AMAN TEKESTE W.
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ክፋላት ዝርዝር መጽሓፍቲ ትግርኛ፡ 299 መጽሓፍቲ (ቀዳሞት ድርሰታትን ሃይማኖታዊ መጽሓፍትን) ጠቒሰ ነይረ። ንሎሚ ድማ፡ ኣብ ታሪኽ ሕትመት ትግርኛ ኤርትራ፡ ዝበዝሐ መጽሓፍቲ ዘሕተሙ ኤርትራውያን ክጠቕሰልኩም እየ። ኣካል እቲ “መጽሓፍቲ ትግርኛ ኤርትራውያን ብቕድመ-ተኸተል” ኢለ በብኽፋላት ዘዳልዎ ከም ምዃኑ መጠን፡ እዚ “ብብዝሒ መጽሓፍቲ ዘሕተሙ ደረስቲ” ዝብል ዓንቀጽ ሎሚ፡ ከም 3ይ ክፋል ክውሰድ ይከኣል።
ብዛዕባ መጽሓፍትን ጽሓፍትን ትግርኛ ክለዓል እንከሎ፡ ገለ ገለ ምድንጋራት ኣስማት የጋጥም እዩ። ምስ ግዜ ምንውሑ፡ ናይ ምርሳዕ ጉዳይ ድዩ ወይስ ምስ መጽሓፍትና ብዙሕ ቅርበት ስለ ዘይብልና እዩ?! ብዙሕ ክርደኣኒ ዘይክእል ነገር እዩ። ከም ኣብነት፡ ኣባ ያዕቆብ ገብረኢየሱስ ምስ ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ ዝሓዋውሱ ወይ ዝደናግሩ ሰባት ኣሎዉ። ንመምህር ይስሓቅ ዮሴፍ እውን ምስ ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ ክፈልዩ ዘጸግሞም ኣሎዉ። እዚኦም ግን ሰለስተ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ደረስትና እዮም፣ ኣብ መንጐኦም ድማ ኣስታት 55 መጽሓፍቲ ዝጸሓፉ፡ ትጉሃት እዮም። ኣብነት ክኾነና እምበኣር፥
- መምህር ይስሓቅ ዮሴፍ፣ “ደራሲ ሕንዛም ፍቕሪ ህድኣት”፥ ሓየሎም ወደ’ስመራ፥ ድንገተኛ ፍቕሪ ንጽህቲ፥ ደሃብ ጓል ኣስመራ … ወዘተ፡ ካብ 1967 ክሳዕ 1997 ኣብ ዘሎ እዋናት፡ 10 መጽሓፍቲ ዝደረሱ መምህር እዮም።
- ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ፣ ደራሲ ማርቆሳይ ወይኒ ምስ ሕምባሻይ፥ ንጉሰ ንጉሰ ወይዛ ዓለም ብላሸ፥ ታሪኻውን መጽናዕታውን መጽሓፍቲ ዘበርከቱ፡ ብዓል 26 መጽሓፍ ትግርኛ (እንግሊዝኛን ጥልያንን ሓዊስካ ድማ ብጠቕላላ 33 መጽሓፍቲ ዝጸሓፉ) ትጉህ ኣቦ እዮም። እዚ ኩሉ ካብ 1973 ክሳዕ 2002 ኣብ ዘሎ እዋን ዘሕተምዎ እዩ።
- ኣባ ያዕቆብ ገብረኢየሱስ፣ ስዋሱው ትግርኛን ሃይማኖታዊ መጽሓፍቲ ዝጸሓፉ ብዓል 10 መጽሓፍቲ ኣቦ እዮም። ካብ 1946 ክሳዕ 1974 ኣብ ዝነበረ እዋናት ዝጸሓፉዎ እዩ።
—> መብዛሕትኦም ካብ’ዞም ሕጂ እንጠቕሶም ጽሓፍትን ደረስትን፡ ከም’ዚ ናይ ሕጂ ብኢንተርነትን ስሉጥ መገድን ከም ዊንታኻ ሓበሬታን ፍልጠትን ኣብ ዘይትረኽበሉ መዋእል እናነበሩ፣ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ንኸዳልዉ ናይ መወከሲ ድሕረ-ባይታ ኣብ ዘይነበሮ ሕብረተ-ሰብ ተኸቢቦም ክነሶም፣ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ቋንቊኦም እናተጓዕጸጸ እንከሎ፣ ናጽነት ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ኣብ ዝኸበደሉ እዋናት፣ ግዚኦም ካብ ስድረኦም እናሰረቚ … ወዘተ. ንኹሉ ከቢድ መድረኻትን መሰናኽላትን በዲሆም፡ ቋንቋናን ባህልናን ታሪኽናን ንምዕቃብ ዘካየድዎ ጻዕርን ትግሃትን፡ ማዕረ’ቲ ሰውራዊ ተመኲሮ – ሰውራ ዘካየዱ ምስ ምዃኖም፡ ሓቂ ብሓቂ ቀንዴላት ሕብረተ-ሰቦም እዮም።