ብርሃነ ገብረሂወት
2ይ ክፋል
“እዛ ህውኽ ህውኽ ኣበይ ከተብጽሓካ’ያ ከለሶም? ኣስተውዕል ….. ቅድሚ ንእሽቶ ምስታይ ይስርንቕ፡ ቅድሚ ዓቢ ምኻድ የውድቕ’ዩ። ኣይትኹለፈኒ ከይትኹለፍ። ጀሚረ’ምበር ኣይወዳእኩን። ካብ ቀዳማይካ ድማ ዳሕራይካ ይገድድ። መን’ዩ ወጊንናዮም ዝበለካ? ታሪኽ ከተቀናጁ’ዩ ንቕሎኻ? ብጥዕናኻስ ኣይብልን’የ። ገለ ኣጋንንቲ ፖለቲካ ለኺዖምኻ ኣለዉ።” ኣብ መንጎ ዘረባኦም ኣቋሪጾም ቀው ኢሎም ጠመትዎ። “ብልብኻ እንተዄንካ ኣይትድከም ዝወደይ። ኣይትድከም። ንታሪኽ ኣቀናጂኻ እትፈጥረሉ ወዝ የልቦን። እቲ ፍጻመ ወዝ እንተ ነይሩዎ ብወዛሙ ይነብር፡ ፋሕሻው እንተ ነይሩ ከኣ ብፋሕሻዉ’ዩ ዝነብር። ግዜኻ ኣብ ካልእ መዓላ ኣውዕሎ። ተጠቐመሉ። ተገዚእና ዲና ገዚእና፡ ተወሪርና ዲና ወሪርና ዝሓለፈ ሓሊፉ’ሎ። ‘ቁንጅናይ ከይረኣየኒ ንትማሊ ኣይተናፍቐኒ’ ትብል ነበረት ዓባየይ። ንትማሊ ከተቀናጅዉ ሎሚ ከተምልጠኩም’ያ ኣይትገርሁ። ንምቅንጃው ዘይኰነ ንምፍላጡ እንተ ተደልዩ ግን፡ እቲ ታሪኽ ከምቲ ዝበልካዮ ኣይኰነን። ጣልያን’ዩ ንግብጺ ተኪኡ ብዓሰብ ዝኣተወ። ግዝኣተይ ኢሉ ከኣ ንዓለም ምልእቲ ብኣዋጅ ኣፍሊጡ። ከምቲ ኩልና እንሰምዖ ኢትዮጵያውያን ኣይተገዛእናን’ዮም ዝብሉ። ተገዚኦምዶ ኣይተገዝኡን ይጽንሓልና። ከም ዘይተገዝኡ ከኣ ንውሰዶ። ኤርትራውያን ግን ን 52 ዓመት ብጣልያን ሓመድ ድፋጫና ሰቲና ኢና።
“ናይ ኢንግሊዝዶ ፈደረሽን ከምኡ ውን ኢትዮጵያ ዘምጻእካዮ ሃጠው ቀጠው’ዩ። መትሓዚ የብሉን። ‘ክበልዕዋ ንዝደለዩ ኣባ ጉምባሕ ዛግራ ይብልዋ’ እዩ ነገሩ ኣይትዓሹ። ዝተባህለ እንተ ተባህለ በሃልቱ ዘለዉዎ’ዩ። ኣይትድከም፡ ኣይትድገሞ ውን ሰብ ከይሰምዓካ። ኣብ ልብኻ እንተኣተወ ኣቕልል ኣቢለ ክገልጸልካ’የ – ሓዘኒ ዝወደይ። ኢትዮጵያውያን ኣይተገዛእናን’ዮም ዝብሉ፡ ከም ዘይተገዝኡ ውን ንውሰዶ ኢለ ኔረ። ወደብ ዓሰብ ግን ኣፍደገ ባሕርና’ዩ እናበሉ’ዮም ዝምጕቱ። ምስቲ ኣይተገዛእናን ዝብልዎ ዘይከይድ ስነ መጐት’ዩ። ጣልያን ጻዕዳ ከኣ ብዓሰብ’ዩ ዝኣተወ። ኣሕዋት ኔርና እንተ ንኸውን፡ ኣሕዋትና ተወሪሮም ኢሎም ክዘርዩልና ወይ ክሕግዙና ምመጹ። ኣይወዓሉዎን። ወደብና ብጣልያን ተወሪሩ ኢሎም ውን ኣይከተቱን። ምስዚ ከተሓሕዘልካ ዝደሊ ከለሶም ወደይ፡ ሕግታት እንዳባ ናይ ኤርትራ እንተ ርኢኻዮም ደረት ጠቒሶም’ዮም ዝምለሱ። ሕጊ ኣድግናተ ገለባ፡ ሕጊ ኣድከመ ምልጋእ ነናቶም መልእኽቲ ኣለዎም። ቅድሚ 400 ዓመት ምንባሮም እንተፈሊጥካ ሓደ ግድል ክፍተሓልካ’ዩ። ቅድምን ድሕሪን ጣልያን ኤርትራ ከም ክፍሊ ሃገር ኣካል ኢትዮጵያ’ያ ኔራ ዝበልካዮ ዳግመ ግምት ግበረሉ ዝወደይ። ተጋግዮም ዘጋገዩኻ ኣለዉ። ዛንታ ወራርን ተወራርን ንስለ ዝናን ዝምታን ግን ኣይነበረን ኣይብለካን።” ክምዕድዎን ከፍልጥዎን ፈተኑ።
“እዚ ትብልዎ ዘለኹም ህግደፍን ሰዓብቱን ዝብልዎ’ዩ።” በለ ከለሶም።
“ንስኻትኩም እትብልዎስ እዚ ንሰምዖ ዘለና እንደኣሉ።” ኣሕጺሮም መለሱ።
