ትሕጋግ ባህሪ ኮይኑ ኣብ መድረኻት ህይወት
ሕልፊ ትርፊ ዘይብለይ ካብ ካልኦት
ተረኪብካኒ ብሕጊ ብወግዒ እንዳባ…
ከብከብ ጀሚረ እግሪ እግርኻ
እምበር ዘይሓንገርካኒ’ኳ!
ማእገርካ ተደጊፈ ብእምነት
“ኣቲናዶ ኣይኣተናን፧”
እናበልኩ ብግርህነት
ሽግ ናይ ተስፋ ሒዘ፡ ነዊሕ ተጓዒዘ
ኣብ’ቲ ኣኽራናት ምስ በጻሕኩ
… ፍኖተይ ጠፊኡ
ማዕበላት እናፋጸየ ብቕድመይ
ሕሰም እንጋላበ ኣብ ዝባነይ
መስገደል በዚሑኒ ምንባር ኣቋሪጸ
እናተጸዓርኩ ኣብ ጸዳፍ ህላወ
…ከመይ ግን
እመት ስጉምኻ ማዕረ
ናህሪ ሕንባበኻ ከይቀነሰ
ዝሓዝካ ሒዝካ ማሕዲግካለይ
ዕዝርርር… ትብልስ ናበይ
ኣሳልየኒ’ባ ከም ሰበይ
እጃመይ ከልዕል ኣብ’ቲ ጉዕዞ
ሓንሳብ ኣስተንፍስ ጾርካ ኣደንድሶ
ጽባሕ ከኣ…
ኣብ ድርኩዂት ዳስ ሓውያ
ጥጡሕ ወንበር ሒዝካ
ንውዕለተይ ኣብ ሚዛን ክትዕይር
ክትጸባጸበኒ
ባዕልኻ ከሲስካ ባዕልኻ ካብ ትፈርደኒ
ሎሚ ኣሳልየኒ
ንጽባሕ ጽባሕ ሓቢርና ክንከዳ
ሰጋር በጃኻ ተጸበየኒ’ባ።!
ይከኣሎ
01/2008
1 Comment
😎