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ክፋላት’ዚ ዓንቀጽ፡ 299 መጽሓፍቲ ተጠቂሱ ነይሩ። እምበኣር፡ ሕጂ ቊ.300 ኢለ ዝርዝረይ ክቅጽል እየ። እቲ ልክዕ ቊጽሪ ዝተሓትሙ መጽሓፍቲ ትግርኛ ንምፍላጥ ብምዃኑ ሓደ ካብቲ ዕላማ ናይዚ ዓንቀጽ፡ ኣብተን ክልተ ክፋላት ተጻሒፉ ዝነበረ መጽሓፍ እንደገና ይጥቀስ እንተ ሃልዩ፡ ብ*** ገይረ ክጽሕፎም እየ።
*1 – ምሉእብርሃን ሃብተገብርኤል (ሸውዓተ መጽሓፍቲ ትግርኛ)
300) “ስሓቕን ንብዓትን” – 25 ሓጸርቲ ዛንታታት – ምሉእብርሃን ሃብተገብርኤል
301) “ልሳን ስምዒታት” – ምሉእብርሃን ሃብተገብርኤል
302) “ስነ-ልቦና ገዛእ ርእስኻ” – ምሉእብርሃን ሃብተገብርኤል
303) “ምህዞታትን ርኽበታትን” – ምሉእብርሃን ሃብተገብርኤል
304) “ዕሰለ” – 26 ሓጸርቲ ዛንታታት – ምሉእብርሃን ሃብተገብርኤል
305) “ክልተ ዓለም” – 30 ሓጸርቲ ዛንታታት – ምሉእብርሃን ሃብተገብርኤል
306) “ርውየት፡ ምልኣት ህይወት” – ምሉእብርሃን ሃብተገብርኤል
*2 – መም. ቀሺ ሙሳ ኣሮን (ሸሞንተ መጽሓፍቲ ትግርኛ)
****) “ሮቢንሶን ክሩሶን” – መም/ ሙሳ ኣሮን – (1958)
****) “ወርቅሃ” – መም/ ሙሳ ኣሮን – (1966)
****) “እምባፍራሽ” – መም/ ሙሳ ኣሮን – (1967)
307) “መዝገብ ቃላት ስማት ኤርትራውያን” – መም/ ሙሳ ኣሮን –
308) “ኤርትራውያን ኣብ ዓውዲ ስራሕ” – መም/ ሙሳ ኣሮን – (2004)
309) “ጐደና ትምህርቲ፡ መጽሓፍ ፊደል” – መም/ ሙሳ ኣሮን –
310) “ዓርኪ ተማሃራይ” – መም/ ሙሳ ኣሮን –
311) “ሚራስ” – መም/ ሙሳ ኣሮን – (ምስ ደሳለ በረኸት ብምዃን)
****) “መጽሓፍ ቅዱስ ብትግረ” ከም ዝጸሓፉ’ውን ክዝከር ዝግበኦ ዓቢ ዕዮ እዩ።
*3 – ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ (ትሽዓተ መጽሓፍቲ ትግርኛ)
****) “ቅዱስ ማርቆስ ዝጸሓፎ ወንጌል” – ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ – (1976)
****) “ቅዱስ ሉቃስ ዝጸሓፎ ወንጌል” – ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ – (1976)
****) “ቅዱስ ዮሓንስ ዝጸሓፎ ወንጌል” – ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ – (1976)
****) “ቅዱስ ታሪኽ” – ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ – (1961)
312) “ሃይማኖት ዘእንበለ ገብረ ምውቲ ይእቲ” – ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ – (1982)