መነጸር ሰሓቓ ክትቈጻጸሮ ኣይከኣለትን። ስዒሩዋ ደርጐሓቶ። ቤት ብሰሓቓ መለአ። ኩሉ ኣቓልቦኡ ናብኣ ገበረ። ሰሓቕ ዝመበገሲኡ ኣብ መዓጕርታ ንዘዕረፈ ንብዓት እናደረዘት ኣስተንፈሰት። “ገለ ገለ እዋናት ኣንጻር ህግደፍ ዝስበኹ ዲስኩራት ንህግደፍ ከም ዝጸልኦ ዘይኰነስ ከም ዝፈትዎ፡ ከም ዝርሕቆ ዘይኰነ ከም ዝቐርቦ ይገብሩኒ። ‘ህግደፍ ዝብሎ’ዩ’ ኢልካ ዘረባ ኣሎ? እንተ በቲ እንተ በዚ ዘገርም የብሉን። እቶም ጽልኣቶም እናገለጹ ተጸላኢ ንክኸውን ዝሰርሑ ወገናት ንሓይሉ የወዓውዕሉ ከም ዘለዉ ኣይርደኦምን’ዩ። ብፍላይ እዞም ቀለም ቀመሳት፡ ናይ ዘመንና ሊቃውንቲ ታሪኽ መሲሎም ዝቀላቐሉ ዘለዉ ናይ ፈጠራ መሰኻኽር፡ እንታይ ይሰርሑ ኣለዉ ከይፈለጡ ኣብ ምውዕዋዕ’ዮም ዝውዕሉ። ነቲ ህግደፍ ‘ንሕና ፍሉያት ኢና’ ዝብሎ፡ ንሳቶም ብትምክሕታዊ ባህሪ ዝርእይዎን ዝገልጽዎን እሞ ንምስባሩ ዝተላዕሉሉ ክዛረቡሉ እንከለዉ፡ ልዑልነት ህግደፍ ኣብ ዋልድቢት ተሰቒሉ’ዩ ዝረኣየኒ።
“’ኤርትራውያን ፍሉያት ኢና’ እንተ በልና እሞ እንታይ ጸገም ኣለዎ? ፍሉያት ኣይኰናን ዲና? ፍሉያት እንተ ዘይንኸውን እኮ ‘ኤርትራውያን’ ዝብል መጸውዒ ወይ መፍለዪ ኣይምተዋህበናን። እንልለየሉን እንፍለየሉን፡ መንነት፡ ባህልን ስነ-ምግባርን ኣለና። ምስ ጐረባብትናን ካልኦትን ዘመሳስል ኣይሰኣነናን። ምምስሳል ግን ሓደ ማለት ኣይኰነን። ከም ኩሉ ብመንነቱ ዝሕበን ከኣ ንሕበን። ባዕልና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክሳብ ዘየውረድናዮ፡ ብዝዀነ ይዂን ክሕከኽ ዘይክእል መንነት’ዩ። ይኹን’ምበር፡ ናይ ምርድዳእ ተኽእሎና እናጸበበ፡ ናይ ምብትታን ዕድልና ድማ እናሰፍሐን እናገፍሐን’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። በዚ ሒዝናዮ ዘሎና መገዲ፡ ጽባሕ ኩላትና ‘ኤርትራ ትበሃል ሃገር ኔራትና’ ኢልና ዘሕፍር ታሪኽ ከነዘንቱ ምዃንና ከም ትሑዝ ንውሰዶ።
“ኣብዛ ምድሪ ካብ ጸላእቲ ሓሶት ጸላእቲ ሓቂ ይበዝሑ ኢለ’የ ዝኣምን። ሓቀኛ ይጽላእ፡ ሓሳዊ ይፍቶ። ህግደፍ ጸላእቲ ካብ ኣብዘሐ ሓቀኛ’ዩ እየ ዝብል። ሓቂ ኣይንጽላእ። እዚ ጽራይ ሓቂ’ዩ። ‘ህዝቢ መረብ ምላሻን መረብ ስግርን ጣልያን’ዩ ፈላልይዎ፡ ሓደ ህዝቢ ነይሩን ክኸውንን’ዩ’ በሃልቲ ቀለም ቀመሳት ኣብ ዝስስኑሉ ዘለዉ ግዜ ካልእ ውን ክንሰምዕ ኢና። ክሕድሰናን ከሰንብደናን የብሉን። ‘ጀብሃ ምስ ኣዕራብ ተጸጊዑ፡ ሻዕቢያ ናይ ሓሶት ታሪኽ መስሪሑ መሊሱ ኣረሓሒቕዎ’ እዮም ዝውስኹ እዞም ቀለም ቀመሳት። ካብዚ ኣቐዲሙ በዞም ኣቦ ዝተገልጸ ዝጸሪ ሓቂ ግን የሎን። ከም ጎረባብቲ እንተ ዘይኰይኖም ሓደ ኰይኖም ኣይፈልጡን’ዮም። ነናቶም ዝሕበኑሉ መንነት፡ ባህሊ፡ ሜላ መንብሮ፡ ክብሪን ስነ-ምግባርን ዘለዎም ህዝብታት’ዮም። ከምቲ ንኹሎም ኣህዛብ ዘመሳስሎም ከኣ ይመሳሰሉ። ደቂ ፈጣሪ ምዃኖም’ዩ። ድምጺ ልሳኖም ውን ኣይረሓሓቕን። ኣብ ዝተፈለፈላለዩ ዘመናት ዝነበሩ ንግስነታትን ሰርወታትን እናጠቐስካ ሕጊግ ምባል ሃልኪ ኰይኑ’ዩ ዝስመዓኒ። ቅድሚ ጣልያን ይኹን ግብጺ ርእሱ ዝኸኣለ መለለዪ ዝነበሮም ህዝብታት’ዮም። ብዓቢኡ እምነ መሰረት ዘመናዊ ኣቃውማ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ 1884/85 ኣብ ዋዕላ በርሊን ከም እተነብረ ዘይምዝንጋዕ። ከምዚ ምባለይ ህግደፍ ዘብለኒ እንተ ዀይኑ ጽቡቕ ጌርኩም ህግደፍ በሉኒ።” ድሕሪ ሰሓቓ ንዘረባ ናይቶም ኣቦ ኣራጐደቶ።
