ሞኮነን ኪዳነ
መንግስተ ሰማይ የዋርስኪ!
ኣብ’ቲ ብስደት እትነብረሉ ሃገር – ሆላንድ፡ ብ24 ግንቦት 2018 ዝዓረፈትን፡ ስነ-ስርዓት ቀብራ ትማሊ 31 ግንቦት 2018፡ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ቤተሰባን ኣፍቃሪኣ ህዝብን ከምኡ’ውን ስድራቤት ስነ-ጥበባት ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ መካነ-መቓብር ቅድስቲ ማርያም – ኣስመራ ዝተፈጸመን ስነ-ጥበበኛ ጸሃይቱ በራኺ፣ ኣብ መስከረም 1939 ኣብ ዞባ ደቡብ – ንኡስ ዞባ ማይ ዓይኒ ዓዲ-ኰዓቲት፡ ካብ ኣቦኣ ኣቶ በራኺ ሓጎስን ኣዲኣ ወይዘሮ የህዋላሸት ዘርኡ ኣሕመዲንን ተወሊዳ።
ወላዲኣ ብህጻና ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩዋ ጸሃይቱ በራኺ፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ምስ ወላዲታ ናብ ኣስመራ ብምምጻእ ዕድመ ንእስነታ ኣብ ኣባሻውል ዘሕለፈት ዕባይ ኣስመራ እያ። ጓል 4 ዓመት ምስ ኮነት ምስ ሓትነኣ ንፖርት ሱዳን’ኳ ከይዳ እንተነበረት፡ ናብ ኣስመራ ተመሊሳ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣስኳላ ሴታ ንትምህርቲ ኣተወት። ካብ ናብ ምህሮ ናብ ስነ-ጥበብ ዝዛዘወ ዝንባለ ስለዝነበራ ግን፡ ንትምህርታ ካብ መባእታ ንላዕሊ ኣይቀጸለቶን። ኣሰር ናይተን ንዝተፈላለዩ ናይ ሓጎስ ኣጋጣሚታት ብማሰ ናይ ምምዕራግ ክእለት ከም ዝነበረን ዝፍለጣ ኣዲኣ እናሓዘትን እናተዓዘበትን ዝዓበየት ጸሃይቱ በራኺ፡ ንጥበብ ወላዲታ ብኻልእ መልክዕ’ያ ሒዛቶ። ኣብ ንእስነታ ከኣ ንኽራር ከም ቀዳመይቲ መሓዛኣ መረጸታ። ንሳ ነታ ወናም ሓትነኣ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ኣርባዓታት ካብ ፖርት ሱዳን ዘምጽኣኣ ክራር ካብ መቐመጢኣ ብኢደ ዋኒና እናልዓለት’ያ ተሓቢኣ ክትለማመዳ ዝጀመረት።
ምሕዝነታ ምስ ኣውታር ክራር ከተደልድል ዝተዓዘቡ ስድራቤታ ንተግባራታ ኣይተቐበሉዎን። ከም ሓያለይ ናይቲ እዋን ስድራቤታት ከኣ “ሓሜን ኣርሆ …ወዘተ ክትኮኒ ፍቓደኛታት ኣይኮንናን” ዝብል ተሪር ተቓውሞ’ኳ እንተ ኣርኣዩዋ፡ ናብ ባሕሪ ስነ-ጥበብ ዓለም ክትጥሕል ዝወሰነት ጸሃይቱ ግን ንምኽሮም ዝሰምዕ እዝኒ ኣይነበራን። ክሳብ ብብረት ንዝተገብረላ ምፍርራሕ ቤተሰብ መኪታ ድማ ነቲ ምስ ክራር ዝጀመረቶ ፍቕሪ ብዝለዓለ ደረጃ ኣዕመቘቶ።
