መን ኢኻ ኣንታ በዓል ሽምዓ?
ትፈልጠኒ ዲኻ ዋላስ
20 ሰነ ኢኻ ትውልዓ፡
ኣነ፡ ኣብ ነግሕታት ናትካ ሽክና
መን’የ
ኣነ፡ ዋላ’ኳ ንማሕላ
ኣነ ኢለ ኣይፈልጥን’የ፡
ግን ንኽትፈልጥ
ብርሃን’የ ልዳት ገነት
መስተርሆት’የ ናትካ ድምቀት
ቢቕቢቕታ ተድላ’የ ንጹር መንነት፡፡
ሓሊፈ ምእንቲ ኤርትራ
ገዲፈ ድኻ ስድራ
እቶም ስድራ’የ ኣነ
እቶም ዘኽታማት ደቀይ
እቲ ዑና መረበት’የ ኣነ
ሑጻ ዝጨኑ ደምበይ፡
ቁሊሕ’ዶ ትብሎም
ነቶም ከይጸገቡኒ
ከይጸገብኩዎም
ዝተኸወልኩዎም᎒
በል ኣነስ ንሶም’የ
እቲ ራሕሲ’ውን እቲ ደስታ
እቲ ቅሳነት እቲ ወኻዕታ
እቲ ሩፍታ እቲ ድቃስ
እቲ ህይወት እቲ ትንፋስ
ኣነ’የ፡፡
እታ እህህ ትብል ኣደይ
እቲ ደፋእ ዝብል ኣቦይ
እተን ጸረር ዝብላ ኣዒንቲ
እታ መጸናንዒ ዝሰኣነት ሓብቲ
ኣነ’የ።
እቲ ኣቦ ዝሰኣነ ቆልዓ
እቲ’ኳ ዘይተተግበረሉ መብጽዓ
ኣነ’የ።
ትዝክሮዶ ትዝንግዖ
“ሕድርኻ” ዝበልኩኻ ደመይ እናተኽዖ!
በል ኣነስ ንሱ’የ
ትንፋሰይ ንብዙሓት ዝዕድል
እቲ ናይ ትማሊ ገንሸል።
ረሲዐ ከኣ’ምበር
እቲ ዘለኻዮ መንበር ኣነ’የ
ስለዚ ነዚ ኩሉ
ዘክሮ!
እሞ ተግብሮ።
መለስ ንጉሰ