ልቢ በል እዚ እዋን ሕማቕ ‘ዩ
ተኣዲብካ እኳ እንተ ተኻኢሉ
ኣካይዳኻ ደስ ኣይበለንን እንድዕሉ
ምዕዶ ኣሚንካ ‘ኳ እዩ፡
ጥቕስ እባ በል ሓንቲ ማዓልቲ
እንተ ደሊኻ መዳህርቲ
እነሀኹ እንዶ መላፍንቲ፡
እንተ ደሊኻ ብቐትሪ
እንተ ደሊኻ ብለይቲ
ክትሓርሰኒ ውዒልካ ዋላ ሕደር
ጥራሕ ተጋላገል እምበር
ካብ’ዚ ሕማቕ ኣበር፡
ኣነስ ዘይኮነልካ ዶ
ከምቲ ትብህጐ
ኣበይ እሞ ነጊርካኒ ብግህዶ
ንውሽጥኻ ጌርካዮ
ንድልየተይ ‘ዉን ጓኒኻዮ!
ልቢ በል እዚ እዋን ሕማቕ ‘ዩ
ተኣዲብካ እኳ እንተ ተኻኢሉ
ኣካይዳኻ ደስ ኣይበለንን እንድዕሉ
ምዕዶ ኣሚንካ ‘ኳ እዩ፡
ኣብ’ቲ ደገ ደገ ምስ ፈይቶት
ብቅድሚት ብድሕሪት
ክትወርድ ክትድይብ
ዘይትፈልጦ ሕማም ከይትዕድግ፡
ገንዘብ ዝሳኣኑ ይዓርቁ ኣለዉ
ገንዘብ ዝሳኣኑ ይጠምዩ ኣለዉ
ገንዘብ ዝረኸቡ ሂወቶም ይዳላደሉ
ንደቆም የምህሩ
ኣብ ክንዲ ገንዘብ ፍልጠት የውርሱ
ኣታ እዚ ናትካስ ንበይኑ እኮ ‘ዩ
ገንዘብ እንከለካ ምስ ዝዓረቑ፡
ልቢ በል እዚ እዋን ሕማቕ ‘ዩ
ተኣዲብካ እኳ እንተ ተኻኢሉ
ኣካይዳኻ ደስ ኣይበለንን እንድዕሉ
ምዕዶ ኣሚንካ ‘ኳ እዩ፡
ኣቦኻስ በዲሎም እዮም እንታይ ግድኻ
ብኻ ‘ባ ገዛ ኣውሪሶምኻ
ከይትሽጣ ከይትልውጣ
ደገ ከይትሓድር ዒብ ምገበርካ፡
ሓንቲ ኣካል ኢና እኮ
እቲ ቡክ ባንኪ፡ብስመይ ቀይሮ
ኣይትበል ሰብኣይ ከሎስ ሰበይቲ ዶ
ምሕደራ ‘ዩ ዘድሊ ሕራይ በለኒ ‘ንዶ!
ልቢ በል እዚ እዋን ሕማቕ ‘ዩ
ተኣዲብካ እኳ እንተ ተኻኢሉ
ኣካይዳኻ ደስ ኣይበለንን እንድዕሉ
ምዕዶ ኣሚንካ ‘ኳ እዩ፡
ብገንዘብካ ሂወተይ ካብ ትልክም
ብገንዘብካ ሂወተይ ኣድሕን
እንዳ ርኹባት እየ ዝፍለጥ
ጸጊሙኒ እኳ፡ዘይብለይ ዘሕልፍ፡
“ስድራይ ሲ ፡ጥዒሙዋ ኣሎ ‘ዛ ጓለይ
እንቋዕ ኣይኮንና ሓደ፡ ሽግር ሓላፋይ
ደጊም ተወዲኡ ስቓይ
ምንባይና ዶ ከይትስእን
እናበለት ላዕላይ ታሕታይ”
ይብሉ ኣለዉ
ክሳብ ዘብጽሕሎም ታሪኽካ ዝጸውዩ።
ካሕሳይ መሓሪ
02/2016