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንኽራር ክትመልካ ዝጀመረት ጸሃይቱ ክእለታ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብራኽ ናይቶም ኣብነት ክኾኑዋ ዝኽእሉ ከም በዓል ኣተወብርሃን ሰጊድ፡ ጸሃይቱ ገርጊሽ. . . ዝኣመሰሉ ምዕባያ ከረርቲ ደርፍታት እናደገመት ኣድማስ ክእለት ክራራ እናዕበየቶ መጸት። በብቝሩብ ከኣ ኣብ ፈለማ ሓምሳታት ኣብ ምቕንጣጥን ንኡስ ምዝንጋዓትን ነብሳ ክኢላ ብኽራራ ከተስምዕን ጓይላታት ከተጻውትን በቕዐት።
ስነ-ጥበበኛ ጸሃይቱ በራኺ ኣብ መፋርቕ ሓምሳታት ጓል 16 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን’ያ – ወግዓዊት ከራሪት ብምዃን፡ ኣብ ቤት ወይዘሮ ውባ እንድርያስ ዝበሃላ ኣብ ኣባሻውል ዝነበራ ሸያጢት ስዋ ተቘጺራ ክትሰርሕ ዝጀመረት። ብመረዋሕ ድምጻን ክራራን ድማ ሃምን ቀልብን ናይቲ እዋን ኤርትራውያን ክትሰልብ ተራእየት። ኣብዚ ቦታ’ዚ ክሳብ 13 ሰዓታት ንመዓልቲ ብኽራራን ድምጻን ንሰማዕታ እናዘናግዐት ን10 ዓመታት ሰሪሓ። ደርፍታታ ብፍኑው ኣብ ካሴት እናተመልኡ ኣብ ኣብያተ ሻሂ ኣውቶቡሳትን ካልኦት ናይ መዘናግዒ ቦታታትን ይዝርግሑ ብምንባሮም ከኣ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ኤርትራ ተፈላጥነታ ክዓቢ ግዜ ኣይወሰደን።
ሽምን ዝናን ስነ-ጥበበኛ ጸሃይቱ በራኺ ብዝያዳ ክብርኽ ዝተራእየሉ ኣብ 1966 ኣብ ማእከል ኣስመራ ናይ ገዛእ ርእሳ እንዳ ስዋ ምስ ከፈተት እዩ። ሓያል ናይ ምቝላብን ምድራፍን ክእለት ዝነበራ ጸሃይቱ ኣብ ትካላ ንዓማዊላን ኣድነቕታን ብባህላውን ሃገራውን ደርፍታት ወጊሑ ክሳብ ዝዓርብ ተዘናግዖም ነበረት። በዚ ድማ ገዛኣ ንስዋኣ ብምኡዛት ደርፍታታ ኣቋስዮም ክድሰቱ ካብ ቀረባን ርሑቕን ብዝመጹ ዓማዊል ኣዕለቕሊቑ ይውዕል ከም ዝነበረ ካብ ኣእምሮ ናይቲ እዋን ኣድነቕታ ዝሕከኽ ኣይኮነን።
ካብ 1967-1969 ኣብ ዝነበራ ዓመታት፡ ስነ-ጥበበኛ ጸሃይቱ በራኺ ካብ ኣስመራ ናብ ዒላ በርዕድን ከረንን ብምውራድ እንዳ ስዋ ከፊታ ትሰርሕ ነበረት። ብፍላይ ኣብተን ኣብ ዒላ በርዕድ ዝተቐመጠተን ናይ ሓደ ዓመትን ፈረቓን እዋናት ምስ ተ.ሓ.ኤ. ተወዲባ ብምስጢር ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ትሰርሕ ምንባራ ኣብቲ ታሪኽ ሂወታ ዝሓዘ ሓጺር ጽሑፋ ሰፊሩ ኣሎ።
