ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል
ኢለ እንተዝሓተኩም እንታይ ምመለስኩም። እቲ ኣቐዲሙ ብቕዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተዘርግሐ መልእኽቲ ይኹን፡ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብ”ስምረት ገዳማውያን ኤርትራ ተጻሒፉ” ዝተባህለ ደብዳቤ ይኹን፡ ኣብ ክልቲኡ፡ እቶም ነቲ ጽሑፍ ዘዳለዉ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ “ምውጋዝን” “ምግዛትን” ዘሎ ናይ ትርጉም ፍልልይ፡ ነጺሮም ዝፈለይዎ ኣይመስለንን። ናይ ሎሚ ሕመረት ትሕዝቶ ብርዐይ እምበኣር፡ ንትርጉም እዘን ክልተ ቃላትን ኣብቲ ደብዳቤ ኣስዒበናኦ ዘለዋ ናይ ትርጉም ሃስያን ብዝምልከት እዩ ትንታነ ሓሳብ ከቕርብ።
“ኣቶ ዮፍታሄ ቀሺ ድሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን ብኽሕደት-እምነት ተወጊዞም ዝብል ዜና እንታይ ስምዒት ፈጢሩልካ?” ዝብል ሰለስተ ኣማራጺታት ዝነበሮ ሕቶ ዝሓለፈ ሰሙን ብመገዲ ፋይስቡክ ዘርጊሐ ምንባረይ ትዝክርዎ ኢኹም። 58 ሚእታዊት ምውጋዝ ናይዞም ሰባት ዘጕሃዮም ክኾኑ ከለው፡ 42 ሚእታዊት ድማ እዞም ሰባት እዚኦም ምውጋዞም ዘሐጎሶም ኮኑ። ክንድዚ ዝኣክል ናይ ሓሳባት ፍልልይ ምርኣየይ፡ ድቃስ ዝህብ ተረኽቦ ኣይነበረን’ሞ ምስ ገዛእ ርእሰይ ምጕት ገጠምኩ። ሓደ ነገር ከኣ በሪሁ ተራእየኒ። ምናልባት እቲ ዝዓበየ ጠንቂ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ቃላት ዘይምጥቃም እዩ ክኸውን ዝኽእል ኣብ ዝብል ድማ ርዒመ ኣለኹ። ምግዛትን ምውጋዝን ዝብል ቃላት ፈሊኻ ክትርድኦም እንተዘይክኢልካ እትህቦ ውሳነ ብእኡ መጠን ዝተደናገረ ስእሊ ከምዝፈጥር ከብ ጸሓይ ቀትሪ በሪሁ ተራእዩኒ’ሎ።
ዕባይ ገጠር እንተኾንኩም፡ “በዓል ምድሪ ሓሪስኩም?” ኢሎም ኣቦይ ቀሺ ክግዝቱ ሰሚዕኩሞም ኣለኹም። ኣቦይ ቀሺ “ገዚቶም” እምበር ኣይወገዙን። “ገዚተካ ኣለኹ” ምባል፡ ክሳዕ እቲ ዝግብኣካ ጌርካ ኣብ መስመር ትኣቱ፡ ንግዚኡ ናይ ምፍላይ መቕጻዕቲ እዩ። ስርዓት ዝጠሓሰ፡ ሕጊ ዘየኽበረ፡ ስነምግባር ዘበላሸወ ወዘተ፡ ከከም ኣድላይነቱ ይግዘት እዩ። ን 40 መዓልቲ ድዩ ን መንፈቕ ኣብ ምሕረት እቲ ገዛቲ ይውሰን። ተገዛቲ ንስሓኡ ምስ ተቐበለን ምስ ፈጸመን ግና ናብ ንቡር ህይወቱ ይምለስ። ምግዛት ማለት እምበኣር እነሆልኩም ካብዚ ዝሓልፍ ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ዝከኣል ኣይመስለንን። “ምውጋዝ” ግን ካልእ ትርጉም ዘለዎ እዩ’ሞ ምስ እዚ ክንሓናፍጾ ኣይግባእን።
“ምውጋዝ” ዝብል ቃል ክልዓል ከሎ፡ ኣብ ኣእምሮና ብቐዳምነት ክሰኣል ዘለዎ፡ “ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን። ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፡ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል ኣሎኹ፡” ዝብል ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቃል እዩ። “ውጉዘ ለይኩን!” እንብሎ ኸኣ ኣብ መሰረተ እምነት ጥርጥር ዘምጽአ፡ ንመሰረታዊ ምህሮ ክርስትና ዘይተቐበለን ዝነጸገን ምስ ዝኸውን እዩ። ከም እኒ ኣርዮስ ከም እኒ መቅደንዮስ ወዘተ… ተማዒዶምን ዕድል ተዋሂቦምን ኣብ መትከሎም ንዝደረቑ፡ እቲ ናይ ውግዘት ፍጻመ ኣብ ከምዚኣቶም ይፍጸም።
እቲ ኣቐዲሙ ብቕዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተጻሕፈ ይኹን እዚ ሕጂ ብስምረት ገዳማውያን ተጻሒፉ ተባሂሉ ተዘርጊሑ ዘሎ ጽሑፍ ግን፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይዘን ሎሚ ንዛረበለን ዘለና ቃላት ዝተጠንቀቑ ኣይመስሉን። ኣበሃህላይ ንምብራህ ምእንቲ ክጥዕመኒ፡ ካብቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣቐዲሞም ዘዝርግሕዎ መልእኽቲ ነቲ ዘድልየና ክፋል ጥራይ ምስቲ ክኸውን ኔርዎ ዝብሎ መአረምታ ኣብ ሓጹር ጌረ ክደግሞ፡-
