2ይ ክፋል
ስዒቡ ዝቐርብ መልቀሳት ሎሬንሶ ታእዛዝ ምስ ዓረፈ ኣብ ዓዲ ቐይሕ ኣብ ዝተገብረ ካላኣይ ቀብሪ ዝተገብረ መልቀስን ብላታ ተስፋጽዮን ደረስ ኣብ ናይ ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ ዘውጽእዎ ግጥምን’ዩ። እዚ ዝስዕብ መልቀስ ሸቃ በርሀ ገብረመድህን በዓል ኣሽራ (ኣቦ ኣራፋይነ በርሀ) ኣብቲ ቐብሪ ዘለቀስዎ መልቀስ ኮይኑ ኣብ መጽሓፍ ማሰን መልቀስን ሰፊሩ ይርከብ።
መኣስ ሞይቶም ዶተረ ሎሬንሶ
ሎምስ ንኤርትራ ደኣ ከነልቅሶ
ንሓማሴን ሰራየ ከነልቅሶ
ንባጽዕ ንመታሕት ከነልቅሶ
ዓንቀጽ በሪ ዓረብ ናይ ማር ሮሶ
ዓንቀጽ ባጽዕ ኢኻ ወደብ መርሶ
ኣንታ ወዲ ታእዛዝ መዓር እሶ
ንስኻ ትበልጽ ካብ ተኳሶ
ኤርትራ ዓድኻ እንተትምለሶ
ከታርን ወራርን መኣስ መካወሶ
ሃገር ምደሓነ ካብ ሓልካሶ
ሓደራ ምጽኣና ንዓ ተመለሶ
ምኽርኻ ሃበና ልብና ኣረስርሶ
ቀይሕ ባሕሪ እንተ ትሕምብሶ
ኣንበርን ገበልን ከይመላለሶ
ሃገረ ኤውሮጳ ንስኻ ትገሾ
ብኣየረ ሰማይ ባዕልኻ ትጥሕሶ
ዝተፋሕሰ ገመድ ትብጥሶ
ዝኣተወ መስማር ብርሳስ ትነቕሶ
ዝነኾለ ጉድጓድ ብቕርጣስ (ወረቐት) ትዓብሶ
ምስ ደቂ ኤውሮጳ ዝወጻእካ ኮርሶ
ሃገረ ሩስያ ይብሉኻ’ሞ ግሾ
ዝኣረገ ደብተር ንስኻ ትደጉሶ
ብወርቂ ብርዕኻ ተሐድሶ
ዝተኣልመ ነገር ባዕልኻ ተፍርሶ
ዝሓመቐ ውዕል ትድምስሶ
ዝተኣልመ ነገር ባዕልኻ ተፍርሶ
ዝሓመቐ ውዕል ትድምስሶ
መሪጽናልካ ኔርና ዓበይቲ ባላሶ
ፍካሬ ኢየሱስ ዝደረሶ
ዝወጠኖ ነገር ዘይጠረሶ
ሃገርና ኣትዩዎ ተፋልሶ
ነብሲ ወከፍ ከፊቱዎ ፍሾ
መሲሉና ኔሩ ትምለሶ
ኣንታ ስኒ ጸባ ስኒ ዓውሶ
መቐነቱ ወርቂ፡ ሓሪር ፍሕሶ
ሃገረ ኤርትራ እዝጊ ዝተባእሶ
ሓየት ከደ ገጹ ከይመለሶ።
እዚ ዝስዕብ መልቀስ’ውን ማሰኛ ገብረኺዳን ሳህሊ በዓል ማዓርዳ ኣብ 2ይ ቀብሪ ብላታን ጌታን ሎሬንሶ ታእዛዝ ተረኺቦም ዘልቀስዎ’ዩ፦
ኣቤት እቲ ምጥላማ ኸንቱ ዓለም
ብላታ ሎሬንሶ ሞይቶም ተባሂሎም
ኣከለን ጉዛይን ልቦም ተዳሂሎም
ይበኽዩ’ለው ብዙሕ ኣስቆርቁሮም
ሓማሴን ሰራየ በኽዮም ኣምሪሮም
