AMAN TEKESTE W.
- ዛዕባ ገጠምቲ፤
ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት፡ ብዛዕባ ኣብ ደርፍታት ክሊፓትና ዝረኣይ ዘሎ ጌጋታት ኣመልኪተ ክልተ ጽሑፋት ኣዳልየ ነይረ። ደረስቲ ክሊፓትና (ዳይሬክተራት) ርኡይ ናይ ግዜ ምውህሃድ፣ ፍሉይ ሓሳብ ናይ ምህላው ብቕዓት፣ ዓቐን ብርሃን ምቁጽጻር፣ ልክዕነት ምከና ዘይምፍጣር፣ ሓድሽ ኲርናዕ ዘይትረኽበሉ ዛንታ፣ ውህደት ዝተፈላለዩ ስነ-ሲነማ ነገራት ዘይብሉ … ወዘተ. ድኽመታት ከም ዘሎዎም ኣብተን ካብ ዓሰርተ ዘይውሕዳ ክሊፓት ናይ 2016 ተዓዚበ። እቶም ኪኢላታት ስነ-ካሜራ’ውን ርኡይ ናይ ሲነማቶግራፊ መትከላት (ከም ዓቐን ብርሃንን ጸላምን) ዘንጊዖም ትረኽቦም። ከም ኣብነት፡ ብዛዕባ ደልሃመታዊ ናብራን ተስፋ ኣልቦ ኩነታትን እናተደርፈ ከሎ፡ ኣብ በጣዕጣዕ ዝበለ ጸሓይ ኮይኑ ክደርፍ ትርእዮ፣ ነዛ ክሊፕ ዘዳለወ ‘ሲነማቶግራፈር’ ኢሎም ድማ ስሞም ክጽሕፉን ምስ ሰባት በቲ ቅጽል ክላለዩን ይሸባሸቡ። ምስ ሓደ ዓርከይ በዚ ናይ ክሊፕ ዝተበገሰ ዘረባ፡ “ንዘረባ ዘረባ ኣምጸኦ …” ብዛዕባ’ዚ ‘ግጥሚ ብመልክዕ ድምጺ’ ኣሰኒኻ ዝዝርጋሕ ዘሎ ኣዕሊልና። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ግጥምታት ብድምጺ ተመሊኦም (ኣውዲዮ ግጥሚ) ኣብ ፈይስቡክን ዩቲብን ዘቕርቡ ገጠምቲ ኣሎዉ። ንብዙሕ ነገራት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ጽቡቕ ተበግሶ እዩ። ነገር ግን፡ ካብቲ ድምጺ ግጥሚ እቲ ባክ-ግራውንድ ሙዚቃ እናዓብለለ። ኣብቲ ንመሰነይታ ኢሉ ዝቐርብ ስእልታት’ውን ስክፍታ ኣለኒ፣ ኣድህቦ ሰማዒ ዘሰናኽል/ዝሰርቕ ክህሉ የብሉን። ልዕሊ ኩሉ ግን፡ ኣብቲ ቅዲ ኣናብባ ጸገማት ይረኣዩ ኣሎዉ። ናይ ቀደም ኣገባብ ብዝመስል፡ ነቲ ግጥሚ ከም ሓጺር ዛንታ መሳሊ ገይሮም ዘንብብዎ ሰባት ገጢሞሙኒ ኣሎዉ። ገሊኦም ከኣ ብምሒር ቅልጣፈ ኣናብባ፡ ልብኻ ዘድክሙ ኣይተሳእኑን። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ካብቲ ጽቡቕ ኣናብባ ዝመሰጠኒ፥ ዶ/ር ርእሶም ንናቱ ግጥምታት፣ መለስ ንጉሰ ንናይ በየነ፣ መኰነን ተስፋይ ንናይ ብርሃነ ገ/ሂወት ‘እቲ ካልእ ዓረር’፡ ‘ኣበሳ ኲናት’ ንናይ ኣማኑኤል ኣስራትን፣ ብርሃነ ገ/ሂወት ናቱ ግጥሚ ‘በረኻ ዓድና’፣ ጸጋይ ተመርዖ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ዘንብቦን ካልኦት ብዙሓትን ከም ኣብነት ከቕርበን እኽእል።