“መጋረጃ ጭርጭር ዓበደ እናተገልሀ ይመጽእ ኣሎ በሉ። ክሕድገት’ዩ ፈውሲ ሕማምና ሕድገት ንላመድ መበሊኺ ተፈሊጡ መነጸር። ብትሒም ትሒም በጺሕናዮ’ኳ እንተ ነበርና፡ ሓቀኛ መንነትኪ እንቋዕ ካብ ኣፍኪ ረኸብናዮ። ጉዳይ ረብሓ’ዩ ዘጣብቐኪ ዘሎ። ገበነኛ’ዩ ናብ ሕቶ ሕድገት ዝጐዪ። ኣየኸ ደቀይ፡ ዝገበርካ ምስ ገበርካ ሕድገት! ‘ጠሪጣስ እንተ ተሓፍረለይከ’ ዝተባህለ ከምዚ ምስ ተረኽበ’ዩ። እንተሓታተተሉ ሰዓት ምስ ቀረበስ ሕድገት። ኣይምሰልኪ። እማመኺ ውዱቕ’ዩ። ሕድገትስ ኣይትብሃግዮ። እንታይ ግድኺ ኣይከተምልጡን ኢኹም። ናይ ኢድኩም እትኽፈልሉ ሰዓት ኣብ ምእኻሉ’ዩ። እታ ብደም ዝጨቀወት ረሳሕ ኢድኩም ንምንጻህ ፈንጠርጠር? ዘይሕሰብ’ዩ። መዓልቲ ፍርድኹም ጥራይ ተጸበዩ።” ማዕበል ርእሱ እናነቕነቐ ሓንሓነ።
“ኰይኑዎ እዚ ዲዩ ዘረባኻ ማዕበል? ካልእ የብልካን?” ርግኦ ተገሪሙ ሓተቶ።
“ካብዚ ዝዓቢ ኣሎ ዲዩ?” ተገልቢጡ ሓተተ።
“’መርዓዊ ከይሓዛስ ዓርኪ ይሕዛ’ ይዀነካ ኣሎ ማዕበል። ከም ዕጽድ ኩምር ትሓስብዎ ኴንኩም።” መነጸር ንርግኦ ዕድል ከይሃበት ዘረባ ጀመረት። “ኰረሻ ስልጣን ከይሓዝኩምስ ድሮ ክትከሱን ክትፈርዱን ጀሚርኩም። እሞ ከኣ ብህጓጕ ክሲ። ከም ህዉኽ ዝብኢ ንቀርኒ ኣይተሃወኽኩምን? ምስ በጻሕኩሞ ዘይተርክቡሉ። ክገርመካ እናክሓስቦ’ዩ ዘሕዝነኒ። ኣይትብከዪ’ዩ ዘብክየኒ ዘሎ በል። ከምዚ ኢሉ ዝፍክር ኣይወሓደን። ‘ክፈትሕ’የ’ ዝብል’ዩ ዘየሎ እምበር ‘ክኣስር’የ’ ዝብልስ መሊኡ። ክንደይ ንጹሃት ብዘይወዓልዎ ገበን ክቕየዱን ክቕጥቀጡን ውዒሎም ይሓድሩ ኣለዉ። ብዝዀነ ኣይትሰኣኑ።” ብሰሓቕ ዝደኸመቶ ግዲ ዘይወጸላ ኰይኑ ኣዕሚቛ ኣስተንፈሰት። “ረብሓ ዶ ከኣ በልካ?” ብሓውሲ ባጫ ሓቲታ እናጠመተቶ ዘረባኣ ቀጸለት። “ንስኻ ውን ኣስሒቕካኒ። ከብደይ ክሳዕ ዝቘስል ደረቕ ሰሓቕ ስሒቐ።” ዕትብ ኢላ’ያ ትምልሰሉ ነይራ። “ንኣፍልጦኻ ንዘይረብሕ ረብሓ ደው ዝብለሉ ምኽንያት የብለይን። ዘይከምቲ ትሓስቦ ብቁሩብ ቁራቦ ጥረ ወዲ ጥረ መጠበሪ መጽዓኛታት ዝሰድዕ ኣይኰንኩን። ረብሓይ ምሉእ ሰላም፡ ዓስበይ ርትዓዊ ፍትሒ’ዩ። ካብዚ ንላዕሊ ዝብህጎን ዝጽበዮን የብለይን። በቃ ሰላምን ፍትሕን ጥራይ። ፍትሒ ከኣ ከምዚ ትብሎ ዘለኻ ኣይኰነን ዝብል። ‘ዝዀነ ሰብ ኣብ ሕጊ ቀሪቡ፡ ገበኑ ክሳብ ዘይተረጋገጸ ንጹህ’ዩ’ እዩ ዝብል። ብሃበስ ቀደስ ሰብ ምጽላም፡ ብስምዒት ምውንጃል፡ ብድንቁርና ምፍራድ ስርሐይ ኢልካ ተተሓሒዝካዮ። ተሕዝን። ብዝዀነ ኣነ ስለ ዝበልኩኻ ካብ ድሌትካ ኣይትትረፍ። እትጥቀመሉ መስርሕ ሕጊ ከምዚ ዘሎ ከይከውን ደኣ የሰክፈኒ እምበር፡ ይጠቕመኒ’ዩ ዝበልካዮ መርተዖታት ኣኻኽብ። ቂም ተዀልኲሉ ስልጣን ሃንቀው ካብ ዝብል፡ ቅኑዕ መስርሕ ፍርዲ ብወገነይ ኣይጽበን። ሕግን ተሓታትነትን ክህሉ ከም ዘለዎ ምሕሳብካ ጥራይ ግን እኹል’ዩ። ሰላም’ዩ ሃንቀውታና። ፍትሒ እንደኣልና ንናፍቕ ዘሎና። ዘመነ ሕጊ የምጸኣልና ደኣ ንበል። ኣምላኽ ይተዓረቐና።” ምንእኣስን መኣረምታን ምስ ባህግታታ ሓዋዊሳ ሸምጠጠቶ።