ወዲ ሓደ ኣይኮኑን ወዲ ኹሎም
ኣሽምባይዶ ሰብስ ዑፍ ትበኽየሎም
ጸሓይና ኽኾኑ እዝጊ ዝፈጠሮም
ስለዛ ጦብያ ምህሮ ተማሂሮም
ከም ንጉስ ሰለሙን ጥበብ ዝሓደሮም
ከም እዝግና ኩሉ ዝሓፈሮም
ህዝቢ ኢትዮጵያ ብልቢ ዘፍቅሮም
መንግስታት ዓለም ብምሉእ ዘኽበሮም
ንዕኦም ይነግሩ ግርማዊ ምስጢሮም
ናይ ጃንሆይ ልቢ ኢደ እግሮም
ንማሕበር ነገስታት ይብልዎም ውፈሮም
ይሰዱዎም ኦርብናለ ጌሮም
ክንዲ ንጉስ ዝሕውሱ ቃሎም
ይምለሱ ኣልጋ ኣደልዲሎም
ብመንግስቶም ዘይብሎም ቃል ዓለም
ከም ደጃች ባህታ ኒሕ ዝድራሮም
ናብ ጀነብራ ይኸዱ በሪሮም
ይምለሱ ስርሖም ኣስሚሮም
ብላታ ሎሬንሶ ሎሚ ተኸቲሮም
በዓል ኣለው ዝኽእሉ መዲሮም
ደቂ ኢትዮጵያ ሕለፍዎ ግብሮም
እሞ ንጃንሆይ ጸሎት ንግበረሎም
ሓደ ብልሂ መጺኡ ደበኽ ክብሎም
ናይ ሎሬንሶ ቦታ ዝሕዘሎም
ሩስያ ዝኸይድ ናብ ሰፈሮም
እንካብ ከዱ ዓዲ ዘላኣለም
ኣብ ዝፋኑ ባዕሉ ይቀበሎም።
ብላታ ተስፋጽዮን ደረስ’ውን ኣብ ናይ ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ ኣብ 1947 ንሎሬንሶ ዝምልከት እዚ ዝስዕብ መልቀስ ጌሮም ኔሮም
ዓቢ እምባ’ንዲኻ መድፍዕ ዘየፍርሶ
ዓቢ ገዳም ማንም ዘይነገሶ
ብርቱዕ ገረብ ታንኪ ዘይትጥሕሶ
ናይ ኤርትራ ምሉእ ዝነበርካ ርሾ
ናይ ትግራይ ድፍን ዝነበርካ ርሾ
ናይ ኢትዮጵያ ድፍን ዝነበርካ ርሾ
ብርቱዕ ልቢ ማንም ዘይፍርክሾ
ኣይትውዕሎን ግዲ ትምለሶ
ጎይታኒ መዓረይ ብላታ ሎሬንሶ
ንዕቡይ ብፍትሒ ትምልዕሶ
ንፈታዊ ሃንዛ ተኾልሶ
ዓራትካዶ ኾነት ኣደዳ ወራሶ
ኣንታ ብርቱዕ ባሕሪ ኣዳም ዘይሕምብሶ
ካብ ሎሚ ያኢ መልክዕካ ክበላሾ
ቁሪ መለስካልና ገብ ኡ ዓሶ
ተካል ህዝቢ እዝጊ እተባኣሶ
ብድሕሪኻስ እንታይኮን’ዩ ዝዓብሶ
ዓለም ኢሎማ ዓለም ዋሾ
ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ተጸጊዑ
ወዲ ታእዛዝ ዝኸይድ ኮሪዑ
ኣካ ሎሚ ቀርንና ተሰሊዑ
ኢትዮጵያውያን ብኸዩ’ሞ ንብዑ
ሎሬንሶ ሞይቱ ኢልኩም ኣይተወዓውዑ
እዞም እኒ ሓሪሽ ነበሪ ከይሰምዑ
ኣሰይ ኢሎም ልቦም ከይወቐዑ