ነገረ ግጥሚ ካብ ተላዕለ፡ ውሑዳት ዘይኮኑ ገጠምቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝኸውን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ስደትን ብምዃን ግጥሚ ዝጽሕፉ፡ ኣብ ክንዲ፥ “እናሰሓቚ፡ እናሳዕሱዑ፡ እናዘከሩ፡ እናጎየዩ፡ እናበልዑ፡ እናመጎቱ … ወዘተ.” ኢሉም ክጽሕፉ ዝግበኦም፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ግጥምታቶም ‘እንዳሰሓቚ፡ እንዳሳዕስዑ፡ እንዳዘከሩ፡ እንዳጎየዩ፡ እንዳበልዑ፡ እንዳመጎቱ …ወዘተ.” ኢሎም ክጽሕፉ ምስ ትዕዘብ፡ ገሪሙካስ ትዕዘም! ሓደው መጽሓፍን ግጥምን ናይ ምንባብ ሸውሃት ከም ዘይብሎም ወይ ከኣ ኣቓልቦ ኣይገብሩን’ዮም ወይ ድማ ነቶም ዘለብምዎም ሰባት ጠቕላላ ዘይትሰምዕ እዝኒ ኣላቶም። “እንዳ” ምስ ባህሊ ሕ/ሰብ ኤርትራ ዝኸይድ ዕዙዝ ትርጉም ዘሎዎ ቃል’ዩ፣ ምስ ተራ ቃላት ከም ቅድመ-ጥብቆ ዝልጠፍ ኣይኰነን። ሕጊ እንዳ’ባ ፍግራይ፡ እንዳ ገርግስ … ወዘተ. ክብሃል ከሎ ንገዛታት /እንዳታት (ስድራቤታት) ኢዩ ዝውክል። “እንዳሰሓቊ፡ እንዳመጎቱ” ክብሉ ኸለዉ፡ እንዳ/ገዛ ስሓቕ፡ እንዳ/ገዛ መጐት ዘሎ ኮይኑ’ዩ ይስመዓካ።
ምስ ጉዳይ ቃላት ዝኸይድ ነገር ከኣ፡ ኣብ ኩለን ግጥምታቶም ዚጥቀምሎም ቃላት፡ ዳርጋ ተመሳሰልትን ተደጋገምትን ኢየን። እዚ ማለት፡ ሃብቲ ባህላውን ዘመናውን ቃላት ይውሕዶም። ናይ ንባብ ባህሊ ዘይምህላው ድዩ ክንድዚ ጸገም ዝፈጥር ዘሎ። ገሊኣቶም’ሞ ኣብ ርእይቶ ክቀርቡ እትጽበዮም ተራ ሓሳባት ብፈጠራውነት ወይ ሰሓቢ ኲርናዕ ብዘይብሉ መልክዕ ከም ግጥሚ ተሰሪሖም የዳልዉ። ግጥሚ ይኹን ስዲ-ንባባዊ ጽሑፍ ንምድላው፤ ዕምቈት ርድኢት ዝፈጥሩ ቃላት ምጥቃም፣ ቅኔኣዊ ኣጠቓቕማ ቃላት ምስትብሃል፣ ቅኑዕ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ቃላት ብትኽክል ምፍላጥ፣ ስዋሱው ኣዕሚቚኻ ምርዳእ፡ ልዕሊ ኹሉ ከኣ መኽዘን ቃላትካ ምድንፋዕን ዜማ ምሕላውን … ወዘተ. ካብቶም ክስገሩ ዘይግባእ መሰረታዊ መትከላት ስነ-ጽሑፍ እዩ። ነቶም ጀመርቲ ገጠምቲ ቅድሚ ብስምዒት ግጥሚ ምህናጾም፡ ስዋሱውን ገለን ኢልካ ከተዳኽሞም ቊሩብ የሰክፍ ይኸውን። እንተ’ቶም ዓመታት ኣብ ግጥሚ ዓለም ዝነበሩ ግና ካብቲ ተደሪቶሞ ወይ ተሰሚሮሞ ዘሎዉ ቊሩብ ክግስግሱ ተስፋ ይገብር። ለውጢ ኣድላዩ እዩ፣ ለውጢ ከኣ ብጻዕርን ልምምድን ክጥረ ይከኣል። ተራ ሰባት ስለ ዘድንቁሎም፡ ጥርዚ ዝበጽሑ መሲልዎም፡ ከምታ ዝነበሩዋ ዝነብሩ ኣሎዉ።
“መንእሰይ፡ ዘልዓልካዮ ኣርእስቲ ደስ ስለ ዝበሎም እምበር ጽባቐን ትርጉምን ግጥሚ ዘየቓልቡ ኣዕሩኽን ኣዝማድን ስለ ዘጣቊዑልካ ቅድሚ ደረትካ ምንፋሕካ፡ ኣመት ጽባቐ ግጥምኻ ግበር!”