313) “ትእዛዝ ለቅድስት ቤተክርስትያን ማሕደረ መለኮት” – ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ – (1990)
314) “ተግባራዊ ቃል ወንጌል” – ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ – (1990)
315) “ዓሰርተ ቃላት” – ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ – (1990)
316) “ጥምቀት ክርስትያንን ሜሮንን” – ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ – (1990)
*4 – ኣንቶንዮ ተስፋይ /ሽወደን (ትሽዓተ መጽሓፍቲ ትግርኛ)
317) “ሓንሳብ ዶ ከንዕልል” – ኣንቶንዮ ተስፋይ – (1989)
318) “መዓልቲ ኣለዎ” – ኣንቶንዮ ተስፋይ – (1990)
319) “መንቅል ኤርይትራዊ ሃገርነት” – ኣንቶንዮ ተስፋይ – (1995)
320) “ዲሞክራሲያዊ ዶ ምጣነሃብታዊ ዕብየት” – ኣንቶንዮ ተስፋይ – (1996)
321) “ሃገራዊ ዕርቒ ኤርትራውያን” – ኣንቶንዮ ተስፋይ – (1996)
322) “እዚ ድዩ ኢድና” – ኣንቶንዮ ተስፋይ – (1998)
323) “ንብዓት ኣደታት” – ኣንቶንዮ ተስፋይ – (1999)
324) “ንብዓት ኣደታት ብቋንቋ ሽወደን ትርጉም ደራሳይ” – ኣንቶንዮ ተስፋይ – (2000)
325) “ካብ ባድመ ንባድመ” – ኣንቶንዮ ተስፋይ – (2001)
*5 – ኣለምሰገድ ተስፋይ (ትሽዓተ መጽሓፍቲ ትግርኛ)
****) “ኣይወረስኩን” – ኣለምሰገድ ተስፋይ – (1960)
326) “ክልተ-ቅነ ኣብ ድፋዓት” – ኣለምሰገድ ተስፋይ – (1995)
327) “ወዲ-ሓደራ” – ኣለምሰገድ ተስፋይ – (1998?)
328) “ኣይንፈላለ” – ኣለምሰገድ ተስፋይ – (2002-3?)
329) “ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ” – ኣለምሰገድ ተስፋይ – (2005)
330) “ጊታኖ” – ኣለምሰገድ ተስፋይ – (2005)
331) “ልቢ ተጋዳላይ” – ኣለምሰገድ ተስፋይ – (?)
332) “ሰለስተ ኣዕሩኽ፡ ጥምጥም ኣብ ገጀረት” – ኣለምሰገድ ተስፋይ – (2008)
333) “ኤርትራ፡ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን” – ኣለምሰገድ ተስፋይ – (2016)
*6 – ኣባ ያዕቆብ ገብረኢዮሱስ (10 መጽሓፍቲ ትግርኛ)
****) “ዕቅብተ ግዜ፡ ዘይደልየኒ ኣይሓዘኒ ይብል ግዜ” – ኣባ ያዕቆብ ገብረኢዮሱስ – (1946)
****) “ዝናን ተረትን ምሳሌን ናይ ቀዳሞት” – ያዕቆብ ገብረኢየሱስ – (1947)
****) “ስዋሱው ትግርኛ” – ኣባ ያዕቆብ ገብረኢየሱስ – (1948)
****) “ንኡስ ትምህርቲ ክርስቶስ” – ኣባ ያዕቆብ ገብረኢዮሱስ – (1952)
****) “ዓቢይ ትምህርቲ ክርስቶስ” – ኣባ ያዕቆብ ገብረኢዮሱስ – (1956)
****) “መልእኽቲ ሓዋርያትን ናይ ኢዮቤሉ ጸሎታትን” – ኣባ ያዕቆብ ገብረኢዮሱስ – (1958)
****) “ሓጺር ገድሊ ቅዱስ ባርናርዶስ ከለርቨ” – ኣባ ያዕቆብ ገብረኢዮሱስ – (1963)
****) “ጥንታዊ ወግዕን ስነ-ስርዓትን ናይ ሕዝቢ ኢትዮጵያ” – ኣባ ያዕቆብ ገብረኢየሱስ – (1972)
****) “መለኮታዊ ቅዱስ ቁርባን” – ኣባ ያዕቆብ ገብረኢዮሱስ – (1974)
****) “መጽሓፍ በዓላት ማርያም” – ኣባ ያዕቆብ ገብረኢዮሱስ – (1974)
*7 – መምህር ይስሓቕ ዮሴፍ (10 መጽሓፍቲ ትግርኛ)