ወደ’ቦ ጠፍአ ኢሎም ከይድንፍዑ
ንበይነን ተረፋ ኢሎም ከይኾርዑ
ነዚ ቁምነገሩ ዘይወዳእ ተለኪዑ
ካብቲ ዓጽሙ ኽተቡሎም ንቖላዑ
ታሪኽ ናይ ጀጋኑ ከይርስዑ።
ኣብ እምባ ያኢ ከነሳፍሕ ኣብ ሜዳ
ትጠንሳልና ዝበልናክን ሃሪፍና ክትወልዳ
ዕድልና ጌሩዎ ማርያዶ ፈሪዳ
ኣንትን ጓል እምሩ ካብ ኩሉ ዝያዳ
ኣንትን ጓል ሳህለስላሴ ካብ ኩሉ ዝያዳ
ጓል መኮነን ትኸይድ ኣንጓዕዲዳ
ሰራዊትኩም እትሓድር ተጻዊዳ
ዘውድኹም እትነብር ተዓሪዳ
ሰብ እልፊ ነጋሪት ሰብ እልፊ ቓንዳ
ሰብ እልፊ ምንጻፍ ሰብ እልፊ ስያዳ
ፈዳይ ሕነ ዝነበርክን ተቐባል መንጉዳ
በታኽ ጅማት ዝነበረ ሰባር በረኾዳ
ሰብኣይ ጠፋኣክን ሎሚ ወዳጀ ኾርዒዳ
እዛ ምድርስ’ኳ ዓቕላ ኣጽቢብናላ ተገዲዳ
ሰማይ’ኳ በኽያትሎም ኣንጎድጕዳ
እሞ ኣሚነይ ኢልክን እሞ ሓንሻቢተይ ዕበዳ
ቆቢዕ ኣስፊኽንስ ገዳምክን ደኣ ኪዳ
ኣንበሳ ዝደየባ ዝብኢ እንተሞኸዳ
ክልተ ሞት’ዩ ክልተ ዕዳ።
ባሻይ ተመልሶ ቐለተ’ውን ሓደ ካብቶም ኣብቲ ካላኣይ ቀብሪ ናይ ሎሬንሶ ዘልቀሱ ኣቦ’ዮም ኔሮም እዛ ትስዕብ መልቀሶም ከኣ ኣብ መጽሓፈይ መጽሓፍ እዝኒ መሰታ ቀዳሞት ኣስፊረያ ዘለኹ’ያ፦
ወየ….ወየ……
ኣስላማይ ክስታናይ እንታይ ይፈልጡኻ እንታይ ትፈልጦም
ሓማሴን ሰራየ እንታይ ይፈልጡኻ እንታይ ትፈልጦም
ደንከል፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ባርካ እንታይ ይፈልጡኻ እንታይ ትፈልጦም
ሓዎም ብምዃንካ ግን በኽዮም ኣንቀጥቂጦም
ትሬንታ ቹንከ ክኸውን ገልጠምጠም
ንጃንሆይ ምድረ ሰማይ ክውሕጦም
ባሕታዊ መሲሎም በላዒ ጠጠም
ኣብ ሰረገላ ሰማይ ተቐሚጦም
ዘሕለፉኻ ላብሾም ጸቒጦም
ኤውሮጳ’ኸ ሞትካዶ ፈሊጦም
ምበኸዩልካ ኔሮም ቃላቶም ለዊጦም
ጃንሆይ ጃንሆ’የ ንሓዋሩ ምፍላሶም ፈሊጦም
ጎቦ መለስካዮም ኣብ ምቕማጦም
ኮፍ ግዲ በሉላ ኣራጢጦም
ኣንበሳ ገረብ ኔርካ ተብሎም ዓጠም
ተሪር ሓጺን ኔርካ ዘይትቑርጠም
መኣስ ደኣልካ ትሓልፎ ንጸልቐጠም
ኣሕዋትካ ክትመልሶም ካብ ምሻጦም
ከንቲብነት ጎንደር ከይተምልጦም።
መጽሓፍ እዝኒ መሰታ ቐዳሞት ገጽ 83ን 84ን