ደቂ’ነይ
ቅጫ ዓተር ኮንክን
መጸበቕ መኣዲ
ኣብ ውራይ ርኹባት
ትዕደላ ብፍቕዲ
ኣይ ምስ ጣይታ
ኣይ ምስ ስዋ
ኣይ ምስ ጸብሒ
ኣይ ምስዝሕላ።
ጸላኢና እመሰል
ብዓተርን ፈስን
ይኣምን እንድየ
ሓኸለ ምዃንክን
ሓቒቕ’ከ ዘይትኾና
ጸበል ክገብረክን።
እቲ ቅርጫት ከይተኸድ
ህይወት ከየኽተመ
ቅድሚ ሓመድ ድበ
ሽትት’ባ በላ ከምታ ሓጻር ጣፍ
ቀራብ መኣዲ ከይዓበሶ ትንፋስ።
ዲያሪ ደርሆ ጥሪ
2005