ብ’ዒንትኹም ስምዑ
ኣዒንትኹም ክፈቱ
ኣዕሚቝኩም ጠምቱ
ኣብ ወጅሂ ኣስተብህሉ
ቃውሮ ምስ ድጉሉ!
ብጉልቡብ ትንዕታ
ተሓቚኑ ስቕታ!
ዝሓመተ ቆንቆር
ኣርሂዱ መሽጎራጉር!
ግሩም ቅብኣ እነሆ!
“ኣብስትራክት” ዝብሉዎ፣
ኣይትነዋነዉ
ስልሕም’ዩ ዘበኑ፣
ኣይትጸናጸኑ
ን’ዒንቲ እመኑ!
እነሀ ኣብኡ
ወሓይዝ ሕብሪ
ዘይተዘርገ ምስሊ፡
ብማይማዮ ንብዓት
ልሒዅ ናብ ዕምቆት
ኣብ’ቲ ድጉል ረመጽ
“ጠሸሽሽሽሽሽሽሽ. . .”!
ሕልኽላኽ ሕንጻጻት
ዝነግርዎ ሂወት
ስምዑዎ ብ’ዒንቲን
ኣይእዋናን እዝኒ፣
ስንክሳር ኣእጒሙ
ቆንቆር ውሻጠኡ
ሕመት ተሓቲሙ
ዝዛረብ ምስ ባዕሉ፣
ኣይትጸናጸኑ!
ነዒንትኹም እመኑ፣
የለን’ኮ ኣብኡ
ዓጽመ ስጋ ሓዲጉ
ቀደም’ዩ ማሕዲጉ
ስምዕዎ መንፈሱ
ንተስፋ ክጓየያ
ጫፋ ከይረኣያ!
መላዝብቲ’ዩ ለዊጡ
እምበር
ኣይክእሎን’ዩ ኣስቂጡ።
ጥዕሙዝጊ ተስፋይ