ከለኹ’ስ . . . . . የለኻን
ከለኒ . . . . . . የብልካን
ከምዚ ኸ ኣሎ’ድዩ
ድንገተ-ሞት’ኮ ኢዩ
እንተሓሰብክዎ . . . . እንተኣስተንተንክዎ
ዎ . . . . . ! ! !
ደንጉየ ድየ ኣርፊደ ᎒
ነፊገ ድየ ኣውሒደ ᎒
‘ታይ ኣምጽኦ ድኣ’ሞ
ንውህበት ጭልጋሞ
ክጽበ . . . ክጽበ እምምታ ክስልስል
ክብል . . . . .
እስኪ ከብዲ ይጹሮ . . . . ተኸዲኑ ይብሰል
እሞ . . . . .
ጻሕልስ’ባ ጦቕ ኢላ ይከፈት መኽደና
ትሰለስ’ዛ ጸብሒ ከይዳ . . . . ናብ ምኽሓና።
በየነ ሃይለማርያም
ጋዜጣ ዘመን 2001