****) “ሓየሎም ወደ’ስመራ” – ይስሓቕ ዮሴፍ – (1967)
****) “ሕንዛም ፍቕሪ ህድኣት” – ይስሓቕ ዮሴፍ – (1968)
****) “ሓደ ኤርትራዊ” – ይስሓቕ ዮሴፍ – (1968)
****) “ድንገተኛ ፍቕሪ ንጽህቲ” – ይስሓቕ ዮሴፍ – (1968)
334) “ደሃብ ጓል ኣስመራ” – ይስሓቕ ዮሴፍ – (1979)
335) “ዛንታ ከተማ ኣስመራ” – ይስሓቕ ዮሴፍ – (1993)
336) “ሓጺር ዛንታ ህይወት መም/ ይስሓቕ ተወልደመድህን” – ይስሓቕ ዮሴፍ – (1986)
337) “ንግስነት ሃገረ ምድሪ ባሕሪ ኤርትራ” – ይስሓቕ ዮሴፍ – ()
338) “ቀዳሞት ጀጋኑ ኤርትራን ባህልናን” – ይስሓቕ ዮሴፍ – (1997)
339) “እምቢ ያለ ወልዱ ጎሚዳ ታሪኽ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን” – ይስሓቕ ዮሴፍ – (1999)
*8 – መም/ ኣስረስ ተሰማ (13 መጽሓፍቲ ትግርኛ)
****) “መጋረጃ፡ ናይ ደም ጽሑፍ” – መም. ኣስረስ ተሰማ – (1967)
****) “መጋረጃ፡ ዝተሓዝለ ሰብኣይ” – መም. ኣስረስ ተሰማ – (1968)
****) “ክልተ መፋትሕ” – መም. ኣስረስ ተሰማ – (1969)
****) “መነጸር፡ ልብን ሳዕርን እናሓደረ ይበቊል” – መም. ኣስረስ ተሰማ (1965)
****) “ንስኻን መሬትካን” – መም. ኣስረስ ተሰማ (1970)
340) “ትርግታ ናፍቖት ኣስመራ” – መም. ኣስረስ ተሰማ – (1991)
341) “ጣዕሞት” – መም. ኣስረስ ተሰማ – ()
342) “ኣብ ታሪኽ መድረኽ ስነ-ጥበብ ኤርትራ” – መም. ኣስረስ ተሰማ – (2006)
343) “ሞሳዝጊ” – መም. ኣስረስ ተሰማ – (1976 ተጻሒፋ፡ 1995 ዝተሓትመት)
344) “ሓዊ እግሩ” – መም. ኣስረስ ተሰማ – ()
345) “ደሃይ ባህሊ” – መም. ኣስረስ ተሰማ – ()
346) “እሂን ምሂን፡ ፍቕሪ እታ እንኮ መድሃኒት” – መም. ኣስረስ ተሰማ – (2009)
347) “መጋረጃ፡ መዝገብ ለበዋ” – መም ኣስረስ ተሰማ – ()
*9 – ዶ/ር ክብረኣብ ፍረ (12 መጽሓፍቲ ትግርኛ)
348) “ባቢሎን” – ዶ/ር ክብረኣብ ፍረ – (1995)
349) “ዳግማይ ፈተነ” – ዶ/ር ክብረኣብ ፍረ – (1996)
350) “ልኡኻት ሳጥናኤልን” – ዶ/ር ክብረኣብ ፍረ – (?)
351) “እታ ማኒፌስቶ” – ዶ/ር ክብረኣብ ፍረ – (1999)
352) “ዓቕሊ ጽበት” – ዶ/ር ክብረኣብ ፍረ – (2000)
353) “ሕሩመይ” – ዶ/ር ክብረኣብ ፍረ – (2001)
354) “ናይ ጥፍኣት መገዲ” – ዶ/ር ክብረኣብ ፍረ – (?)
355) “መዝገብ ኣርዮስ” – ዶ/ር ክብርኣብ ፍረ – (?)