“ሓደ ዝጐሰናዮ ነገር ዘሎ ኰይኑ ይስመዓኒ ኣሕዋት። ትዕዝብተይ ዝወለዶ ምግራም’የ ከካፍል። መልሲ ዝሰኣንኩሎም ሕቶታት ከቕርብ’ዩ ዝቐልለኒ። ንምታይ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ኣቲና ንድምድም? ዕድል ሓፋሽን ወለዶታትን ስለምንታይ ብዕጹው ርእስና ንውስን? ከም ዝመስለኒ፡ ጭኑቕ ወይ ሕርቃን ዝተቘጻጸሮ ኣእምሮ ብስምዒት’ዩ ዝውስን። ክኸውን ዘይብሉ ኰይኑ ይስመዓኒ። ትጽቢትና ካብኡ እንተዀይኑ ነሕዝን። ካብ ጭኑቕ ኣእምሮ እንጽበዮ ነገር እንተደኣ ኣሎ መሸንቆቛ ገመድ’ዩ። ካብዚ ፍልይ ዝበለ ምርጫ ከዳልወልና እንተ ዘይተጸበና ይምረጽ።
“ክሳብ መዓስ ኢና ካብ ክውንነት ክንርሕቕ? ኣብዚ ኣዒንቲና ኣይንነቛቘር። ናዅ እንተ ተበሃሃልና መልክዕ የብሉን። ሃገር ኣብ እንግደዓ ኣብ ሃገር ዘለዉ’ያ ዘላ። ኣብ ዝባን ድምጹ ዘየስመዐ ህዝቢ እምበር ኣብ ዝባን እዞም እንምድር ኣይኰነትን ዘላ። ሓለይቲን ተሓለቕትን ዋላ ንዂን ስልጣን የብልናን። ሽሕ ግዜ ንነብስና ደቂ ህዝቢ፡ ተቓለስቲ፡ ተሓለቕቲ እናበልና ነጠምቃ፡ ህዝቢ፡ ‘ኣይምልከተኩምን’ዩ፡ ኣይወከልክኹምን፡ ጒዳየይ ባዕለይ ኣለኹዎ’ እንተ በለና እንታይ ኢና ክንብል? ክንግንዘቦ ዘሎና፡ ሓሓንቲ ድምጺ ኢና እንውንን። እንኮ እንውንና ድምጺ ከም ናይ መላእ ህዝቢ ጌርና ከነቕርባ እንተ ፈተንና ተኣማንነት ዘይክንረክብ ንኽእል። ብሃበ ተረኽበ፡ ‘ሕርያና’ዩ ሕርያኡ’ እንተ በልና የኽፈኣልና’ዩ። ‘ተሓጓሚ ከሎስ ተሓዝ ማሕጐማ ይጠርጥ’ ይኸውን ኣሎ ጒዳይ። ‘ድምጽና ይሰማዕ’ እናበልና ድምጺ ህዝቢ ኣይንዓፍን። ደረት ስልጣንና ክንጸር ኣለዎ። ዋላ ተቓለስትን ኣቃለስትን ንዅን፡ ድምጺ ናይቲ ኣብ ስቕታ ዘሎ ሓፋሽ ክንዘምት የብልናን። ኣብ ኢድና ዘየሎ ኣብ ኢዱ ኣሎ። ኣብ ቤቱ ብረት ሓቚፉ ዝሓድር ዘሎ ዶ ኣይበዝሕን? ነዚ ህዝቢን ድሌቱን ዘጽናዕናዮ ኣይመስለንን። ዘይበጻሕናዮ ነገር ከይህሉ ምጽናዕ ከድልየና’ዩ። ስለምንታይ ንዝብል ሓታቲ ክንምልስ ዘይንኽእል ምስ እንኸውን ስራሕ ንፍታሕ።” ሰየሞም ርኢይቶን እማመን ኣቕረበ።
“ኣንታ ነዚ ድፉን ህዝቢ ዲኻ ህዝቢ ኢልካዮ?” ማዕበል ተቐቢሉ ናብ ምዝንጣል ህዝቢ ኣተወ።
“ማዕበል ኣይተሃወኽካን? ‘ተሃዊኸን ይደፍአኦ ተደቢረን ይሓፍሰኦ’ ይዀነካ ኣሎ። ’ዓወት ቃልስና ኣብ እምነት ህዝብና!’ እናበልካ ትጭርሖ ደኣ ኣሻብካ ኣዋዲቕካዮ? ካን ኣይ ሰሙን ኣይ ሳልስቲ! ቁሩብ ዝእምነተን ቁሩብ ክሕደተን’ዩ ናትካ ነገር። ከም ኩነታት ኣየር ካብ ሰዓት ናብ ሰዓት ዝቀያየር ቀዋምነት ዘይብሉ ኣየውፍር ኣየእቱ ሰረተ እምነት። ንህዝቢ ዝንዕቕ ፖለቲከኛ ከኣ ክዕወት ኣይረኣናን። እንታይ ይበሃል ኰይኑ፡ ካብ ከም ሰፍኢ ግልብጥ ግልብጥ የድሕነና። ፈቲኻ ግን ኣይኰንካን ዓቕሊ ጽበት’ዩ እንታይ ክትገብር። ብዝዀነ፡ ፈቲና ጸሊእና ንሱ’ዩ ህዝብና። ንሱ ዘይኰነ ንዓና ዘይበቅዕ ከኣ ንሕና ኢና ንዕኡ ዘይንበቅዕ። ዝሕላ ምሕላ እናበላዕካ፡ ዊስኪን ወይኒን እናጨለትካ፡ ብወንጭፍ ዝመሓደር ቃልሲ ክትዛረበሉ’ዩ ዘሕፍር። ዕርቃንን ጥሜትን እምበር ምቾትን ወላህላህን መልክዕ ቃልሲ ኣይኰኑን። ብግብሪ እምበር ብመልሓስ ዝመጽእ ለውጢ የሎን። ፍረ ካብ ዘይሃለዎ ድማ ብሓለንጊ መልሓስ ምልፍላፍ ዋጋ ኣይርከቦን። ኣእዛን ሰብ ኣይነደንቁር። ከምቲ ሰየሞም ዝበሎ ስራሕ ምፍታሕ ይሓይሽ። ኣብ ዘይንኽእሎ ኣቲና ህዝብን ሃገርን ኣይነቋስል።” መስትያት ዓይኒ ዓይኖም እናዀለለ’ዩ ዝዛረብ ነይሩ። ዘረባኦም ዲዩ ቅጭ ኣምጺኡሉ ወይስ ሓዲሽ ባህሪ ኣማዕቢሉ ኣብ ገጹ ትብዓት ይንጸባረቕ ነበረ።
