ልዕሊ ጸሓይ ሰማይ ፡ ሰብ ኣብ ዘየለሉ
እንትርፎ ዝነበረ ፡ እንታይ ሓድሽ ከይህሉ
ሓንሳእ ዝተፈጥረን ፡ ዝኰነን እንደኣሉ፡፡
ብብሉይ ዘይነብር ፡ ሰብ ኣብ ምድሪ እንከሎ
ክንደይ ‘ኳ ተማህዘ ፡ ‘ቲ ዘሎ ከም ዘሎ
ሰብ ንሰብ ኪሰርሖ ፡ ይሸባሸብ እንተሎ
ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ግን ፡ ሓድሽ ነገር ኣሎ፡፡
ልዕሊ ጸሓይ ደኣ ፡ መዓስ ሓድሽ ኰይኑ
ዚቕየር ዚልወጥ ፡ ነገር ከቶ ተሳኢኑ
ከምኣ ኢሉ እነሃለ ፡ ብጥንቲ ተደኲኑ፡፡
ኣብ መስርሕ ፈጠራ ፡ ዑደተ ተፈጥሮ
ኣሪጉ ዚበሊ ‘ዩ ፡ ንሓድሽ ዚፈጥሮ
ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ፡ ክንደይ ሓድሽ ኣሎ
ኣሪጉ ዝትካእ ነገር ፡ እልቢ ስለ ዘሎ፡፡
Azmarino Hope