እንቶ ኣነ ግን ከምዛ ትርእዩኒ ዝጐድሉኒ ነገራት ብዙሓት’ዮም።
ኣብ ኣፍልቡ ዝነብረት ማህረምቲ ምስትንፋ ከሊኣቱ ዝተባታተኸ ድምጺ ክፍኑ ጀመረ። እቲ ዝኸፈአ ኸኣ ኣብ ከብዲ እግሩ ዘሎ መድመይቲ መዕገቲ ሰኣንኩሉ በተን ዝተመቝሓ ኣእዳወይ’ሞ እንታይ’የ ክገበር፧! ዝነበርና ኽዳን ቐዲደ ወዲእናዮ ኢና። ጨርቒ ብጨርቂ ክትካ’ዩ ሓዲሩ። ንደሙን ቓንዛኡን ዝኸውን መዕገቲ ግን ከቶ ክካወነለይ ኣይካኣለን። ካብ ሰባት ከምኡ ዓነት ጭካነ ኽርኢ ንመጀመርያ ስለ ዝነበረ ኸኣ ከም ኣጨናቒ ሕልሚ ዝርኢ ዘለኹ ትንፋስ ሓጸረኒ።
“ወይ ጉድ፣ እሞ ኸኣ ብገዛእ ደቒ ሃገርና! ሕጊስ ሕራይ ይትረር፣ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሕልናዶ ኣይኰነን ዝመርሕ፣” ኢለ ውን ይሓስብ። “ምዃን ስጋ እናርኣኻ ንኸስ ንዝበልካዮ ኸልቢ፣ ንድራሩ እሉ እንደኣሉ ዝነክስ፡ ዘይብላዕ ክንበልዕ ናብ ጠጠም እምበር፣ ከመይ ኢልና ናብ ሰብ ክንጥምት። ሕልናስ ምስቶም ስለ ነጽነት ርሖም ዘሃቡ ሓኪሉ’ዩ። ሓቂ ከኣ ሓላፍ ዘላፍ ታሪኽ ከይገድፍ ኢሉ ይኽውን።” በልኹ።
ነታ ቤት ኣረመናውያን ኢለ ዝገለጽኩዎ ኣእዊኻ ረዳኢ ዘይትረኽበሉ ስፍራ። ብቓንዛ ምዝራብ ስኢንና ኣብ ዘይንረዳድኣሉ ዅነታት በጻሕና።
“ኣደይ! ሞይቱ እንተሰሚዓ እንታይ ክትከውን’ያ፧” እናበልኩ ስኑፍ እህህታ ሙናሴ እናኰለፈኒ። ኣጆኻ ከይብሎ ጐሮሮይ ብማይ ጽምኢ ምራቑ ወዲኡ ምእዛዝ ኣብየኒ። ዓይኒ ዓይኑ ጠሚተ ብውሽጠይ ኣሕቘንቈንኩ። ናይቲ መጕዳቲ ግዲ ኰይኑ ምስቲ ሃሮባን ክለማዊ እቲ ኸባቢን ጽምእና ክንጻወሮ ኣይከኣልናን። ኣዒንተይ ማይ ሰረባ’ምበር ዝፈስስ’ሲ ካበይ ከምጽእኦ ኢለን።
ነዒንተይ ከኣ በተን ዝተቛጸራ ቁንጣሮ ንብዓት ንየማነ ጸጋም ከቕባሕብሐን ፈተንኩ። ናብ ሙናሴ ምስ ጠመትኩ ምስናፉ ርእያ “ኣእዊ” ዝብል ስምዒት ደፋፍኣኒ። ተስፋ ንኸይቈርጽ ኣስናነይ ነኺሰ ዕቱብ ገጽ ኣርኣኽዎ። ንኣውያት ዘድምጽ ዓቕሚ’ውን ኣይነበረንን።
