ጸጋይ መሓሪ
ቀዳመይቲ ዕለታዊ ዝኽረይ ኣብ ቀዳመይቲ ሸላይ
03 መጋቢት 2009 05,09pm
ሸላይ ቁ.65
‘’ብጭንቀት ኣብ ትዋጠረሉ ህሞት ኣብ ቅድሜኻ ዝረኸብካዮ ነገር ስበር ወይ ቅደድ፣ካብኡ ዝተረፈ ግን ነቲ ኣብ ውሽጥኻ ዝህውጸካ ዘሎ ስምዒት ብንብዓት ከም ዝወጽእ ግበሮ’’ዝብል ክልሰ- ሓሳብ ስነ ልቦና ኣምቢበ ኔረ። ብግብሪ ከይፍትኖ ግን ክሳብ ክንድኡ ዝበጽሕ ጸቕጢ ጸቒጡኒ ኣይፈልጥን’ዩ። ከም ገለ ሂወት ክትጽወገለይ ከላ ድማ ናብቶም ቋንቋ ልበይ ዝሰምዑ መናብርተይ ከይደ ንሂወት ብፍቕሮም ይስዕራ ነበርኩ። ሎሚ ንግሆ ግን ነዛ ናይ ስነ ልቦና ክልሰ ሓሳብ ብተግባር ክፍትና ተገዲደ። ፈትየ ዘይኮንኩስ ተገዲደ።
ኣብዛ መቓብር ሃብታማት እትመስል ሸላ ንብሕተይ’የ ተኾርምየ ዘለኹ። ኣብዛ ኪኖ ነብሰይ ዝምዘኑ ሕብራውያን ስምዕታተይን ሓሳባተይን፣ መዓልታዊ ዘህለኾም ናይ ስጋ ነገራትን ዝጾረት ጸባብ ገፋሕ ሸላይ።
ኣብዛ ምስሊ ማእከላይ ባስካ ማይ ዝሓዘት ሸላ ካብ ዝኣቱ ዳርጋ ክልተ ሰሙን’የ ኣቑጺረ ዘለኹ። ሎሚ ንግሆ ክህውጸኒ’ዩ ኣርፊዱ። ‘’እንታይ ኣቢስና ‘’ ዝብል መላሲ ዘይብሉ ሕቶ ውሽጢ ይስርንቐኒ’ሎ። ናይ ጥበብ ኣሕዋተይ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ’የ ገዲፈዮም። ኣብዚ ማይስርዋ ‘ውን ክህል ይኽእሉ’ዮም። ኣብ ግዜ ሽንቲ በብሓደ ስለንወጽእ መን ኣሎ መን የልን ኣይፈልጥን። መንፈሰይ ዝዘርግ ‘ምበር መንፈስይ ዘህድእ ሃዋህው ተሰዊሩኒ። ሽውሃተይ፣ሞራለይ፣ቅሳነተይ፣ ሓርነተይ፣(ትልኽ ዝብል ዝነበረ ሓርነተይ) ኣናረኣኹዎም ሽርብ ኢሎም።
‘’ነዛ ንዘልኣለምክትነብር ዘይተዓደለት ሂወትካ ኣይተጨንቃ’’ ዝብል ጥቕሲ ብልጭ ይብለኒ’ሞ፣ ክጭነቕን ዘይክጭነቕን ካብ ቁጽጽረይ ወጻኢ ስለዝኾነኒ ምስ ጭንቀተይን ናፍቖተይን ይተረፍ። ናፍቖት ዘፍቅሮም ሰባት፣ናፍቖት ሓርነት። ኣዒንተይ ንብዓት ቀምበይበይ ኢሉ ክፍርሻሕ ደለየ። ኣነ ድማ ዓገትኩዎ።
መድብኡኡ ከም ዝወደቐ ሳርማ ጨባዕ በለ። ክዓግቶ ዓቕሚ ሰኣንኩ። ኣብ መንጎ፣ ምስሊ’ቶም ዘፍቅሮም ኣብ ሂወተይ ብፍቕሪ ጥራይ ዝዕቀን ተራ ዘለዎም ስድራቤት ሂወተይ ኣብ ስእለ ኣእምሮይ ቆይሙ፣
‘’ኣጆኻ! ሂወት ብሕብርታት ሓጎስን ሓዘንን እትቕባእ ቅብኣ’ያ።እዚ ገጢሙካ ዘሎ ድማ ሓደ ካብቶም ንቅብኣ ሂወትካ ዘጸብቑ ሕብርታት’ዩ።ሂወት ኮ ቀስተደመና’ያ። ቀስተደመና ሓደ ሕብሪ እንተጎዲልዋ ጽባቐኣ የለን።ቀስተደመና’ውን ኣይትኸውንን። ሂወት ድማ ከምኡ…’’ ይብለኒ ሞ ኣብ ጥቓ ትኪ ዘሎ…. ይኾነኒ።