ጸሃይቱ በራኺ ኣብ 1970 ናብ ኣስመራ ተመሊሳ ናይ ስዋን ምዝንጋዕን ስራሓ ብዝለዓለ ደረጃ’ያ ቀጺላቶ። ምስቲ ሽዑ ዝነበራ ሃገራዊ ንቕሓት ድማ ንሃገራውነት ዘበራብሩን ንቓልሲ ዝስሕሉን ደርፍታታ ድምብርጽ ከይበላ ብድፍረት ትድሕድሖም ነበረት። ካብቲ ግዜ’ቲ ንደሓር ከኣ ዝበዝሑ ደርፍታት ጸሃይቱ በራኺ ሃገራውያን እናኾኑ መጹ። ኣብቲ እዋን ቤት ጸሃይቱ መተኣኻኸቢ ሃገራውያንን ማእከል ፖለቲካን እናኾነ ክኸይድ ተራእየ። ዝተፈላለዩ ሃገራውያን እንተላይ ብስራሕ ናብ ከተማ ዝኣተዉ ተጋደልቲ ኣብ ናይ መዘናግዒ ገዛኣ ይኣትዉን ንሜዳ ዝስለፉ መንእሰያት ብደርፍታታ ተሳሒሎም ይወጹን ነበሩ።
ጸሃይቱ በራኺ ምስቶም ንዕረፍቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጹን ኣብ ኣስመራ ዝነበሩን ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ጥቡቕ ርክብ’ዩ ነይሩዋ። እቶም ምረት መግዛእቲ ንህዝቢ ኤርትራ ንምርዳእ ኣውራ ብተዋስኦታት ዝጕስጕሱ ዝነበሩ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ቤት ጸሃይቱ በራኺ ቀንዲ መተኣኻአቢኦም ገይሮም ይነጥፉ ነበሩ። ነቶም ዘዳልዉዎም ዝነበሩ ተዋስኦታት ብደርፍታታ ክትዕጅበሎም ድማ ኣብ ሲነማታት ይዕድሙዋ ነይሮም።
መድረኽ ሰብዓታት ስነ-ጥበባዊ ሂወት ጸሃይቱ በራኺ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝደየበሉ መድረኽ’ዩ ዝነበረ። ኣብ 1970 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ፍሉጥ ቀራጺ ድምጺ ትካል ፊሊፕስ ሪከርድስ ብጓለንስተይቲ ዝድረፍ ናይ ትግርኛ ደርፍታት ክሓትም ከም ዝደሊ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ምስ ሓተተ ነታ ብተውህቦኣን ብጽፍራን ኣርካን ስነ-ጥበብ ክትከውን ዝበቕዐት ጸሃይቱ በራኺ’ዮም ሓርዮማ። ብሓገዝ ውሩይ ክኢላ ጊታርን ድምጻውን ተወልደ ረዳ ከኣ ካብ ኣስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጠሊባ ከደት። ከም መጀመርያ ፍቕሪ ሓዳረይ መን ክኣልየለይ፣ ኣባሻውል ዝባን ጨርሒ፣ ስገመይ፣ ኣዋልደይ ኪዳ ዕበዳ፣ ላለይ ቦላ፡ ወይ ኣነ ጓሉ፣ ዝርከቡዎም 12 ደርፍታታ ድማ ኣብ ዘበናዊ ስቱድዮ ኣሕተመቶም። ምስ ምዝርጋሕ ደርፍታታ ኸኣ ርእሰ- ተኣማንነታን ተፈታውነታን እናወሰኸ ሓንቲ ካብቶም ጕሉሓት ደረፍቲ ትግርኛ ክትከውን በቕዐት። ዝናኣን ህቡብነታን ካብ መሽጐራጉር ኣባሻውል ወጺኡ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ዝነብረሉ መሬት ኤርትራን ስግረ-ዶብን ክዝርጋሕ ተራእየ።