ሙናሴ መመሊሱ ተስፋ ኣቑረጸኒ። ኣዒንቱ ቀምሲለን ምንቅስቓስ ስኢነን ረኣኹወን። እቲ ደረቕ ኣጣምትኡ ዝያዳ ኣሸቑረረኒ። ብኣእዳወይ ደረቱ ደገፍኩዋ። እተን ዝፍንወለይ ዝነበረ ቃንዛኡ’ውን ሃጢመን። ከናፍሩ ከውሒ ተሰሪሐን። ቈርበቱ ሕብሩ ለዊጡ ዝቐነየ ስጋ መሰለ።
ኣብ’ቲ ቀይሕ ገጹ ጸሊም ደም ዝሰረቡ ሰራውር ደም ተገቲሮም ረኣኹ። ማእከል ብልየን ኣዒንቱ ብቀይሕ ተኸቢበን ናብ ቀጠልያ ሕብሪ ገጸን ተቕየራ። እቲ ካብ ነብሰይ ተፈልዪ ዝጸንሐ መቑሕ ምስ ተንቀሳቐሱ ስለዝሓርሓረኒ ሕቖይ ሰይረ ከማዓራርዮ እናደነንኩ ሙናሴ ሰፋሕፋሕ ክብል ጀመረ። መልሓሱ ናብ ደረቕ ነገር ተቐይራ ከምሕሱም ከተንፈርፍር ረኣኹዋ። ከናፍሩ ስሒበ ኣላገብኩወን። ትልኽ-ትልኽ በለ። ኣነ’ውን ንዕኡ ርእየ ኣብ ልዕሊኡ ዘልሓጥ ኢለ ወደቕኩ። ድምጺ ብዘይብሉ ውሽጣዊ ጻዕሪ ኣብ ድርኩኺት መልኣከ ሞት ኣብራኸይ ዓጸፍኩ። መላእኽቲ ድዮም ሰጣውንቲ ዘፈልዮም ቤቶም ዘርሑወለይ ዘለው ኰይኑ ተሰሚዑኒ።
ሰብነት ምናሴ ምንቅስቓሱ ኣኽተመ። ኢደይ ሰዲደ ኣፍ ልቡ ዳህሰስኩዎ። ሃንደበት ማዕጾ ቤት ማኣሰርቲ ደሰቕኩ፣ ከምኡ’ውን ኣእወኹ። ካበይ እዩ መጽዩ እቲ ሓይሊ እንድዒ። ሓደ ዘጕባዕባዕ ፈካሪ ድምጺ እንፈከረለይ መጸ።
“ርድኣኒ በጃኻ ሰብ ይሞቶኒ ኣሎ፧!” ብቓና ብኽያት ላዕጢጠ ኣድሀኹ።
እቲ ዘብዐኛ ግና ልመናይ ሕልናኡ ክዅሕዅሕ ኣይከኣለን፣ ስቕ ንኽብል ተሪር ንደራኡ ኣቃለሐ።
ዝገበረ ክገብረኒ ናይ ርድኣኒ ደረቕ ቃላተይ ጨንጓዕኩ፣ ካብቲ ዘብዕኛ ግን ዝዀነ ደገፍ ሰኣንኩ። ብኣውያትን ምግዓርን ከኣ ጐረሮይ ላሕተትኩ። ንባዕለይ ሓይለይ ደኺሙኒ ስለ ዝነበረ፣ ንዓይ’ውን ሽታ ሞት ሃርሃረኒ።
ድሕሪ ገለ ሰዓታ ሬሳ ሙናሴ፣ ክንፋሕ ረኣኹ። ክቱር ስንባደ ውነይ ኣደንዘዞ። ነቲ ጽምእን ጥምየትን ፍርሕን ስንባደን ተወሲኽዎ ተስፋይ ተረዅመሸ። ኣካላተይ ረዝረዝ በለኒ። ኣዒንተይ ርእየነኦ ዘይፈልጣ ድሙቕ ቀስተ ደበናዊ ሕብሪ ተጋረዳ። ብእሳት ሰማይን ምድሪን እናተቓጸልኩ ኣነ’ውን ብድሙቕ ሰማያዊ ብርሃን ተዋሒጠ ውነይ ከጥፍእ ተፈለጠኒ።
ኣብ’ቲ መዕረፊ ምውታን፣ ናይ ህይወት ዝፋን ኰይና ዝተሰመዓትኒ ብዕንጸይቲ ዝተደገፈት ቴንዳ። ኣብ ባህላዊ ዓራት ስቕሎ የዕረፈኒ። ብዓደስ ዝተበቦጀ ባኒ ወዲ ዓከር ከዀሉሱኑ ነቲ ብጥሙየይ ዝነቐጸ ጐሮረይ ከልስልስ ከብደይ ክትዕንግልን ህይወተይ ክትምለስን ተፈለጠኒ።