ኣብዚ እዋን ኣብ ፈይስቡክን ካልእ ማሕበራዊ መዲያን ብዝሒ ዘሎዎ ግጥምታት ክዝርጋሕ/ክልጠፍ ንዕዘብ ኣለና። ከም ተራ ክንበብ ከሎ ድሓን ዝመስል ግጥምታት ኮይኑ ይስመዓካ። ኣዕሚቚካ ምስ ተንብቦም ወይ’ውን እቲ ግጥምታት ተኣኪቡ ንውድድር ኣብ ዝቐርበሉ እዋን (ከም ኣብነት፡ ዓመታዊ ውድድር ዛራ-ገጠምቲ) ካብቶም ግጥምታት እቲ ዝበዝሐ፥ መልእኽቲ ኣብ መገዲ ዝፈረሰ፣ ኣካል ዝሰብር፣ ኣርእስቲ ምስ ትሕዝቶ ዘይከይድ፣ ዕላማ መወዳእታ ማይ-ቤት ‘ሰማሪ ሓሳብ ምዃኑ’ ዘይርድኦም፣ ዜማ ወይ ረምታ ዘይሕሎ፣ ከምኡ’ውን ስእላዊ ገለጻ ዝጎደሎ ኮይኑ ይጸንሓካ። ኣብ ግጥሚ ካብታ ዘበገስካያ ሓሳብ ወጻኢ ህውተታ ዘድሊ ኣይኮነን፣ ኲርናዕኻ ምሕላው የድሊ። ካልእ ድማ ኣካል ንምሕላዉ ምጥንቃቕ የድሊ። ምስቲ ሓሳብ ዝኸይድ ክብታን ለጠቕታን ዜማ ዘይሕሎ እንተዀይኑ መቐረቱ የጥፍእ እዩ። ስእላዊ ኣገላልጻ ምጥቃም እሞ ካብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር’ዩ። ገጠምቲ፡ ግጥሞም ጽባቐ ወይ ምልኣት ንኽፈጥር፤ ከም ውስጠዘን ውከላውነትን፡ መረጻ ዕምቈት ዝህብን ስምዒት ዝጽሕትርን ቃላት፡ ፍሉይ ኲርናዕ ኣዘናትዋ ምህላው፡ ስርዓተ-ነጥቢ … ወዘተ. ኣስተብሂሎም ግጥሞም ይሃንጹን ይስልሙን። ሽሕ’ኳ ንሶም ግጥሞም ንምህናጽ ከምዚኦም ዚኣመሰለ ባእታታት ይጥቀሙ እንተዀኑ፡ ኣንባቢ ግን ኣበይ ቦታ ባእታታት፡ ውስጠዘ … ተገይሩ’ሎ ኢሉ ንምፍታሽ ኣይግደድን። ኣንባብስ፡ ብሓፈሻ እታ ግጥሚ መልእኽታ ብትኽክል ተሰጋጊሩ ዶ ወይስ ሃውቲቱ? ኣብ ኣእምሮኡ ስእሊ ፈጢራ-ዶ ወይስ ተራ ትንተና? ሓያል ስምዒት ወይ ተምሳጥ ገዲፋ ዶ? ኢሉ’ዩ ዝሓትት። ነዚ ነገር ብገምራዊ ኣስተብህሎ እዩ ዝርደኦ። ኣብ ግጥሚ ህውተታ ተበዚሑ (ምድግጋም ሓሳባትን ናብ ዘየድሊ ምልጋስን)፡ ንኣርእስትን ትሕዝቶን ዘስምር መወዳእታ ማይ-ቤት እንተ ዘይሃልዩ … ኣኺሉዋ’ዩ። ኣንባቢ፡ “ግጥሚ ኣይተሃንጸን” ጥራይ ኢዩ ዝብል፡ ናይ ገጣሚ ዝሰላለሞ ነገራት ቦታ የብሉን።
2. ዛዕባ ጽሓፍቲ፤