‘’ ኣብዓለም ካብ ትፈትዎ ሰብ
ሃንደበት ምፍልላይ
ኣሕዋተይ ለካ ሕሱም’ዩ
ዘይክኣል ስቓይ’’
ኣስቆርቋሪት ደርፊ ኣብራሃም ገበረመድህን ኣብ ውሽጠይ ተዳሃየትኒ። ጽምዋ ክሳብ ክንድዚ ተባላዒ ምዃኑ ብዙሕ ኣይርድኣንን ኔሩ። ከም ገጣሚ ምስ ነብሰይ ከዕልል ስሕት ኢለ ዕላል ውሽጢ የዘውትር ኣኳ እንተነበርኩ፣ ሽዑስ ብድላየይ ግዲ ኔሩስ ጥዑም’ዩ ዝነበረ፣ ኪኖ’ዚ ግን ካብ ዙርያ ዘፍቅሮም ስድራቤት ሂወተይ ርሒቐ ኣይፈልጥን። ሕጂ ግን ብዘይካ እዛ ሰሚዓ ዘይትምልስ ሸላይ ዓይነይ ዘንቁረኒ ፍጡር የለን። ኣብዚ ጎነይ ዘሎ ሸላታት ናይ ስዓል ድምጺ ይሰምዕ ኣለኹ። ትሑት ኣስቆርቋሪ ደርፍን ፋጻን ውን ይሰምዕ ኣለኹ። ከምዚ ከማይ ሓርነቶም ዝተመንዝዑ’ዮም። ምስ ጎርቤትካ ይትረፍ ምዕላል ምርኣይ’ውን ኣይፍቀድን’ዩ። ኣብዚ ስግረይ ግን ገሊኦም ብድላዮም ገሊኦም ድማ ውሽጦም ከም ውሽጦም ንዓና ዝሕልዉ’ዮም።በዛ ክልተ ስድሪ ዝግፍሓ መስኮት ሸላይ ክርእዮም’የ ቀንየ።
ምስቲ ቀምበይበይ እናበለ ዘሸገርኒ ዝንበረ ኣዒንተይ ኣብ ቃልሲ ከለና ሓደ ካብቶም ወትሃዳራት ብተምሳጥ ሻምብቆ ክሃርም ጀመረ። ካብዚ ተኾርምየሉ ዝንበረኩ ተንኮበት ተንሲአ ኣብዚ መስኮት ቆምኩ። ብኡ ንብኡ ንብዓተይ ከም ማይ ሓምለ ንሓሰ ጃሕጃሕ በለ።ሽዑስ ኣነ’ውን ስቕ ኢለ ተዓዛቢ ኮይነ።እንሆ እምብኣር ሕጂ ኣብ ተዛማዲ ሩፍታ ኣለኹ። ነቲ ዝህውጸኒ ዝነበረ ስምዒታት ብንብዓት ኣንፊስዮ። ነቲ ብማዕዶ’ምበር ምስሉ’ኳ ዘይለልዮ ብዓል ሻብቆ በዛ ግጥሚ ኣብ ዛንታ ሂወተይ ሰኒደዮ እንሃለኹ።
ብዓል ሻምብቆ
…ትሰምዓኒ ዶ ለኻ
የንብዓኒ ሎ !
ድምጺ ሻምብቆኻ
ግደፎ በጃኻ።
ብዘይብእኡ ከይተጸውዑ
ቅድሚት ዝተሰርዑ
ዝኽርታት ዮም ዘለውኒ
ምስልን ግብርን ዘፍቅሮም
‘ናምጽኡ ዝነዋኑውኒ።
ምዓስ መግቢ’ለዎ ውሽጠይ
ዝኽሪ ኮ ዩ መሊኡ
ዝኽሪ ብድምሮም ኣፍቀርቲ ሂወተይ።
ንስኻ ድማ፡
በዛ ሻምብቆ
ኣይትነቓንቆ።
እንተኽኢልካ ንነበሪ ጸውዓዮ
ናብራና ብርእዮ ክርእዮ
ሰብ ውን ኣብ ጉድጓድ ከምዝሰፍር
ክንኮኖ ምስክር።
ካብኡ ዝጨከኑ
ደቂ ሰባት ከምዝኾኑ
ክፈልጥ….ተድሃዮ።
እምበር ዜማ ሻምብቆኻ’ኮ ብኡነት
ዋዜማ መዘመራን ናይ ቅዱሳን ማህሌት
ሰንጣቒ ልቢ በገና ዳዊት
እንታይ ሞ ፡ ስምዒተይ እንዶ’ናቐስቀሰ
ብእምባ ናፍቖት ንልበይ ‘ናጽደፈ።
ብዓል ሻምብቆ በጻሒ ልቢ
ቀስቃሲ ዝኽር ኣዘማሪ ውሽጢ
ሓዲኡ ክገብረኒ’ዚ ትዝታ
ዳሓን ኣይተቋርጽ ዜማታትካ
ኣስምዓኒ ብተርታ
እንተ ኣንብዐ ከኣ የንብዓኒ
እንተነባዕኩ’ዩ ንዓይ ውን ዝፈኹሰኒ።
ጸጋይ መሓሪ (ተመርዖ)