“እዚ ህይወት ምውታን ኣብ ሰማያት’ዩ። ግን…! ኣብ ሰማያት’ዶ ሰጋን ደምን ዝለበሱ ፍጡራት ትርእይ ኢኻ። ሞት ምስ ምድራዊ ናብራ ዝመሳሰል ድዩ፧ ወይስ ኣብ ገነት ኣይበጽሓንን ማለት’ዩ።” በልኩ። ነቲ ኣብ ትርኣሰይ ዝጸነሐ ጸሊም ድልዱል መንእሰይ እናረኣኹ።
“ክሓቶ’ዶ፧ ኣበይ ኣለኹ፧ ኣብ ጋሃነመ እሳት ወይ ኣብ ገነት፧ ወይ ኣብ ጋህዲ፧ ወይ ኣብ ሕልሚ፧” ንውሽጠይ ብሕቶታት ኣዋጠርኩዋ። ደጋጊመ እንተሓተትኩ ብዘይካ ድመቕ ፍሽኽታ ምልጋስ እወታ መልሲ ኣይሃበንን።
ነድሪ ወሰኸ፡ “ሞት ድዩ ጋህዲ፧” ሓተትኩዋ። ደጊሙ ተንፈኽ-ፈኸ። ደሓር “ጋህዲ’ዩ” ኢለ ንሕቶይ ባዕለይ መለስኩዋ። ምኽንያቱ፡ ኣቓጫጭኡን እቲ ጸሊም ምስሉን ምስሊ ጸሊም መልኣኽ ኣይኰነን። በታ ብርስሓት ጸሊማ ዝነበረት ቅርዳድ ጐማ ዝገረርን ዝዛሕለን ሻሂ ሓፊኑ፣ ርእሰይ ደጊፋ ደጋጊሙ ኣምዓጐኒ። ክልተ በጽሒ ድማ ፍሽኽ-ሽኽ እናበሉ ኣብቲ ደቂሰሉ ዝነበርኩ ዓራት ስቕሎ ኮፍ በሉ።
ሓደ ካብኣቶም ድማ ንኵሉ እቲ ዅነታት ክገልጸለይ ፈተነ። ለካ እቶም ንህይወተይ ዘድሓኑ እዮም ነይሮም። ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ሓካይም እዮም። እንተስ ናይታ ቐለም ዝቐመስዋ ወይስ ገለ ዝተለኸይዎ ሕላና፣ ካብቶም መርመርቲ ንሶም ይሕሹ። ናይ በሓቂ ሰባት ሰባት ክጨንዉኒ ጅሚሮም። ሞት ሙናሴ ዓርከይ ከኣ ዳግማይ ኣርዲኦምኒ። ኣዒንተይ ድማ ምእባድ ኣበያ።
“በሉ መቓብሩ ኣርእዩኒ ክቐብጽ!” ኢለ ክትንስእ እንተበልኩ ኣእጋረይ ምእዛዝ ኣበያኒ። መቓብር ሙናሴ ዓርከይ ብዓይነይ ክርእየሉ ኣብ ዘይክእል ኵነት በጻሕኩ። ጸገም ኣእጋረይ እንተሓተኩ፣ ብዝገጠመኒ ኸቢድ ማህረምቲ ጅማውተይ ካብ ስራሕ ወጻኢ ከምዝዀኑ ኣቅበጹኒ። ኣብ ጌጋ መስመር ሰራውር ደም ስለ ዝህረሙኒ’ውን ክኸውን ይኽእል’ዩ። ስምዒተይ ምቍጽጻር ሰኣንኩ ጨሪሸ ውን ካብ ቝጽጽሪ ወጻኢ ክኸይድ ፈተንኩ፣ እቶም ብርህረሄ ዝሕግዙኒ ዝነበሩ ኣብላት፡ እሱር ምዃነይ ክርስዕ ከምዘይብለይ ብሓልዮት መከሩኒ። ድሕሪ ቝሩብ መዓልታት ከኣ ናብታ ዝነብርኩዋ ሸላ ኣተኹ። ምስቲ ጸልማትን ጽምዋን ከኣ ተፋጠትኩ። ዘኣረገ ዝብኢ ኣድጊ ይልሕሶ ከም ዝበሃል፣ ቐስ ብቐስ እናንፋሓዅኩ ደገ ክወጽእን ነቲ ስንክልና ክላመዶን ጀመርኩ። የግዲ ምስ ግዜ ምስቶም ኣባላት ክላመድን ግዜ ኣይወሰደለይ፣ ካብቲ ዅሉ እሱር ከኣ በሓቂ ንዓይ ይሕሹ። ናበይ ከይከይድ ግዲ ኢለሙኒ ዀይኖም ካብ ሸላይ ወጽየ ሳሕቲ ኣብቲ ቐጽሪ ክናፈስ ጀመርኩ። ካብ ስራሕ ወጻኢ ምስ ገብሩኒ ድኣ ኰይኑ እምበር ካብቲ ቤት ማኣሰርቲ ውን ጠቕሊሎም ኣውጽኡኒ።
* * *
“ዚወደይ ዝሓለምካዮ ድዩ’ዚ፧” በላኒ ኰረር ዝበለ ንብዓተን እናደረዛ።
ስለዚደንገጻለይ ንዓይ’ውን ኣደንገጻኒ!
“ጋህዲ’ምበር ኣደ” መለስኩለን ተግባረይ እናሕፈረኒ። ዝነበርን ስምዒት ምቍጽጻር ግዲ ስኢነን፡ ቐልጢፈን ካበይ ክርሕቃ ዝደለያ ይመስላ።
“ጽቡቕ’ዶ ረኺብካ ሕጂ፧ ‘መርገም ወላዲ እንተዘይቐተለ የዕነኒ’ ድዩ ዝበሃል። ኣብ’ዚ ሰጣሕ ጐደና ምስ’ዚ ዓጽምካ ዝሰብር ቍሪ ብዘይ ኮቦርታ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧”
“እንድዒ!” በልኩ ከመይ ኢለ ከምዝሓድር እናሓሰብኩ።
“ከምቲ ንስኻትኩም ትጭክንዎ ኣይንኽእለሉን ኢና። ትርእየኒዶ ኣለኻ፧ ሽድሽተ ከብደይ ወሊደዶ ምለመንኩ! እቲ ሓደ እኳ ኣምላኽ ግዲኡ ወሲድዎ እዩ። እቶም ዝተረፉ ግን…! እቲ ሓደ ቕድሚ ነጽነት፣ እቲ ሓደ ኸኣ ኣብ ወራረት ተሰዊኦም። እቶም ዝተረፉ ከኣ ኰረቻ ስልጣን ክሕልዉ በረኻ ሰፊሮም ኣሎዉ” በላ ብቓና ብኽያት። ነታ ዝተኸደነኣ ረቃቕ ኮቦርታ ካብ ነብሰይ እናቐንጠጣ ብማዕረ ቀዲደን ደርበያለይ። ቀው ኢለን ድሕሪ ምጥማት ገዲፈናኒ ተዓዘራ።
“ብኢደን ዝቐደዳኣ ኮቦርታ ደኣ እንታይ ቍሪ ክትከላኸለለይ ኢላ” እናበልኩ ተገልቦብኩ። ጨና እታ ኮቦርታ ንሃሳስ ዝኽሪ ወላዲተይ ቀስቀሰለይ። ስሒበ፣ ደጊመ ጨነኽዋ። ብጨና እታ ኮቦርታ ናፍቖት ወላዲተይ ኣብ መንፈሰይ ዘረቘ። ብዓይነይ ክርእያ ሃረር በልኩ። ኣደይ ማዓረይ!