“ዓንደረቦ ምዃንና ዘይምፍላጥና’ዩ ዝገርመኒ። ብደርጓዕጓዕ እንፈጥሮ ፍኑው ድምጺ ንዓለም ምልእቲ ግልብጥ እነብላ ዘለና ኰይኑ ይስመዓና ይህሉ። ኣብ ውሽጢ እቲ ደርጓዕጓዕ ዝብል ድምጺ ስለዘለና ኣይርደኣናን’ዩ። ካባና ወጻኢ ንዘሎ እንፈጥረሉ ነውጺ ክሳብ ክንደይ ኣዕናውን ኣደንቋርን ምዃኑ እንተ ንፈልጥ ግን ምሓፈርና። ኣይከኣልናዮን ኣይክንክእሎን ከኣ ኢና። ስለዚ፡ ንዘይንፍውሶ ቁስሊ ኣይንፍጠር። ንዘሎ ውን ኣይነቋስል! ፈቲና ጸሊእና ስራሕ ንፍታሕ።” ሰየሞም ደጊሙ ኣስመረሉ።
“እንታይ? ….. እንታይ’የ ኣንታ ዝሰምዕ ዘለኹ! ህዝብን ሃገርን ኣይነቋስል? እዚ ርኡይ ተምበርካኽነት’የ ዝብሎ። ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ ኣይሕደርን’ዩ። ከይተቛሰልካ ዝመጽእ ጥዕና የሎን። ኢደይ ክህብ’የ ዝበለ ስራሕ ይፍታሕ። ሓጺር’ዩ እኮ። ናብቲ ጨፍላቒ ስርዓት መገዲ ከነርእዮን ከነብጽሖን ንኽእል ኢና። ነፍሲ ወከፍና ክፈልጦ ዘለዎ፡ ቃልሲ ለማጽ ጒዕዞ ኣይኰነን። ውረድ ደዪብ ኣለዎ። ደርሆ ወይ ብዕራይ ሓሪዱ ዝኸኣሎ ድማ የሎን። እናተጋገኻን እናተኣረምካን’ዩ። ስራሕ ንፍታሕ ኢልካ ዘረባ ኣሎ? ኣንታ ገለ ክንሰምዕ ኢና!” ማዕበል ንመስትያትን ሰየሞምን ኣጉባዕባዓሎም።
“ህግደፍስ እናተጋገየን እናተኣረመን እንደኣሉ ዝመርሕ ዘሎ። ስለምንታይ ዘይኣመንናሉ?” ሓተተ መስትያት።
“በጃኻትኩም ኢለኩም ህግደፍ ኣይተልዕሉለይ። እንታይ ኢኹም ኩሉኹም ህግደፍ ህግደፍ ትብሉ? ስሙ ክሰምዖ እንከለኹ ደመይ’ዩ ዝፈልሓኒ። ክነብር ኣይትደልዩንን?” ኣንጸርጸረ ማዕበል።
“ሓቅኻ ኣለኻ። ቃልሲ እናወደቕካን እናተሳእካን’ዩ። ቃልሲ ዘጸውዖ ድማ ምውዳቕን ምትሳእን ስለ ዘለዎ’ዩ።” ሰየሞም መግለጺኡ ናብ ማዕበል ኣቕነዐ። “ከም ሓቂ ሓርጐጽጐጽ ኣለዎ። ከምዚ ንርእዮ ዘሎና ምድቃስን ምትሳእን ግን ኣይኰነን። ዘይሰራሕካዮ ሰሪሐ እናበልካ ብወረቓቕቲ ጸብጻብ ከብሒታት ምዝቕባብ! ኣምሳያኡ ንዕጥቂዶ ንስንቂ እናበልካ ኢድ በተኻት ምብታኽ! መኣዝንካ ኣጥፊእካ ንሓፋሽ መኣዝኑ ከተጥፍኣሉ ምፍታን ብዕልግና’ዩ። ነዚን ወዲ ከምዝን’ዩ ነብስና ንፈትሽ፡ ምስ ነብስና ንተዓረቕ ዝተባህለ። መኣዝኑ ዝሰሓተ ናይ ቃልሲ ምንቅስቓሳት ኢና ንርኢ ዘሎና። ሓቂ ክንዛረብ፡ ቃልሲ፡ ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት’ዩ ዝሓትት። ካልኣዊ ኣይኰነን። ጐኒ ጐኒ ካልእ ዋኒንካ፡ ኣብ ትርፊ ግዜኻን ብትርፊ ውነኻን እተካይዶ ክኸውን የብሉን። ከምኡ ምስ ዝኸውን ውጽኢቱ ፍሽለት’ዩ። ዝዘራእካዮ ስለ እትዓጽድ ውን ማዕረ ማዕሪኡ ስዕረትካ ንምቕባል ድሉው ምዃን። ብሚዛን ክውንነት፡ ምስሉይነት ንቃልሲ ኣይመኻይዱን’ዩ። ኣብ ዝኣጐድካዮ ቃልሲ እንተስ ብምስግዳድ እንተስ ብምትላል መሳኪን ከተሳውር፡ ንስኻ ከኣ ኣብ መድረኻት ክትምድር ነውሪ’ዩ። ክስዋእ ዘይደሊ ካልኦት ክስውኡሉ ክጽበ የብሉን። ቃልሲ ከም ፍቓድ ንግዲ ተጠቒምካ ክትምጅርጥ፡ ፍትሓዊ እናመሰልካ ፍትሒ ምቕታልዶ ኣይኰነን? ዝውስኸሉ እምበር ዝምዝምዞ እኮ ኣይሰኣነን እዚ ህዝቢ። ወይሲ እዚ ቃልሲ ከም መናበርን መፍትሒ ጒዳይ ሽቕለትን’ዩ ዝሕሰብ ዘሎ? እቲ ይዂን እዚ መልክዑ ስሒቱ ኣሎ። ብስም ህዝብን ሃገርን ዝግበር ሸቐጥ ክተርፍ ኣለዎ። ሓላዪ ህዝብን ሃገርን’የ ዝብል ኣብ ግንባር ተገዲሙ ግንባሩ ክህብ ኣለዎ። ሓልዮቱ ብግብራዊ መስዋእቲ የርኢ። ድሕሪኡ ተኸተልቲ ይረክብ። ጸወታ ገዛ ገዛ ግን ትርጕም የብሉን።”