356) “ርሕስቲ መሬት” – ዶ/ር ክብረኣብ ፍረ – (2001)
357) “ካብ ናብ (ተዘክሮታት መግዛእቲ ስርዓት)” – (2001)
358) “ተስፋ” – ዶ/ር ክብርኣብ ፍረ – (2005)
359) አይድስ፡ እንታይነቱን መከላኸሊ ሜላታቱን – (?)
*10 – ተክአ ተስፋይ (13 መጽሓፍቲ ትግርኛ)
360) “ሕርሻ እንስሳ” – ተክአ ተስፋይ – (1993?)
361) “ፒኖክዮ” – ተክአ ተስፋይ – (1995?)
362) “144 ጽውጽዋያት ኤዞፕ” – ተክአ ተስፋይ – (1998)
363) “እተመርጸ ጽውጽዋያት” – ተክአ ተስፋይ – (1999)
364) “ዘመናዊ መዝገበ ቃላት ትግርኛ” – ተክአ ተስፋይ – (1999)
365) “ብዘይ ስድራ” – ተክአ ተስፋይ – (2001)
366) “እቲ ብሩኽ መሬት” – ተክአ ተስፋይ – (2005)
367) “እቲ ስሩይ ፈረስ” – ተኪኤ ተስፋይ – (2007)
368) “ዓሊባባን እቶም 40 ከተርትን” – ተክአ ተስፋይ – (2009)
369) “ቅያታት ሲንድባድ እቲ ባሕረኛ” – ተክአ ተስፋይ – (2009)
340) “ኣላዲን” – ተክአ ተስፋይ – (?)
371) “ምዕቡል መዝገብ ቃላት እንግሊዝኛ ትግርኛ” – ተክአ ተስፋይ – (2012)
372) “መባእታ ስዋሱውን ስነ-ጽሑፍን ትግርኛ” – ተክአ ተስፋይ – (2015)
*11 – መስፍን ገብረሂወት (13 መጽሓፍቲ ትግርኛ)
373) “እናሰሓቕና ንመሃር” – መስፍን ገብረሂወት – (1992)
374) “መፍትሕ (ስዋሱው እንግልዝኛ ትግርኛ)” – መስፍን ገብረሂወት – (1993)
375) “ዝርርብ” – መስፍን ገብረሂወት – (1995)
376) “መኽዘን ወግዒ” – መስፍን ገብረሂወት – (1995)
377) “ልሳን (ሓፈሻዊ ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ) – መስፍን ገብረሂወት – (1996)
378) “ቀንዴል” – መስፍን ገብረሂወት – (1997)
379) “ጠጥዕሙ” – መስፍን ገብረሂወት – (1998)
380) “ሃው ሃዋ” – መስፍን ገብረሂወት – ()
381) “ትዋሕ” – መስፍን ገብረሂወት – ()
382) “መሳልል ፍቕሪ” – መስፍን ገብረሂወት – ()
383) “ፎፎል” – መስፍን ገብረሂወት – ()
384) “ቀመም ፍቕሪ” – መስፍን ገብረሂወት – ()
385) “ምስጢር ሕጉሳት መጻምድቲ” – መስፍን ገብረሂወት – (2009)
*12 – መኰነን ተኸስተ /ሽወደን (21 መጽሓፍቲ ትግርኛ)
385) “ቀጣን መሳልል ኣብ መገዲ ሓቂ” – መኰነን ተኸስተ – (1987)
386) “ምፍልላይ ሕሱም” – መኰነን ተኸስተ – (2010)
387) “ሌጋ” – መኰነን ተኸስተ – (2010)
388) “ኮለል ጸሊእና” – መኰነን ተኸስተ – (2010)
389) “ዓቕሊ” – መኰነን ተኸስተ – (2010)
390) “ጉዕዞ ኤሪክ ኣብ ኣፍሪቃ” – መኰነን ተኸስተ – (2010)
391) “ጫማኻ ማዕረ እግርኻ” – መኰነን ተኸስተ – (2010)
392) “ናብራ ወዲ ሰብ” – መኰነን ተኸስተ – (2010)
393) “ሓላፍነት” – መኰነን ተኸስተ – (2010)
394) “ፍቕሪ ኣብ ንእስነት” – መኰነን ተኸስተ – (2010)
395) “ወጥሪ” – መኰነን ተኸስተ – (2010)
396) “ድሕሪ’ታ ጎቦ” – መኰነን ተኸስተ – (2010)
397) “ዶ/ር መብሪ” – መኰነን ተኸስተ – (2010)
398) “ምድላው ኣጠቃቕማ ድዂዒ” – መኰነን ተኸስተ – 2012
399) “ኣድግን ፈረስን” – መኰነን ተኸስተ – (2004)
400) “ናይ ኣፍሪቃ ኣከባቢ” – መኰነን ተኸስተ – (2010)
401) “ቊጠባን ከምኡ ሓፈሻዊ ኣፍልጦን” – መኰነን ተኸስተ – (2010)
402) “ዓወት ጻዕሪ ይሓትት” – መኰነን ተኸስተ – (2010)
403) “ደቂ ሓረስታይ” – መኰነን ተኸስተ – (2008)
404) “እታ ዓባይ ገረብ” – መኰነን ተኸስተ – (2009)
405) “ስድራና” – መኰነን ተኸስተ – (2010)
*13 – ኣባ ይስሓቅ ገብረእየሱስ (27 መጽሓፍቲ ትግርኛ)