“ካብ ዝፍጠር ኣትሒዘ ዝናኣድ ህይወት ኣየሕለፍኩን። ክሓልፈለይ እናበልኩ’የ ብተስፋ ዝጓዓዝ ነይረ። ሎሚ ግን ንቐረባ ርሕቀት ዘሎ ፍትፉት መግቢ’ኳ ተመጣጠረ ክበልዕ ኣይክእልን። ኦሮማይ ንተስፋይ ዝወስድ ንፋስ ኣትዩኒ! ድሕሪ ሕጂ ሓጐስ፣ ዕግበት፣ ቅሳነት። ተስፋ ኣይክህልወንን’ዩ። ትዕድልተይ መሬት ዘፊፉ!” በልኩ። ነዝን ካልእን ሓሳብ እናጋማዳሕኹ ለይቲ ተሰሊሱ ደወል ካተድራል ኣርባዕተ ግዜ ተደሰቐ።
ከመቅጽበት ቍሪ ኸተማ ኣስመራ ኣንፈቱ ቐይሩ ኣብ ኣእጋረይ ዓሰለ። ሰራሕተኛታት ጽሬት ከተማ ኣስመራ ድማ ኣብ ስራሕ ተጸመዳ። እቲ ጸምዩ ዝሓደረ ጐደኖ ሰባት ኣናጽዓቐ ከደ።
በቲ ዛዕዚዑ ዝረገፈ ቝሪ ገለ ክፋል ኣካላተይ በረድ ተቐየረ። እቲ ዝዓበየ ክፋል ኣካላተይ ግን እታ ረቓቕ ኢለ ዘቛናጸብኩዋ ኮቦርታ ካብ’ቲ ኣስሓይታ ኣዕቐለትኒ። ካብታ ዝነበርኩዋ ሓደ ጸማእን ቐጢኒን ወታደር መጽዩ ኣተሰኣኒ፣ ደሓር ግን ኣቃውማ መሓውረይ ርእዩ ሰጋእ በለ። ኣነ ኸኣ በዒንተይ ሕብሪ መንፈስ ፈተሽኹ። ኣጣምታይ ጊር ስለ ዝበሎ ኸኣ ኣተኲሪ ተዓዘበኒ፡ ንገለ ድቓይቕ’ውን ተፋጠጥና። በሓቂ ኣብ ሕልናኡ ኣትየ ክሪኦ ጸኒሐ፣ ሓደ ካብ ገማግም መረብ ዝመጸ’ሞ፣ ኣብቲ ንጹሕ ልቡ ብሰንኪቲ ፍትወት እስክርና ዝቕመጦም ትእዛት መንግስቲ ብፍቕሪ እናቓጸሉ ከም ኣድጊ ብጀካ ንዝዋሃብዎ ሕግታት ምእዛዝ ካልእ ከምዘይብሉ ጐሊሑ ተራኣየኒ። ግናዕ ኣእዳዉ ብዘቤታዊ ሸቕሊ ዝላደዩ ምዃኖም፣ ክግምቶ ኣየጸገምነን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፣ ዘሎዎ ናይ ናብራ ሕሰምን ናፍቖትን ነቲን ዘንቘርቈራ ኣዒንቱ ርእየ ግምተይ ኣርጐድኩ። ዕድሚ ኣብ ሳላሳታት’ዩ።
“ኣታ! እንታይ ሽግርካ፧” ሃንደበት ካብ ዝነብረኩዊ ውሽጣዊ ፍተሻ ኣበርገገኒ። ከመቕጽበት ውን ኣዒንተይ ገታእኹ።
“ኽልተ ዓይኑ ዶ’ሞ ኸንቝሮ፧” በለ፣ ልዕልና ብዘለዎ ድምጺ። ብኡንብኡ ኸኣ ሓደ ኻብቶም ንስልጣን ኢሎም ዝግብሉ ምዃኑ ኣጭበጥኹ። “