“ቃልሲ ኩላትናዶ ኣይኰነን እዚ ቃልሲ? እንታይ ኢኹም ተናሽዉዎ ዘለኹም? ለውጢ ኣየድልየናን’ዩ ማለትኩም ዲዩ? ምውፋይ ተሪፉኩምስ ምንእኣስ ስራሕና ኢልኩም ተተሓሒዝኩሞ? እቲ ጨቋኒ ስርዓት ደኣ ዘይ ከምዚ እንታይ ይደሊ? ክትፈልጡ፡ እዚ ጥስጡስ ስርዓት ንዓኻትኩምን መሰልትኹምን ኣሚኑ’ዩ ድላዩ ዝገብር ዘሎ። ቃልስና ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ትመልስዎ ዘለኹም ንስኻትኩም ኢኹም። ምስዚ ስርዓት ዘለኩም ምድንጋጽ ኣብ ውሽጥና ኰንኵም ትቕጽልዎ ኣለኹም። ብቁጽሪ ውን ውሑዳት ኣይኰንኩምን። ‘ኣንጻር ጭቆና ህግደፍን ጽገናዊ ምንቅስቓስ መድረኽን ንቃለስ ኣለና’ እናበልና ኣብ ውሽጥና ገቢልኩም። ደሓን ግን ግዜ መልሲ ኣለዎ። ክንረአአ ኢና!” ማዕበል ጻዕዳ ፈኸራ ገበሮ።
“ለውጢ ዘይደሊ ዘሎ ኣይመስለንን። ዝበሃል ዘሎ ቃልሲ ናይ ኩላትና ክኸውን ግን፡ እንታይ ዓይነት ለውጥን ብኸመይን ኣብ ዝብል ምውህሃድ የድሊ።” ርግኦ መለሰሉ።
“ንድሕሪት’ንዶ ኣይትምለሱና። ብዝዀነ ይዅን ኣማራጺ መሰረታዊ ለውጢ ክመጽእ ክኽእል ኣለዎ። በቲ ንህግደፍ ዝርደኦ ቋንቋ ክኸውን ግን ተመራጺ’ዩ። ህግደፍን ኣሰር ህግደፍን ዘይረኣየሉ ለውጢ ክመጽእ ኣለዎ። ጽገናዶ መድረኽ ውን ምስ ህግደፍ ሓግሒግካ ክጽረጉ ኣለዎም። ህግደፍን ኣሰሩን ዘይብላ ኤርትራ ጥራይ ትፈጠር። ከምቲ ኢሰያስ ምስ ሰኸረ ‘ኣነ ዘይመርሓ ኤርትራ ኣብ ባሕሪ ትእቶ’ ዝብሎ፡ ህግደፍ ይዅን ጽገናውያን ዝመርሕዋ ኤርትራ ዋላ ውሕጅ ይውሰዳ። ኢድ ተስቶት ካብ ጕዳይ ሃገርናን ህዝብናን ክትቁረጽ ኣለዋ።” ማዕበል ነቲ ከይተልዕሉለይ ዝበሎ ከይተረደኦ ደጋገሞ።
“እንታይ ክትረክብ ዝወደይ? ካን ብዓንደ ርእሱ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቈላ! እንታይ ዘረባኡ’ዩ። ንዓ ደኣ ናብ ልብኻ ተመለስ። ነዞም መዋግዕትኻ ከኣ ኣይትበድሎም። ካብ ኣፎም እናቘለብካ እኮ ኣፎም ኣትሒዝካዮም።” ሓደ ካብቶም ኣብ ስቕታ ተዋሒጦም ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ዘውጽእዎ ቃል’ዩ። “ተስቶት ኣይትጽላእ። ንዝራብዕ ተስታይ’ዩ ዝምህሮ። ንተስታይ ድማ ዝራብዕ’ዩ ዘብርዮን ዝሕንግሮን። እቲ እንተ ዘይመሃረ እቲ እንተ ዘይሓንገረ ወይ እንተ ዘየብረየ ፍረ የሎን። ተስታይ ብተመኩሮኡ ዘይቅልሶ፡ ዝራብዕ ብሓይሉ ዘይደፍኦ ቃልሲ ኣብ ዝበጽሖ የብሉን። ውሉድ ንወላዲኡ እንተ ነዓቐ ንነብሱ’ዩ ዝንዕቕ። መግለጺ ሕመቑ’ዩ ድማ። ዝጸልአ እንተ ጸለአ ናብ ዕዳጋ ኣውሪዱ ክሸጦ ወይ ክልውጦ ኣይክእልን’ዩ። ካብ ወላዲኡ ንኽበልጽ ዝገበረ እቲ ወላዲኡ ምዃኑ እንተ ረስዐ ክሕደት’ዩ ዝፍጽም ዘሎ። ንወላዲኡ ዝኸሕድ ንፈጣሪኡ’ዩ ዝኽሕድ። እዚ ኰይኑ ዘሎ ክኸውን ዘይነበሮ’ዩ። ከምኡ እንተ ዝኸውን እቲ ካብ ወላዲኡ ዝበልጽ ጠስሚ ምተዓበየ። ካብ ወላዲኡ ከም ዝበልጽ እናፈለጠ ንወላዲኡ ረሲዑ ወይ ክሒዱ ኣይፈልጥን። ብዘይካኻ ማዕሪገ ኣይምዕርግን’የ ንዓ ደኣ ኣይትፈለየኒ እናበለ ትሕትናኡ ክገልጽ ንርእዮ ኢና። ኣባልዓ ገዓት ዘይፈልጥ ዘሎ ኣይመስለንን። ከመይ ደኣ ወላዲ ኣባና ዝሓስር? ክንዲ ጽፍሩ ዘይብልና ንሱ ዝጸሮ ዘይንጸውር ንወላዲ እነነኣእስ? ዓገብ! ኣበይ በጺሕናዮ?” ተግሳጾም ኣስምዑ።