ኣብዚ ጽሓፍቲ ኢለዮም ዘሎኹ ንጽሓፍቲ ዓንቀጽ፡ ቴማ፡ ሓጺር-ዛንታ፡ ድራማዊ ጽሑፍን ልቢ-ወለዳዊ ነዊሕ-ዛንታን ንምውካል እዩ። ማለት ስነ-ጥበባዊ ጽሑፋት። ስደ-ንባባዊ ጽሑፋት ኣብ ሃገርና ካብቶም ኣዝዮም ንንውሕ ዝበለ ሰረት ዘሎዎም ዓይነታት ጽሕፈት ብምዃኑ ኣብዚ መዳይ ኣብ ፈጠራዊ ሸነኹ ብዙሕ ዝላ ከነርእየሉ እንጽበዮ ኢዩ። ውሑዳት ገዲፍካ ዝበዝሑ ጽሓፍቲ ካብ ኣብ ዓይነት ቅዲ/ስታይል ኣዘናትዋ፡ ኣብ ትሕዝቶ ዛንታ ጥራይ ኣተኲሮም እተን ክብልወን ዝደልዩ መልእኽቲ ብተበተብ ኣመሓላሊፎም “ሩፍ” ክብሉ ዝደልዩ ብዙሓት ኢዮም። እንተወሓደ ካብቲ ጽሕፎም ከምኡ ትርዳእ። ኣብ ስነ-ጽሑፍ ከተልዕሎ እትኽእል መልእኽቲ ፍሉጣት ኢየን፣ ዋላ’ውን ብዝሐን ብትኽክል ክልለያ ዝኽእላ ኢየን። ፍቕሪ፡ እምነት፡ ተወፋይነት፡ ትብዓት፡ ኣርኣያነት፡ ሰናይ-እከይ፡ ጽሕፍቶ … ወዘተ. ኢልካ ብዝሐንን ዓይነተንን ብንጹር ክፍለጣ ይከኣላ ኢየን። ስለዚ ብተበተብ እተን ሓሲብናየን ዘለና ቴማታት ምኽዓው ዘይኮነስ፡ ብኸመይ ፍሉይ መገዲ ሰለይ ኣቢልካ ተመሓላልፎ ኢዩ ወሳኒ። ስለዚ ኣብዚ ዝሓለፉ 20-50 ዓመታት ጉዕዞ ጽሕፈት፡ እቶም ናይ ስነ-ጽሑፍ ኣያታትና ብዙሕ ሓደ ዓይነት ዝመስል ጽሒፎም ኢዮም። እምበኣርከስ ካብዚ ኣሰልካዪ ቅዲ ጽሕፈት፡ መለሳ ዝኾነና ቅዲ ከነማዕብል ንጽዓር። ምዕዶኣዊ ኣጸሓሕፋ ንኸይመስል፡ ንውልቃዊ ጽሑፍና ውልቃዊ ዓውደ-መጽናዕቲ ስነ-ጽሑፍ ከድልየና’ዩ። ብዕምቈት ምምርማር ካብቲ ይጽንሓለይ ዘይብሃሎ ኩነት ኢዩ።
ከም ኣብነት፥
*- ግድን ድዩ እቲ ንፈጥሮ ቀንዲ ገጸ-ባህርይ ኩሉ ግዜ ለባምን ኣስተውዓልን ወይ ወዲ ተባዕታይን ጅግናን ወይ ብዓል ምሉእ ጥዕናን ሃብታምን … ክኸውን? ስነ-ኣእምሮኣዊ ዝምቡዕ ወይ ጽሉል ወይ ተጻይ ገጸ-ባህርይ ከም መሪሕ ዘይመጽእሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ? እቲ ክመሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ ሞራላዊ መልእኽቲ ደራሲ ካብ ቃናኡ ወይ ካብቲ ዝፍጠር መንፈስ ድርሰት ‘ሙድ’ ክልለ ይኽእል። ዘይተኣማኒ ገጸ-ባህርይ ዘለዋ ሓጻር ዛንታ “ስሓ መሸኒት” ናይ ኣብርሃም ተስፋልኡል ከም ኣብነት ክትጥቀስ ይከኣል።