****) “ማርቆሳይ ወይኒ ምስ ሕምባሻይ” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (1973)
406) “ቆላ ጽገ ደንጎላት” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (1976)
407) “ህዝብታት መረኒ፡ ፍጥረተ ገሽናሽም” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (1977)
408) “ናይ ፍቕረስላሴ ዕቚባዝጊ ሙዚቃዊ ስርሓት” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (1977)
409) “ሓደራኹም ድሩይ በልዎ” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (1984)
410) “ንኣምላኽ ዘምሩ” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (1988)
411) “ፍረዱ” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (1992)
412) “እንኮ ትግረ” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (1993)
413) “ኣፈፈት ቅያ” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (1993)
414) “ንጉሰ ንጉሰ ወይዛ ዓለም ብላሸ” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (1994)
415) “ደቀባት ህዝብታት ኤርትራ” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (1996)
416) “ንቐደም በሉ 1ይ ክፋላት” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (1998)
417) “ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ ኤርትራ” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (1998)
418) “ገማግም ባሕረ ኤርትራ” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (1998)
419) “ኣፋዊ ስነ-ጽሑፍ ቋንቋታት ኤርትራ” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (1998)
420) “ንቐደም በሉ፡ ካልኣይ ክፋል፡ ካብ ፓስታ ክሳብ ቢስኩት” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (1998)
421) “ጽንጽዋይ ወደ’ኮይ ጸሊማይ” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (1998)
422) “ስነ-ተረትን መግለጺታቱን” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (1999)
423) “ትእምርተ መጠራ” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (2000)
424) “ኣ- በ- ጨ- ደ ጽቡቕ ምእንቲ ምንባብን ምጽሓፍን” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (2000)
425) “ምጽምጸ ካብ ዕንበባ ጸጽገኡ” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (2001)
426) “ባህልታት ኤርትራ ኣብ ዕርበት” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – ()
427) “ዓለም ለኻዊ ትግርኛ” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (2002)
428) “ጭብጥን ስርወ-ሓሳብን ተርእዮ ትግረ” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (2002)
429) “ፍልጠት ብቕጽበት ንሕጻናት” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (2002)
430) “ፊደል ናይ ደብተራ፡ ታሪኻዊ ምህዞን ብልሓትን” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (2002)
431) “ኮለላ፤ ታሪኻዊ ዖናታት፡ መቕደሳት፡ ሓወልትታት፡ እምነ-ጽሑፋት፡ መቓብራት ኤርትራ” – ኣባ ይስሓቅ ገብረኢየሱስ – (2003-4?)