“ጳጳስ፡ ኤጲስ ቆጶስ፡ ካህን ዲያቆን፡ ከይትሾሙ፡ ብሥልጣን ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን አወግዝ ኣለኹ፡(እግዝት ኣለኹ ክኸውን ኔርዎ)። ብፁእ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ በዚ ሕጊ’ዚ ተመሥሪትኩም ክትእደቡ አፍልጠኩም። ነዚ ኩሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ሕንፍሽፍሽ ዝፈጥር ዘሎ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ስለ ዝኾነ፡ በዚ ዘለዎ ሥልጣን ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ከይሰርሕ ውጉዝ ይኹን ኢለ ኣሎኹ (ግዙት ይኹን ክኸውን ኔርዎ) ።
“ከምኡውን ቀሺ ሃብቶም ርእሶም ምክትል ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣብ ልዕሊ ሥልጣን ፓትርያርክ እትጽሕፎ ዘለኻ ዘይሕጋውን ድፍረት ዝመልኦ ዘይሕጋውያን ቃላት፡ ካብ ዕለት 8/05/1998 ግእዝ ብዲቁና ይኹን ብክህነት ከምኡውን ብካልእ ኣገልግሎት ከይተገልግል ኣውጊዘካ ኣሎኹ (ገዚተካ ኣለኹ ክኸውን ኔርዎ)።
ናብቲ ብ”ስምረት ገዳማውያን” ተጻሒፉ ዝተባህለ ደብዳቤ ምስ እንምለስ ድማ፡ እቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ሸብዓተ ገበናት፡ ብርግጽ በቲ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ትርጉም ናይዘን ንዛረበለን ዘለና ክልተ ቃላት፡ እቲ ገበን ንምውጋዝ ዘብቅዕ ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ። ኣዕማደ ምስጢር (መሰረት እምነት) በተደጋጋሚ ጥሒስኩምን ከምዝጠሓስ ጌርኩምን፡ ተማዒድኩም ኣይሰማዕኩምን ወዘተ ዝብል ክሲ ነዚ ንብሎ ዘለና ከራጕደልና ዝኽእል ይመስል። እንተኾነ ኣብቲ ደብዳቤ ተጠቒሱ ከምዘሎ ግን፡ እቲ ገበናት “መነስሒ ክኾነኩም” ተባሂሉ ይዝርዘር ስለዘሎ፡ ክልተ ተገራጫዊ ነገር ይገብሮ። ብንስሓ ክዕረ ዝኽእል ነገር፡ “ምግዛት” እምበር “ምውጋዝ” ክስዕቦ ኣይግባእን። ስለዚ እምበኣር እቶም ጸሓፍቲ ከየስተብሃሉሉ፡ እቲ ትሕዝቶ ካብ “ምውጋዝ” ናብ “ምግዛት” ክሰጋገር ከሎ ንዕዘብ። እምበርከስ፡ እቲ ብቕዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተጻሕፈ ይኹን እዚ ሕጂ ብስምረት ገዳማውያን ተጻሒፉ ዝበሃል ዘሎን፡ ብናይ ውግዘት ደብዳቤ ዲና ክንርድኦስ ወይስ ብናይ ምግዛት ኢና ክንርድኦ??፡ እቲ ዕዮ ገዛ ንኹላትና ዝምልከት ይመስለኒ። ሓሳብኩም ብቕንዕናን ብነጻነትን ከተካፍሉና ግን እንሆ ሜዳ እንሆ ኸኣ ፈረስ!
እግዚኣብሄር ይባርኽኩምን ይሓሉኹምን!
3 Comments
እቲ ትኽክል ትርጉም ናይዘን ቃላት ከምቲ ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ዝበሎ ይመስለኒ።
ቀሺ ዮናስ ካህን ኢዮም፡ከምዚ ክኸውን ነይርዋዶ ኣይነበሮን ክብሉ ስልጣኖም ዝዘንግዑ ይመስለኒ፡ንምንታይ ፓትሪያርክ ኣምሳል ክርስቶስ ኢዩ፡፡ተወሳኺ እውን ሓደ ሰብ ንከምኡ ዝበለ ሰብ ከምዚ ኢኻ ክትብል ዝግበአካ ክብል፡ኣነ ኢየ ፈላጥ ይብል ኣሎ፡ ርእሲ የብልካን እሞ ብርእሰይ ኪድ ኢዩ፡ዘስምዕ ከምዚ ምድማፅ ትዕቢት ኢዩ፡፡ ዘገርመኒ እዛ በሎግ ክንደይ ጠቃምን ኣገዳስን መንፈሳዊ ጽሑፋት ዘየቅረበትሲ ከመይ ኢላ ኢያ ነዚ ሃጠው ቀጠው ፅሑፍ መሪፃ፡ዶ ዋላ ኣሳናዳኢ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ጳጳሳትን ይፍታሀን ዝተወስደ ስለዘሕዘኖ ከም ድላዮም ስለዘይከዱ ኢዩ፡፡
መሰረታዊ ሽግር፡ ኣብ ግእዝን ትግርኛን ከይ ፈለይኩም ትጽሕፉ ወይ ትዛረቡ ሰባት ዘሎ ዪመስል፡፡ ቀዲመን ዚተጥቕሳ ክልተ ቃላት፡ ትርጉመን ጥራሕ ጠቒስኩም እንተ ትእርሙወን፡ ኣይምጸገመን፡፡ ካልእ ስርጢጥ መልእኽቲ ስለ ዝተወሰኸ ግን፡ ተወሰኽቲ ጌጋታት በዚሖም፡።