ኣብ ገለ’ሎ ሃጒ
ኣብ ገለ’ሎ ጠሊ
ሰብ ዘይፈሊ
ሰብ ዘይደሊ
ንሓንካስ ብምርኩስ
ከየትረፈ ዝምንቁስ
ብበትሪ ሸጐጓ
መሸንጐጓ
ዝቝሽምድ
ዝቘሻምድ
ኣትዩ ንሑጓ፣
ኣብ ደንቤኻ
ደንበ ኣቡኻ
ደንበ ኣደኻ
ደንበ ሓውኻ
ደንበ ሓብትኻ
ዝኣቱ’ሎ፣ ሰብ ሕልና ኣልቦ
‘ከሎ ጌና ዝዓረቦ።
ኣብ ውሻጠ
ዝተሸጎጠ
ዓይኒ ኣንቚሩ ዘውጽእ
ስኣን ጭክን ዱላ ኣውጽእ
ተጎቲትኻ ውጽእ
ግርፍ…! ግርፍ…!
ሓመድ ፈፈው
ኣዅርፍ…! ኣዅርፍ…!
እስር ቍልፍ…!
ገዛ ዅልፍ።
‘ተኻሊኻ ኣውያት ኣሎ
ነቃሊኻ እልል ኣሎ’
ኣበው ዝበሎ
‘ታይ ንበሎ ‘ታይ ንግበሮ
ክልቲኡ ረኺቡ ሰብና ስኢንዎ’ሎ!!
‘ታይ ይበል ወላዲ
‘ታይ ይበል ህዝቢ
ጡፍ ተበልካ ኣብ ጭሕምኻ
ሆይ! ተበልካ ንወድኻ
ኰይንዎ
‘ታይ ይግበር ከፊእዎ
ብዘይ ምጻእ ሎሚ መጺእዎ
ውሽጡ ‘ናሓንሓነ፣ ነቦይ እዝጊ ሂቡዎ!!
***
ኤልዳና ተስፋማርያም
16/8/2015