*- ጽሓፍቲ፡ ዝበዝሕ እዋን ብቀዳማይን ሳልሳይን መንጽረ ዛንታ ይጥቀሙ። ፍልይ ንኽብል ግና እቲ ካልእ ዓይነታት ክፍትንዎ የድሊ።
*- ጽሓፍቲ፡ ካብቲ ዘላድየና ስሩዕ ዝመስመሩ ትረኻ ወጺኦም ዘይስሩዕ ኣተሃናንጻ ዛንታ ክተዓጻጸፉሉ ንደሊ። ከም ኣብነት “ዓቢዱ ዶ ትብልዎ?” ናይ በየነ ሃይለ ኣብዚ መዳይ ፍሉይነት ኣሎዋ። ዋሕዚ ፍኑው ሓሳባት ዘካተተ ትረኻ ንብህግ። ኣብነት ንምሃብ፡ ስሕት ኢሉ ቦኽረ ገብረየሱስ ዝጥቀመሉ ዓይነት ዓንቀጻት።
*- ካብ ዝውቱር ሓደን መሪሕን ገጸ-ባህርይ ወጺኦም ብዙሓት መሪሕ ገጸ-ባህርይ ዘካትት፡ ከም ኣብነት “ድኳን ትበርህ” ናይ በየነ ሃይለ፣ ኣብታ መጽሓፍ ካብ ሽዱሽተ ዘይውሕዱ መሪሕ ጠባያት ኣለዉ። ካልእ’ውን እታ መጽሓፍ ፍሉይ ኣዘናትዋ ከም ዋሕዚ ፍኑው ሓሳባት፣ ማጂክ ሪያሊዝም፣ ዛንታ ኣብ ውሽጢ ዛንታ፣ ብዝሒ ዘሎዎም ምስሌኣዊ ዛንታታት … ወዘተ. ኣጠቓሊላ ትርከብ።
*- ዝበዝሕ እዋን ዝድረሱ ምከና ናይዚ ዘለናዮ እዋን ወይ ቊሩብ ቅድም ዝበለ ኢዩ፡ ፍሉይ ምከና ማለት ቅድሚ ነዊሕ እዋን ወይ ናይ መጻኢ ምከና ዘማልአ ኣይንረክብን። ሓደ ክልተ፡ ከም ኣብነት ናይ ዮሃንስ ኣብርሃም ሓጻር ዛንታ “ጥቕሉል ዕዳ” ምከና ኣስመራ ኣብ 2027 ሒዛ ትትርኽ።
… ወዘተ.
ኣብ ሃገርና ዘይተለምደ፡ ኣብ ዓለም ግን ዝተለምደን ዘይተለምደን፡ ፈጠራዊ ኣካላት ስነ-ጽሑፍ እናተጠቐሙ፡ ጽሓፍቲ፡ መቐረት ጽሑፍ ከቕምሱና ንትስፎ።
3. ዛዕባ ሃየስቲ፤
ዝኾነ ስነ-ጥበባዊ ስራሓት ንምድላው ነቲ ደራሲ ዘድልያ ነገራት፥ ስነ-ጥበባዊ ዝምባለ/ተገዳስነት፡ ተበግሶ፡ ምንባብን ጻዕርን እየን። ብዛዕባ ግጥምን ሓጺር-ዛንታን ህየሳዊ ጽሑፍ ንምጽሓፍ ድማ እዚ ዝተገልጸን ካልእን የድሊ። ብቐዳምነት ዘድልዮ፡ ኣስተብህሎን ኣስተውዕሎን እዩ። ቀጺሉ ነቲ ክህይሶ ደልዩ ዘሎ ዓውዲ ብዕምቈት ፈሊጡ፡ ቅንዕናን ንጽህናን (integrity) ከም ዘድልዮ ኣለልዩ፡ ነቲ ስራሕ ክተሓሓዞ ኣሎዎ። ንፉዕ ኣንባቢ ክኸውን ክግደድ እዩ።