“ተወራዚኹም ከም ትኽእልዎ ኣርኢኹምኒ ኣለኹም። ሰሚዐልኩም ኣለኹ። ከይተደፈርኩም ኣፍኩም ሓዙ።” ማዕበል ኣጠንቀቖም። ሽጋራ ወልዐ። ዝብሉዎ ግዲ ጠፊእዎም ጠሚቶሞ ስቕ በሉ።
“ለውጢ ንዘይብሉ ዘረባ እንተ ኣንጀባረርናዮ ጣቋ የብሉን። ከም ዝመስለኒ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ባህሊ ፍልቀትና ገና’ዩ ዘሎ። ተጀሚሩ እምበር ኣይተወደአን። ንህግደፍ፡ ንመድረኽ፡ ንጀብሃን ካልኦትን ኣዋሲንና ደኣ ንመን ኢና ከነሳትፍ? ብዛዕባ እታ ኣብ ግሪኽ ተወሊዳ ብናጽላኣ ኣብ ግሪኽ ዝሞተት ‘ደሞክራሲ’ ክንሓስብ ኣውጊሕና ነዕርቦ ኣሎና። ካብ ስማ ሓሊፍና ትርጕማ በጺሕናዮ ኣይብልን። ማና እትመስለና ውሑዳት ኣይኰንናን። ብስማ’ኳ እንተ ዘይኰነ ኣብ ሕብረተ ሰብና ምንባራ ውን ይዕለል’ዩ። ቀንዲ ሕመረታ ኣሳታፊነት’ዩ። ኣይ ካብ ግሪኽ ኣይ ካብ ሕብረተ ሰብና ግን ኣይረኸብናያን። እዚ ከኣ ፍጮ ከም ዘለና’ዩ ዘርኢ። ፍልልይ ክህልወና ምኽኣሉ ጽባቐ’ዩ። ብእወታዊ መልክዑ ክንጥቀመሉ ምስ እንኽእል ጥራይ’ዩ ግን። ካብ ጸቢብነት ወጺእና ኣስፊሕና ንኽንሓስብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ብመነጸር ዝቐረበ ሓሳብ ኣይጽላእን። እቶም ብደረጃ ዓለም ኢና እንሓስብ ዝብሉ ግን ዘየድፍርዎም ክብርታት ኣለዉዎም። ብደረጃ ዓለም ከም ዝሓስቡ ዝገልጹዎ ሸፈጥ’ዩ። ማለት፡ ልቢ ገርሂ ንምዕዳግ፡ ከም መሸቀጢን መታለልን’ዮም ዝጥቀሙሎም። ካብ ዓለም ንነጸል ዘይኰነ፡ ኣብቲ ዘተሓዋውስ ንተሓዋወስ፡ ኣብቲ ዝፈላሊ ከኣ ንፈለ። ምጕራሕ የድልየና ኣሎ። ብቋንቋኦም ስለ ዝተዛረብካዮም ብጽቡቕ ዝርእዩኻ፡ ካብ ቋንቋኦም ወጻኢ ስለ ዝተዛረብካዮም ዝኸቱኻ እኮ ንርኢ ኢና። ስለዚ ከክብርታትካ’ዩ ዘኽብረካ ንምባል’የ።” ርግኦ ዝመስሎ ተንተነ።
“በጃኻትኩም ግደፉና። ንዓቃባውያን ዝኸውን ርእሲ የብልናን። ኣየናይ ዘኽብር ክብርታት’ዩ ክብሪዶ ስንጫር?” ማዕበል ኢዱ ነጸገ።
“እዛ ሃገር ሃገር ረዚን መስዋእትነትን ሕድሪን’ያ። ክንደይ ቀያሕቲን ጸለምትን፡ ሓጸርትን ነዋሕትን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝኸፈልና ቀሲንና ንኽንነብርዶ ኣይኰነን? ሓሳብና ግን ኣይሰመረን። ዕላማኦም ተጨውዩ፡ መስዋእቶም ንተበለጽቲ ኰይኑ ተሪፉ።” ኣዒንቱ ንብዓት ቋጺሩ ሕንቕንቕ እናበለ መቓልሕ ዝተዛረቦ’ዩ። ኣብ ዘዝተባህለ ርእሱ ብእወታ’ዩ ክንቕንቕ ኣምስዩ። ነቲ ብዙሓት ብተደጋጋሚ ዝብልዎ’ዩ ከም ዘለዎ ቀዲሑ ኣቕሪቡዎ።