*14 – ሃይለ ቦኽረ (25 መጽሓፍቲ ትግርኛ)
432) “ጥንታዊ ወግዕን ብሂልን ኤርትራ” – ሃይለ በኽረ – (1987)
433) “ኤርትራ፡ ብዘመን ባሕሪ ነጋሲ” – ሃይለ ቦኽረ – (1989)
434) “ታሪኽ መሰረት ትምህርቲ ኤርትራ” – ሃይለ ቦኽረ –
435) “ታሪኽ ወልደኣብ ወልደማርያም” – ሃይለ ቦኽረ –
436) “ድርሳነ ኤርትራ” – ሃይለ ቦኽረ –
437) “ግጥምታት ልበይ ስምዒት ሃገረይ” – ሃይለ ቦኽረ –
438) “ያታዊ ጽሑፋት ብሄራት ኤርትራ” – ሃይለ ቦኽረ –
439) “ሓጸርቲ ዛንታታት ስደት (1ይ ክፋል)” – ሃይለ ቦኽረ –
440) “ሓጸርቲ ዛንታታት ስደት (2ይ ክፋል)” – ሃይለ ቦኽረ –
441) “ንብዓት ስሓቕ” – ሃይለ ቦኽረ –
442) “መርዓተይ” (እኩባት ግጥምታት) – ሃይለ ቦኽረ –
443) “ካብ ይቕሬታ ንላዕሊ” – ሃይለ ቦኽረ –
444) “በጃኹም ሰዓቱ ሃቡኒ” – ሃይለ ቦኽረ –
445) “ስርዓት ዓሮን ደርፍታት ፍቕርን” – ሃይለ ቦኽረ –
446) “ወይለከይ ሓጐሳ” – ሃይለ ቦኽረ –
447) “ወዲ ነብሪ (ትርጉም ወግዒ ሃገርና)” – ሃይለ ቦኽረ –
448) “ኣንትጐኒ (ትርጉም ግሪኻዊ ድራማ)” – ሃይለ ቦኽረ –
449) “ምስላታትን ሕንቅልሕንቅልተይን” – ሃይለ ቦኽረ –
450) “ኣገናዕ (ስለ እዝነ-ጽሙም)” – ሃይለ ቦኽረ –
451) “ምስማዕ ከም ዓይኒ (ታሪኽ ህይወተይ)” – ሃይለ ቦኽረ –
452) “ዘይተሓትሙ ጽሑፋት (ኮልመዲን)” – ሃይለ ቦኽረ
453) “ኣስመራ ብዓይኒ ኤርትራውያን” – ሃይለ ቦኽረ –
454) “ኤዞጵ፡ ትርጉም ዛንታታት ግሪኽ” – ሃይለ ቦኽረ –
455) “መስርሕ ፑሉምባት (ስለያ)” – ሃይለ ቦኽረ –
456) “ናጽነት ደሊና ሓጉዙና (ተዘክሮታት)” – ሃይለ ቦኽረ –
ኣብ መንጎ’ዞም 14 በሃራት ጸሓፍቲ/ደረስቲ፡ 186 መጽሓፍቲ ተሓቲሙ ምህላዉ ምግንዛብ ዘድሊዮ ጉዳይ እዩ። ሚእትን ሰማንያን ሽዱሽተን መጽሓፍቲ ብ14 ኤርትራውያን ደረስቲ/ጸሓፍቲ!!
*- ምስዚ ዓንቀጽ ደሚርካ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ክፋላት “ዝርዝር መጽሓፍቲ ትግርኛ ኤርትራ” (ማለት፡ ቀዳሞት ድርሰታት ክሳዕ 1974፣ መጽሓፍቲ ሃይማኖት ክሳዕ 1990፣ እዚኦም ናይ ሎሚ ዝተጠቕሱ ላዕለዎት ድርሰታትን) ደሚርካ ጥራይ 456 ብዝሒ መጽሓፍቲ በጺሑ ኣሎ። እቶም ኣብ ዳሕራይ ክፋላት ዝጠቕሶም ናይ 1975-1991 መጽሓፍቲ፣ ከምኡ’ውን ናይ’ዚ ወለዶ ካብ 1991-2016 ዘሎ ምስ ዝድመሮ ኸ ደኣ፡ ክንደይ ክበጽሕ ይኽእል?! ነዞም መጽሓፍቲ፡ ምንባቦም ንጥቕሚ ነብስና እናኾነ ከሎ፡ ክንደይ ተነቢቡ ኣሎ ብዘየገድስ፡ ንትግሃቶምን መስዋእቶምን ክብሪ ምሃብ የድሊ።
መወከሲ፥
Eritrean books (facebook page)
መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣብርሃም ነጋሽ
@Mahre Abram
*************
12/03/2017