ድሌየት ብዘይ ንቕሓት፣ ዝንተኣጐደ እዩ ዘሳውር። ንሱ ኸኣ ኮቶ ኣብ ሓንጐሉ ዘቐመጦ የብሉን። እንትርፎ ከርዳድ ዝዘርእሉ ኽርዳድ ሓሳብ፣ ኽርዳድ ኸኣ እዩ ዝወልድ!” በልኹ ብውሽጠይ።
ካብቲ ምሳይ ዝጀመሮ ህልኽ ሓደ ሕዉኽ ዝመስል መንእሰይ ርእዩ መቐሳቐሲ ንኽሓቶ ጸወዖ። እቲ መንእሰይ ኸሎ ገና ገጹ ኣጸምለዎ። ርእሱ ሒዙ’ውን ብዘይ ዝዀነ ቐዘዘ። ክልምኖ ምስ ጀመረ ኸኣ ሓደ ክልተ በትሪ ኣውዲቑ ድምጹ ከምዘህጥም ገበሮ። ኣሻቦም ኸኣ ካብ ዓይነይ ተሰወሩ። ካብ ልበይ ግን ወይከ።
እቲ ብቝሪ ምእዛዝ ኣብዩኒ ዝሓደረ ኣካላተይ፣ ጩራ ጸሓይ ንግሆ ምስ ረኸበ ክፈታታሕ እንከሎ፣ ነታ ውዒላ ሓዲራ ቝራስ እንጌራ ዘይረኸበት ከብደይ ከዐንግል ነይሩኒ። ኣእዳወይ ተኺለ ኣእጋረይ ክጐስስ ጀመርኩ።
ኣብ’ቲ ዕሙር ሰባት ዝሓልፍዎ ጐደና ዓይኒ ሰብ ወጊኡኒ የማነ ጸጋም ጠመትኩ። ሓደ ዝፈልጦ መልክዕ ብማኦዱ ጐሊሑ ክረኣየኒ ኸሎ ኣሰንበደኒ። መጀመርያ’ኳ ስንባደ ተሓዊስዋ ከለልያ ኣይከኣልኩን። ደሓር ግን ገለ ነገር ዘከርኩ። እቲ ዝበሃግ ዝነበረ መልክዓ ብሓጹር ኣዕጽምቲ ገጻ ሃጢሙ ረአኹ። ኣተኲረ ምስ ጠመትኩ ኣዒንታ ዘንጸርጽር ዘሎ ኰይኑ ተሰሚዑኒ! ቝጥዐ መልክዓ ከም መቓል ድምጺ ኣብ ኣእዛነይ ጨደረ።
“እንታይ ረኺብዋ፧” በልኩ ብትሑት ልሳን። ናባይ እናቐረበት ስለዝመጸት ኣብ ኣዒንታ ጸረር ዝብል ንብዓት እናረኣኹ። ሃንደበት’ውን ጻውዒት ዓይና ኰለፈኒ። ክኸዳ ኣይደለኹን። ጻውዒት ዓይና ከይደግመኒ ብውሽጣዊ መንፈስ ተኣሲረ ድንን በልኩ። ብሕርቓን ዝተሳወረ ንብዓት ወረር ክብለኒ ተፈለጠኒ። ኣብ ገጻ ድንጋጼን’ምበር ስንባደ ኣይተነበን። ኰነ ኢላ ክትረኽበኒ ዝመጸት ኢያ ትመስል። ንገለ ተጓዓዝቲ ሃንደበታዊ ምስለይ ኣገሪምዎም ኣትሪሮም ጠመቱኒ። ንዓይ ግን ኣብ ውሽጠይ ዝቐጻዓኒ ሓለንጊ ኣሎኒ! ኣብ ቕድሚኣ ክቘውን ፈጺመ ኣይከኣልኩን። ኣብዛ ግዜ እዚኣ ሞት ሙናሴ ዓርከይ ከም ዕርፍቲ በሃግኹዋ።
እታ ኣብ ወጥራዊ ምጥምማት ዝጸንሐት ሄዋን ኣብ ቅድመይ መጺኣ። “ሮቤል!” ኢላ ብዘይስክፍታ ደረቕ ብኽያት ፈነወት። እታ ብድሮ መርዓኣ ጠሊመያ ዝኸድኩ ዝፈትዋ ኣደ ወደይን ኣብ ጐደና ተሰጢሐ ክትረኽበኒ ክልተ ሞት ኰይኑ ተሰምዓኒ።