ጸሃይቱ ዘፍረየቶም ደርፍታት ብልክዕ ብዝሖም ክፍለጥ’ኳ እንተዘይተኻእለ ኣብ ሃገራውያን ኣብያተ ሰነድ ብዝተገብረ ኣፈናዊ ዳህሳስ ኣስታት 90 ደርፍታት ብዲስኮ ካሴትን ሲዲን ዝሓተመት ስነ- ጥበበኛ እያ። ምስቶም ንሕትመት ዘይበቕዑ ደርፍታታ ደሚርካ ድማ ኣበርክቶኣ ኣብ ምህብታም ማዕከን ደርፍታት ኤርትራ ቀሊል ኣይነበረን። ደርፍታታ ግን ብብዝሖም ጥራይ ዝልክዑ ኣይኮኑን። ኣብ ያታዊ መበቈል ባህሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ተሰሪቶም ዝተሃንጹ ልሉይ ኤርትራዊ መንነት ዘለዎምን ደፋራትን ምዃኖም እቲ ዝሓየለ ብልጫኦም ክኸውን ይኽእል’ዩ።
ስነ-ጥበበኛ ጸሃይቱ በራኺ፡ ከም ሰብ ፈቃር፡ ምቕልልቲ፡ ፍትውቲን ሓላይትን፡ ሕውስቲ – ሰብ ምንባራ ናይ ቀረባ መሳርሕታን ፈለጥታን ይምስክሩላ። ካብቲ ሓንሳብ ዝኣተወቶ ባሕሪ ስነ-ጥበብ ከይወጸት ክሳብ ዕለተ-ዕረፍታ ኣብ ሞያኣ ምጽናዓ ድማ ነቲ ሞያ ዘለዋ ክብርን ፍቕርን ዝገልጽ’ዩ።
ብድፍረታን ሃገራውነታን እትልለ ጸሃይቱ በራኺ ብግሁድን ብውስጠዘን ሓያለይ ንኤርትራን ገድላን ማእከል ዝገበሩ ደርፍታት ዘፍረየት ሃገራዊት ስነ- ጥበበኛ እያ። ኣስመራ ወርቂ ሚለንየ፡ ኦ ፍረወይኒ፡ ካባኺ ምፍላየይ፡ ኣስካርባይ ጎማ ክዳነይ ካኪ ዓደይ ክዋጋኣልኪ፡ ኣንቈልቍለ ክወርድ ብማይ ጃሕጃሕ ዝኣመሰሉ ደርፍታታ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝሰረጹን ኣብ ምዅስኳስ ሃገራውነት ልዑል ተራ ዝነበሮምን’ዮም።
ንሳ ናብ ቤት መሓዛኣ ንምሳሕ እናኸደት ኣብ ማይጃሕጃሕ ክትበጽሕ ከላ፡ ክልተ ኣጸቢቓ እትፈልጦም ፈዳይን ተጋደልቲ ኣብቲ ከባቢ ባንዴራ ኤርትራ ተኺሎም ክኸዱ ጎፍ በሉዋ። ጸሃይቱ በራኺ ሰላም ኢላቶም ጥራይ ክትሓልፍ ነብሳ ኣይገበረላን። ስነ-ጥበባዊ ስምዒታ ተበራቢሩ ነታ ዘጓነፈታ ፍጻመ ከም ዘላታ ክትደርፈላ ወሰነት። ኣብ ያታዊ ዜማ ኣሕዚላ ድማ
ኣንቈልቍለ ክወርድ ብማይ ጃሕጃሕ
ጠምየ ነይረ ንገዛይ ንኽምሳሕ
ኣማዕድየ ርእየካ ተሓጕሰ
ሰላም ክብለካ ንድሕሪት ተመሊሰ …
እትብል ኣብ መስርዕ ናይ ብሉጻት ብልጽቲ ክትስራዕ እትኽእል ሓወልታዊት ደርፊ ሃነጸት። ደርፊ ማይ ጃሕጃሕ በቲ ኣብቲ እዋን ርሱን ስምዒት ሃገራውነት ዝነበሮ ኤርትራዊ ልዑል ክብሪ ተዋህባ። ሽምን ዝናን ጸሃይቱ ከኣ መመሊሱ ዓረገ። ንማይጃሕጃሕን ካልኦትን ደርፍታት ጸሃይቱ ሰሚዖም ሃገራውነቶም ዝተበራበረን ዝገንፈለን ኤርትራውያን ዜጋታት ብውልቅን ብጉጅለን ናብ ብረታዊ ቃልሲ ይስለፉ ምንባሮም ድማ፡ ኣብ ዝኽሪ ብዙሓት ዘሎ ናይቲ እዋን ክውንነት’ዩ።
