መማእሪርና እነምጽኦ ጽገ
ተጸበይቲ በዚሖሞ …
ተቐበልቲ ኣብ ኣፍ ደገ
“ንዑ “ይብሉና ተመቕሊሎም
“ውጹ” ንዝብሉና ተቖጢዖም ።
ሃቐነ ምስ በዝሐ
እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ክሓልፎ
ምስናይ ኣብዮም
ዋላ እንተገፍሑ ቆፎ
በቃ …!
“ንዑ “ይብሉና ተመቕሊሎም
“ውጹ” ንዝብሉና ተቖጢዖም ።
እሞ ኸ ድኣ ሕጂ
ነየኒኡ ሹም ክንሓሪ
ኣየናዮም ኮን ይኸውን
ኣዛዚ ነይሩስ…
ተኣዛዚ ኮይኑ ዘብሪ ?
ጉድ’ኮ ረኺብና ንሕና ኣናህብ
” ኣምዕሩ ” ዝብሉ በዚሖም
ስኢና ግን ዘዐግብ፡ዝዓግብ ።
~ ~ ~ ~ ~ ~ ~ ~ ~ ~ ~
ግርማይ ምሑር
2010