“ሕማምና ኣለሊና ክንፍውስ ክሳዕ ዘይከኣልና፡ ድፍረት ዘለዎ ሓኪም ዘድሊ መሲሉ ይረኣየኒ ኣሎ። ነዚ ዘሎ ቁስሊ ጐዳዲኡ ብምሕጻብ ዝፍውስ። ነዞም ክዝረበሎም ዘይንደሊ ክንዛረበሎም ዘድፍር ትብዓት ዘመቓርሕ ሓይሊ የድልየና ኣሎ። ድሕሪኡ ክንሓውን ጥዒና ክንነብርን። ሓደ ካብኡ ኣብዚ ተላዒሉ ዘሎ ኣብ ስውኣት ዘለና ርድኢትን ኣመለኻኽታን’ዩ። መቓልሕ ከተልዕሎ ምኽኣልካ አመስግነካ። ኣብ ውሽጠይ ዝኹርኰሓኒ ሓሳብ ኢኻ ኣበጊስካ ዘለኻ። ደፊርኪ ኣይትበለኒ፡ ሓደ ሕቶ ክሓተካ’የ።” መነጸር ድሉውነቱ ክትፍትሽ ጠመተቶ። “ሕቶይ ኣብቲ ዘቕረብካዮ ሓሳብ ዝተመርኰሰ’ዩ። ዕላማኦም ክጭወ እንከሎ ኣበይ ኔርካ? ንስኻኸ ካብቶም ተበለጽቲ እትብሎም ዘለኻ ብምንታይ ኢኻ እትፍለ?” ሕቶኣ ኣቕሪባ መልሲ ኣይተጸበየትሉን። ቀጸለት። “ብርግጽ እዛ ሃገር ሃገር መስዋእትነት’ያ። ዘጠራጥር ወይ ዘተሓታትት የብሉን። ወለዶታት ተኸፊሉዋን ይኽፈላ ኣሎን። በቲ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ዝሽቅጥን ዝነግድን ግን በዚሑ። ሕሉፍ ሓሊፉዎም፡ ‘ሓርነት ብሕጂ’ዩ። እዞም ሕጂ ዝዋደቑ ዘለዉ’ዮም ጀጋኑ ሓርነት፡ እዞም ሕጂ ዝወድቁ ዘለዉ’ዮም ሰማእታት ሓርነት’ እናበሉ ዝዛረቡ ውን እኮ ኣለዉ። ረዚን ዋጋ ከም ዘይከፈልና፡ ተወሳኺ ዋጋ ከኽፍሉና ዝቃለሱ። ነቲ ኣቐዲሙ ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋ ክብሪ ዘይህቡ ከም ዘለዉ ኣይንዘንግዓዮ። እዚ ክሕደት እዚኸ ምስ ምንታይ’ዩ ክቑጸር? ቅሉዕ ሸቐጥ! ካብቶም ሸቃጦ ምዃንና ከኣ ዘይምዝንጋዕ ከድልየና’ዩ። ዝኽርን ክብርን ካልእ ኰይኑ፡ ብስም ስውኣት ሓለፋ ንምርካብ፡ ሸቐጥን ምንያትን ብወገነይ ኣድላዪ ኣይብሎን። ከሕፍረና ይግበኦ። መቈጻጸሪ ኣእምሮን መሸመቲ ጥቕምን ኰይኑ’ዩ ዝስመዓኒ። ሓውኻ ወይ ሓፍትኻ ከፊልካ ክትነብር ምምናይ ንባዕሉ ተበላጺ ምዃንካ’ዩ ዘርኢ። ካልእ መግለጺ የብሉን። ኣብ ዝኣመኑሉ ዕላማ ዝወደቑ ሰባት ምልዓሎም ንምንታይ? ዕማሞም ዓሚሞም’ዮም። ብግብርን መንፈስን ኣብ ሓመድ ናይታ ዝኣመኑላን ዝተሰውኡላን ሃገር’ዮም ዘለዉ። ንሕና ኣበይ ኣለና? ነብሰ ፍትወት ዘይኰነ ዘድሊ ዘሎ ዕማምካ ምዕማም’ዩ። ኣብ ዓመት ሓንቲ መዓልቲ፡ ብናይ ሓንቲ ደቒቕ ናይ ሕልና ጸሎት – ንሳ ውን ንገብራን ዘይንገብራን፡ ብሓንቲ እንተኽላ ገረብ – ንሳ ውን ንተኽላን ዘይንተኽላን ኣይኰኑን ዝድበሱ። ንዝዓረፉሉ ሓመድ ክንዲ ነረጋግኦ ገዲፊናዮ ተሰዲድና። እቲ ሓመድ ውን ተተባሕጒጉ ይስደድ ኣሎ። ኣፍና ግን ካብ ምልፍላፍ ኣይዓረፈን። ‘ጅግና ኣይትኹን ሓው ጅግና ኹን’ ዝብል ብሂል ፋሽኑ ሓሊፉ’ዩ። ዝሰርሕ ኰይኑ ኣይስመዓንን። ዘይመላዕልትኻ ዘይምልዓል እብል ብወገነይ።” ብፍላጻ ሓቂ ንሕልናኦም ወግኣቶ።
ዝመለሰ ኣይነበረን። ይትረፍ ከምዚ ዝበለ ወጋኢ ቃላት ተወሲኹዎ፡ ነገረ ስውኣት ክለዓል እንከሎ ንዅሉ’ዩ ዝኸብዶ። ረዚን መንፈስ ስለ ዝጸዓኖ ኣኣብ ዘለዎ’ዩ ዝመክኽ። ስቕታ ነገሰ። እታ ብቃና ዘይምርድዳእን ምቁልላብ ዘረባን ተዓፊና ዘምሰየት ደርፊ ንኽትስማዕ ዕድል ረኸበት። ደጊማ ምጅማራ ዘይተርፋ’ኳ እንተነበረ ኣብ ኣጋ መወዳእታኣ’ያ ነይራ።
“እምበኣር ክትህነጽ ምዕርግቲ ህድሞና
ሓቛፊት ናይ ስድራ ዋሕስ መንነትና
ወፈራ ይቐጽል ብፍቕርን ስኒትን
ዋጋኣ ክቡር’ዩ ጽባሕ ከይነስተንትን”
እናበለ፡ ኣብራር ብደርፉ ለበዋኡ የመሓላልፍ ነበረ። እዝኒ ዘይኰነ ልቢ ዘለዎ ሰማዒ ክረክብ ተመነኹሉ።
ሚያዝያ 2015
ይቕጽል…..