ኣብ ምምዕባል ኤርትራዊ ስነ-ጥበብ ዓቢ ተራ ዝተጻወተት ጸሃይቱ በራኺ ኣብ 1972- 73 ምስ ባንድ ከዋኽብቲ ኤርትራ ኣብ ባጽዕ ዓሰብን ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያን ምስ ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበበኛታት ከኣ ኣብ መኽፈቲ ስነ- ስርዓት ሲነማ ኣፍሪቃ ኣብ ጽምብላት ኤምባሲታትን ካልኦት ኣጋጣሚታትን ሓያለይ ምርኢታት ዘቕረበት ስነ-ጥበበኛ እያ። ኣብቲ እዋን ብወናማት መሳርሕታ “ጸሃይቱ ልእልቲ መሰንቆ ንመላእ ኤርትራ ከም ጸሓይ ትበርቆ” ይበሃለላ ከም ዝነበረ ድማ ኣብ ታሪኽ ሂወታ ዝሓዘ ጽሑፋ ሰፊሩ ኣሎ።
ድሕሪ ውግእ ከባቢ ኣስመራ 1975 ጸሃይቱ በራኺ መንእሰያት ነንሓድሕዶም ጥራሕ ዘይኮነ ምስ መንደቕ ይኹን ምስ ኣዕኑድ ከይተረፈ ዝስዕስዑሉ ዝነበሩ ብ”ናይ ጢዝ” ዝፍለጥ ፍሉይ ጸወታ ዘለዎ ደርፍታትያ ኣተኣታትያ። እቶም ነዚ ጸወታ’ዚ ዘውጽአቶም ደርፍታት እምብዛ ደፋራትን ቅሉዓትን ምንባሮም ድማ፡ ንትብዓትን መሃዝነትን ጸሃይቱ በራኺ ዝገልጽ’ዩ። ገለ ካብ ትሕዝቶ ናይቶም ደርፍታት፦
ኣነ እንተዝኸውን ሻምበል ናይ ጸጸራት
ናጻ መውጻእኩዎም ነዞም ኩሎም እሱራት
ሲሚንቶ ካርሸሊ ከመይ ተሰበሪ
ነወዳት ገዲፍኪ ነዋልድ ትኣስሪ
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተኻላኻላይ ታንኪ
ንስኻ ትጋደል ኣዴኻ ትበኪ …. ወዘተ ክጥቀሱ ይከኣል።
ምስ ምምጻእ ስርዓት ደርግ ከም ኩሎም ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ንጸሃይቱ በራኺ’ውን ባይታ ስነ-ጥበብ እናዀርኳሓ እዩ መጺኡ። እቶም ንደርፍታታ እናስተማቐሩ ዝዘናግዑ ኣድነቕታ ብሽቝረራ ደርግን ናብ ሜዳ ምስላፍን እናወሓዱ መሳርሕታ ስነ-ጥበበኛታት ገለ ናብ ስደት ገለ ናብ ገድሊ ምስ ተበታተኑ ኣይቀሰነትን። ኣብ መጋቢት 1977 ከኣ ናብቲ ኣቐዲማ ብምስጢር ተወዲባ ክትሰርሓሉ ዝጸንሐት ተ.ሓ.ኤ. ተሰለፈት።
በቲ ዝነበራ ሞያ ድማ፡ ኣብ ሃገራዊት ክፍሊ ሙዚቃን ትያትርን ተ.ሓ.ኤ. ተመዲባ። ኣብቲ ዝለዓለ ባንድ ተ.ሓ.ኤ. ድማ እንኮ ደራፊት ትግርኛን ከራሪትን ጓለንስተይቲ ነይራ። ምስቶም ኣብ ከተማ እንከላ ትፈልጦምን ኣብ ሜዳ ዝተላለየቶምን ስነ-ጥበበኛታት ተጋደልቲ ብምዃን ከኣ፡ እቲ መድረኽ ብዝጠልቦም ደርፍታት ንህዝብን ተጋደልትን ኣብ ምብርባር ሃገራዊ ንቕሓትን ተወፋይነትን እጃማ ኣበርኪታ።
ገለ ካብቶም ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዘቕረበቶም ንጽንዓትን ተዓዋትነትን ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንፍቕሪ ናጽነትን ንጻውዒት መንእሰያትን ዝደረፈቶም ደርፍታት እዞም ዝስዕቡ ክጥቀሱ ይከኣል፦
