ኣብ ምጽልማት ምስ መሰየስ
ተሻቂለ ኔረ ኣነስ!
መጺእኪዶ ብርለ ሜስ
ዘይ ካብ ቆላ ካብ ዘየለ
ከምዚ ህጻን ዝውለዶ
ተወሊድኪ ይበሎ!
ኣነ’ኳ እንድዒ ሕልሚ ድዩ ዘይድህሰስ
ወይ ጋህዲ ንግሆ መጎስ
ካን ሓኪለ
ሞይተ ነይረስ
ሰሚዐዮ ድምጽኺ በስ
ፈናቒለ ብድድ ኢለ!
ከመይ ኣለኺ ብርለ ሜስ
ሓብቲ ናተይ ጓል ቤት መቕደስ!
ኣውግዕኒ በሊ ሃሰስ
ኣሎኹልኪ ምስ’ዚ ንፋስ
ኣይስኣን ንፋስ ትንፋስ!
ዓጽመይ፡ ስጋይ፡ ጐሓሒፈ
መጺኤኪ መንፈሰይ ሒዘ!
መጺእኪኒ መጼ!
—ገለ በሊ ብርለ ሜስ
ፍሉይ ቃና ዘይምኖ
ኔው በልዮ ሃበስ ቀደስ
ነዚ ልበይ ‘ታይ ክኾኖ?
ጸሊእዎስ ኣይሞተንዶ
በዚሕዎስ ኣይከደንዶ
መጺኡኪ ንኽሕደስ
ልቢ ሒዙ በይና ካብ ደም
ገለ በሊ ብርለ ሜስ
ኔው በልዮ ደንደስ ደንደስ
ሓንሳብ ይጽናሕ ‘ቲ ናይ ቀደም!
ትኽብትኽ ቅድም-ቅድም
ይኹን በሊ ፍቕሪ ፍግም
‘ዚ መንፈሰይ ከይጥዓስ
ከም ቀደሙ ከይሃድም።
ትማሊ’ውን መጺኤ ኔረ
ንሓሞተይ ብመዓንጣይ ቆጻጺረ
ጽንብላሊዕ ተሰቂለ
መራሒ ማይ ተመሲለ
ብደም ኣዳም ዝተሓጽረ ዶብ ሰጊረ።
ጸኒሕክኒ ፡ ምስ ካዕቦ ማእረ
ክትውድሲን ከተዳውሲን
ብሱል ጥረ
ብቀደሙስ ዘይ እዚ ‘ታይ ጸሊኤ
ተመሊሰ፡ ተራ ዕላልኪ ሰሚዐ!
ሕጂ ድማ እቲ ንብዓተይ ጾሟሚቀ
ንምናልባት ምስ ደበና ኣጸጊዐ
ስለ ፍቕሪ እምነተይ ሰኒቀ
ክሰምዓኪ ሕልናይ ኣቆጢዐ
ጨቅጪቐዮ ተጨናኒቐ!
ጽምዋ’ኳ እንተመረጸ ንኽድቅስ
ሓቂ ሒዝኪ እንተመጺእክስ
ካብ ጽምዋ ንዕኡ ይመርጽ!
ሕጂኸ እንታይ ትብሊ ብርለ ሜስ
እንተ ዘይተሓዲስክስ ‘ወ ክንምለስ
ነናብ ቤትና ክንፍደስ
ኣብ ጽምዋና ክንህርስ
ብስቕታና ከነተንፍስ!
ኣሎዶ መደቀሲ ሕሉፍ ቃንዛ
ተጠንሰዶ ድቂ ሓቂ
ነዚ ሕሶት መሰንበዲ
ኣለኪዶ መተንፈሲ ፍሉይ ዋዛ?
ተወልደዶ ብርሃን በርቂ
ዝፍኖ ብዘይ ብቂ?
ተዘይኮይኑ ኣፍኪ ሕዚ
ኣይትምጽኒ ተመለሲ።
ወዲ ኣቢብ
ጥሪ 2016