ብድሕሪ’ዚ፣ ክልተ ሰባት ደጊፎም ዝወሰዱኒ ኣምጽአት። እቲ ሓደ፣ እቲ ቀዲሙ ዝረኸበኒ ብቐረባ ዝፈልጦ’ዩ። ንሱ’ዩ ንጽዮን ሒዝዋ መጽኡ። ብኡንብኡ ብኽልቲኡ ኣእዳወይ ደጊፎም ካብቲ ዝነበርክዋ ጐደና ኣለዩኒ። ነዊሕ ኣይከድንና ከኣ ክልተ ኣንጐሎ ምስ ተጠወና። ነተን ኣብ ፊትና ጸሊም መነጸር ወድየን ዝልምና ዝነበራ ዓይነ-ስውርቲ ሰበይቲ ጽዮን ብኣእዳዋ ኣመልከተትለይ። ተመሲጠ ጠመትክወን።
“ትፈልጠን’ዶ እዘን ሰበይቲ፨”
“እንድዒ! ኣይ… ፈ!!” ዘረባይ ከይወዳእኩ እቲ መልክዕ ኣተወኒ። ብስንባደ ኣህተፍተፍኩ። እተን ተዀርምየን ዝልምና ሰበይቲ፣ ወላዲተይ ምዃና ውሽጠይ ነገረኒ’ሞ፡ ዘይነጽፍ ሰልሚ ኰይኑ ተራእየኒ “ኣቕርቡኒ! ኣቕርቡኒ በጃኹም!” ገጸይ እናከወልኩ ኣብ ልዕሊኣ ጠልጠል ኣቢሎም ኣቕረቡኒ።
“ኣደ! ኣደ! ኣደ ኣነ ወድኺ’የ!”
“እወ ዝወደይ ኵሉኹም ደቀይ።”
“ኖኖ…እ…እ! ኣነ ወድኺ ማማ!” እቲ ብብኽያት ዝተላዕጠጠ ድምጸይ ቀልጢፉ ከኣትዋ ኣይከኣለን።
“ደሓን ዶ ኣይኰናን ዝወደይ ትበኪዶ ኣሎኻ ሓቀይ መን ዲኻ፧” ክመልስ ተበልኩ ኣፈይ ተለጕመ፣ ስቕታ ምስ ነወሐ ኸኣ፣ ዝዀነ ጥርጠረ ዘለዋ መሰለት።
“እወ ወደይ እታ ትህበኒ’ዶ ቀልጢፍካ ሃበኒ ኣይተኳላልፈኒ!” ሽዑ ሕልናይ ሞተ! ካብ ዓይነይ ንብዓት ሸርብርብ ኢሉ ኣብ ግናዕ ኢዳ ጥብ…ጥብ በለ። ለካ ንሳ ክተዅበላ ኣያ ትጽበ ነይራ። ነቲ ዝነጠበ ንብዓት ቢኢዳ ዳህሰሰቶ።
“እንታይ’ዩ ዝወደይ? ማይጨሎት! ጽባሕ ዶ’ኣይኰነን ሚካኤል በል ወስኸኒ ኣብዚኣ ኣላ ጐማይ ማይጨሎት ዘቀምጠላ” ኢላ ሃሰሰስ በለት
“ኣነ ሮቤል’የ ማማ” ተጸሚመ ዘውጻእኽወን ቃላት ፈነኹ። እቲ ክቶኹበላ ዝክእል ተነይሩ ንብዓት ጥራይ’ዩ።
“እንታይ ሮቤል ወደይ፧!” ኢላ ኣብ መሬት ዘልሓጥ በለት። ኣነ’ውን ስዒረዮም ኣብ ልዕሊኣ ወደቕኩ። ሃለዋት ወላዲተይ ግን ተስፋ ሰኣንኩሉ።
ጽዮን ሃለዋትና ክትፈልጥ ኣቕባሕብሐት። ናይ ምእላይና ሓላፍነት ከምትስከም ድማ ኣንቃዕሪራ ክትመባጻዕ ሰማዕኽዋ። ናይ ዓመታት ምፍልላይ……! “ትኳቦ ንብዓት፧!!!” በልኩ ድሕሪ ውነይ ምፍላጥ።