ኣሸበሮምየ ኣሸበሮምየ ንሰራዊት ደርጊ ኣሸበሮምየ
ሰራዊት ናይ ደርጊ ዘመቻ እርይራይ
ጀብሃስ ዓጢቓላ ሰብኡት ኩኑ ጥራይ
ንሰራዊት ደርጊ ክንህክቶ
መንእሰይ ንዓናይ ሜዳ እቶ
ኣውሊዕ በቝላ ኣብ ቀጽሪ ገዛና
ኣቲ ኤረይ በጃኺ’ባ ምጽእና
ፍቕርኺ እዩ ዝኣሳስረና …. ወዘተ
ብዝብሉ ደርፍታት ትጕስጕስ ነይራ።
ስነ-ጥበበኛ ጸሃይቱ በራኺ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ምስ ብጾታ ንህዝብን ሰራዊትን ትጕስጕስ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ቀዳማይ ዓመት ሓርነት ከተማ ተሰነይ ንምጽምባል ኣብ ዝተገብረ ባህላዊ ምርኢት፡ ብ5 ግንቦት 1978 ብደብዳብ ነፋሪት ናይ ርእሲ መውጋእቲ ኣጋጢሙዋ። ዘድሊ ሕክምና ድሕሪ ምግባር ድማ ኣብ ንቡር ገድላዊ ዕማማ ተመሊሳ ክሳብ 1981 ገድላ ቀጺላቶ።
ጸሃይቱ በራኺ ምስ ምብትታን ተ.ሓ.ኤ. ካብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ንሸውዓተ ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 1988 ናብ ኤውሮጳ – ሆላንድ- ኣምሪሓ። ኣብቶም ኣብ ስደት ዝነበረትሎም ዓመታት ከኣ
ሓንቲ ካብ ንጡፋት ሃገራውያን ምንባራ ትፍለጥ። ኣብ ፈረንሳ ዓዲ እንግሊዝ ጀርመን ኣመሪካ ዝኣመሰላ ሃገራት ዑደት ብምክያድ ምርኢታታ ዘቕረበትን ብስነ-ጥበባዊ ሞያኣ’ውን ልዑል ኣበርክቶ ዝገበረት ሃገራዊት’ያ። ንናጽነት ኤርትራ ኣመልኪታ ካብ ዝደረፈቶም ደርፍታት
ኣዕጽምቶም ከስኪሶም መስዋእቲ ዝኸፈሉ
ህዝቢ ኤርትራ ሰዓርቲ ጀጋኑ
ዕጨት ለሚነት ዕጨት ሔና
ኣባይና ገይሳ መዓ-ሰላማ
ሓረስታይ ሸቃላይ መምህር ተመሃራይ ተስፋ ናይ ኤርትራ
ኣገዳሲ ግደ ናትካ እዩ ኣውራ… ዝብሉ ይርከቡዎም።
* * *
ንሓሉ ዓድና መሬትና ንሓሉ
ንሓሉ ባሕርና ዶባትና ንሓሉ
ከይኣትዉና እዞም በሊዖም ኣሉ
ህዝቢ ኤርትራ ኣለና ኣብ ጎንኻ
ሓድጊ ይከኣሎ ዋርሳይና ኣጆኻ
ነጊረካ እየ ኣነ ብዓንተቦ
መሬት ኤርትራ ጀጋኑ ኣለውዎ… ዝብሉ ይርከቡዎም።
እዛ ከም ኣደ ፈቃር ከም ሃገራዊት ውፍይቲ ሓርበኛ ከም ስነ-ጥበበኛ ኣርካን ጸሃይቱ በራኺ፡ ሽሕ’ኳ ፍጡር ወዲ ሰብ ሓላፊ ኮይኑ ብሂወት እንተተፈልየትና እዞም ናብ ወለዶታት ተሰጋጊሮም ዘይምነዉ ብሉጻት ናይ ስነ-ጥበብ ውሉዳታ ሓድጊ ገዲፋትልና ትኸይድ ብምህላዋ፡ ኣብ እዝንን ልብን ህዝቢ ኤርትራ ህያው ነባሪት’ያ።
ሓዳስ ኤርትራ