ቅድሚ ቊሩብ እዋን ኣብዚ ፈይስቡክ ንምንባብን ምብህሃልን ኢለ ኣብ ዝኸፈትኩሉ እዋን፡ ሓደ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንጽሕፈት ዝተላለየ ጐበዝ-ኣንቶረ፡ ንሓደ ጽሓፊ ሓጺር-ዛንታ፥ “እዛ ሓጻር ዛንታኻ ካብ ኩስቶ ዝብሃል ፍሉጥ ጽሓፊ ኢኻ ቀዲሕካያ” ማለት ከምቲ ብእንግሊዝኛ ‘ፕላጂያሪዝም’ ዝብልዎ፡ ኢሉ ዝጽሓፎ ጽሑፉ ኣንቢበ። ኲርናዕ ኣዘናትወአን ዝፈላለያ፡ ኣብ ንኡስ ዛንታ ቊሩብ ክመሳሰላ ዝኽእላ ክልተ ፈጠራዊ ጽሑፋት ምስ ዝርከባ፡ እቲኣ ካብቲኣ ተቐዲሓ ኢልና ብምሉእ ልብና ክንዛረብ ንኽንክእል፡ ዕምቈት ምስትምቓር ስነ-ጥበብ ወይ’ውን ዕምቈት ስነ-ጽሑፍን ህየሳን ክህልወና ኣሎዎ። ከም ኣብነት፡ ብዛዕባ ኣብ ከተማ ብምስጢር ዝዓያ ዝነበራ ዋህዮታት ሓፋሽ ውድባት ዝትርኻ ሰለስተ ዛንታታት ብዝተፈላለዩ ጽሓፍቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ክጽሓፍ ይከኣል። ምናልባት ኣብ ገለ ነጥቢ ተመሳሳልነት ኣይሰኣነን ይኸውን። ከምዚ ዓይነት ዘበገሶ፡ ኣብ ሓጺር ዛንታ ወይ ልብ-ወለድ ኣየናይ ኢዩ ፈጠራ ስራሕ? ተባሂሉ ክጥየቕ ይከኣል።
ፈጠራዊ ጽሑፍ፡ ዛንታ ምጽሓፍ ጥራይ ኣይኮነን። ካልኦት ብዙሓት ኣገደስቲ ረቛሒታት ኣሎውዎ። ናይ ሓንቲ ፈጠራዊት ጽሑፍ፡ ኣልዒላቶ ዘላ ትልሚ ምስ ናይ ካልእ ጽሕፍቲ ትልሚ ስለ ዝተመሳሰለ ተቐዲሓ ክንብል ዝከኣል ኣይመስለንን። ሓደ ጽሓፋይ ካብ ካልእ ጽሓፊ ዝፈልዮ ቅዲ ኣዘናትዉኡ፡ ቅዲ ኣጸሓሕፉኡ (style)፡ ዝጥቀመሎም ውከላውነት፡ ገለጻዊ ቃላት፡ ዝኸዶ ዕምቈት ሓሳባት ወዘተ ኢዩ። ሓደ ጽሓፋይ ጽሑፉ ንምድላው፤
*- ዝፈጥሮም ጠባያት ናይ ገጸ-ባህርያቱ (ብፍላይ ዘይዝውቱርን ፍሉይን ገጸ-ባህርይ ምስ ዝኸውን፡ ከም ዘይተኣማኒ ገጸ-ባህርይ)፣
*- ኣተሃናንጻ ዛንታ (ስትራክቸር)፤ ፍሉይ መልክዕ ኣሰራርዓን ኣገባብን ኣተሃናንጻ ዛንታ ኢዩ። መስረዓዊ ትረኻ ድዩ ዘይመስረዓዊ ትረኻ፡ ከም ‘ባክ ስቶሪ’፡ ‘ፍላሽ ባክ’፡ ‘ፍላሽ ፎርዋርድ’፡ ‘ዛንታ ኣብ ውሽጢ ዛንታ’ … ወዘተ. የጠቓልል።
*- መንጽረ ዛንታ፤ ብቀዳማይ ኣካል ድዩ ወይስ ብሳልሳይ ኣካል ዝዝንቶ ዘሎ? ሳልሳይ ኣካል ኩሉ ፈሊጥ ድዩ ውሱን ወይስ ውድዓዊ ኣካል? ምናልባት’ውን ክልተ ሰለስተ መሪሕ ኣዘንተውቲ ክህልዉ ይኽእሉ፡ ዝበዝሕ እዋን ኣብ ልቢ-ወለዳት። ካልእ’ውን ዋሕዚ ፍኑው ሓሳባት ሜላ ኣዛናትዋ ክህሉዎ ይኽእል።
*- ምስ ቴማ ጽሑፉ ዝኸይድ ፍሉይ ኣተሃናንጻ ምከና፣
*- ዓይነት ትረኻ፤ ሜላ ኣዘረጋግሓ ትልሚ፡ ካብ ሓደ ትልሚ ናብቲ ካልእ ትልሚ ንምብጻሕ ዝጥቀመሎም ዲያሎግን ዛንታን፣
*- ስጓመ ምሉእ ሓሳባት፡ ኣተሃናንጻ ምሉእ ሓሳባት፣ ኣተሃናንጻ ተማዓደውቲ ሓረጋት፣ ዕምቈት ዝጥቀመሎም ቃላት፣ ኣተኲሮ ዝህቡ ቃላት፣ ዋሕዚ ቋንቊኡ፣
*- ግጭት ንምፍታሕ ዘቕርቦም ምጒት፡ ዕምቈት ሓሳባቱ፡ ቴማን መልእኽትን ንምትሕልላፍ ዝጥቀመሉ ኲርናዕ፣ ልዕሊ ኹሉ ከኣ ኣብ ቴማኡ ዝህልዎ ርእይቶ፣
*- ቃና ጽሑፉን ኣብ ኣንበብቲ ዝፈጥሮ ሙድን (ዝቅስቅሶ ስምዒታት)፤ ዕትበት ዶ ሕጫጨ፡ ሕዙን ዶ ድሱት ወዘተ ቃና ጽሓፋይ ንመልእኽቲ ምርዳእ ኣዝዩ ሓጋዚ ሜላ ኢዩ፣
*- ዝጥቀመሎም ውስጠዘ፡ ምልክታት፡ ኣመታትን ካልኦት ስእሊ ዝፈጥሩ ጥበባዊ ኣገላልጻታትን፣
… ምስ ወዘተረፈታቱ ኣቐዲምና ከነስተባህለሎም ዘለና ‘መስለኒ።
ኣብ ብዙሓት ኣንበብቲ ዝርአ ግርህነታዊ ኣናብባ ዘንቀሎ ክኸውን ይኽእል፡ ዝበዝሐ ኣቓልቦኦም ኣብ ክንዲ ብኸመይ መገዲ የዘንቱ ኣሎ ዝህቦም ምልኣት (ነቲ ረቂቕ መንፈስ ጽሑፍ ክንዲ ዘቓልቡ)፡ ኣብ ዛንታ (ግጭትን መዛዘምን ከመይ ኣሎ) ዘገድሶም ዝበዝሑ ይመስል። እታ ዛንታ ብዛዕባ እንታይ ዛንታ ኢያ ደኣ’ምበር ብዛዕባ እቲ ጽሓፊ ከመሓላልፎ ደልዩ ዘሎ ረቂቕ መልእኽቲ፡ ሞራላዊ ርእየት ወይ ከኣ ተፈጢሩ ዘሎ መንፈስ ድርሰት (Spirit) ዘይነቓልበሉ ኣይንሰኣንን። ሓይሊ ምስትምቓርና (taste) ክዓሙቚ ኣሎዎ። ሓደ ጽሓፋይ ግን፡ ብዛዕባ ዋላ-ሓንቲ ከይተዛረበ፡ ጽባቐን መልእኽትን ዘመሓልፈሉ እዋናት ኣሎ። እቶም ንህየሳ ንጅምሮ ዘለና እምበኣር፡ “እታ ትልሚ ናቱ ንናይ ኩስቶ ትመስል” እናበልና ንሓንቲ ጽባቐ ሓዚላ ዘላ ጽሕፍቲ፡ ሓሬትን ጸሎሎን ካብ ምጥቃንን ምሽፋንን ደጊምና ኣስፊሕና ምርምር ምግባር ከድልየና ኢዩ።
AMAN TEKESTE W.
24/03/2016